ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ‘ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገድን’ ተሳቲፋ
ኤርትራ፡ ብ14ን 15ን ግንቦት ቻይና ኣብ ዘአንገደቶ ዋዕላ ‘ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገድን’ ተሳቲፋ።
ኣብ’ቲ ቍጠባዊ ጥምረት ሃገራት ኤስያ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ካልኦትን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን ሚኒስተራት ቊጠባን፡ ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ንኤርትራ ወኪሉ ተሳቲፉ።
ኣብ’ዚ ብቐንዱ ኣብ ትሕተ- ቅርጽን ምትእስሳርን ናይተን ሃገራት ዘተኰረ ዋዕላ፡ 29 መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን፡ ከምኡ’ውን ካብ 130 ሃገራት ዝመጹ 1500 ወከልትን ልዕሊ 70 ኣህጉራውያን ውድባትን ተሳቲፎም።
ፕረዚደንት ቻይና ሺ-ዢ ፒንግ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቻይና ነቲ መደብ ንምዕዋት ናይ ገንዘብን ክኢላዊ ዓቕምን ኣበርክቶ ክትገብር ምዃና ብምሕባር፡ ካልኦት ሃገራት ክስዕባኣ ጸዊዑ።
ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ስለዝኾነት፡ ነዚ ውጥን’ዚ ኣገዳሲት ይገብራ።
ምስ ዘለዋ ብልጫ ጸጥታዊ ርግኣት ድማ፡ ትስፉው ናይ ወፍሪ ዕድል ስለዘርሕወላ፡ ከም መራኸቢ ነቚጣ ብምዃን፡ ሓደ ናይ መጓዓዝያ ማእከል ፈጢራ ኣብቲ ጽላት ንዘለዋ ዓቕሚታት ብምህናጽ፡ ቊጠባዊ ምንጪ ክትረክብ ከምዘኽእላ ይእመነሉ።
ፕረዚደንት ሺ-ዢ ፒንግ ኣብ 2013 ኣወጆ ‘ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገድን’፡ ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ ትልሙ፡ ንኣስታት 64 ሃገራት ምስ ኣስታት 4.4 ቢልዮን ህዝብታት ዝሓቘፈ ክኸውን እንከሎ፡ ብዓይኒ ንዋይ ክጥመት እንከሎ’ውን ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብ ሃብቲ ዓለም የጠቓልል።
ብመሰረት’ቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን፡ እቲ ተበግሶ ኣብ ክልተ ዓበይቲ መስመራት ተመቒሉ ዝሰላሰል፡ ንዝበዝሐ ክፋላት ዓለም ዘራኽብ ምድራውን ባሕራውን መራኸቢ ኮይኑ፡ ንኤውሮጳን ኤስያን ዘተኣሳስር – ካብ ሊያንዋንግ – ቻይና ክሳብ ሮቶርዳም ዝዝርጋሕ ናይ መሬት ድንድል፡ ናይ ሞንጎልያን ሩስያን መስመር፡ ናይ ማእከላይን ምዕራባውን ኤስያ መስመር፡ ናይ ኢንዶቻይና መስመር፡ ናይ ፓኪስታን መስመር፡ ከምኡ’ውን መስመር ባንግላዴሽ-ቻይና- ህንዲ-ሚያንማር የጠቓልል።
ቀንዲ ደፋእቲ ረቛሒታት ናይ’ዚ ውጥን’ዚ ድማ፡ ጸዓት፡ ውሕስነትን ዕዳጋታትን እዮም።