ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣገደስቲ ምዕባለታት መብርሂ ሂቡ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018፡ ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ምዕባለታት ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ቃለ- መሕትት ኣካዪዱ።
ብቕድሚ ትማሊ 14 ጥሪ ብድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራን ብቐጥታ ኣብ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ መበገስን ዕላማን ናይ’ቲ መደበር ቴለቭዝን ኣልጀዚራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋውሓቶን ብዘይዝኾነ ምጽራይ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተደጋገመን፡ “ብታንክታትን ነፈርትን ዝተሰነዩ ሰራዊት ግብጽን ኢማራትን ኣብ ሳዋ ዓስኪሮም ኣለዉ” ዝብል ወረ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት “ወተሃደራዊ መዓስከራት ኢራንን እስራኤልን ኣብ ዳህላክ”፡“መጸናጸኒ መደበር እስራኤል ኣብ እምባሶይራ” ከምኡ’ውን “ሰራዊት ግብጺ ኣብ ጸሮና” እናተባህለ ዝተጋውሐ ሕሱር ሓሶታት ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኡ። ጉዳያት ክትዕብልዂን ካብ መኣዝኖም ከተውጽእን ዝግበር ህድማ ንቕድሚት ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኤርትራ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣሽካዕላል ክትዕደም ቅርብቲ ከምዘይኮነት ኣገንዚቡ።
ብፍላይ’ዚ ኣብ መወዳእታ ዝተማህዘ ሓሶት፡ ብቐንዱ ብወያነን ኣብ ሱዳን ዝርከብ ውሱን ጉጅለ ፍሉይ ረብሓን ዝተሃንደሰን፡ ንሱዳን ኣብ ዘየድሊ ግጭት ንምእታው ዝዓለመን ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሱዳን በዚ ከም ዘይድህለል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሁ።
“ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኲን መደብ ኣለዋ. .” ንዝብል ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ቱርኪ ሓንቲ ካብተን ምስ ‘ናይ ዓለም ሓያላን ኢና’ ዝብሉ ሓይልታት ተሰማሚዐን ጽልዋአን ከስፍሓ ዝፍትና ሃገራት እኳ እንተኾነት፡ “እዚ ወረ’ዚ ግን፡ ዝርዝሩ ብጭቡጥ ክሳብ ዝፍለጥ፡ ካብ ናይ ህዝባዊ ርክባት ሃልኪ ዝወጽእ ኣይኮነን፣ ኪኖኡ ዝኸይድ እንተዀይኑ ግን፡ ንተኣፋፍነት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓበይቲ ምልክታት ሕቶ ዘለዓዕል’ዩ” ክብል ኣነጺሩ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ፡ ብታንክታትን ነፈርትን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ግብጽን ኢማራትን ኣብ ሳዋ ከም ዝዓስከሩ ኣጋዊሓ ነይራ። እዚ ወረ’ዚ ከኣ ከም ዘለዎ፡ ብዘይ ዝዀነ ምጽራይ፡ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ተደጋጊሙ። መበቈልን ዕላማን ናይ’ዚ ወረ’ዚ እንታይ’ዩ?
እቲ ወረ፡ ካብ ኣቡደቢ ክንምለስ ከለና እየ ኣብ ነፋሪት ሰሚዐዮ። ኣብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ከይኣተኻ፡ እንታይ’ዩ እቲ ጉዳይ እንተደኣ ኢልካኒ፡ ‘ጆክ’ ናይ 2018 እየ ዝብሎ ኣነ። ኣብ’ቲ ቀንዲ ትሕዝቶ፡ ብዙሕ ኣርእስትታት ኣዛሚድካ ክዝረበሉ ዝከኣል’ዩ። እዚ ማለት እንታይ’ዩ እቲ ዕላማ? ናይ ግዜ ኣጋጣሚኸ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል? ምስ ካልእ ዝተፈላለዩ ኣብ’ዚ ዞባና ወይ ጐደቦና እንብሎ ከባቢ እንታይ ምትእስሳራት ኣለዎ? ብዙሓት ሕቶታት ኣልዒልካ ክዝረብ ይከኣል’ዩ። ሓድሽ ኣርእስቲ ከኣ ኣይኮነን። ቅድሚኡ ፈንዮምዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶታት ዘንቢል ኣሎ። ኣብ’ዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዘንቢል’ዚ ዘይእከብ ነገር የለን። ኣብነት ኣልዒልካ ብዙሕ ክጥቀስ ዝከኣል’ኳ እንተኾነ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓሶታት ሳዕቤናቶምን ኣመዓባብላኦምን ክርአ እንከሎ. . .ኣነ ናይ ጸሮና እዩ ዝዝከረኒ። ኣብ ጸሮና፡ ቅድሚ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ብካድረታት ወያነ፡ ነቶም ወተሃደራቶም ‘ኣብ’ቲ ግንባር ግብጻውያን ወተሃደራት ኣለዉ’ ተባሂሉ ተነጊርዎም ነይሩ። እዚ ከኣ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ብዝተፈላለየ መገዲን ይዝርጋሕ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ጽውጽዋይ ክትዛረብ ግን እንታይ ቁም-ነገር ስለዘለዎ እዩ? ኣብ’ዚ ከባቢ ብዛዕባ ግብጺ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ብፍላይ ኣብ ወያነ፡ ንምንታይ ክጥቀመሉ ይኽእል ካልእ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ ግን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጕዳያት ተመሊስካ ክትርእዮም ከለኻ፡ እቲ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኣሚኑን ኣትዩን ኣብ ኲናት ዝሓረረ ሰብ፡ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋን ክሳራን፡ ብኸምዚ ዓይነት ሓሶታት እንታይ ከተመኽንየሉ ትኽእል? ዕላማ ንዘለዎ፡ ከምዚን ከምዚን ኢልካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ግን. . .።
ሕጂ ኸኣ፡ ‘ግብጺ ኣብ ኤርትራ ኣላ፡ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራት ኣለዉዋ፡ ኣጽዋር ኣሎ፡ ‘ሚሳይላት ኣሎ. . .’፡ ዘይተዘርበ የለን። እዚ ትማሊ ኣልጀዚራ ዘምጽኣቶ ድማ – ምናልባት ካብ’ቲ ዘንቢል ቁንጣሮ እዩ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል። ድሕሪኡ ዝመጸ ብፍላይ ንሱዳን ኣብቲ መጻወድያ ንምእታው፡ ‘ኣብ ደቡብ ባረንቱ ኣማኢት ወተሃደራት ግብጺ ኣለዉ’ እናተባህለ ክካየድ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ድማ፡ ‘ካብ እሙናት ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ እናተባህለ ዝካየድ ዝነበረ’ዩ። ‘ናይ ስለያን ናይ ጸጥታ ትካላትን ናይ ሱዳንን ወያነን ኣብ ከሰላ ተኣኪቦም፡ ግብጺ ኣበይ እያ ዘላ? እንታይ እያኸ ትገብር ዘላ? ኢሎም ገምጊሞም’ ድማ ተባሂሉ። እዚ ግን ኣብ መወዳእታ እንታይ’ዩ እንተደኣ ተባሂሉ፡ ምስናዕ’ዩ ማለት ናይ ሓሶት ፋብሪካ እዩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ‘ክንድዚ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ኣለዉ’ ኢልካ ትሕሱ። ነቲ ዝዝርጋሕ ሓሶት ከምዝእመን ንምግባር ከኣ፡ ኣስማት ቦታታትን ኣስማት ሰባትን ትጠቅስ። ንኣብነት፡ ነዞም ኣብ ደቡብ ባረንቱ ኣለዉ ዝተባህሉ ዘወሃህድ ተኽለ ማንጁስ ዝበሃል ጀነራል ኣሎ ተባሂሉ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ተጻሒፉ። እዚ፡ ንሓደ ዘይፈልጥ ወይ የዋህ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሓሶት ምናልባት. . .? ንሓደ ተራ ወይ ዘይፈልጥ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሳነ ንዝወስዱ ትካላት ወይ ሰበ-ስልጣን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ ናብ ምንታይ የምርሕ? እዛ ናይ ሳዋ፡ እታ ዝፈዀሰት’ያ። እዚ ደንቆሮ ጆክ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ቀልጢፉ ዝፍዳሕ ወይ ዝኽሻሕ ሓሶት እንድሕሪ ኮይኑ ፈኲስ’ዩ ማለት እዩ። እቲ ሓሶት፡ ግዜ ዝወስድ፡ ንሰብ ቁሩብ ዘደናጕዮ፡ ምናልባት’ውን ሓቂ ደኾን ይኸውን ኢልካ ዘጠራጥር. . . ቁሩብ ሚዛን ኣለዎ ዘብል ክኸውን ኣለዎ። ሕጂ፡ እናፈኾሰ እናፈኾሰ ምምጽኡ እምበኣር፡ ፍዅሰት ናይቶም ዝስንዕዎ ዘለዉ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ክፍብርኹ ከለዉሲ፡ ቅሩብ ኣፋፍኖት፡ ነቲ ሰማዒ ከተጋግዮን ከተደናግሮን እትኽእለሉ መገዲ ዘይደልዩ ምዃኖም እዩ። ነዚ ሓሶት’ዚ ዘጋውሐት ኣልጀዚራ ብዙሕ ሰብ ዘይክፈልጣ ይኽእል’ዩ። ኣልጀዚራ ግን መጋበርያ እያ። መን ይምውላ፡ መን ይእዝዛ፡ መን የስርሓ፡ ብዙሕ ኣርእስታት ኣሎ። ድሕሪኡ ዝመጽእ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ወረ ብኸመይ እያ ዘርጊሓቶ? ዝብል’ዩ። ናይ ኣልጀዚራ ማእከል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክምስረት ከሎ፡ ንኣገልግሎት ኣልጀዚራ ነቲ ናይ ተለቪዥን መደበር ዘይኮነ፡ ነቶም ኣንጻር ኤርትራ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ካልኦት ኣጀንዳታት መወሃሃዲ ባይታ ተባሂሉ እዩ እቲ ቤትጽሕፈት ተመስሪቱ። ከም ዓቢ ፍጻመ ድማ፡ ‘ኣልጀዚራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ’ ተባሂሉ፡ ብዙሕ ዳንኬራታት ተገይርሉ። ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣብ ጋዜጣታት እውን ተዘሪቡ።
መን’ዩ ዘካይዶ? ከመይ ገይሮም’ዮም ዘካይዱዎ እውን ብዙሕ ዘረባታት ነይርዎ። እንተኾነ፡ ኣንጻር ኤርትራ ንዝቐንዕ ዝተፈላለየ ተጻብኦታት ዘወሃህድን ንዓኡ ናይ ፕሮፓጋንዳ ደገፍ ዝህብን ትካል’ዩ ቆይሙ። እዚ ናይ ሳዋ እምበኣር ኣብኡ’ዩ ተሰኒዑ። እቲ ኣቀራርባኡ፡ እቲ ቃላቱ…ነቲሓሶትከምዝእመንትገብር ማለት’ዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን፡ ኣብ ማርስ ድዮም ኣበየናይ ዓለም‘ዮም ዝነብሩ? ቁሩብከ ኣፋፍኖት ናይ ሳዋ ይፈልጥዎ ድዮም ኣይፈልጥዎን? ዘገርም’ዩ። ሲ.ጂ.ቲ.ኤን ዝብልዋ ናይ ቻይና መደበር ተለቪዥን ኣላ። እቲ ናይ ሓሶት ወረ ክቃላሕ ከሎ፡ ኣብ ካይሮ ዘሎ ኮረስፖንደንት ናይ ሲ.ጂ.ቲ.ኤን፡ ብዛዕባ’ዚ ኣልጀዚራ ዝዘርግሓቶ ወረ ፈላጥ’ዩ ተባሂሉ መደረ ክገብር ኣምጺኦሞ። ኣብቲ መደረ፡ ‘ደሴት ሳዋ ኢማራት ከም ዘለውዋ እየ ዝፈልጥ። ግብጻውያን ኣለዉዋ ድዮም የብላን ግን ኣረጋጊጸ ኣይፈልጥን’የ’ ኢልዎም። እቲ ሓሶት እምበኣር ብኸምዚ እዩ ዝቕጽል። በዚ ሰብ’ዚ፡ ሳዋ ትብሃል ደሴት ኣላ? ኣበየናይ ባሕሪ ትርከብ ኢልካዮ ግን እንድዒ’ቲ ዝህቦ መልሲ? እንታይ’ዩ ክብል? እሞ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ዓበይ ተለቪዥን’ዩ ዝዛረብ ዘሎ። ብድሕሪኡ፡ ዘይተዛረበሉ የለን። መደበር ተለቪዥን ኣር.ቲ. ተዛሪባትሉ፡ ካልኦት ዓበይቲ መደበራት ተለቪዥን እውን፡ ‘ኣልጀዚራ ዝፈነወቶ’ እናበላ ኣምጺአናኦ። ምልስ ኢልካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ምናልባት ዳሕራይ ኣብቲ ካልእ ኣርእስቲ ክንዛረበሉ ኢና፡ ግን መጀመርያ ፍዅሰት ናይ ወያነ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ፍዅሰት እቶም ንወያነ ዘሸቅሉ ወያነ ሸቓላይ እዩ። ወያነ ናቱ ኣጀንዳ ኣለዎ. . ከምዚ ኣለዎ. . ክወቕዖ ዘለዎ ዕላማታት ኣለዎ፡ ኢልካ ክትዛረብ፡ ዘይናቱ ዘይዓቕሙ ኢኻ ክትህቦ። እዚ ካብ’ቲ ብጸሮና ዝዝረብ ዝነበረ ጀሚርካ፡‘ኖ፡ ኣብ እምባሶይራ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣልቲትዩድ ዝሰርሕ ናይ እስራኤል ናይ ሳርቬየላንስ መደበር ኣሎ። ‘ኣብ ዳህላክ እስራኤልን ኢራንን መደበራት ኣለወን’ ዝበሃል ዝነበረ ንፍዅሰት ብሃልቱ ዘቃልዕ’ዩ። ሓሶት መዓልቲ ምስ በልዐ ግዳ ይፈኩስ ይበንን እዩ። እዚ ናይ መወዳእታ ማለት፡ ናይ ሳዋ እምበኣር ካብ ኩሉ ዝፈኾሰ’ዩ። ኣብኡ ዘሎ ሰብ’ከ እንታይ ይብለና? በቲ ከባቢ ዝሓልፍ ሰብ እውን እንታይ ይብለና? ተባሂሉ ቁሩብ ፍልጠት ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ብዓቢኡ ኸኣ፡ እቶም ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ሳዋ እንታይ እዮም ክገብሩ? ካብ ሳዋ ተበጊሶም ኣበይ እዮም ክኸዱ? ንመን’ዮም ስግኣት ክኾንዎ? ግብጻውያን እንድሕሪ ናይ ብሓቂ ኣንጻር ሱዳን ዝዓለመ መደባት ኣለዎም ማለት፡ ሸርሒ ይኹን ዝኾነ እንተደኣ ኣለዎም ኮይኑ፡ ናይ ግብጺ ዶባት ምስ ሱዳን ኣብ ሰሜን እንዶ ኣይገፍሕን ኣይቀርብን? ስለምንታይ ካብ ሳዋ? ወይ ስለምንታይ ካብ ኤርትራ? ስለምንታይ ካብ ባረንቱ? ስለምንታይ ካብ ሃይኮታ? ስለምንታይ ካብ ጸሮና? ንመን ከፈራርሑ ንወያነ? እቲ ወረ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ፈኲስ እዩ። ስለዚ፡ ንምንታይ ዕላማ እዩ ተባሂሉ ኢልካ ክትዛረብ ክትክእል ኣለካ። እቲ ዕላማ ብቐንዱ ህድማ ንቕድሚት እዩ። እዚ ከኣ፡ ማእዝን ናይ ፍጻሜታት ንምጥምዛዝ እዩ። ወያነን ኣሸቀልቲ ወያነን ዘለውዎ ኩነታት፡ ጭንቀት ኣብ ልዕሊ ጭንቀት እናፈጠረ ብዝኸደ መጠን፡ ካብኡ ከመይ ገይርካ ትሃድም’ዩ። ህድማ ንቕድሚት ብቐንዱ ከኣ ምጥምዛዝ እዩ።
ነዚ፡ ብዙሓት ዝደልይዎ ኣለዉ ብዘይካ ወያነን ኣሸቀልቲ ወያነ ዝበሃሉን። ንወያነ ብዙሓት’ዮም ዘሸቅሉዎ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ፍናን ውድቀት ኣብ ኣሸቀልቲ ወያነን ኣብ ወያነን መመሊሱ እናተጋህደ፡ እቲ ሽግር እናተሓላለኸ ስለዝመጽአ፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ተጻብኦታት ስለዘይሰርሐ። ናይዚ ህዝቢ’ዚ ሓይሊ፡ ናይዛ ሃገር እዚኣ ሓይሊ፡ ንኹሎም እዞም ተጻብኦታት እዚኣቶም መኪቱ ሰጊርዎም እዩ። ክልተ ኣንጻር ዝኾነ ምዕባለታት’ዩ ተራእዩ። እዚ ከኣ፡ እቲ ሓብሒቦም፡ ኣሸቂሎም፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ኣጀንዳኦም ከተግብረሎም ዘሳሰይዎ ሓይሊ እናተዳኸመ፡ እናተበታተነ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት መጺኡ። እቲ ተጻቢኦም ከዳኽምዎን ክርምስዎን ዝደለዩ ሓይሊ ግን፡ ኣይተረመሰን። እዚ ሓደ ዓቢ ጭንቀት’ዩ ፈጢሩ። ስለዚ፡ ብዜና፡ ብስነ-ኣእምሮ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተገብረ ቀጻሊ ተጻብኦ ስለዘይሰርሐ፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ከም መመኽነይታ ወይ ምስምስ፡ ግብጺ መጺኣ። ነዚ ናይ ግብጺ ጽልዋ ክትውስኸሉ ከለኻ ከኣ፡ ነቲ ኣርእስቲ ተዕብዮ ማለት’ዩ።
እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ንሱዳን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ናይ ግብጺ ህላወ ኣብ ኤርትራ፡ ንሱዳን እውን ስግኣት’ዩ። ሕጂ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ፡ ምስ ወያነ. . . ብዙሕ ዝዝረበሎም ኣርእስታት ኣለዉ። ምናልባት ብመዓልቱ ክለዓል ይኸውን። ነዚ ኪዳን’ዚ፡ ዘይቅዱስ ኪዳን እየ ዝብሎ ኣነ። ናይቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓን ንህዝቢ ሱዳን ከጋግዩ ዝደልዩን፡ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዘይደልዮ ጸገም ከእትውዎ ዝደልዩን፡ ብወገን ወያነ ኸኣ፡ ንሱዳን ኣብ ኣሰላልፋ ኣእትያ፡ እቶም ኣሸቀልታ’ውን ክሰርሑሉ ዝጸንሑ ማለት’ዩ እዚ ኪዳን እዚ ኣንጻር ኤርትራ፡ ኣንጻር ግብጺ፡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ናይ’ዚ ከባቢ ሓይልታት ዝበሃሉ’ውን ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወረ ክመጽእ ከሎ፡ ናብ ምንታይ እዩ ከይዱ ከይዱ ወይ ናብ ምንታይ ማዕቢሉ እንድሕሪ ኢልና፡ ዕላማታቱ ንሱዳን ኣብ ቀጥታዊ ግጭት ምስ ኤርትራ ንምእታው’ዩ። ናብ ቀጥታዊ ግጭት ከተእቱ ከኣ፡ ሱዳን ነዚ ሓሶት’ዚ ክኣምኖ ክኽእል ኣለዎ ወይ ክኣምኖ ስለዝደለየ፡ ናይ ዶብ ምዕጻው፡ ኣብቲ ዶብ ናይ ርኣዩለይ ስምዑለይ (ስትዕራድ) ምንቅስቓሳት ምግባር ተኣትዩ ማለት’ዩ። ኣብ መወዳእታ ንዓይ ዘለኒ ሓበሬታ’ዩ እዚ ወረ እዚ እናተላብዐ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወያነ ኣብ መሬት ሱዳን፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ (ውላያት) ከሰላ ሰራዊት ከስፍር፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ወያነን ስምምዕ ተገይሩ። እቲ ሰራዊት ዘስፍሮ፡ ክንደይ’ዩ ምናልባት ዝርዝራቱ ምስቶም ዝምልከቶም ይህሉ ይኸውን። ግን ናይቲ ሰራዊት መሻርፍ መንግስቲ ሱዳን’ዩ ክኸፍሎ እውን ተባሂሉ። እዚ፡ ትንታነ ዘይኮነ ጭቡጥ ሓበሬታ እዩ። ከመይ ገይሩ ክትግበር’ዩ? ኣብ መወዳእታኸ እንታይ’ዩ ክገብር? ሰራዊት ግብጺ ካብ ሳዋ ተበጊሱ ንሱዳን ከጥቅዕ ከሎስ፡ ካብ’ቲ ከባቢ እዚ ሕጂ ወያነ ሰራዊት ከስፍረሉ’ዩ ዝበሃል ዘሎ ቦታ መጺኡ፡ ንኽዋጋእ ተባሂሉ ማለት’ዩ።
ከምዚኦም ዓይነት ጽውጹዋያት፡ ከምዚኦም ዓይነት ፈብሪካታት ዕላማኦም ተንሽን፡ ግጭት፡ ተጻብኦታት ምፍጣር እዩ። ድሕሪኡ ነቲ ተጻብኦ ተማሕድሮ። ኣብ መወዳእታ እቲ እትደልዮ ህውከት ምስ ተፈጥረ፡ ነቲ ህውከት ከመይ ገይርካ ተመሓድር’ዩ እቲ ጉዳይ። እዚ ድማ፡ መሰረታውያን ሕቶታት ከም ጉልባብ ይሸፋፍን፡ ንኣርእስትታት ከኣ መኣዝኖም የስሕት ማለት’ዩ።
ብዙሕ ኣብነታት ጠቒስና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ከምቲ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮና ጦብላሕ ዝብል ናይ ኮሊን ፓወል ሓሶት። ኮሊን ፓወል ኣብ ባይቶ ጸጥታ፡ ‘እንሆለ እዚ ናይ ህልቂት ኣጽዋር እነሆከምዚኣሎ…’እናበለ፡ነቲኣብ ዒራቕ ክፍጽሙዎ ዝደለዩ መጥቃዕቲ ንምምኽናይ ወይ ንምምስማስ ሓሶት ፈብሪኹ። ኣብ ባይቶ ጸጥታ ተጠሊዕካ ሰብ ይእመን ኣይእመን ብዘየገድስ፡ ግን ናይ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ናይ ምክልኻል ሚኒስተር እሞ ድማ ከመይ ዝኣመሰለ ዝና ዘለዎ፡ ከምዚ ዓይነት ሓሶት ምሂዙ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ናይ ወራር መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ዒራቕ ኣበይ ኣላ ሎሚ? ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝወረደ ዕንወት ጠንቁ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ምዃኑ ከም ኣብነት ክንጠቕሶ ንኽእል።
ኣብ ዝተፈላለየ ካልኦት ቦታታት’ውን ኣብነታት ከነምጽእ ንኽእል ኢና። ነዚ ከም ኣብነት ወሲድና እንተ ርኢናዮ፡ እዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ህድማ ንቕድሚት ካልእ ተንሽን ወይ ወጥሪ፡ ህውከት ክትፈጥር ኣለካ። ከተባርዕ ኣለካ። ክትሃድም ምእንቲ፡ ናይ ዘቤትካ ወይ ናይ ውሽጥኻ ሽግር ክትፈትሕ ስለ ዘይትኽእል ናብ ደገ ትኸይድ። እንታይ እዩ እቲ ናይ ኤርትራን ግብጺን ዝምድና? ከመይ ገይረን ግብጺን ኤርትራን ተሰማሚዐን ከምዚ ዓይነት ነገር ክገብራ ወሲነን? እዞም ተንተንቲ፡ ፈላጣት፡ ሊቃውንቲ ዝበሃሉ፡ ‘ግብጺን ኤርትራን ኣጀንዳ ኣለወን’ እናበሉ ዘምጽኡዎ ብዙሕ ኣሎ። ከም ናይ ወያነ ኣበሃህላ፡ ሚለንየም ዳምን ካልኦት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታን እናኣልዓልካ፡ ግብጺ ንኢትዮጵያ ከተዳኽማ ስለእትደሊ፡ ንኤርትራ ከም ርእሲ ኲናት (spear head) ናይቲ ስትራተጂ ጌርካ ተቕርባ።‘ኤርትራ መጋበርያ እያ፡ ናይ ካልኦት ኣጀንዳታት እያ እተተግብር’ እናበልካ ሓሶት ትነዝሕ። ኣብዚ ከባቢ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ቦታታት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶታት ፍኹሰቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኣዘራጋግሓኡ ኩነታት’ውን ዘገርም እዩ። ምኽንያቱ፡ ምስ’ዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ፡ ናይ ሜድያ ስፍሓትን ጻዕቂን፡ ሓሶት ፈኒኻ ከተእምን ትኽእል ኢኻ ዝብል ፍልስፍና ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ምስ ተጋውሐን ምስ ተዘርግሐን ከኣ ተእምን። እቲ ፓብሊክ ኦፒንየን ወይ ህዝባዊ ርእይቶ ትቐርጾ። ኣብ ወሰንቲ ዝበሃሉ ሓለፍቲ ወይ ትካላት ንመመኽነይታ ከም ምስምስ ክጥቀምሉ ይደልዩ ይኾኑ። ዋላ ኣሚኖሞ’ውን ‘ምናልባት’ ኢሎም ውሳነ ወሲዶም ናብ ገደል ይጸድፉ።
እዚ ዅሉ ዝተዛረብናሉ ምኽንያታቱ እንታይ እዩ? ከመይ ገይርካ ኢኻ ትዝርግሖ? ከመይከ ኣቢልካ ተእምን? ኣብ መወዳእታ ክትወቕዖ እትደሊ ዕላማኸ እንታይ እዩ እዚ ዝጠቐስክዎ እዩ። ሰራዊት ናይ ወያነ ኣብ ከሰላ፡ ኣብ ደቡብ ከሰላ ተሰሊፉ እንታይ እዩ ክገብር? ኣብ መረዊ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ-ኣየር ምንቅስቓሳት ናይ ወያነ ሓይሊ ኣየር ተራእዩዶ እንታይዶ በይዶ…ናይወያነጸወታተወዲኡእዩ። ግዜ ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ፡ ጽዑቕ ክንክን እውን ክቕጽል ይኽእል እዩ። ግን 25 ዓመታት ተበሊዑ፡ ኣኺሉ እዩ። ናይ ዓለም ኵነታት ይቀያየር ኣሎ። ኣብዚ ዞባ፡ ኣብዚ ጐደቦና ዘለዉ ኩነታት ይቀያየሩ ኣለዉ። ህድማ ንቕድሚት ወይ ህድማ ብመደብ፡ ንኣርእስትታት ክትዕብሉኽ ምፍታን፡ ንኣርእስትታት ካብ ማእዝኖም ከተውጽእ ምፍታን ኣይከኣልን እዩ።
ነዚ ሕሱር ጸወታ’ዚ፡ ነዚ ሕሱር ሓሶት’ዚ እናጓዋሕካ ምቕጻል ኣይከኣልን እዩ። ዋላ ጥሩምባ ናይ ኣልጀዚራ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ የለን። እቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ሱዳን፡ ንህዝቢ ግብጺ’ውን ክመሓላለፍ ዘለዎ መልእኽቲ፡ ይኣክል ዝበሃለሉ ግዜ እዩ ዝብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት መዓልቲ መዓልቲ እናፈብረኽካ ሰብ ከተደንቁር፡ ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ናብ ካልእ ክትጥምዝዝ ምፍታን ግዜኡ ኣኺሉ እዩ። ንሕናኸ እንታይ ንገብርን ንሓስብን? ኣልጀዚራ ነቲ ወረ ካብ ዝዘርግሓትሉ ሰዓት ጀሚርና ኣይዘንጋዕናን። እቲ ጉዳይ መዓልቱ በሊዑ ክነፍስን ከም ሓርጭ ክውዳእን ምዃኑ ንኣምን።
እዚ ሕጂ መመሊሱ ከምዚ ተኾነ’ባ፡ ኖእ! ዶብ ተዓጽዩ፡ ዶብ ተኸፊቱ፡ ክንድዚ ዝዀና ላንዱኩረዘር ሓሊፈን፡ ክንድዚ ላንዱኩረዘር በዚ ከይደን፡ ከምዚ ዝጸዓና መካይን. . . ከምዚ ዝበለ ስእልታት ኣብ ጋዜጣታት ተውጽእ። እዚ ናይ ህዝቢ ሱዳን ረብሓ ዝውክል ኣይኮነን። ብዝኾነ ይዅን መንገዲ ምስ ህዝቢ ሱዳን ዘራኽብ ጉዳይ የብሉን። ከምዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ ህውከት ፈጢርካ ነቲ ውህከት ንምምሕዳር ዝዓለመ ስለ ዝዀነ፡ ንቕሑ፡ ዓይንኹም ክፈቱ፡ ኣእዛንኩም ኮኩዕዎ፡ ጽቡቕ ገይርኩም ስምዑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸወታታት ኣብ ዞባና ክመጽእ የብሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ ላግጫ ወይ ኣሽካዕላል ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ንዝዀነ ሰብ ከጋጊ የብሉን። ሰብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ረብሪቡሉ ስለዝዀነ፡ ዳርጋ ካልእ ስራሕ እንተናደኹም ይሕሸኩም ንብሎም። እቲ ን25 ዓመታት ዝፈጠርኩሞ ክሳራ ደው ኣብልዎ። እዞም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኸኣ፡ ናይ ብሓቂ ንወያነ ወይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፈትዮም ኣይኮኑን። ‘ኤርትራን ኢትዮጵያን እንድሕሪ ተሳንየን፡ ኣብዚ ከባቢ ደቂስና ኣይንሓድርን ኢና’ ዝብል ስግኣት ስለዘለዎም እዩ። ካብ ቅድሚ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣትሒዙ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ እዩ። ድሕሪ 91 ኵነታት ምስ ተቐየረ፡ እቲ ኵነታት ኣብዚ ጐደቦ ዝሓሸ ዕድል ፈጢሩ ነይሩ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሓጋጊዘን ኣብዚ ከባቢ ኣድማዒ፡ ኣወንታዊን ሃናጺን ኣበርክቶ ክገብራ እየን ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ዝፈጠሮ ስግኣት፡ ነዞም ናይ ማይኖሪቲ ዝብሎም ንህዝቢ ሱዳን ዘይውክሉ ምስ ወያነ ተመሻጢሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ፡ ‘ይኣኽለኩም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ሱዳንን ህውከት ክትፈጥር፡ ናይ ዶብ ግጭት ክትፈጥር ዝግበር ህቃነታት ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ኣእዳውኩም ኣክቡ ንብል። ንሕና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሽካዕላል ኣይንዕደምን ኢና’ ምባሎም እዩ እቲ ክመሓላለፍ ዘለዎ መልእኽቲ።
እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ምስ ናትና ዘቤታዊ ኵነታት እውን ኣዛሚድና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ምስ ጎረቤትና ብዛዕባ ዘለዉና ዝምድናታት ኣዛሚድና ክንርእዮ ዕድል ይኸፍተልና እዩ። ምስናይ ፍኹሰቱ፡ ምስናይ መበገሲኡ ዝድርኽ ጭንቀት. . . እንታይ ማለት እዩ? ኣብ መንጎ ህዝብታት ኲናት ከተባርዕ፡ ህውከት ክትፈጥር’ሞ ንዕኡ ከተመሓድር ዝግበር ፈተነታት. . . ይኣኽለና። 25 ዓመት ናይ ብሓቂ ተኸሲሩ እዩ። ስለዚ፡ ካብ ክሳራና ህዝብታት ዝኸሰሩዎ ክሳራ ብዙሕ ተማሂርና ስለዝዀንና፡ ‘ይኣኽለኩም’ እየ ዝብል ኣነ። እቲ ጉዳይ ‘ኖእ! ሓሶት እዩ፡ መሰረት የብሉን’ ኢልካ ክትዛረብሲ…ናይልደትበዓልኣብኡ እዩ ተባዒሉ ኣብ ሳዋ። እቲ መልእኽቲ መን’ዩ ወዲብዎ፡ ስለምንታይከ ከምኡ ጌሮሞ ዝፈልጦ የብለይን። ግን እቲ በዓል ክባዓል ክትርእዮ ከለኻ፡ እሞ ድማ ካብኡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜና ተዘርጊሑ ክበሃል ከሎ፡ ናይ ብሓቂ መልሲ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ መልሲ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ እሞ፡ ጽቡቕ ስራሕ እዮም ሰሪሖም ዜና። ነቲ በዓል ኣብኡ ምክያዶም ጽቡቕ ነይሩ በሃላይ እየ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቱርኪ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ሶማል ዘለዋ ወተሃደራዊ ህላወ፡ ኣብ ሱዳን’ውን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኩን መደብ ከምዘለዋ ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዓበይቲ ሃገራትን ማእከላይ ምብራቕን ዝጽሎን ምስኡ ዝተኣሳሰርን እዩ ዝብሉ ትንታነታት እውን ስለዘለዉ፡ ብወገንና ነዚ ምዕባለታት’ዚ ከመይ ንርእዮ? ቅድሚ ሕጂ’ውን ብኸፊል ገሊጽካዮ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ዲናሚካዊ ዝምድና ናይዚ ከባቢታት’ዚ፡ መርገጺ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይመስል?
ኵሉ ግዜ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ካብቲ መቓን ኣውጽእ ኣቢልካ ክትርእዮም ኣለካ። ኣብ ውሽጢ እቲ መቓን ኣቲኻ ክትርእዮ ክትክእል ኣለካ። ዝሑል ኲናት ምስ ተወድአ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት እንኮ ቁጠባዊ ስርዓት ክፍጠር እዩ ምስ ተባህለ፡ ኣብዚ ዞባና ዝተራእዩ ምዕባለታት ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ምዕባለታት ናይ ሶማልያ ኵነታት እዩ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታትና ዓምድታት ኣለዎ። ኣብ ምንታይ መረዳእታ’ዩ ዝምርኮስ እንተ ኢልካ፡ኣብሓደጎደቦወይኣብሓደከባቢ ሃጓፋት ክፍጠር ከሎ፡ ናይ ዘይርግኣት ጠንቂ እቲ ሃጓፋት እዩ። ሃገራት ወይ መግስታት ናይተን ሃገራት ካብቲ ስእሊ ክወጻ ከለዋ ሃጓፍ ይፍጠር። እቲ ሃጓፍ ከኣ ጠንቂ ናይ ዘይምርግጋእ ይኸውን። ኣብ 1991 ወይ ናይ መወዳእታ 80ታት ዝሑል ኲናት ምስ ተወደኣ፡ ኣብዚ ከባቢና ወይ ኣብዚ ጎደቦና እንብሎን ከባቢኡን እንታይ ተፈጢሩ? ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ናይ ሕብረት ሶቬት ነበር ምውዳቕ? ክንዝክሮ ንኽእል ኢና።
ናይ ኣፍጋኒስታን ካባና ኣዝዩ ርሑቕ ወይ ካብቲ ጎደቦና እንብሎ ወጻኢ እኳ እንተዀነ፡ ክሳብ እዚ ሰዓት’ዚ ሃጓፍ እዩ ዘሎ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኵነታት ዘይፈልጦ ሰብ የለን። ብኸመይ ተፈጢሩ፡ ስለምንታይ ተፈጢሩ፡ ስለምንታይ ሕጂኸ ገና ይቕጽል ኣሎ እንድሕር ኢልና፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጽልዋ ክረኣየና ይኽእል እዩ። ናይ ዒራቕ ጸገም’ውን ሓደ ዓቢ ሃጓፍ እዩ። ብዛዕባ ዒራቕ ብዙሕ ክዝረብ ወይ ክትንተን ይከኣል ይኸውን። ግን ኣብ ዒራቕዘሎኵነታት-እዚናይትማሊ ናይ ዳዕሽ ደሚርካ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ- ሽበራ ተርእዮታት ምምጽኦም፡ ኣብቲ ከባቢ ፈጢርዎ ዘሎ ወጥሪ መወዳእታ የብሉን። ሸሞንተ ዓመታት ኲናት ኢራንን ዒራቕን፡ ሳዳም ንኩወይት ንምውራር ዝገበሮ ዕንደራን ሳዕቤናቱን፡ እዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ በዓል ኮሊን ፓወል ዘበገሱዎ ወራር ኣብ ዒራቕ፡ ኣብኡ ዝወረደ ዕንወት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ሃጓፍ’ውን ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ናይ ሶርያ ጉዳይ ንርእዮ ኣለና። ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ሃጓፍ’ውን ከምኡ። ኣብ መወዳእታ ኵሉ ኣርእስትታት ኣምጺእካ ክርአ ይከኣል እዩ። እዚ ንናይ’ቲ ዞባ ኰነ ጎደቦ ወይ ናይቲ ከባቢ ዘይርግኣት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፡ ሓደ ብሓደ ደሚርካ ክርአ ይከኣል እዩ። ምናልባት ናይ ሊብያ ናይ ትማሊ እዩ ኢልና ከነልዕል ንኽእል ኢና። ቅድሚኡ ግን፡ ናይ ሶማልያ ምውጻእ ካብቲ ካርታ ኣሎ። ምስቲ ቀዲሙ ዝቐረበ ሕቶ ዝተኣሳሰር ሓሶታት ፈብሪኽካ ውሳነ ናይ ምውሳድ፡ ኣብ 2009 ብመገዲ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክብየን ከሎ፡ ቅድሚኡ ዝነፍስ ዝነበረ ‘ኤርትራ 2000 ወተሃደራት ንሶማልያ ሰዲዳ ኣላ፡ ኤርትራ ከምዚ ትገብር ኣላ፡ ’ እናተባህለ ብዛዕባ ሶማል ብሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ክሊንተንን ምምሕዳር ቡሽን ዝዝረብን ዝፍብረኽን ዝነበረ ሓሶታት፡ ካብ ዝኽርታትና ዝጠፍእ ኣይኰነን። ሶማልያ ኣካል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ሃገር እዩ። እቲ ህዝቢ ሕቡን፡ ኣብዚ ከባቢ ሓያልን ሃናጺን ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል እዩ። ሶማልያ ግን ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ማፕ ኣይጸንሐትን፡ የላን። እዚ ሃጓፍ’ዚ ዱኻ ወይ ድማ ፈርታይል መሬት ንሽበራ ኰይኑ። ንዅሉ ዓይነት ሽበራታት – ሸባብ ንበሎ ዘይሸባብ ማለት’ዩ። ሶማልያ ተበታቲና ክትጠፍእ ኣለዋ። ናይ ወያነ ኣሸቀልቲን ወያነን መበገሲ ጌሮም ዝሰርሕሉ ናይ 25 ዓመታት ትራጀዲ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ህዝቢ ሶማል ኣብ 1960 ናጽነቱ ምስ ረኸበ፡ ሰሜንን ደቡብን ተመቓቒሉ ናይ ጥልያን ሶማሊ ላንድ፡ ናይ እንግሊዝ ሶማሊ ላንድ ይበሃል ከምዘይነበረ ብወለንታኦም ሓድነት ፈጢሮም። ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ፍሉይ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ምናልባት ኪኖኡ ናብ ኦጋዴን፡ ጅቡቲ፡ ሰሜን፡ ምብራቕ፡ ኬንያ ክኸዱ ሓሲቦም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ። ግን ናይ ሶማልያ ሃገራውነትን ፓትሪዮቲዝምን ኣብ ጫፉ በጺሑ። ነዚ ከባቢና ኣብነት እዩ ነይሩ ኢልካ ክዝረበሉ ድማ ይከኣል። ሃገር ናይ ምህናጽ ጉዕዞ ንምፍላም ናይ መጀመርያ ሓድነት ምስ ተፈጸመ ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ቀቢላነት ናይ ምቕባር እዩ ነይሩ። ከም ሓደ ሲምቦሊክ ዝዀነ ትእምርታዊ ስጉምቲ ድማ ተራእዩ። ሶማልያ ሓንቲ ካብተን ዝሓየላ ናይዚ ጎደቦና ሃገራት እያ ነይራ። ነዛ ሃገር እዚኣ ኣድኪምካ ፋሕ-ፋሕ ከተብላ ምእንቲ፡ መሳፍንቲ ኲናት ተፈጢሮም። እታ ድኻም እያ ዝብልዋ ናይ ህዝቢ ሶማልያ ማለት፡ ናይ ቀቢላነትን እንዳነትን ጉዳይ ኣምጺእካ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ንቑልቁል ተተፋንኖ ወይ ቨርቲካል ፖላራይዘሽን ጌርካ ነንሓድሕዱ ተዋግኦ። ወከልቲ ናይ ቀቢላታት፡ ናይ እንዳታት ኢና ዝብሉ መሳፍንቲ ኲናት ኣብ ላዕሊ ትፈጥር። ኣብ ነንሕድሕዶም ድማ ኲናት ተምጽእ። ብድሕሪኡ ሶማል ካብዚ ካርታ ክትጠፍእ ኣለዋ። ምኽንያቱ፡ ብናይ 2002 ሰነዳት ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ወይ ‘ናሽናል ሰኪዩሪቲ ስትራተጂ’ ዝብሉዎ፡ ኣንከራት ወይ መልሕቓት ክህልዋ ኣለወን። እዚ ማለት፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ መልሕቕ ወይ ፖሊስ ክትከውን ኣለዋ። ጎብለል ትኸውን’ሞ ነተን ካልኦት ከኣ ተመሓድረን ዝዓይነቱ እዩ።
ምስቲ ዝተባህለ ምምጻእ እንኮ ቁጠባዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ሶማል ከም ታርጌት ተወሲዱ ማለት እዩ። እተን ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ሰነፍ ስርዓታት ንገዛእ-ርእሰን፡ ናይ ወያነ ብቐንዱ ከምኡ። ኣብ ኬንያን ጅቡቲን ዘሎ ኵነታት እውን ምስኡ’ዩ ዝርአ። እቶም ገዛእቲ ሓይልታት፡ ‘ናይ ሶማልያ ህላወ ንሃገራዊ ድሕነትና ስግኣት እዩ፡’ ዝብል ፐርሰፕሽን ስለዝፈጠሩ ማለት እዩ። ነቲ ብደገ ዝመጸ ኣጀንዳ ኣብዚ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብውክልና ዘሳሲ ወያነ ወይ ናይ ኣሸቀልቱ ኣጀንዳ ዘተግብር ስርዓት ክፍጠር እዩ ተባሂሉ። ናይ ኤርትራ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ቅድሚ ብዛዕባ ነብስና ምዝራብና ግን እቲ ኣርእስቲ ናይ ሶማልያ ስለዝኾነ ኣብኡ ክንቅጽል። ሶማል ኣብ ውሽጢ’ዚ 25 ዓመታት ልኡላውነቱ ተበሪዙ ሓድነት ወይ ውህደት ዝበሃል ከም ዝጠፍእ ኮይኑ። ነንሓድሕዱ ከምዝናቖት ተገይሩ። እቲ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ትካል ዝነበሮ፡ ሎሚ ንሸባብ ድዩ ንቐርሰንቲ ክምክት ዝኽእል ዝነበረ ናይ ጸጥታን ናይ ምክልኻልን ትካላት ከምዝዓኑ ተገይሩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝሓየለ ሓይሊ ኣየር ናይ ሶማል እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ከምዘየለ ኮይኑ። በቃ ሶማል ዝበሃል ጠፊኡ። ኣብ ግዜ ዘያድ ዝነበረሉ ወይ ኣብ መወዳእታ ናይ ዘያድ ቀጻሊ ኢትሓድ ነይሩ። እዚ ብስም እስላም ዝግበር ናይ ጥሩፍነት ወይ ናይ ሽበራ ስርዓት መጋበርያ እዩ ነይሩ። ምስምስ ማለት’ዩ። ንሶማልያ ካብ ካርታ ከተውጽኣ እንተ ኮይንካ፡ መመኽነይታ ክህልወካ ኣለዎ። ናይ ወያነ ወራር፡ ብዘይ ፍቓድን ብዘይ ዝዀነ ውክልና ናይ ባይቶ ጸጥታ ይዅን ካልእ ብኣሸቀልቲ ወያነ ዝተዋህበ ትእዛዝ ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ሰለስተ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት – ካብ ክሊንተን ናብ ቡሽ ካብኡ ናብ ኦባማ፡ ነዚ እምነት’ዚ የስተማቕርዎ ስለዝነበሩ፡ ኣሸቀልቶም ወይ እቶም ሸቀልቶም ከኣ ንዕኡ ዘተግብር መደባት ስለዝነበሮም፡ ነዚ ናይሶማልምስራዝወይድማካብካርታ ምድምሳስ መመኽነይታ ክህልዎ ነይርዎ። እዚ ሕጂ ሸባብ ኢሎም እናሻዕ ዝዛረቡሉ . . . ሸባብ መን ይድግፎ፡ መን ገንዘብ ይህቦ፡ መን’ዩ ናይ ሎጅስቲክስ ደገፍ ዝገብረሉ ኢልና ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ግን እዚ ሕጂ ናይ ቱርኪ ምትእትታው ኣብ ሶማልያ ዝበሃል ዘሎ ንምንታይ ኣድለየ? ብኣበሃህላ ናይ ቱርኪ፡ ንሽበራ ኣብ ገደናኡ ኬድና ኢና ንዋገኦ ዝዓይነቱ ማለት እዩ። ስለዚ ሸባብን ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ናይ ሽበራ ውድባትን እንድሕር ኣለዉ ኮይኖም፡ ንዓኦም ክትዋጋእ ኢልካ ኢኻ ናብ ሶማልያ ትኸይድ ዘለኻ ማለት ድዩ? ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሽካዕላል ዓይኒ መን ክደፍን ይኽእል?
ክቡር ፕረዚደንት፡ ቱርኪ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ሶማል ዘለዋ ወተሃደራዊ ህላወ፡ ኣብ ሱዳን’ውን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኩን መደብ ከምዘለዋ ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ ነይሩ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዓበይቲ ሃገራትን ማእከላይ ምብራቕን ዝጽሎን ምስኡ ዝተኣሳሰርን እዩ ዝብሉ ትንታነታት እውን ስለዘለዉ፡ ብወገንና ነዚ ምዕባለታት’ዚ ከመይ ኢና ንርእዮ?
ኣብ ዲናሚካዊ ዝምድና ናይዚ ከባቢታት’ዚ፡ መርገጺ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይመስል? . . . . ናይ ዝብል ኣብ ናይ ትማሊ ሕታም ዝቐረበ ሕቶ መቐጸልታሶማልያ ከም ብሓድሽ ክህነጽ ወይ ሪኮንስቲትዩት ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ሶማልያ ንምብትታን፡ ካብ ካርታ ንምጥፋእ. . . ዝግበር ኣጀንዳታት ብምሉኡ ኣብዚ ከባቢ ሳዕቤናት ኣለዎ። ሳዕቤናቱ ከኣ ዘይርግኣት ናይዚ ከባቢ እዩ ዝኸውን። ንሶማልያ በታቲንካ፡ ብቀቢላታትን እንዳታትን ፋሕፋሕ ኣቢልካ ናይ መሳፍንቲ ቦታ ኲናት ወይ ጫካ ከምእትኸውን ብምግባር፡ ትካላትን ቁጠባን ኣዕኒኻ ንሸባብ ክዋጋእ እየእንተደኣትብልኣሎኻ-ዓቢጌጋ እዩ። ልዕሊ ሶማላውያን ነቲ ስራሕ ክሰርሖ ዝኽእል የለን። ሶማል ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ናቱ መንግስቲ ሃኒጹ ናቱ ትካላት መስሪቱን ኣደልዲሉን ጥራይ እዩ ነዚ ክዋግኦ ዝኽእል። ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመጽእ ኣብ ዝኽእል ርግኣት ኣበርክቶ ክህሉዎ እንድሕር ኮይኑ፡ ሶማላውያን ክብረቶምን ሃገሮምን ልኡላውነቶምን ኣረጋጊጾም፡ ትካላቶም ፈጢሮም ክቃወምዎ ጥራይ’ዩ ዘለዎም። ብመተካእታ ናይ ህዝብን መንግስትን ሶማል ዝመጸ ይምጻእ. . . ወያነ ናብኡ ኣትያ እንታይ ገይራ? ሸባብ ኣጥፊኣ? ንመን ተዋጊኣ ኣጽርያቶ? ናይ ሓድነት ኣፍሪቃ ሰራዊት ኣብኡ ኣሎ ካብ ዝበሃል ጥራይ ክንሰምዕ ኣእዛንና ጸሚምና። ንሸባብ ኣጥፊኦሞ? ርግኣት ናይዚ ከባቢ ንዝዘርግ ተቓውሞ ደቚሰሞ? ኣብኡ ዘይኣተዋ ሃገራት የለዋን – ጅቡቲ ኣትያ፡ ኡጋንዳ ኣትያ፡ ኬንያ’ውን ኣትያ።
እቲ ዋና ነገር፡ እቲ ጸወታ ንዘይፈልጥ ይፈልጥ ክመስሎ ይኽእል ይኸውን። ብቐንዱ እቲ ኵነታት ከምዘለዎ ክቕጽል ክኽእል ኣለዎ። ግዜ እናበልዐ ምስ ከደ መጺጹ ኣብ ክዕረየሉ ዘይክእል ደረጃ ይብጻሕ እሞ፡ ድሕሪኡ ነቲ ቅልውላው፡ ነቲ ህውከት ከም ድላይካ ጌርካ ከተመሓድሮ ትኽእል ኢኻ’ዩ እቲ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና። ‘ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶማልያ ግብረሽበራ ኣሎ፡ ህውከት ኣሎ፡ ሶማልያ ጠንቂ ናይ ዘይርግኣት እያ፡’ ኢሎም ዝዛረቡ፡ እቶም ንዕኡ ዝፈጥርዎ ዘለዉ እዮም። ቀዳሞት ተሓተትቲ ድማ ንሳቶም እዮም። እቲ ጉዳይ ናታቶም ናይ ህዝቢን መንግስቲን ሶማል እዩ። ሶማላውያን እንተ ደልዮም ብኮንፈደረሽን ወይ ብፈደረሽን መንግስቲ ክህሉዎም ናታቶም ጉዳይ ወይ ምርጫ እዩ። ህዝቢ ሶማል መንግስቲ እንተ ሃልዩዎ፡ ኣብ ቀርሰና ይዅን ኣብ ሽበራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ነዚ ከባቢ ጠንቂ ዘይርግኣት ዝኸውን ዘሎ ጽልዋታት፡ ኣብ ናይ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ኣብ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣጠቓላሊ፡ ኣብ ናይ ወሽመጥ ዓደን፡ ኣብዚ ኣብ የመን ንርእዮ ዘለና ህውከት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብኣጠቓላሊ ዘሎ ህውከት ናይ ብሓቂ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ። ንህዝቢ ሶማል ብዝተፈላለየ ምኽንያታት በታቲንካ ንምድኻሙ ዝግበር – እቲ ቀሊል ምኽንያት ግብረ ሽበራ እዩ።
ቱርኪ እንታይ ክትገብር መጺኣ ናብኡ? ናይ ብሓቂ የዋህ ወይ ዘይፈልጥ ሓታታይ ብዙሕ ክሓትት ይኽእል እዩ። ዘይፈልጥ ክዛረብ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከባቢ ኣለና ካብ ዝብሉ ጎብለላት ወይ ጎብለላት ክንከውን ኢና ካብ ዝብሉ ሓይልታት ሓደ ቱርኪ እዩ። ሓንሳብ ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣትዩ ዓቢ ቦታ ክሕዝ ይደሊ፡ ኣባል ናይ ኔቶ ምዃኑ ከኣ ሓደ ዓቢ ካርታ ኣለዎ። እቲ ስርዓት ናይ ሙስሊም ብራዘር ሁድ ካርታ ሒዙ እዩ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ኣብዚ ከባቢ። ኣቐዲሙ ናይ ግብጺ ተጠቒሱ ነይሩ – ‘ኣብዚ ከባቢ ግብጺ ክትህሉ የብላን፡ ግብጺ ከም ዞባዊ ሓይሊ ክትህሉ የብላን’ ካብ ዝብሉ ሓደ፡ ናይ ቱርኪ ተኸታተልቲ ስርዓታት እዮም። እዚ ሕጂ ምስምስ ናይ ሶማልያ ምትእትታው ዝበሃል ዘሎ፡ ብቐንዱ ናብ ደቡባዊ ጫፍ ናይቲ ዞባ ከይድካ ኣብኡ ነቲ ኵነታት ከምዘለዎ ኢኻ ትሕዞ። ጽልዋኻ ከኣ ተዕቢ ማለት እዩ። ምስ ወያነ፡ ምስ ኣብ ሱዳን ዘሎ ስርዓት፡ ምስ ዝተፈላለየ ቱርኪ ክገብሮ ዝደሊ ዘሎ – እንታይ እዩ ዕላማታቱ? ኣብ ሶማል ዘሎ ሽበራ ዝዓለመ ድዩ ወይስ ንህዝቢ ሶማል ምትካእ? እንታይ ክትገብር ኢኻ ኣብኡ ኣቲኻ? ብናይ መን ውክልና? ኣብኡ ናይ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ናይ ዩኤን ህላወታትኣሎኢልና…ንሱካልእ ኣርእስቲ እዩ። ብኸመይ መንገዲ ቱርኪ ኣብ ሶማልያ ሰራዊት ከተስፍር ትኽእል? ምስቲ ኣብ መቓድሾ ዘሎ መንግስቲ ተሰማሚዕና ኢና ክበሃል ይከኣል እዩ። እዚ እውን ዓበይቲ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ። ኣብዚ ከባቢ ቱርኪ ይዅን ካልኦት ጎብለላት ናይዚ ዞባ ኢና ክብላ ዝደልያ ወይ ክኾና ዝደልያ ሃገራት፡ ነዚ ኣብ ርብዒ ዘመን ዝተፈጥረ ሕልኽላኽን ህውከትን ከጋድዳ እንተ ዘይኰይነን፡ ንዕኡ ዝፈትሕ የለን። ኣብ ሶማልያ ድዩ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኵነታት፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ ንገዛእ-ርእሱ ኣብ የመን ንርእዮ ዘለና ኵነታት፡ ኣብ ካልእ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰሜን ካብ ኣፍጋኒስታን ጀሚርካ ናብ ዒራቕ፡ ናብ ሲርያን ሊባኖስን ዘሎ ኵነታት፡ ንዕምሪ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ከምዘንውሕ፡ መመሊሱ ከምዝተሓላለኽ ክገብሮ ንርእዮ ኣለና። ስቅያትን ነውጺን መመሊሱ ከምዝዛይድ ንምግባር፡ ኣብ ደገ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ወይ ብደገ ካብ ርሑቕ ዝመጽእ ኣጀንዳታት 1.2.3. . . ኢልና ክንጽብጽቦ ንኽእል ኢና። ብዘይካ እቲ ዘቤታዊ ጸገማት ናይዘን ሃገራት እዚኣተን፡ እዚ ብዞባውያን ጎብለላት ኢና ዝብሉ ዝተሓላለኽ ዘሎ ሽግራት፡ ንገዛእ-ርእሱ እዚ ናይ ቱርኪ ሓደ ካብኡ ኣብነት እዩ። ነዚ ክጥቀማሉ ዝደልያ ዘለዋ ዓለማውያን ኢና ዝብላ ናይ ደገ ሓይልታት እውን ዘተኣታትወኦ ዘለዋ. . . ኩለን ኣስማተን ክንጠቕሰን ንኽእል ኢኻ።
ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ፖሊሲና ዘይቅየር እዩ። ንናትና ስምዒታዊ ኣረኣእያ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ሶማል ቀሲኑ ክሓድር እንድሕር ኮይኑ፡ ካብ ጥሜትን ድኽነትን ወጺኡ ናብ ልምዓት ክኣቱ እንድሕር ኮይኑ፡ ቅድም ቀዳድም ወናኒ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ናቱ ናይ ገዛእ-ርእሱ መንግስቲ ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናቱ ትካላት ናይ ጸጥታ ክፈጥር ክኽእል ኣለዎ። ‘ንዕኡ ተኪእና ንሶማል ከነመሓድሮ ንኽእል ኢና፡ ናይ ሶማል ጸጥታ ከነኽብር ንኽእል ኢና፡ ነታ ሃገር ልምዓት ከነምጽኣሉ ንኽእል ኢና፡’ ዝብል ናይ ፖለቲካ ትንታነታት ዘይኮነ፡ ‘ዝሓለፈ 25 ዓመታት እንታይ ኢና ርኢና? ሕጂኸ ነዚ ናይ ቱርኪ ኣብኡ ምእታው እንታይ ትብልዎ?’ ኢልካ ንዝኾነ የዋህ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ምናልባት ምስ ካልኦት ዓበይቲ ኣርእስትታት ክዝረበሉ ይከኣል ይኸውን። እቲ ኣገዳሲ ኣርእስቲ፡ ናይ ሶማልን ኩነት ናይ ሶማልን ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እዩ። ሶማልያ ናበይ? ሶማልያ ናይ ብሓቂ ኣካል ናይዚ ጎደቦ’ዚ ኮይኑ ሃናጺ ኣበርክቶ ክገብር እንድሕር ኮይኑ፡ ናጽነቱ ክወሓሰሉ ክኽእል ኣለዎ። ሓገዝ ክገብር ዝደለየ ክሕግዝ ይኽእል እዩ – ጸገም የለን። ቅድም ቀዳድም ግን እዚ ምስምስ እናኣጋዋሕካ ሽበራ ኣሎ፡ ኣልቃዒዳ ኣላ፡ ሸባብ ኣሎ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ቀርሰና ሓይሊታት ኣለዉ፡ ንዓኣቶም ከነጥፍእ ምእንቲ ኢና. . . ኣብ ገማግም ናይ ሶማልያ ዘሎ ሓይልታት ባሕሪ መወዳእታ የብሉን። ‘ቀርሰና ክንዋጋእ ኢና፡’ እናበልካ ተመኽኒ። ኣብዚ ከባቢ ዝተፈላለዩ ህላወታት ናይ ነንበይኖም ሓያላን ዝበሃሉ ዞባውያን ይዅኑ ዓለማውያን ኣራግጽ እዩ ዘሎ – ስታምፒት። እዚ ከባቢ’ዚ ሰላም ክረክብ እንድሕር ኮይኑ፡ ህዝብታት እዚ ከባቢ ቅድም ቀዳድም እንታይ ክገብር ኣለዎ? እንታይ ይሕሸና እንታይ የዋጽኣና? ብዓቕምና ንገብሮ ንገብር፡ ዓቕምና ዘየፍቅደልና እንተዀይኑ ወይ ዝተሓጋገዙና እንተደሊና ከኣ ሓቢርና ነቶም ዝሕግዙና ሓግዙና ክንብል ንኽእል። እንተዘየለ፡ ብወከልቲ ወይ ብእተሸቅሎም ሓይልታት ጌርካ ነዚ ከባቢ ክትቈጻጸር ምፍታን፡ ውጽኢቱ እዚ ን25 ዓመታት ዝረኣናዮ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ኩነታት ናይ ሶማልያ እዩ። እቶም ካልኦት ኣቐዲምና ዝተዛረብናሎም – ናይ ግብጺ ኣብ ሳዋ ኣሎ፡ ናይ ወያነ ጥፍሽናን ናይ መወዳእታ መድረኽ ምዕባለ ኣብ ኢትዮጵያን ኢና ንርእዮ። ህዝቢ ሶማል ካብ 19ን 20ን ክፍለ ዘመን፡ ክሳብ’ዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና 21 ክፍለ ዘመን፡ ከም ወሳኒ ኣካል ናይዚ ጎደቦ ሓላፍነቱ ባዕሉ ተሰኪሙ ክዋሳእ ክኽእል ኣለዎ። ቱርኪ ኣብኡ ክትገብሮ ትኽእል ነገር የለን። ናይ ቱርኪ ኣድላይነት የለን። ናይ ወያነ ርኢና፡ ናይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓይልታት – ናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለምን ዝበሃሉ ሓይልታት ኣብኡ ዘለዉ እውን እንታይ ጌሮም? እንታይ እዮም ክገብሩ? ምናልባሽ ኬንያን ወያነን ጅቡትን እቲ ኵነታት ከም ዘለዎ ክቕጽለሎም ብዙሕ መኽሰባት ክረኣዮም ይኽእል ይኸውን። ብዋጋ ናይ መን? ብዋጋ ናይ ህዝቢ ሶማልያ ክፍቀድ ኣይግባእን። ሕቡራት ሃገራት እንድሕር ሃልዩ፡ ባይቶ ጸጥታ እንድሕር ሃልዩ ከኣ፡ ነዞም ኣብ ውሽጢ’ዚ 25 ዓመታት ካብ ዝተራእዩ ሃጓፋትን ንዘይርግኣት ናይዚ ከባቢ ጠንቂ ዝኾኑ ዘለዉ ናይ ሶማልያ ጉዳያትን፡ ሓቀኛ ፍታሕ ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ ንኹሎም ኣብኡ ዝሕንክሩ ዘለዉ ኣእዳዎም ክእክቡ ክነግር ክኽእል ኣለዎ። ንሕና እውን ካልእ ጻውዒት የብልናን ብዘይካ’ዚ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድኩን ትደሊ ከምዘላ ወይ መደብ ከም ዘለዋ እዩ ዝግለጽ ዘሎ’ሞ ኣናብባኻ እንታይ እዩ።
ቀዳማይ ነገር ሓቂ ድዩ ኣይሓቅን ኣረጋጊጽና ክንዛረበሉ ዘለና እዩ። መንግስቲ ሱዳን፡ ከም ዝዀነት ሃገር ምስ ቱርኪ ድላዩ ልኡላዊ ዝምድና ክምስርት ይኽእል እዩ። ወተሃደራዊ መደበራት ከፍቅድ እንተደልዩ እውን ከፍቅድ ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ንምንታይ ኣብ ስዋኪን ዝብል ሕቶ እዩ ዝመጽእ። ናይ ግዜ ተዛማድነቱ ቀሊል ክመስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን ምስፍሕፋሕ ማለት እዩ። ጐብለላት ኢና ወይ ጐብለላት ክንከውን ኢና ዝብላ ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብናታተን ባዕላዊ ወይ ዘቤታዊ ዓቕሚ ኣይኰናን ዝኸዳ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ – ካርታታት ሒዘን፡ ምስ’ቶም ሓያላን ዝበሃሉ ናይ ዓለም ሓይልታት ተሰማሚዐን ጽልዋአን ከስፍሓ ካብ ዝፍትና ሓንቲ ቱርኪ እያ። እዚ ናይ ሶማልያ ኣዝዩ ዶብ ዝጠሓሰ እዩ ክንብሎ ንኽእል። ምኽንያቱ ጂኦግራፍያዊ ርሕቀት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንቱርኪ ብምንታይ ክትንክፋ ይኽእል? ምናልባሽ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዘሎ ኩነታት ብቐጥታ ናይ ኩርዲስታን ጉዳይ ስለ ዘሎ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ናይ ቱርኪ ይትንክፍ እዩ’ሞ፡ ኣብ’ዚ ይኣቱ ኣለኹ ክበሃል ይከኣል። ኰይኑ ግን ቱርኪ ኣብ ሶማል ዘእቱ እንታይ ምኽንያት ኣለዋ? ኩርዲ ኣለዉ ድዮም ኣብ ሶማልያ? ንምንታይከ ኣብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ ክትተኣታቶ ትደሊ? ኣነ ኣብኡ ክኣቱ ኣይደልን እየ።
ግን እንታይ እዩ እቲ ዕላማ? ብዙሓት ፈላስፋታት ኣለዉ። ግዝኣት ቱርኪ ወይ ኦቶማን ኢምፓየር ዝበሃል ንምምላስ እዩ ዝብሉ። እዚ ናይ ህጻናት ትንታነ እየ ዝብሎ። ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ 21 ክፍለ- ዘመን፡ ስለምንታይ ኣብ ሶማል ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ወተሃደራዊ ህላወኣ ከተጋፍሖ ትደሊ። ምስ ሱዳን ብልክዕ ዝተገብረ ስምምዓት እንታይ እዩ? ብጀካ እቲ ኣብ ዜና ዝተቓልሐ ናይ ብሓቂ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ሰዋኪን ናይ ምምስራት ዕላማ ስለዘሎ ድዩ? ናይ ቀይሕ ባሕሪ ተኣፋፍነት ኣብ ግምት ብምእታውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምዕባለታትን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ህላወ ከመይ ገይርካ ከተተኣሳስሮ ትኽእል? ትንታነታት ገዲፍካ ኣብ ጭብጥታት ክትዛረብ ምእንቲ፡ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ስምምዕ ምስ ግዜ ከኣ ክንርእዮ እንዲና፡ በዚ ሕጂ ዘለኒ መረዳእታ ግን፡ ካብ ናይ ህዝባዊ ርክባት (PR) ሃልኪ ዝወጽእ እዩ ኣይብልን። ኪኖኡ ዝኸይድ እንተዀይኑ ግን ናይ ብሓቂ ዓበይቲ ምልክት ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ። ግብጺን ሱዳንን ስለ ዘይተቓደዉ፡ ቱርኪ ኣብ ጐድኒ ሱዳን ኰይና ናብ ግብጺ እንታይ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ትደሊ ኣላ? ናይ ተንተንቲ ብዙሕ ዘረባ ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሲናርዮ ወሲድካ፡ ቱርኪ ኣብ ሰዋኪን ገጂፍ ወተሃደራዊ መደበር መስሪታ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ፡ ናይ’ቲ ኣብኡ ዝሰፍር ሰራዊት ተልእኾ እንታይ እዩ? ቀይሕ ባሕሪን ርግኣት ናይ ቀይሕ ባሕሪን ንምውሓስ ናይ’ዚ ከባቢ ህዝብታት ተሳንዮም ብሓንሳብ ንሓባራዊ ድሕነቶም ክተሓጋገዙ ምእንቲ እሞ ኣበርክቶ ክትገብር ድያ?. ..እቲዕላማታትሓደብሓደክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። ሕጂ ንግዜ ቀዲምካ ተሃዊኽካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኰነን። ግን ከኣ ቅቡል ኣይኰነን። ዋላ ንናይ ህዝባዊ ርክባት ዕላማታት ተባሂሉ ይገበር፡ ንኸም’ዚ ዝኣመስለ ህላወ ዘመኽኒ ኣይኮነን።
ምናልባት ብዛዕባ ናይ ቱርኪ ጥራይ ኢና ንዛረብ ዘለና። ምስ መን ኣበየናይ ከባቢ እንታይ ትገብር ኣላ ጭብጥታትን ብዙሕ ሓበሬታታትን ኣለዉ። ኣዛሚድካ እንተ ተራእዩ፡ ናይ ብሓቂ ስምብራት ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ንሓዋሩ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሕ ዘረባታት ክዝረብ ይከኣል እዩ። ኣብ ናትና ተመኵሮ፡ ዓሰብ፡ ባጽዕ፡ ዳህላክን ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት፡ ንናይ ሓባር ረብሓታት ናይ ሓባር ስግኣታት ብቐንዱ ከኣ ናይ’ዚ ጎደቦ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ተሓጋጊዞም ሰላምን ርግኣትን ከምጽኡ ዝተሰማምዑሉ ነገር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ምልክት ሕቶ እውን ኣይተቐምጠሉን ኢኻ። ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ዳህላክ እስራኤልን ኢራንን ኣለዋ፣ ኣብ ሶይራ ናይ እስራኤል ገጅፍ ናይ ሳይቬርላንስ መደበር ኣሎ፡ ንኸም’ዚ ዕላማታት ዝቐውም እዩ. . . ዝብሉን ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዝዝርግሑ ባሉናት ናበይ ገጽካ ንምብጻሕ እዩ? እዚኣቶም ትመሃረሎም ኢኻ ግን ዝተፈብረኹ ሓሶታት እዮም። እቶም በሃልቱ እንታይ መልእኽቲ እዮም ከመሓላልፉ ዝደልዩ ዘለዉ? ባብ-ኤልመንደብ፡ ስዊስ፡ ቀይሕ ባሕሪ ከም ኣህጉራዊ መንገዲ ማያት እንታይ እዩ ኣገዳስነቶም? ኣብኡ መጺኡ ክሕንክር ዝደሊ ስለምንታይ? ሰላምን ርግኣትን ናይ’ዚ ከባቢ ክትዘርግ ትደሊ? ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ገጂፍ ስእሊ፡ ብሓቂ ቱርኪ ተሰማሚዓ ኣብ ሰዋኪን ክትሰፍር ደልያ እንተኾይና፡ ተንተንቲ፡ ሊቃውንቲ፡ ፈላጣት፡ ተመራመርቲ ዝበሃሉ ዝዛረብዎ ዘረባ ብዙሕ እዩ።
ስለ’ዚ፡ ኣብ ባህልና ስለዘየለ ቅድም ቀዳድም ጭብጥታት ክንእክብ ኣለና። እቲ ጭብጥታት ጥራይ ዘይኰነ ከኣ፡ ናይ ብሓቂ ናይ’ቶም ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስጉምትታት ዝወስዱ ዘለዉ ሓይልታት እንተላይ ናይ ቱርኪ ዕላማታት ክፍለጥ ኣለዎ። ነቲ ናይ ገዛእ-ርእስና ሃገራዊ ድሕነትን ንሉኣላዊነትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንናይ ሕጂን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ሓባራዊ ረብሓታትና ብኸመይ ይትንክፎ? ኣብ 25 ዓመታት ብዙሕ ነገር ኢና ተማሂርና። ኣብ’ዚ ከባቢ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ክድገም ብዝዀነ ይኹን መጎት ዝዀነ ሰብ ክቕበሎ ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክቕበሎ ኣይክእልን እዩ። ስለ’ዚ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ክንርኢ ከለና ተሃዊኽና ናብ መደምደምታ ቅድሚ ምዝላልና ብጽቡቕ ክንከታተሎም ኣለና። እዚ ዝቐነየ ብዛዕባ ሳዋ፡ ‘ናይ ቱርኪ ፕረሲደንት ናብ ሱዳን መጺኡ ንስዋኪን ርእዩዎ። ኣብኡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክገብሩ እዮም. . .’ ዝብል ዜናታት፡ ንህዝባዊ ርክባት ተባሂሉ ጥራይ እዩ ዝኸውን፡ ብኸምኡ እንተተረዳእናዮ ይሓይሽ። ምኽንያቱ እንድሕር ከነተዓባብዮ ፈቲንና ጭቡጥ ዘይብልና ክንዛረብ፡ መሊስና ከነንበድብድ ኢና ማለት እዩ። ኣብ መኣዲ ናይ’ቶም ወረ ዝፍንዉ ዘለዉ ተዓዲምና ከነጣቕዕ ስለ ዘይግበኣና ሕይብ ኢልና ምክትታሉ ጥራይ እዩ ዘድልየና። ብኣጠቓላሊ ግን ናይ’ዚ ህሉው ምንቅስቓሳት ጭቡጥ ኣብነት ናይ ሶማልያ ኣለና። ኣብ’ዚ፡ ናይ ወያነ ጸወታታት እውን ኣሎ። ምስ ወያነ ዝሰርሑ ካልኦት ተጻወትቲ እውን ኣለዉ። ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታትና፡ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝማዕበለ ብዙሕ ጭብጥታትን ዝሓለፍናዮ ተመኩሮታትን ኣሎ። ካብኡ ንመሃር። ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ዝነበረ ምዕባለታት ሓደ ብሓደ ገምጊምና ከነንብቦ ክንክእል ኣለና። እቶም ዓለማውያን ድዮም፡ ዞባውያን ድዮም፡ ዘቤታውያን ተዋሳእቲ፡ ናይ’ዞም ሰለስተ ረቛሒታት ምውሳእ ኣብ ውሽጢ ዞባና እንታይ ይመስል? ናይ መወዳእታ ዕላማና ርግኣት፡ ሰላም፡ ህድኣትን ምትሕግጋዝን ምስ ጎረባብትናን ጎደቦናን እንድሕር ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ብዝተመሃርናዮ ተመኩሮ፡ ንዝመጽእ ክድገም ዘይብሉን ናብ ዝሓሸ መገዲ ዝወስድን ኩነታት ጥራይ ክመጽእ ስለዘለዎ፡ ብኡ መጠን ነዚ ናይ ቱርኪን ናይ ካልኦትን ኣብ’ዚ ከባቢ ዝግበር ምንቅስቓሳት ተኸታቲልና ክንመዝኖ ኣለና። ንመፈተሺ፡ ንመደናገሪ፡ ንመሀወኺ ዝበሃል ዘረባታት ዋላ ንሃልኪ ናይ ህዝባዊ ርክባት ዝግበር ዘረባታት ጥንቅቕ ኢልና ከነስተባህለሉ ዘለና ጉዳይ እዩ። እነስተናዕቖ ወይ እውን ‘ኣይኰነን’ ኢልና ንጎስዮ ዘይኰነ፡ኣብውሽጢእቲገጅፍናይወጻኢ ፖሊሲ፡ ምስ ናይ ጎደቦና ኣዛሚድና ክንርእዮ ዘለና ሕቶ እዩ። ንቱርኪ ‘እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ናብኡ ትመጽኡ ዘለኹም?’ ኢልና ክንሓቶም እውን ይግበኣና። ቍሩብ ክርደኣና ምእንቲ እንተ ትነግሩና እውን ጽቡቕ። ኣይፋልናን ኣይንነግርን ኢና እንድሕር ኢልኩምና ከኣ ናትኩም ጉዳይ እዩ – ግን ፍቓድኩም እንተዀይኑ ንገሩና ንብሎም።
ሕራይ ክቡር ፕረዚደንት ናብ ኩነታት ኢትዮጵያ ክንሰግር። ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ዓዘቕቲ እዩ ዘሎ። ኣብ መንጎ ክልላት ብቐጻሊ ዝርአ ዘሎ ግጭታት ኣሎ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት እውን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ መላፍንቲ ናይ ወያነ ዝዀኑ ውድባት ኢህወደግ’ውን ዘይምቅዳው ኣሎ። ኩነታት ኢትዮጵያ ናበይ ገጹ እዩ?
ሕጂ ከመይ ገይርና ንግምግሞ፡ ንመጻኢኸ ከመይ ንርእዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ’ዚ ዞባ ወይ ጎደቦና እንብሎ፡ ቅድሚ ናይ ዝዀነ ካልእ ሃገርን ህዝብን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት የገድሰና ንዓና። ንርዱእ ምኽንያታት ብዙሕ ትንታነ ዘድልዮ እውን ኣይኰነን። ብገምጋም 25 ዓመታት ወይ ልዕሊኡ ሓሊፉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እንታይ እዩ መጺኡ? ኩሉ ግዜ ላግጺ ወይ ጆክስ እዩ። ኣብ’ዚ መወዳእታ ኣብ ናይ ዜና ወረቐት ሓደ ጆክ ኣንቢበ። እቲ ንሳቶም ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ናይ ወያነ ፓርላማ’ሲ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ክልላት ወይ ኢትኒካዊ ጉጅለታት ዘሎ ግጭታት ዝምርምር ኣካል ኣቚሙ ተባሂሉ። ዓንቀጽ 39 ናይ ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ቅዋም እንታይ ከም ዝብል ክርአ ይከኣል’ዩ። እዚ ናብ ምንታይ እዩ ዘምጽኣና፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትኒክ ኣብ ብሄር ተመቓቒላ ተበታቲና ንኽትነብር – ቍጽሪ ሓደ ኣጀንዳ ወያነ እዩ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ 25 ዓመታት እንታይ ተራእዩ? ከመይ ገይሩ መጺኡ ኢልና ፖለቲካዊ ገምጋም እንድሕር ክንገብር ኰይንና፡ ናይ ወያነ ሕሙም ኣእምሮ ዘምጽኦ ዕንወት ናይ ኢትዮጵያ እየ ዝብሎ። ኣብ መጀመርያ 90ታት ዝምድናታትና ደሓን እንከሎ፡ ከመይ እንተኾነ ይሓይሽ ንበሃሃልን ንመኻኸርን ነይርና። ምኽንያቱ ናይ መጻኢ ዕድል ክልቲኡ ህዝብታት ወለዶታት ከተረሓሕቖ እውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ብሓባር ተሰዊእናሉ ኢና። ብጀካ እቲ ናይ ወያነ ታሪኽ ናይ ምጥምዛዝ ኣመል፡ ንመጻኢ ጠሚትና ዝተዘርበሉ እዩ።
ንድፊ ናይ ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ከይወጽአ ከሎ፡ ቅድሚኡ እውን ቅድሚ 91፡ ቅድሚ 90፡ ኣብ መወዳእታ 70ታት ኣብ 80ታት ምስ ወያነ ዘዛርበና ዝነበረ፡ ዝንቡዕ ኣካይዳ ወያነ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ምእራም ኢና ንቃለስ ነይርና። መሰል ርእሰ-ውሳነ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብናጽነት እዩ ዝድምደም ተባሂሉ፡ ናይ መጀመርያ ናይ ወያነ ፕሮግራም ምስ ወጽአ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ ኤርትራ ሃገር እያ። ብዛዕባ ሃገራት ክንዛረብ ከለና፡ መግዛእቲ ታሪኽ ኣምጺእና ኢና ንዛረብ ዘለና። ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ህዝብታት ኣበይ ነይሮም ኣይንዛረብን ኢና። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ፍልስፍና ፕሮግራም ኣየድልየኩምን እዩ። ኖእ ክንንጸል ኢና፡ ንሕና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘራኽብ የብልናን። ምስ ኣምሓራ ይትረፍ ብሓባር ክንነብር ብሓባር ክንልምን እውን ኣይንኽእልን ኢና እናተባህለ እውን ይዝረብ ነይሩ። እዚ ተሰጊሩ ኣብ ሓደ መድረኽ መጺእና። ኣብ መወዳእታ ካብ’ዚ ኣዝዩ ጥሩፍ ምኽንዩነት ዘይብሉ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ መጺኡ። ገና እቲ ስነ-ኣእምሮ ግን ኣይተቐየረን። ‘ንሕና ዝወሓድና ስለዝዀንና ንኢትዮጵያ ከነመሓድራ ወይ ክንገዝኣ እንድሕር ኮይንና ፋሕፋሕ ከነብላ ኣለና’ እዩ እቲ ዋና ነገር ዝነበረ።
ዳሕራይ ‘ፕሮግረሲቭ’ ወይ ገስጋሲ ቅዋም ናይ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝተዘርበ ኣሎ። ብድሕሪኡ ዝእዝዝ ዝነበረ ስነ-ኣእምሮን ኣጀንዳን፡ ንኢትዮጵያ በታቲንካ ከመይ ገይርካ ትቆጻጸራ እዩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስናነቲፖለቲካዊኣጀንዳክንርእዮ ከለና ኣይሰርሐን። ናይ ብሄራት ነውጺ፡ ኣብ መንጎ ብሄራት ህውከት ምብግጋስ ኢህወደግ ቅድሚ ምምስራቱ፡ ኣየድልን እዩ ኣብ ንብለሉ ዝነበርና እዋን፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓይልታት እውን ነይሮም። ድሕሪ 1991 ዓ.ም. ህዝቢ ኢትዮጵያ ናበይ ከም ዝኸይድ ክውስን ክኽእል ምእንቲ፡ ናይ መሰጋገሪ ቅዋም ክህሉ ኣለዎ ኢልና። ሽዑ ኣብ ዘይጉዳይና ኣይኮንናን ንኣቱ ነይርና። መሻርኽቲ ስለዝነበርና ብውሑዱ ናይ 10 ዓመት ናይ መሰጋገሪ ግዜ ይሃሉ’ሞ፡ ካብኡ ናብ ካልእ ይከየድ ኢና ኢልና። ነዚ ሰጊርካ ዝኾነነገርከተምጽእኣይትኽእልንኢኻ። እቲ ናይ ብሄራት ዝበሃል ምንቅስቓስ ዝዀነ ሰብ ክኽሕዶ ኣይክእልን እዩ። ጽባሕ ንግሆ ምስ ሓድሽ ኩነታት ኢትዮጵያን ናይ’ዚ ከባቢን ንኽቃዶ ናይ መሰጋገሪ ግዜ ክህሉዎ ኣለዎ። ከም’ዚ ኣየድልን እዩ፡ እንተተባህለ፡ ንኢትዮጵያ ብፖለቲካ መቓቒልካ ክትቆጻጸራ እንድሕር ኮይንካ ሓደ ጽላል ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ። ኢህወደግ ማለት እዩ። ኢህወደግ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ህወሓት ዝቆጻጸሮ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። እቲ ካልእ ላቔባታት እዩ። ወይ ድማ መጋበርያ እዩ። እቲ ብደገ ዝወሃብ ስእሊ ግን ከም’ዚ ናይ ብዙሓት ብሄራት ጽላል ዝዀነ ውድብ ከም ዝተመስረተ እዩ። ናይ ልቢ እምነት ኣይነበረን፡ ዋላ ናይ ፕሮግራም እምነት እውን ኣይነበሮን። እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ እንርእዮ ዘለና፡ ናይ’ዚ ኣጀንዳ ውጽኢት እዩ። እቲ ኣንጻር ናይ’ቲ ሽዑ ዝወሃብ ዝነበረ ምኽሪ፡ ዋላ ግሁድ እናኾነ ከሎ ወያነ ዝሃንደሶ ገስጋሲ ቅዋም ዝተባህለ ናይ ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ፡ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈጠሩ ወይ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ በደላት፡ እዚ እንርእዮ ዘለና ፖለቲካዊ በደል እዩ። ካብ ሰማይ ዝነጠበ ሽግር ኣይኮነን። እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ኮሚተ ቆይሙ ዘጽንዖ. . ዝበሃል ዘሎ፡ ወያነ ሃንዲሱ ዘምጽኦ ጸገማት እዩ። ንጃህራ ወይ ናተይ ተራ ንምግናን ዘይኰነ፡ ናይ መጀመርያ ንድፊ ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ካብ ዝረኣዩ ቀዳሞት ሓደ እየ ኢለ ክዛረብ እኽእል’የ። በቲ ዝነበረና ዝምድና ዘይንዛረበሉ ኣርእስቲ ኣይነበረን። ኩሉ ንማኸረሉ ነይርና። እዚ ዓንቀጽ 39 መሰል ርእሰ-ውሳነ ብሄራት ክሳብ ምንጻል እንታይ ማለት እዩ? እንተሰለጠና ኣብ ኢትዮጵያ ንጸንሕ፡ እንተዘይሰለጠና ከኣ ንወጽእ ማለት ድዩ? ነዚ ብሄራዊ ኣቃውማታት ዝበሃል፡ ቀስ ብቐስ ኣብ ምህናጽ ሃገር እናተወሃሃደ ናብ ሓድነት ከም ዝኸይድ ምግባር እምበር፡ ከም ዘለዎ ዓቂብካ ትካላዊ ቅርጺ ከተትሕዞ ሓደገኛነቱ መወዳእታ የብሉን። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገርን ከባቢን ኣይሰርሕን እዩ። ነቲ ብዙሕነት ፈሊጥካን ኣሚንካን ናብ ዘተኣማምን ውህደት ከም ዝኸይድ ትሰርሕ። እንተዘየሎ ነቲ ዘሎ ምምቕቓል ዓቂብካ ብቐቢላ፡ ብእንዳ፡ ብብሄር፡ ቁልቁላዊ ምትፍናን ናይ ሕብረተሰብ ምፍጣር ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ፖለቲካ ጸወታ እዩ። ነዚ ጸወታ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣታተወ፡ ዝሃንደሰን ዝሰርሓሉን ከኣ ወያነ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ወያነ ዝፈጸሞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ጌጋታት እዮም። ናይ’ዚ ሕጂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘናቝት ዘሎ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ወያነ ምብርዓን ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ቑጠባዊ ኣጀንዳኸ? ብፖለቲካ መቓቒልካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክትቆጻጸሮ ምፍታን ሓደእዩ።ምስኡግንቁጠባከኣ ክትቆጻጸር ኣለካ። ወያነ ነዚ ሳዕቤን ኣይረኣዮን። ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ካብ ሓደ ሃገር፡ ቁጠባ ሃገር ከም ዝቆጻጸር ምግባር ማለት – ብብሄር መልክዕ ነቲ ዝበዝሕ ኣዋሲንካ ንሓደ ውሱን ብሄር ጥራይ ከም ዝቆጻጸሮ ምግባር ቁጠባዊ ምትፍናን ምፍጣር ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ካብኡ ዝኸፍእ ሓደገኛ ጸወታ ኣይነበረን። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ. . . ጐስጐስቲ እናቖጸርካ፡ ኢትዮጵያ ንወፍሪ ምችእቲ ሃገር እያ፡ ‘ደብል ዲጂት’ ምዕባለታት ቁጠባ ተርኢ ኣላ. . . እናበልካ ዝኾነን ዘይኮነን ዘረባታት፡ መሬት ናይ ሃገር እናሸጥካ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ቁጠባዊ ምቁጽጻር ምፍጣር ዘስዓቦ፡ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኩነታት እዩ ናይ ኢትዮጵያ። ብኣጠቓላሊ ደሚርካ ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ዕንወት እቲ ዝካየድ ፕሮፖጋንዳ ብዘየገድስ፡ እዚ ፍልስፍና’ዚ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ቁጠባዊ ቅልውላው ስዒቡ። ህዝቢ ብጀካ እቲ ወያነ ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ጸገማት፡ ቁጠባዊ መሰሉ ከረጋግጽ ዘይዕግበቱ ይገልጽ ኣሎ። ናይ ኢትዮጵያ ቍጠባዊ ኩነታት ኣብ ምንታይ ኣሎ ሕጂ እንድሕር ኢልና፡ ከም’ዚ ኣይ.ኤም.ኤፍን ዓለማዊ ባንክን ዝሃብዎ ለበዋታትን ምኽርን፡ ብር ዲቫልዩ ገይርካ (ዋጋ ብር ብምጕዳል)፡ ቁጠባ ከተመዓራሪ ኣይኰነን። ክልተ ኣሃዛት ዘለዎ ዕብየት ከርኢ ዝጸንሐ ቁጠባ፡ ሕጂ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመስለ ኩነታት ክኣቱ ይኽእል ድዩ? እዚ እቲ ካልኣይ ዓቢ ጌጋ ኣጀንዳ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ።
ወተሃደራውን ጸጥታውን ምቁጽጻር ሳልሳይ ኣጀንዳ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ’ታ ሃገር እንርእዮ ዘለና ጸጥታዊ ኩነታት በየን መጺኡ? ‘እዛ ጎብለል ሃገር፡ እዛ ጎብለል መንግስቲ እዚኣ፡ ኣብ ሶማልያ ከይዳ ትዋጋእ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት ናይ ሰላም ዓቃቢ ሰራዊት ትሰድድ፡ ምስ ኤርትራ ክንደይ ግዜ ዝተዋግአት. ..’እዚኩሉንምንታይየድሊ?ምስ ኤርትራ ብሰላም ንኽትነብር – ሰራዊት እውን፡ ጸጥታ እውን ኣይመድለየካን። ብሓባር ትነብር እንተ ኮይንካ ናይ ሓባር ርግኣት ትፈጥር። ናብ ሶማልያ ዘኽይድ ምኽንያት የብልካን። ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባቢታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ሓደ ጸቢብ ጃንዳ ምቁጽጻር ከተውሕስ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ መጀመርታ ክመስለካ ይኽእል ይኸውን። ብኸምኡ ዝኣመስለ ሓይሊ፡ ንህዝቢ ኣርዒመ ክገዝእ ወይ ክቆጻጸር ኢልካ ክትሓስብ ትኽእል ትኸውን። ግን ንሓጺር ግዜ ዝሰርሕ እዩ። ነባሪ ሰላም፡ ነባሪ ክብረት፡ ርግኣት፡ ብዘይገዚፍ ወተሃደራዊን ጸጥታውን ሓይሊ ከተረጋግጾ ክትክእል ኣለካ። ቅድም ንዕኡ ዝኸውን ባይታ ክትምስርት ክትክእል ኣለካ።
ክቡር ፕረዚደንት ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ዓዘቕቲ እዩ ዘሎ። ኣብ መንጎ ክልላት ብቐጻሊ ዝኽሰት ግጭታት ኣሎ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት እውን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ መላፍንቲ ናይ ወያነ ዝዀኑ ውድባት ኢህወደግ’ውን ዘይምቅዳው ኣሎ። ኩነታት ኢትዮጵያ ናበይ ገጹ እዩ?
. . .እቲ ራብዓይ ኣጀንዳ (ጸገም) ናይ ወያነ፡ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ተዋዲኻ ወይ ተሰማሚዕካ ምቍጽጻርካ ከተሐይል ምፍታን እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ንሓይልታት ደገ ትግዛእ። ናይ ወያነ ፈላስፋታት ብተደጋጋሚ ክብሉና ዝፍትኑ ዝነበሩ’ሞ፡ እዚ ኣየወጻጻኣኩምን’ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ -‘ምስ ሓያል ውሽማ ኣደኻ ተሰማሚዕካ ሕደር’ እዩ ነይሩ ፍልስፍናኦም። ምስ ሓያል ውሽማ ኣደኻ ተመሳሲልካ ሕደር ማለት – ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ተሰማሚዕካ ኪድ ማለት እዩ። እቲ ዝኸፍአ ነገር፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምቊጽጻርን ኣብ’ዚ ከባቢ ጎብለል ናይ ምዃን ጥሙሕን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንመቓልስትኻ ህዝቢ ኤርትራ ብምጥላም – ግዳይ ገይርካ፡ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ተሰማሚዕካ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ በዲልካ ክትጓዓዝ ምድላይ እዩ። ኣብቲ ፈለማኡ ምናልባት ንወያነ፡ ከም ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ መኽሰብ፡ ከም ዓቢ ስትራተጂካዊ ዕድል ናይ ተራቐቕቲ ፍልስፍና ይመስሎ ነይሩ ይኸውን።
ኣብ መወዳእታኡ ግን፡ ኩሉ’ቲ ናይ ምቁጽጻር ህርፋን ኣይሰርሐን። ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊምካ፡ ሻዕብያ መካይድኻን መሳርሕትኻን ከምዘይነበረ ከም ቀዳማይ ጸላኢኻ ጠሚትካ፡ ብደገ ዝመጽእ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት ከተሳሲ፡ ልዕሊ ዝኾነ ከኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከተተፋንኖ፡ ካብኡ ናብኡ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከተረሓሕቖን ከተጣቚሶን እንታይ ተኣምራት ተራእዩካ እዩ? እዚ ኣብ 25 ዓመታት ዝረኣናዮ፡ ወያነ ዝመስርሖ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ድሕነንታዊን ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱን ኣጀንዳ ሓደ ብሓደ እንተርኢናዮ፡ ጉሉሕ ጌጋኡ ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና። እዚ፡ ግብጺ መጺኣ ኣላ፡ ምስ ሱዳን ተመሓዚና ኣለና፡ ኣንጻር ኤርትራ ከምዚ ንገብር ኣለና. . . ዝበሃል ዘሎ እምበኣር ኣይመድለየን። ብኣውራኡ ግን፡ ወያነ ዝተጓዕዘሉ ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ጸጥታን ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ፕሮግራማት ክሳብ ክንድ’ዚ ክቕጽል ምኽኣሉ፡ ብተናጸል ክረአ ዝከኣል ኣይኮነን። ንድሕሪት ተመሊስና ናይ ክሊንተን፡ ቡሽን ኦባማን ሰለስተ ምምሕዳራት ዝነበሮም ተራ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጌጋ እናተፈጸመ ከሎ ስለምንታይ ኣጆኻ ይብሉ ነይሮም? ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ ዝተፈላለያ ሃገራት ስለምንታይ ነዚ ከሳስየኦ ጸኒሐን? ስለምንታይ እዩ እቲ ግዜ ነዊሑ እንተደኣ ተባሂሉ፡ ብናይ ወያነ ውሽጣዊ ፕሮግራም፡ ብናይ ወያነ ውሽጣዊ ኣጀንዳ ጥራይ እንርእዮ ኣይኮነን። ወያነ ከምኡ ንኽገብር ሓይሊ የብሉን። እቲ ጉዳይ መሊሱ እናተሓላለኸ ክኸይድ’ውን ኣይምኸኣለን ነይሩ። ብናይ ወያነ ውሽጣዊ ዓቕምታትን ናይ ኢትዮጵያ ፕሮግራማትን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ግዜ እውን ኣይምነውሐን።
እቲ ዝዓበየ ሓላላኺ እቲ ብደገ ዝግበር ዝነበረ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ድጎማ እዩ። ኩሎም ኣውፈርቲ ኢና፡ ሃብታማት ኢና ኢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ገንዘቦም ዘውፈሩ ካልኦት’ውን፡ ነዚ ኩነታት ብምፍጣር ዕምሩ ከም ዝናዋሕ ገይሮሞ። እዚ ሕጂ ‘ጽዑቕ ክንክን’ ዝበሃል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ግን ነባሪ ኣይኮነን። ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ንሕና ስለዝተጠለምና፡ ግዳይ ስለዝኾንና ንዛረቦ ዘለና ኣይኮነን። ኣብ ወድዓዊ ገምጋም ናይ ኢትዮጵያ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኩነታት ኣሎ ዝብል እንተደኣ ኣሎ፡ ኣብ 25 ዓመታት ዝማዕበለ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊን ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበለ ሓደ ብሓደ ተንቲኑ ይርኣዮ። እቶም ንወያነ ዘጋገዩ ካብ ዋሺንግተን ጀሚርካ ኣብ ርእሰ- ከተማታት ኤውሮጳ ዘለዋ መንግስታት ክኽተላኦ ዝጸንሓ ፖሊስታት፡ ንወያነ ምትብባዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ከካይድዎ ዝጸንሑ ተጻብኦታት ጸብጺብካ እንተርኢኻዮ እቲ ስእሊ ንጹር እዩ። እዚ ከኣ ከም’ዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይክእልን።
ብሓቂ ንሕና ዘይኢድና ኢና ተፈዲና። ዋላ ንታሪኽና ደምሲስካ ንምጥፍኡ ንምህሳሱ ዘይግበርን ዘይተገብረን ፈተነታት የለን። ዘይተገብረ ምጥቛስ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን መወዳእታ ዘይብሉ ጽልኢ ንምስራት ዝተገብረ ፈተነታት፡ ዓይንናን ኣእምሮናን ከፊትና ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። 25 ዓመታት ከሲርናዮ ኢና፡ ዝሓለፈና ዕድል ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ብዝሓለፈ ንጠዓሰሉ የብልናን። ብዝሓለፈ ተሰናቢድና እንቕየደሉ እውን የብልናን። መጻኢ ዝምድናታት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ካብ’ቲ ክሳብ 91 ብሓባር ዝተቓለስናሉ ዝፍለ ሓድሽ ምህዞ ወይ ሓድሽ ፍልስፍና የብልናን። ካብ’ዚ ናይ 25 ዓመታት ዕንወት ተማሂርና ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ተማሂሩ ኣሎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ተማሂሩ ኣሎ። ብቐንዱ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ተማሂሩ። ምናልባት ሕጂ ግዜ ንምንዋሕ ዕድመ ንምንዋሕ፡ ከም’ዚ ተገይሩ፡ ጽገናታት ተገይሩ፡ እሱራት ክንፈትሕ ኢና፡ ኢትንካዊ ጸገማት ክንፈትሕ ኢና፡ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ክንገብር ኢና. . . ዝብሉ ዝተፈላለዩ መደናጐዪ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንከታተሎም ዘለና እዮም። እቲ ጉዳይ ግን ኣብቂዑ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን መጻኢ ዕድሉ ዝውስነሉ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ። 25 ዓመታት ኣብ ዕድመ ህዝብታት ንእሽቶ ግዜ ኣይኮነን። ገዚፍ ግዜ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ መንገዱ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ።
እዚ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያ ንኸተረሓሕቕ፡ ኤርትራ ከም’ዚ ትገብር ኣላ፡ ሻዕብያ ከም’ዚ ገይራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ከም’ዚ ገበረት ዝበሃል ዘሎ፡ ቀደም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ታንክታትናን መዳፍዕናን ሒዝና ክንኣቱ ከለና’ኮ ንጃህራ ኣይኮንናን ኣቲናዮ። ንመጻኢ ዕድል ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢልና ኢና ሰሪሕናሉ። ንሕና ነፊዕና ንስኹም ሓሚቕኩም ኢልና እንዛረበሉ ጉዳይ’ውን ኣይኮነን። ሕጂ ሓድሽ ምህዞ ዝበሃል የብልናን። ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ሓድሽ ምህዞ የብሉን። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ዝህሉ ዝምድናታት ሓድሽ ምህዞ የለን። ብኸመይ ናይ መጻኢ ዕድላትና ንውስን፡ ከመይ ገይርና ንተሓባበር. . . ንዝዀነ ሰብ ዝስወሮ ኣይኮነን።
ስለ’ዚ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ዝበሃል ኩነታት፡ ብውድዓዊ ንባብ ክንበብ ክኽእል ኣለዎ። በብዝተሰመዓካ ዝዝረብ ኣይኮነን። ሓደ ብሓደ እዞም ክገልጾም ዝጸናሕኩ ስኑዳት እዮም። ትንታነ ኣይኮኑን ምዝጉብ ጭብጥታት እዮም። ካብኡ ዝዓቢ መጽሓፍ ናይ ትምህርቲ ከኣ የለን። ኣብኡ ግዜ ከነጥፍእ ዘይኮነ፡ ዝኣኽለና ተማሂርና ኣለና። ዝኣኽለና ስለ ዝኸሰርና ከኣ ንድሕሪ ሕጂ ብኸምኡ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዘርኣዮ ተቓውሞታት፡ ግሁድ መግለጺ ናይ ዘይዕግበቱን ውጽኢት ናይ ግጉይ ስትራተጂ ወያነን እዩ። ስለ’ዚ ቀሰይ ኢልና፡ ሓድሽ ምህዞ ከየምጻእና፡ በቲ ቀደም ዝተጓዓዝናሉ መስመር ጥራይ ኢና ክንከይድ ዘለና። ሕጂ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዘይመልክዑ ንምሃብ፡ ኤርትራ ንእከለ ደጊፋ. . . ከምዚ ከኣ ገይራ. . . እናበልኩም ኣብ ባይቶ ጸጥታ ትኸሱና ደኣ ንሕናስ ምሳኻትኩም እንዲና ኣቲናያ ኣዲስ ኣበባ፡ ብሓንሳብ እኮ ኢና ኣቲናያ። ሽዑ ስለምንታይ ኢድኩም ተእትዉ ኣለኹም ኣብ ጉዳይና ዘይተባህለ. . .። ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ።
ብዙሓት ነቲ ታሪኽ ብግቡእ ዝፈልጡዎ፡ ‘እዚ ኹሉ ብሓንሳብ በሊዕና፡ ብሓንሳብ ሰሪሕና፡ ብሓንሳብ ተሰዊእና፡ ብሓንሳብ ተቓሊስናስ ሕጂ ንዓኡ ከም ዘይነበረ ንምድምሳስ ዝግበር ፈተነታት እንታይ እዩ ምስጢሩ? ይብሉ እዮም። ግዳ ሓድሽ ዛንታ የለን፡ ኩሉ ስኑድ እዩ። ኣብ ኣካይዳና፡ ናይ ብሓቂ ካብ’ቲ ቀደም ዝነበረና እምነት ሎሚ ዘለና እምነት ዝያዳ ይሕይል። ንወያነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣሸቀልቲ ወያነ’ውን እንተኾነ እንሓንከሉ ወይ እንፈርሓሉ ጉዳይ ኣይኮነን። መጻኢ ዕድል ወለዶታት ስለዝዀነ።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክኽሰት ዝኽእል ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ንኤርትራ ብሓፈሻኡ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል? ክልቲኡ ህዝብታት ዝኸሰሮ ዕድላት ዳግም ንኽበራበርከ እንታይ ተኽእሎ ኣሎ ወይ እንታይ ኵነት ይሓትት?
ድሕረ-ባይታኡ እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ እንድዩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ዝምድና ጥራይ ክንርኢ የብልናን። ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ጽውጽዋይ ተፈጢሩ። ኢትዮጵያ ገዚኣትና፡ ኢትዮጵያ ከምዚ ገይሮምና . . . ክበሃል ከሎ፡ ናይ ብሓቂ ንዓይ ኩሉ ግዜ ስኽፍክፍ ዝብለኒ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓታት ንምንእኣስ ዘይኰነ፡ ውሳነ ናይ ኢትዮጵያ ኣይኰነን ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሎም ህዝብታት፡ ከም ኩሎም መግዛእቲ ዶባቶም ዝሓንጸጹሎም ህዝብታት ናጽነቱ ክረክብ መሰሉ እዩ ነይሩ። ግን ኣይተኻእለን። ስለምንታይ – እቲ ሽዑ ዝመጸ ዓለማዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ኩነታት ነይሩ እዩ። ዕድልናን መሰልናን ምስ ተኸላእና ኣብ መወዳእታ ተቓሊስና – ከቢድ ዋጋ ድማ ከፊልናሉ።
እዚ ፍልስፍና’ዚ፡ ማለት እዚ ‘ሓንቲ ጎብለል መጋበርያ ኢትዮጵያ ፈጢርካ ናይ ምስራሕ ፍልስፍና’፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት’ውን ርኢናዮ ኣይተቐየረን። ድሕሪ 1991 እውን ብሓባር ተጓዒዝናን ተቓሊስናን ኣብ ዝብጻሕ በጺሕናን ኢና። እቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክፍጠር ዝነበሮ ኵነታት ድማ መሊስናዮ። ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኤርትራ ናጽነታ ረኺባ፡ ኢትዮጵያ’ውን ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኰይና። ክልቲአን ሃገራት፡ ክልቲኦም ህዝብታት ከምቲ ጀሚሮምዎ ዝነበሩ ናይ ምትሕግጋዝ ጎደና ሒዞም እንተዝቕጽሉ ግን፡ እቲ ኵሉ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ ዝፈጠረልና ጸገማት፡ ዝጠፍኣና ዕድል፡ እንተላይ ንዓኣቶም፡ ኣይመጋጠመን ነይሩ። ምናልባት ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ገዛእቲ ኢትዮጵያ መሲልዎም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ግን እቲ ህዝብታት ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጥረ ዕድላት ከሲርዎ እዩ። ሓቢርና ኢና ከሲርና። ሓቢርና ዝተቓለስናሉ ምኽንያት ከኣ ነዚ በደል’ዚ ኣሪምና ኣብዚ ከባቢ’ዚ እናተሓባበርና እወታውን ሃናጺን ኣበርክቶ ክንገብር ምእንቲ እዩ። ብፍላይ ናይ ደርጊ ስርዓት ኣብ ክፍላ ናይ 1970ታት ምስ መጸ፡ ብድሕሪኡ ዝገበርናዮ ቃልሲ ኣብ ዝዓበየ መዛግብቲ ናይ ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ሓቅን ጭብጢን እዩ። ሓቢርና ኢና ሰሪሕና። ንዕኡ ከም ድሕረ-ባይታ ወሲድና ከኣ ኣብዚ ከባቢ ሓቢርና ሃናጺ ኣበርክቶ ክንገብር ተበጊስና። ኣብ ሶማል፡ ዋላ ኵነታት ናይታ ሃገር ምስ ተዘርገ ሓቢርና ክንሰርሕ ተባሂሉ። እዚ ምዝጉብ-ኣብታሪኽዘሎእዩ።ሰዓት ሰዓት፡ መዓልቲ መዓልቲ ክንዛረበሉ እንኽእል ጉዳይ እዩ። ‘ሓቢርና ንስራሕ፡ ህዝቢ ሶማል’ውን ሓውና እዩ፡ ምስ ህዝቢ ሶማል ኰይንና ኣብዚ ከባቢ ሓደ ሓያል ውህደት ክንሃንጽ ንኽእል ኢና’ ንብል ነይርና። ጅቡቲ’ውን ከምኡ ጉለድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዛረበሉ ዝነበርና ኣርእስቲ ንሱ እዩ። ኣብ ሱዳን’ውን እንተዀነ፡ እቲ ዝነበረ ናይ ቢንላድን፡ ናይ ካርሎስ፡ ናይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ገበነኛታት ምምጻእ ኣየድልን’ዩ ነይሩ። ዋላ ኣብ 1993 እውን ንሕና ንኢራን ‘ንፈትዋ ወይ ንጸልኣ ነይርና’ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእል ኢና። ግን ቅድም ናይ ጐደቦና ምሕዝነት ከየደልደልና ምስ ካልኦት እነብለሉ ምኽንያት የለን። ‘ንሕናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ከምዚ ክንገብር ኢና፡’ ክበሃል ከሎ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ክልተ ፖለቲካዊ ሓይልታት – ሻዕብያን ወያነን ነቲ ሓሳብ ስለዘምጽኡዎ ኣይኮነን እቲ ጉዳይ። ብታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ እንተርኢናዮ፡ ናይ ክልቲኣቶም ህዝብታት ዝምድናን ምትሕግጋዝን ስትራተጅያውን ብዙሕ ረቛሒታት ዝጸልዎን ሓቂ እዩ። ምህዞ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣይኰነን። ንኽንደይ ዓመታት ክጸንሕ’ዩ – ዋላ ንወለዶታት’ውን ክቕየር ዝኽእል ነገር ኣይኰነን።
እዚ ስለዝዀነ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ – እዚ ወያነ ዝገበሮ ሓደጋ ወይ ዲስቶርሽን ናይ ታሪኽ ናብ ንቡሩ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልኢ ፈጢርና ንረብሖ ነገር እንታይ ኣሎ? ዋላ ሓንቲ የለን። ሓቢርና ሰሪሕና ከነምጽኦ እንኽእል ለውጢ ግን፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ሓይሉ፡ ጸጥታዊ ርግኣቱ፡ ዝተፈላለየ ምስ ከባቢና ክንፈጥሮ እንኽእል ዝምድናታት ካልእ ነገር ምኾነ። ስለ’ዚ ኦፕሽን ወይ ሕርያ ኣይኰነን። እዚ ዝምድና’ዚ ክምስረት ክኽእል ኣለዎ። ብኸመይ ገይሩ’ዩ ዝምስረት – ንሕና ክንማኸርን ክንተሓጋገዝን ንኽእል ኢና። ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተፈላለየ ኵነታት ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ግን ስልታዊን ንሓጺር እዋን ዝጠመተን ኣይኰነን። እቲ ኣብ መጀመርያ 1990ታት ዘቕረብናዮ እዩ – ሕጂ ሓድሽ ነገር የብሉን። ድሕሪ’ዚ ኵሉ ምሕንካር ናይ ወያነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን ኮፍ ኢሉ ‘ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና’ ኢሉ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ክኽእል ኣለዎ። ብርግጽ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ይሓትት’ዩ። ዝተፈላለያ ውድባት ኣለዋ ኣብ ትሕቲ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ዝጸንሓን ካብኡ ወጻኢ ዝዀናን። ብዝተፈላለየ ክግለጽ ዝኽእል ኣወዳድባታት ኣሎ። እዚ፡ ምስ እከለዶ ንዅን ወይስ ኣንጻር እከለ . . . ዘይኰነ፡ ንመጻኢ ዕድላትና ብሓባር ክንስእሎ ክንክእል ምእንቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት መስመሩ ክሕዝ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መንጎናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ልክዕ ብኸምኡ ክተሓዝ ክኽእል ኣለዎ።
ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ዋላ ብዓለም ደረጃ’ውን፡ እዚ ናይ ዋሺንግተን ስርዓት – ናይ ክሊንተን፡ ናይ ቡሽን ኦባማን ዝንቡዕ ኣጠማምታ ወይ መኣዝኑ ዝሰሓተ -‘ሚስጋይድድ’ እንብሎ ፖሊስታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብዚ ከባቢ ዝፈጠሮ ጸገም፡ መስርዑ ክሕዝ ክኽእል ኣለዎ። ሃሳዪ ተራ ናይ ግዳም ሓይሊ ከብቅዕ ኣለዎ። ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ ይዅና ዋላ እዘን ሕጂ ቦታአን ዝሕዛ ዘለዋ ካልኦት ሓይልታት፡ ኣብዚ ዞባና ብሃናጺ ተራ ዘይዋሳኣሉ ምኽንያት የለን። ሩስያ፡ ቻይናን ካልኦት ዝተፈላለያ ሓይልታትን ማለት’ዩ። ስለዚ ናይ 25 ዓመታት ተመኩሮ እዚ ስለዝዀነ፡ ንመጻኢ ዕድል ናይዚ ጐደቦ’ዚ ብዝምልከት ብጀካ እዚ እነቕርቦ ዘለና ካብኡ ዝሓሸ ርእይቶ ኣለና እንድሕሪ ዝብሉ ኰይኖም ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም። በቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ግን ክኸይድ ኣይክእልን እዩ። ንዅላትና ዝጥዕም ሃዋሁ ክንፈጥር፡ ናትና ተበግሶ ክንወስድን ናትና ስራሕ ክንሰርሕን ኣለና። ካልእ ተተረፈ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክህሉ ኵሉ ሰብ ዝጽበዮ እዩ። ንሱ እንተዘይ ተረኽበ ከኣ፡ ምሕንካር ዝበሃል ነገር ክህሉ የብሉን።
ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ወያነ ዝፈጠሮ ኵነታት ኣብ’ዚ ዞባ ክቕጽል ዝኽእል ኣይኰነን። እንታይ እዩ መተካእታኡ፡ መተካእታ ኣለዎ ድዩ የብሉን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ዝኽእል ኣሎ ድዩ የለን’፡ ኣብኡ እንብሎ የለን ግን ደሓን ነቲ ዘሎ ጸጋጊንና እንተኸድና ይሕሸና፡’ ክበሃል ይከኣል እዩ። ግን ከመይ ኢኻ ትጸጋግኖ? ምጽግጋንከ ይከኣል ድዩ? ናይ ሓዋሩ ፍታሕ እንታይ ክኸውን ኣለዎ? . . .ዝብል ገፊሕ ኣርእስቲ እውን ኣሎ። ሓድሽ ምህዞ ከኣ የብልናን። ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ. . . እዚን እትን ኢልና ጭቡጥ ፕሮግራማት ኣሎ ክንብል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣድላይነት’ውን የብሉን። ከመይ ገይርና ዝምድና ክልቲኦም ህዝብታት ጥጡሕ ዝገብር ባይታን ሃዋሁውን ንፈጥር ኣብ ዝብል ግን፡ ሕርያ ኣይኮነን። ዝርዝራቱ እንታይ ይመስል፡ ከመይ ገይርና ኢና ንሰርሕ…ዝበሃል-ኵሉዝፈልጦን ዝከታተሎን ስለዝዀነ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመታት እንታይ ክንገብር ኢና፡ እንታይ መደብ ሒዝና ኣለና፡ ናትና ናይ በይንና ድዩ ዋላስ እንተላይ ንኻልኦት ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ህዝብታት ዘጠቓለለ መደብ’ዩ፡ ነጻጺልና እንርእዮ መደብ ድዩ’ኸ…ምስቲኣብደቡብሱዳንን ኣብ ሶማልያን ዘሎ ኵነታት ክንዛረበሉ ንኽእል ኢና። ጅቡቲ እውን ንእሽቶ ሃገር’ያ ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ጸገም እቲ ኣብ ጁቡቲ ዝጸንሐ ስርዓታት’ዩ። ጅቡቲ ናይ ሓራጅ ሃገር ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ስርዓት ዝጸንሐን ድሕሪ ጉለድ እናማዕበለ ዝመጸን ዝኸፍአ ኣተሓሳስባ ድማ፡ ‘ጁቡቲ ከም ዓቢ ወደብ ናይ’ዚ ከባቢ ክምዕብል ምእንቲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጻልኣ ኣለወን’ ዝብል እዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰማሚዐን ክሰርሓ እንተደኣ ኰይነን፡ ዓሰብን ባጽዕን ከም ወደባት መተካእታ ስለዘይርከቦ፡ ጅቡቲ ጥርሓ ክትተርፍ እያ። ስለ’ዚ ጅቡቲ ንወያነ ወይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፈትያ ኣይኰነትን ከምዚ ትገብር ዘላ። ‘ክልቲአን ሃገራት ክጻልኣ ኣለወን . . .’ ኣይፋሉን! ከምኡ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ጸቢብ እዩ – ንሓዋሩ’ውን ኣየስርሕን እዩ። ካልኦት ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝበሃሉ፡ ‘እዚ ዘሎ ኵነታት ምስ ዝቕጽል – ማለት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ዝባኣሳ ጥራይ ኢና ደቂስና ንሓድር ወይ መኽሰብ ንረክብ’ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ኣየዋጻጽኣኩምን እዩ ንብሎም።
ኩላትና ኣብዚ ጐደቦ ዘለና ሃገራት ሓቢርና ንስራሕ ግብጺ፡ ስዑዲያ፡ ከሊጅ፡ ኵለን ጐደቦና እንብለን ሃገራት ናይ’ዚ ከባቢ፡ ናይ ሓባር ዕድል፡ ናይ መጻኢ ወለዶታት ዕድል ስለዝዀነ፡ ዘይንመኻኸረሉ ምኽንያት የለን። ነፍሲ-ወከፍ ህዝቢ ናቱ ልኡላውነት ናቱ ናጽነት ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ናይ ሓባር ረብሓታት ስለዘለዉና፡ ኣብዚ ንሕና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቢርና ክንሰርሓሉ ኢና እንብሎ ዘለና – ካልኦት እውን ዘይሕወሱሉ ምኽንያት የለን።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ስለ’ቲ ዝሃብካና ሰፊሕ ሓበሬታ ብስም ኩሎም ኣንበብቲ እናኣመስገንና፡ ኣብ መወዳእታ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተሎ. . .
ኣብ መወዳእታ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይኹነልና እብሎ። ሓድሽ ዓመት ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ እዚ ክንዛረበሉ ዝጸናሕና – ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ተሞኩሮታት እውን መሰረት ኮይኑ፡ ናብ ዝሓሸን ዝጠጥሐን ክንጓዓዝ፡ ከምቲ ተጸሚምናን ተጻዊርናን ብትዕግስቲ ሰሪሕና ዝሓለፍናዮ፡ ከምኡ ገይርና ንመጻኢ ጉዕዞና ክንሃንጾ፡ በይንና ጥራይ ዘይኰነ ኣብዚ ከባቢ ምስ ዘለዉ ህዝብታት እውን ከመይ ገይርና ሓቢርና ከም እንሰርሕ ምኽሪ ወይ ማዕዳ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን እብል። ካብዚ ሕጂ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት ጀሚርና ንመጻኢ ብዝሓየለ ኣሳጕማ ክንምርሽ፡ ምስ ሰናይ ትምኒት ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ገስጋስ ክንግስግስ፡ ንዅሎም ኤርትራውያን ጽቡቕ እምነየሎም።
የቐንየልና!