ፍልጠት + ክእለት + ክብርታት ብቑዕ መንእሰይ
ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ኣብ እተፈላለዩ ጸጋታት ክምርኮስ ይኽእል። ብቐንዱ እናበረኸ ዝኸይድ ምዕባለ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ምኽዕባት ኣፍራዪ ርእሰ-ማል፡ ኣብ ሰብኣዊ ጸጋታት፡ ኣብ ተክኖሎጂያዊ ምህዞን ውዳበን ክምርኮስ ይኽእል። እጃም እዞም እተጠቕሱ ጸጋታት ኣብ መስርሕ ቁጠባዊ ምዕባለ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዘተኣማምን ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ከውሕስ ዝኽእል ግን ሰብኣዊ ጸጋ እዩ። ናይ ሰብ ጸጋ ክንብል እንከለና፡ ብብዝሕን ብቑጽርን ዝረአ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ልምዓት ክሳተፍ ዝኽእል ሰብ ዝውንኖም ክብርታት፡ ተበግሶ፡ እምነት፡ ዲሲፕሊን፡ ስነ-ምግባር ክሰርሕን ክፈርን ዝብል ጥሙሕን ራእይን ልዑል ግምት ዝወሃቦም’ዮም። ሰብኣዊ ጸጋ ኣድማዒ ኣበርክቶን ኣፍራይነትን ዝህልዎ ናብ ርእሰ-ማል ምስ ዝልወጥ እዩ። ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ድማ ብትምህርቲን ስልጠናታትን ብቐጻሊ እናተዋህለለን እናተደረዐን ዝኸይድ ጸጋ እዩ።
ሕልፊ ኩሉ ናይ ሰብ ጸጋታት፡ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ዝያዳ ኣተኩሮን ግምትን ዝወሃቦ እዩ። መንእሰያት ብዝውንንዎ ርሱን ባህርያዊ ዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘለዎም ዘይተመዝመዘ ውህሉል ሓይሊን ጽዓትን ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ከረጋግጹን ንለውጢ ክድርኹን ዝያዳ ትጽቢት ይግበረሎም። በዚ ስነ-መጎት እዚ፡ ትምህርቲን ስልጠናን ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዘገድስ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መንእሰያት ዝግበር ወፍሪ ግና፡ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ኣብ ምፍጣርን ምኽዕባትን ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። መንእሰይ ዘይተዛዘመ ግን ከኣ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝርከብ ሓይሊ እዩ። ሓያል ጽዓት፡ ሓያል ድልየትን ጥሙሕን መንእሰይ፡ ብትምህርቲ፡ ፍልጠት፡ ክእለትን እተዋሕሰ ጥዕናን ምስ ዝስነ፡ ኣብ ረብሓ ሕብረተሰብ ክውዕልን ጉዕዞ ምዕባለ ንቕድሚት ክስጉምን ዝያዳ ዕድልን ተኽእሎን ኣለዎ።
ፍልጠትን ክእለትን ብግብራዊ ስራሕ ክስነን ብተሞኩሮ ክህብትምን እንተዘይክኢሉ፡ ኣበርክቶኡ ኣብ መስርሕ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጢ ድሩት እዩ ክኸውን ዝኽእል። ፍልጠትን ክእለትን ዘይንቀሳቐስ (static) ዘይኮነ፡ ናብ ተንቀሳቓሲ ሓይሊ ተቐይሩ ብግብራዊ ተሞኩሮ እናበሰለ ዝጭበጥ ፍርያት ክህብ ኣብ ስራሕ ክውዕል ክኽእል ኣለዎ። ፍልጠትን ክእለትን ይዕበ ይንኣስ ኣብ ስራሕ እንተዘይውዒሉ ትርጉም የብሉን። ብዘይካ እዚ ፍልጠትን ክእለትን ኣብ እተወሰነ ደረጃ ዝድምደም ዘይኮነ፡ ብውልቃውን ሕብረተሰባውን ጻዕሪ ብቐጻሊ ክምዕብልን ምስ ሓድሽ ክዉንነት ክርዕምን ክዛመድን ክኽእል ኣለዎ። ግዜ ዝሓለፎ ትምህርቲን ሞያን ኣብ ክንዲ ኣቃላጣፊ ባእታ፡ ጎታቲ ምዕባለ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ታሪኽ ውሑድ ኣይኮነን።
እቲ ካልእ መንእሰይ ክላበሶ ዘለዎ መሰረታዊ እምነ-ኩርናዕ ጉዳይ ክብርታት እዩ። ትምህርቲን ሞያን ብዘይ ሕብረተሰባዊ ክብርታት ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። መንእሰይ ንበይኑ ተነጺሉ ዝነብር ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሕበረተ-ሰብ ተማእኪሉ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ እዩ። ንክብርታት ሕብረተሰብ ብግቡእ ክርዳእ፡ ከለልን ክምእዘዝን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓንቀፍቲ ንዝባሃሉ ልምዲታትን ባህሊታትን ከመሓይሽን ክእሊን ትጽቢት ይግበረሉ። ስለዚ፡ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ እቲ እኩብ ክሰርሕ፡ ኣብ ህይወት ዘለዎ ዕላማን ራኢን ከነጽር፡ ነውሪን ዘይነውሪን ፈላልዩ ክግንዘብ፡ ሓያል ባህሊ ስራሕ፡ ትግሃት፡ ሓልዮት፡ ምጽማም፡ ሓድሕድ ምክብባር ምስ ዘዘውትር፡ ንነብሱ ከቢሩ ንሕብረተሰብ ዘኽብር መንእሰይ ተባሂሉ ክስመ ይኽእል። ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብኣጋጣሚ 3ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያትን መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ሃማመተኤን ምስ መጽሔት መንእሰይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “መንእሰይ ብሰለስተ ኩርናዕ ወይ ዳይመንሽን ክርኢ ክኽእል ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ፍልጠት ቀሲሙ፡ ሞያ ወይ ክእለት ሃልይዎ፡ ኣብ መወዳእታ ብደረጃ ስነ-ምግባር (Ethics) ኣብ ዝለዓለ ክብርታት ከብጽሕ ክኽእል ኣለዎ።” ክብል ዝሃቦ መግለጺ፡ ነዚ ፍልስፍና እዚ ዳግም ዘረጋግጽ ኮይኑ ንረኽቦ።
ከም’ቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ መንእሰይ ዘይተዛዘመ ግን ከኣ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ህንጸት ዝርከብ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ዋላ እኳ ቅድምን ልዕሊ ኹሉን ምዕባሌኡን ህንጸቱን ብምልኣት ንምርግጋጽ ተበግሶ ክወስድ ዘለዎ ባዕሉ እቲ መንእሰይ እንተኾነ፡ ሕብረተሰብ ብዓቢኡን ንጉዳይ መንእሰያት ንምትእንጋድ መዝነት እተዋህቦም ኣካላት ድማ ብፍላይ፡ መንእሰይ ብግቡእ ተሃኒጹን ማዕቢሉን ኣውሓሲ ኩሉ መዳያዊ ሓርነትን ቀላሲ መጻኢን ክኸውን ሰለም ዘየብል ስራሕ ዝሓትት እዩ። እዚ ማለት፡ መንእሰይ ሓይሉን ጸዓቱን ብግቡእ ከስተውዕለሉ፡ ዕድላቱን ብድሆታቱን ክርዳእ፡ ንሕሉፍ ህሉውን መጻኢን ብዝግባእ ብምትእስሳር ኣንፈቱ ከነጽር፡ ንቕሓቱ ከዕቢ ኣገዳሲ እዩ። ንቕሓት ዘይብሉ ሰብ መጻኢኡ ብግቡእ ክስእል ኣይክእልን እዩ። ሓያልን ድኹምን ጎድኑ ከለሊ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ብብቕዓት ከዋስኦ ዘኽእል ክብርታትን ተሞኩሮታትን ክዓጥቕ፡ ንዝበለጸ ውጽኢትን ንሓባራዊ ረብሓን ክሰርሕ፡ ዘኽእሎ ንቕሓት ክድልብ ተራ ሕብረትሰብን ኣካላትን መንግስትን ወሳኒ እዩ።
ካብ’ዚ ብተወሳኺ መንእሰይ ብሰንኪ ድሩት ተሞክሮኡን ንኡስ ዕድሜኡን ክጥምቶ ንዘይከኣለ ብርህዉ መጻእን ተኽእሎታቱን ብትስፉው መገዲ ብቕርበት ከምዝርኣዮ ብምግባር ብሓያል ድሌት ወይ ጥሙሕ ንዝበለጸ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ክሕልንን ክሰርሕን ኣብ ምምእዛን፡ ውሁድን ሓባራዊ ጻዕሪን ዝምልከቶ ኣካል ኣድላዪ እዩ።
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ብምውህሃድ መንእሰያት ንቕሓቶም በሪኹ ኣብ መስርሕ ዝካየድ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጢ ቀዳሞት ተዋሳእቲ ብምዃን ኣበርከትን ረባሕትን ናይ’ቲ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ኩሉ ጎድናዊ ህንጸት ክኾኑ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከብ። እዚ ብምውህሃድ መሻርኽቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ግና ውጽኢቱን ኣድማዕነቱን ኣብ ቀጻልነቱ ዝምርኮስ ብምዃኑ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ተመስሪቱ ዘሎ ምውህሃድ ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ማሕበራትን ኣብ ሕቶ መንእሰያት ኣወዳድባኡን ንጥፈታቱን እናገምገመ ንዝበለጸ ገስጋስ ናህሩ ከዛይድ ለበዋ ዘየድልዮ መዘኻኸሪ እዩ።