ወኒ ርእሰ ምርኰሳ
ፖለቲካዊ ናጽነት ድርዑን ዋሕሱን ቁጠባዊ ሓርነት እዩ። ቁጠባዊ ሓርነት ድማ፡ እንትርፎ ብመትከል ርእሰ- ምርኮሳ ብኻልእ ዘይጭበጥ ጽፍሒ ናይ ናጽነት እዩ። ከምዝፍለጥ ናይ ዓብለልቲ ሓይልታት ስነ-ሓሳብን ድሌትን፡ እተን ዘይማዕበላ ሃገራት፡ ካብ መባእታዊ ቁጠባ ከይወጻ፡ ብቐጻሊ ምንጪ ጥረ-ነገራት ኮይነን ክነብራ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ እልቢ ዘይብሉ ኣልማሲ ሽርሒታት ምስ ተዋደደ እዩ። እቲ ዕውት መንእሰይ፡ ነዚ ብዙሕ ዝመልክዓቱ ሽርሒታትን ኣደናገሪ ጸወታታትን ብንቕሓት ሰጊሩ፡ ምስጢር ምዕባለ ዝኾኑ ክብርታት ክውንን ዝኽኣለ እዩ። ዝዓበየ ካብዚ ክብርታት’ዚ ብነብስኻ ናይ ምሕዳር ወይ ርእስኻ ናይ ምኽኣልን ምምዕባልን ልዑል ድሌትን ወኒን እዩ።
ናይዚ መድረኽ’ዚ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ በዚ ንቕሓትን ወኒን’ዚ ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ሓራ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መስመር ረጊጹ፡ ሃገር ብነብሳ ንኽትሓድር ብኹሉ መዳያት ይረባረብ ኣሎ። ብግብሪ ይርአ ከምዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ወሳኒ ግደ መንእሰይ ዘይንጸባረቐሉ ናይ ልምዓት ስርሓት የልቦን። ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ማሕበረ-ቁጠባዊ በሰላታት ሃገር ብምሕዋይ፡ ንዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ድልዱል መሰረት ኣብ ምንጻፍ ብዙሕ ሰጒሙ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ጸዓት ልምዓትን ርእስኻ ምኽኣልን ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ። ዓስቢ ኣበርክቶኡ ራህዋ ሕብረተሰቡ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ልዕሊ ንቡር ክውፈ ጸኒሑ ኣሎ። ምህርቲ ናይ ሎሚ ዕዮኡ፡ መጻእቲ ወለዶታት ዝበለጸ ህይወት ዘስተማቕሩላ ብነብሳ እትሓድር ብልጽግቲ ኤርትራ ከም እትኸውን ተገንዚቡ፡ ልዑል ሓቦን ኒሕን ተቐኒቱ ብዘሰላስሎም ዘሎ ዓበይቲ ዕዮታት ከኣ፡ ትስፉው መጻኢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ደሚቑ ኣብ ዝረኣየሉ ደረጃ ምብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቀንዲ ምስጢር ምዕባለን ብልጽግናን ስራሕን ንዓቕምኻ ብዕጽፍታት ዘራብሕ ዲሲፕሊንን ውዳበን እዩ። ዲሲፕሊንን ልዑል ውዳበን ሒዝካ ርእስኻ ንምኽኣል እተካይዶ ጻዕሪ፡ ፍልጠት፡ ሞያን ተሞኲሮን ኣቕሲሙ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብቕዓት ዘብጽሕ መገዲ እዩ። መንእሰያት ኤርትራ፡ ነዚ ክልቲኡ ጸጋታት’ዚ ክጭብጡ ብምኽኣሎም እምበኣር፡ ነቲ ቀንዲ መርሖ ዘላቒ ዕብየት ድሮ ወኒኖሞ ኣለው ክበሃል ይከኣል።