ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ጅዳን ከባቢኣን ይካየድ ኣሎ
ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ጅዳን ከባቢኣን፡ “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” አብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ1 ሕዳር ብውዕዉዕ መንፈስ ተኸፊቱ።
ኣብ’ዚ ዓመታዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ- ስዒድን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃን ዝርከብዎ ልኡኽ መንግስትን ግንባርን ይሳተፍ ኣሎ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣቶ መሓመድ-ዑመር ማሕሙድ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዓመት መጸ ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዝካየድ ፈስቲቫላት፡ ኣብ ምትራር ሓድነት፡ ምዂላዕን ምውርራስን ሃገራዊ ባህልን ክብርታትን ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ኣብ መደባት ሃገራዊ መኸተ ዝገብርዎ ዕዙዝ ተሳትፎን ኣበርክቶን ናይ’ዚ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣምባሳደር መሓመድ-ዑመር ኣስዒቡ፡ ጒዕዞ ሃገራዊ ልምዓትን መኸተ ልኡላውነትን ብንቑሕን ውፉይን ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ማሕበረ- ኮም ጅዳን ከባቢኣን፡ ክብርታት ህዝባዊ ግንባርን ሕብረተሰብ ኤርትራን ኣብ ምዂስኳስ ዘካይዶ ናይ ትምህርትን ምውዳብ መንእሰያትን ንጥፈታት ብዝለዓለ ክቕጽሎ ተላብዩ።
እቲ ፈስቲቫል፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ምርኢት ህጻናትን ቅዲ ክዳንን ብዘጠቓልል መደባት ይቕጽል ከምዘሎ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ሓቢሮም።
እቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ሪም ብዘቕረበቶ መደባት ደሚቑ ነይሩ።