ኦባማ ኣብ ሊብያ ዓቢይ ጌጋ ከምዝፈጸመ ይእመን
ካብ ቤተ-መንግስቲ ‘ዋይት ሃውስ’ ክሰናበት ሒደት ኣዋርሕ ተሪፉዎ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ – ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ፡ ኣብ ሊብያ ዝዓበየ ስትራተጂያዊ ጌጋ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ።
ፕረዚደንት ኦባማ፡ ብሰንበት ምስ መደበር ቴለቪዥን ‘ፎክስ ኒውስ’ ኣብ ዘካየዶ ቃለ- መሕትት እዩ ነዚ ገሊጹ። “እዚ ዝዓበየ ጌጋይ ኣብ ሊብያ እዩ። ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኣመሪካ ኣብ 2011 ወተሃደራዊ ጣልቃ ክትኣቱ ክውስን ከለኹ፡ ብዛዕባ’ቲ ድሒሩ ዝኽሰት ምዕባለታት ብግቡእ ኣይሓሰብኩሉን” ድማ ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ፡ እቲ ኣመሪካ ምስ ብሪጣንያን ፈረንሳን ተሓባቢራ ኣብ ሊብያ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዕላማኡ ከይወቕዐ ከምዝተረፈ፡ በዚ ከኣ ወትሩ ጣዕሳ ከምዝስምዖ ኣረዲኡ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣፈኛ ናይ’ቲ ፕረዚደንት ጆሽ ኤርነስት ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍሽለት ንኦባማ ጥራይ ዘይኮነ፡ እተላይ ንመራሕቲ ብሪጣንያን ፈረንሳን ከቢድ ጣዕሳ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኦባማ፡ ብጉዳይ ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ውን ንመራሒ ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮንን መራሒ ፈረንሳ-ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚን ክወቕሶም ተሰሚዑ ነይሩ። ደቪድ ካሜሩን ነቲ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ንምዕዋት ተጊሁ ከምዘይሰርሐ፡ ኒኮላስ ሳርኮዚ ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ጣልቃ ጽልዋ ፈረንሳ ንምዕባይ ጥራይ ከምዝተጠቕመሉ ይገልጽ።
ሊብያ፡ መራሒኣ ሞዓመር ኣል-ቀዛፊ ኣብ 2011 ብሓያል ደብዳብ ሓይሊታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምዕላዉ፡ ጸጥታውን ፖለቲካውን ርግኣታ ተዘሪጉ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ከምዝኣተወት ይፍለጥ። እታ ሃገር ከይትገማማዕን መዕቆቢን መጫጭሕን ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ከይትኸውንን ዝሰግአ ማሕበረ- ሰብ ዓለም፡ ብመንጎኝነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቱኒዝያ ሓድነታዊ መንግስቲ ብምቛም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ትሪፖሊ ከምዘእተዎ ይፍለጥ።