ዝተገብረልና ድሙቕ ኣቀባብላ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ዘነጽር እዩ
ኣብ ኤርትራ ዝተገብረሎም ድሙቕ ህዝባውን ወግዓውን ኣቀባብላ፡ ንባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ሰናይ ጒርብትናን ዘነጽር ምዃኑ፡ ልኡኽ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝተገብረሎም ምዕሩግ ሕውነታዊ ኣቀባብላ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ንሰላምን ምምልላእን ንዘለዎ ቅሩብነት ዘጉልሕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ድማ ብፍላይ ነዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ኣብ ጎደናታት ፈሲሱ ብልዑል ኣኽብሮት ምጽምባሉ ናቱ መርኣያ ምዃኑ ኣገንዚቡ።
ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብዝተፈጥረ ኩነታት ንዝኸሰርናዮ ዕድላት ናብ ዝድብስ ትስፍው ናይ ሰላም መድረኽ ስለዝተበጽሐ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ተሓባቢሩን ንድሕሪት ከይጠመተን፡ ሓባራዊ ዕቤትን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ኣብ ዘለዎ ድልውነት ጥርጥር ከምዘይብሉ ኣረጋጊጹ።
ኣፈኛ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብወገና፡ እዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ተቐቢሩ ንዝጸንሐ ክቱር ናይ ሰላምን ፍቕሪን ድሌት ዘገንፈለ ኣጋጣሚ ምንባሩ ብምሕባር፡ “ኣብ’ዚ ክሳራና ንምክሕሓስ ዝመጻእናሉ እዋን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኣናዮ ጭውነትን ጋሻ ናይ ምቕባል ባህሊን፡ ኣይኮነን ን20 ዓመታት ንሓደ መዓልቲ’ውን ክትፍለዮ ዘይትኽእል ህዝቢ’ዩ” ኢላ።
ብኽልቲኡ ወገን ክግበር ዝጸንሐ ናይ ሰላም ጻዕሪ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ ድማ፡ ብቊጠባ፡ ማሕበራውን ልምዓታውን መዳያት ንምድንፍዑ፡ ናይ መጻኢ ዝዓበየ ዕማም ምዃኑ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበሮ ዕድመ መሰረት፡ ብ8ን 9ን ሓምለ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሙፍሪሓት ካምል፡ ኣፈኛ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ክልል ዓፈር ሓጅ ስዩም ኣወልን ካልኦትን ዝርከብዎ እዩ።