ኣገደስቲ ዕለታት ኣብ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባዊ ጽልዋኡን
ጳውሎስ ነታባይ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ብዝወሰዱዎ ተባዕ ተበግሶ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ን20 ዓመታት ኣስታት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናት ብምብቃዕ ዘላቒ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ንምስፋን ዝዓለመ – “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ምኽታመን ይፍለጥ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚን ንሱ ዝፈጠሮ ዞባዊ ምቅርራብን ካልእ ምዕባለታትን ዘተኰረ፡ ኣገደስቲ ዕለታት ናይ’ቲ ዓመት እነሆ፦
5 ሰነ 2018
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ-ኲነት ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ንምግባር ወሲኑ።
20 ሰነ 2018
መንግስቲ ኤርትራ፡ ንህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ንምፍላጥን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ንምንዳፍን፡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ልኡኽ ከበግስ ወሲኑ።
26 ሰነ 2018
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
8 ሓምለ 2018
ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዩ።
9 ሓምለ 2018
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኣስመራ ‘ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ ከቲመን።
9 ሓምለ 2018
ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ቴለፎን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ተኸፊቱ።
9 ሓምለ 2018
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ከብቅዕ፡ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ብወግዒ ሓቲቱ።
13 ሓምለ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንተመረቕቲ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንኣዲስ- ኣበባ ይብገስ ከምዘሎ ገሊጹ።
14 ሓምለ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ።
16 ሓምለ 2018
ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ዳግም ብወግዒ ተኸፊቱ።
18 ሓምለ 2018
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ን20 ዓመታት ኣስታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት በረራ ናብ ኤርትራ ጀሚሩ። (መንገዲ ኣየር ኤርትራ ድማ ብ4 ነሓሰ ካብን ናብን ኣስመራ – ኣዲስ ኣበባ በረራ ጀሚሩ።)
18 ሓምለ 2018
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኣቶ ርድዋን ሑሴን ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ጌሩ ሸይሙ።
20 ሓምለ 2018
መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሚኒስተር ሰመረ ርእሶም ኣምባሳደር ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ጌሩ መዚዙ።
24 ሓምለ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ሰላም፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝለዓለ ሽልማት – “ኒሻን ዛይድ” ተሸሊሞም።
28 – 30 ሓምለ 2018
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ። ኤርትራን ሶማልያን ድማ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን’ ከቲመን።
18 – 19 ነሓሰ
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።
5 መስከረም 2018
ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ፡ ኣብ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዑደት ፈጺሙ።
5 መስከረም 2018
መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ርክብ ብምክያድ፡ ኣርባዕተ ዓንድታት ዘለዎ “ሓባራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ” ከቲሞም።
6 መስከረም 2018
ኤምባሲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ብወግዒ ዳግም ተኸፊቱ።
6 መስከረም 2018
ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝቘመ ናይ ሓባር ላዕለዋይ ኮሚተ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ጅቡቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተራኺቡ።
11 መስከረም 2018
ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይሲማ – ቡሬን ሰርሓ – ዛላምበሳን፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ብወግዒ ተኸፊቱ።
16 መስከረም 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ሰላም፡ ናይ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ዝለዓለ ኒሻን “ንጉስ ዓብዱልዓዚዝ” ተሸሊሞም።
17 መስከረም 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ጅቡቲ እስማዒል ዑመርገለን፡ኣብጅዳ-ስዑዲዓረብ ተራኺቦም፡ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዓጽዮም፡
ኣብ’ቲ ነባር ሕውነት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕግጋዛዊ ዝምድና ክኸፍቱ ተሰማሚዖም።
12 ጥቅምቲ 2018
ቀዳማይ ሚኒስተር
ኢጣልያ ጁዜፐ ኮንተ፡ ብ12 ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።
13 ጥቅምቲ 2018
ኤርትራ፡ ኣባል ጀኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ክተገልግል፡ ብሓፈሻዊ ባይቶ ናይ’ቲ ውድብ ተመሪጻ።
14 ጥቅምቲ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።
17 ጥቅምቲ 2018
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ኣብ ሞቓዲሾ ምስ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ተዘራሪቦም።
9ን 10ን ሕዳር 2018
መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ባህርዳር (ኢትዮጵያ) ካልኣይ ስሉሳዊ ርክብ ኣካዪዶም። (ቀዳማይ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ)
14 ሕዳር 2018
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘሕለፎ ብይን ቊጽሪ 2444(2018)፡ ብዓሎቚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ዘይፍትሓዊ እገዳታት ክለዓል፡ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።
4 ታሕሳስ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንተሓጋጋዚ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ቲቦር ናዥ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ተቐቢሉ፡ ኣብ ምምሕያሽ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።
13 – 14 ታሕሳስ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ። ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ምምኽኻር ርክባት ድማ፡ ታሪኻዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምድልዳል ተሰማሚዖም።
14 – 15 ታሕሳስ 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።
27 ታሕሳስ 2018
ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘሉ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም፡ ወረቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ኣረኪቡ።