ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣብ ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን ተመያዪጡ
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ትማሊ 7 መስከረም 2017 ቅድሚ-ቐትሪ፡ ኣብ ኣዳራሽ ህንጻ ሃገር – ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት፡ ማለት ኣብ ፖሊሲታትን ገስጋስ ትግባረ መደባትን ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱ።
ካቢነ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብ ኣቕርቦት ምዕሩይ ኣገልግሎት ትምህርቲ ዝተሰላሰለ ስራሕ ዓቢ ምዃኑ፡ ከም ውጽኢቱ ተነጺፉ ዘሎ መሰረት ቀሊል ከምዘይኮነ ብምምልካት፡ መጠን ሱታፌ ዜጋታት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ዓመተ- ትምህርቲ 2016/2017 ልዕሊ 740,000 ክበጽሕ ምኽኣሉ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርቲ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ እናተመዓራረየ ይመጽእ ምህላው ዘተባብዕ ውጽኢት ምዃኑ ገምጊሙ። ኣብ ምምሕያሽ ዓይነት ትምህርቲ ግን ገና ሓያል ጻዕሪ ከምዘድሊ፡ ኣብ ዝበለጸን ተወዳዳሪን ደረጃ ንኽበጽሕ ድማ፡ ዛጊት ዝተሓለፈ ተሞኲሮ ብደቂቕ ተገምጊሙ፡ ምሕደራ ትምህርታዊ መስርሕ፡ መሰረታዊ ክለሳ ክግበረሉ ከምዘድሊ ተገንዚቡ። ብኡ መሰረት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድሮ ጀሚርዎ ዘሎ ገምጋም ንምድራዕን ንምዕማቚን፡ ብውሽጢ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ብናይ ግዳም መሻርኽቲ ተገምጊሙ፡ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእል ዳግመ ክለሳ ክግበር፡ እቲ ሓላፍነት ከኣ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ትካላት መንግስቲን ሕብረተሰብን ኣበርክቶ ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ።
ካቢነ፡ ኣብ ምርግጋጽ ምዕሩይ ዝርጋሐ ኣብያተ- ትምህርቲ ተሪፉ ዘሎ ውሑድ ክፋል ብምልኣት ንምሽፋን፡ ደረጃን ብቕዓትን ትምህርቲ ንምብራኽ፡ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርቲ ንምስፋሕ፡ ጠለብ መማህራንን ኣመሓደርቲ ትምህርቲን ንምምላእ፡ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ንምስፋሕ፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብመንጽር ሃገራዊ ውጥን ማሕበረ-ቊጠባን ጠለባት ዕዮን ንምውዳን ኣብ ዘተኰረ ኣርእስቲታት ብምዝታይ፡ ጽላት ትምህርቲ ሰብኣዊ ጸጋታትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስራሕ ብዘውዕል ስትራተጂ ክምራሕ ከምዝግባእ ኣስሚሩ። ዋሕዲ መማህራን ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት፡ ሕጽረት ትምህርታዊ መሳለጥያታት፡ከም ላቦራቶሪ፡ ቤት ንባብ፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ኣብ ምስግጋር ደረጃታት ትምህርቲ ዘጋጥም መጠን ብኽነት ተማሃሮ፡ ገለ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ናይቲ ጽላት ምዃኑ ብምግምጋም ድማ፡ ኣብ መፍትሒታቱ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱ።
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ንጽላት ጥዕና ኣብ ዝተመልከተሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ብዝተፈላለየ ደረጃ ትካላት ጥዕና ብምምስራት መላእ ህዝቢ ኣገልግሎት ብቐረባ ዝረኽበሉ ዕድላት ንምፍጣር ዝተኻየደ ስራሕ፡ ተላባዕቲን ተመሓላለፍቲን ሕማማት ንምቊጽጻር፡ መጠን ኣጥቃዕነቱ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምግታእ፡ ኣገልግሎት ክታበት ንምስፋሕ፡ ህዝባዊ ጥዕና ብሓፈሻ ድሕነት ኣደታትን ህጻናትን ድማ ብፍላይ ንምውሓስ፡ ቀረብ መድሃኒት ብዘይኲልፈት ንምርግጋጽ፡ መፍረ መድሃኒት ንምምዕባል፡ ዓቕሚ-ሰብ ናይዚ ጽላት’ዚ ንምስሳን ዝተኻየደ ስራሕ ኣንጺፍዎ ዘሎ መሰረት ንቐጻሊ ዕብየት ሓጋዚ ምዃኑ ብምግምጋም፡ ኣብ’ቲ ጽላት ንዘሎ ጸገማትን ብድሆታትን ኣስፊሑ ተዘራሪቡሉ።
ብዓይነቱ ብሉጽ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽ፡ኣብ ርሑቕ ገጠራት ካብ ዝርከቡ ንኣሽቱ ትካላት ጥዕና ጀሚርካ ክሳብ’ቶም ብሃገር ደረጃ መወከሲ ዝኾኑ ትካላት፡ ደረጃ ኣገልግሎቶም፡ ሕጽረታቶም፡ ብቕዓት ህንጻታቶም፡ መመርመሪ መሳርሒታቶምን መሳለጥያታቶምን ብዝርዝር ተጸኒዑ፡ ጓሕጓሒ ገምጋም ክግበረሉ ከምዘድሊ ድማ ተረዳዲኡ። መድሃኒት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክብ ንምባል’ውን፡ እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ወሲኑ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ውጥን ስራሕ 2017 ናይቲ ጽላትን እማመ ባጀቱን ብዝርዝር ተመያዪጡ።
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቐረበሉ፡ ንህልዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ምዕባለታት ዞባና ዝምልከት መብርሂ ሰሚዑ ድሕሪ ምዝታይ፡ ን5 ሰዓታት ዘካየዶ ኣኼባ ዛዚሙ።