ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ሰሚናር ሂቡ
ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ንኣባላት መበል 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንዕላማታትን ረብሓታትን ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን ንገስጋስ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብዝምልከት፡ ንተመሃሮ ቤት- ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ሰሚናር ኣካዪዱ።
ኣብ’ቲ ብ18 ለካቲት ዘካየዶ ሰሚናር፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣወጀሉ፡ መንእሰያት ኩለንትናዊ ሃገራዊ ንቕሓት ኣማዕቢሎምን ጅግንነታዊ ታሪኻዊ ውርሻታት ብዝግባእ ወሪሶምን፡ ውሕስነት መጻኢኦምን መጻኢ ሃገሮምን ንምርግጋጽ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ብምሕባር፡ ሳዋ ዝመልመለቶም መንእሰያት ልኡላውነት ሃገር ኣብ ምውሓስን ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምትግባርን ዘዂርዕ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ብዙሓት ሃገራት፡ መምስ ውሽጣዊ ኩነታተን ዝሳነ መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘለወን ምስናይ ኣብነታቱ እናኣሰነየ ዝገለጸ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ መንእሰያት ኤርትራ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግብሪ ኣብ ምትርጓም፡ ዘሐብን ታሪኽ የመዝግቡ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።
“ኤርትራ፡ ንኹሉ ከጋጥማ ዝጸንሐ ግዳማዊ ሽርሕታትን ውዲታትን፡ ብመገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት መኪታቶ እያ” ዝበለ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ቀላሲ ምዕባለ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ፡ ብቑዕ ሞያን ፍልጠትን ኣዕጢቑ ተወዳዳርነቱ ንምዕባይ ሰፊሕ መደባት ሓንጺጹ የተግብር ከምዘሎን፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ምህላዉን ሓቢሩ።
ኣብ ኩሉ መዳያዊ ህንጸት ሃገር ዝምዝገብ ዘሎ ዓወታት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝቕለስ ልምዓታዊ መደባት ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ሳዋ – መንእሰያት ብኣካዳሚያዊ ፍልጠት፡ ሞያን ኣካላዊ ብቕዓትን፡ ከምኡ’ውን ብሃገራውነትን ማሕበራዊ ክብሪታትን ንኽህነጹ ባይታ እተጣጥሕን መሰረት ብሩህ መጻኢኦምን ከምዝኾነት ገሊጹ። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ከኣ፡ ኣብ ውጽኢት ትምህርቶም ኣትኲሮም ክሰርሑን ተፈጢሩ ንዘሎ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ኣዘኻኺሩ።