ኣዋጅ ቁጽሪ 180/2017 ኣዋጅ ኣከፋፍላ ቀረጽ ቴምብር
ሚኒስትሪ ፋይናንስ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ቅድሚ 23 ዓመት ተኣዊጆም ኣብ ተግባር ውዒሎም ዝሰርሓሎም ዘሎ መሰረታውያን ኣዋጃት ግብርን ቀረጽን፡ (ኣዋጅ ቁጽሪ 62/1994 ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ፡ ኣዋጅ ቁጽሪ 63/1994 ኣዋጅ ግብሪ ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን፡ ኣዋጅ ቁጽሪ 64/1994 ኣዋጅ ቀረጽ መሸጣን ኤክሳይስ ቀረጽን፡ ኣዋጅ ቁጽሪ 65/1994 ኣዋጅ ቀረጽ ቴምብር) ምስ ሕጋጋቶም፡ ብውሽጣዊ ዓቕሙ ኣዋጅ ቁጽሪ 63/1994 ኣዋጅ ግብሪ ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን ምስ ሕጋጋቱ 1 ታሕሳስ 2016ን፡ ኣዋጅ ቁጽሪ 65/1994 ኣዋጅ ቀረጽ ቴምብርን ምስ ሕጋጋቱ 6 መጋቢት 2017 ተኣዊጆም ኣብ ተግባር ክውዕሉ ከለዉ፡ ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ክልተ ኣዋጃት ከኣ ኣብ መስርሕ መጽናዕቲ ይርከቡ፡፡
ንቀጽ 1 ሓጺር ኣርእስቲ
እዚ ኣዋጅ’ዚ “ኣዋጅ ኣከፋፍላ ቀረጽ ቴምብር ቁጽሪ 180/2017” ተባሂሉ ክጥቀስ ይከኣል።
ዓንቀጽ 2 ትርጉም
ኣታኣታትዋኦም ካልእ ትርጉም ዘውህቦም እንተ ዘይኮይኑ ኣብዚ ኣዋጅ’ዚ፦
- “ብይን” ማለት ኣብ መንጎ ወገናት ብናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ዘይኮነስ ብሽማግለ ወይ ሸምገልቲ ጉዳዮም ብሽምግልና ተዳንዩ ብጽሑፍ ዝወሃብ ውሳነ ማለት እዩ፤
- “ቦንድ” (ሰነድ ለቓሕ) ዝበሃል ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ገንዘብ ክኸፍል ግዴታ ንዝኣትወሉን ከከም ኩነታት ናይቲ ጉዳይ፣ ሓደ ፍሉይ ተግባር ብምፍጻሙ ወይ ብዘይምፍጻሙ ፍሩስ ዝኾነሉ ወይ ከኣ ብምስክር ዝተረጋገጸ ብትእዛዝ ጸሓፊኡ ይኹን ንተሓዚኡ ተኸፋሊ ዘይኮነሉን ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ክኸፍል ግዴታ ዝኣትወሉን ሰነድ የጠቓልል፤
- “ሓባራዊ ስምምዕን ውዕል ስራሕን” ዝብሉ ቃላት ኣብ ኣዋጅ ሕጊ ዕዮ ቁጽሪ 118/2001 ዓንቀጽ 3 (8) ን (21) ን ዘዝተዋህቦም ትርጉም ይሕዙ፤
- “ውዕል” ማለት ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ኣብ መንጎኦም ንንብረት ዝምልከት ግዴታታት ዘቑሙሉ፣ ዝልውጥሉ ወይ ዝቋረጹሉ ስምምዕ ማለት እዩ፤
- “ውዕል መድሕን” ማለት ወሃብ መድሕን ፕረምየም ተኸፊልዎ ንኻልእ ማለት ነቲ ውሕስነት ዝቕበል ኣንጻር ክሳራ፣ ጉድኣት፣ ምጥፋእ ትጽቢት ናይ ዝተገብረሉ መኽሰብ ወይ ብዝኾነ ዘይተፈልጠ ወይ ዘይተሓሰበ ፍጻመ ዘጋጥም ጉድኣት ካሕሳ ንምኽፋል ውሕስነት ዝህበሉ ናይ መድሕን ፖሊሲ ኮይኑ፣ ናይ ህይወትን ንዝኾነ ሰብ ብሓደጋ ወይ ሕማም ወይ ብውልቃዊ መድሕን ዝመጽእ ካልእ ጉድኣት ንምኽሓስ ውሕስነት ዝህብን ፖሊሲ መድሕን’ውን የጠቓልል፤
- “ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር” ማለት ብዘይካ ካልኦት፣ ንድንጋገጋት ናይዚ ኣዋጅን ብመሰረት እዚ ኣዋጅ’ዚ ናይ ዝወጹ ሕጋጋትን ንምትግባር ብሚኒስተር ስልጣን ዝተወሃቦ ኣካል እዩ፤
- “ሰነድ” ማለት ብጽሑፍ ዝሰፈረ ናይ ዝኾነ መሰል ወይ ግዴታ ዝግበረሉ ወይ ዝምዝገበሉ፣ ዝመሓላለፈሉ ወይ ዝቋረጸሉ ወይ ዓውዲ ተፈጻሚነቱ ዝድረተሉ ወይ ዝናዋሓሉ ሰነድ ማለት እዩ፤
- “ሚኒስተርን ሚኒስትሪን” ማለት ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ብቅደም ተኸተል ማለት እዩ፤
- “ተሸራፊ ሰነድ” ማለት ዝኾነ መሰሉ ካብቲ ሰነድ ተፈልዩ ክስርሓሉ ወይ ክመሓላለፈሉ ዘይክእል ናይ ምጥቃም መሰል ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ከም ሰነዳት ሓዋላ፣ ሰነዳት መብጽዓ፣ ቸካትን ዝኣመሰሉ ሰነዳት ንግድን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሰነዳትን የጠቓልል፤
- “ምርግጋጽ” ማለት ብሓደ መዝነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰነዳት ዝግበር ምርግጋጽን ምስክርነትን ማለት እዩ፤
- “ሰብ” ማለት ዝኾነ ባህርያዊ ሰብ፣ ወይ ሕጋዊ ሰብነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ዝኾነ ውድብማለትእዩ፤
- “ቅብሊት” ማለት ዝኾነ ገንዘብ ወይ ዝኾነ ዝተኸተመ ሓዋላ ወረቐት ወይ ቼክ ወይ ሰነድ መብጽዓ ከም ዝተቐበለ ዘረጋግጽ ወይ ዝኾነ ካልእ ዕዳ ብምልኡ ወይ ብኽፋል ከም ዝተቐበለ ዘረጋግጽ ወይ ንኸምዚ ዓይነት ምርግጋጽ ዘመልክት ዝኾነ ዝተፈረመን መዘክር ወይ መተኣማመኒ ጽሑፍ ማለት እዩ፤
- “ሰነድ ውሕሰነት” ማለት ተለቃሒ ወይ ዋሕስ ብምልኡ ወይ ብኽፋል ንብረቱ ንኣለቃሒ ትሕጃ ዝህበሉ ሰነድ እዩ፤ ከምእውን፥
- “ቲኬት” ማለት ናብ መዘናግዒ ቦታታት ንምእታው ዝግባእ ክፍሊት ከም ዝተኸፍለ ዘረድእ ወረቐትምስክርወይምልክትእዩ።
ዓንቀጽ 3 ዝተሰረዙ
ሕግታት
ኣዋጅ ኣከፋፍላ ቀረጽ ቴምብር 65/1994 በዚ ኣዋጅ’ዚ ተሰሪዙን ተተኪኡን ኣሎ።
ዓንቀጽ 4 ሰሌዳ ምጣነ ቀረጽ
ቴምብር ዝኽፈሎም ሰነዳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰነድ በዚ ዝስዕብ መጠን ቀረጽ ቴምብር ተሰሊዑ ይኽፈል ወይ ይእከብ፣-
ዓንቀጽ 5 ምጣነ ቀረጽ
1) ሚኒስተር ንፍሉያት ቅጥዕታትን መረጋገጺ ወረቓቕትን ዝምልከት ናይ ኣከፋፍላ ቀረጽ ቴምብር ሕጋጋት ከውጽእ ይኽእል።
2) ኣብ ዝኾነ ቀጺሎም ዝመሓየሹ ምዝገባታት መጠን ቀረጽ ቴምብር ብመሰረት ኣብ ሰሌዳ ዝተገልጸ ይኽፈል።
3) ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ዓይነት ተሸራፊ ሰነድ ዝግበር ምጽዳቕ፣ ምስራዝ፣ ምምሕያሽ፣ ምቕያር ወይ ድማ ዝኾነ ለውጢ ኣብ ካልኦት ዓይነት ሰነዳት ከም ዝቕጽል ምምሕያሽ ይውሰድ።
ዓንቀጽ 6 ኣገባብ
ኣገማምታ
1. ዋጋ መሰል ወይ ግዴታ ብመሰረት ሰነድ ዝፍጸም ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ክትመን ዝከኣል ምስ ዝኸውን መጠን ቀረጽ ቴምብር ሰነድ ብሚእታዊት ክብሪ ኣብ ሰሌዳ ዝተገልጸ ይኸውን። ብኣንጻሩ ዋጋ መሰል ወይ ግዴታ ብመሰረት ሰነድ ዝፍጸም ቀረጽ ቴምብር ክትመን ዘይከኣል ምስ ዝኸውን ንነፍሲ ወከፍ ሰነድ መጠን ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ኣብ ሰሌዳ ዝተገልጸ ይኸውን።
- ንሓደ ሰነድ ቀረጽ ቴምብር ዝኽፈሎ ብናቕፋ ዘይኮነ ብኻልእ ባጤራ ምስ ዝኸውን፣ እቲ ዝስላዕ መጠን ቀረጽ ቴምብር በቲ እቲ ሰነድ ዝተፈጸመሉ ዕለት ዝነበረ ምጣነ ሸርፊ መሰረት ዝተቐመረ ይኸውን።
- ዝኾነ ቀረጽ ቴምብር ክኽፈሎ ዝግባእ ብርኪ (ስቶክ) ወይ ተሸያጢ ሰነድ፣ እቲ መጠን ቀረጽ ኣብ ዋግኡ ዝተሰረተ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ዝስላዕ ቀረጽ በቲ እቲ ሰነድ ዝተዳለወሉ ዕለት ዝነበረ ገምጋማዊ ክብሪ ሰነድ ዝተቐመረ ይኸውን።
4. እቲ ሰነድ ንክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝተፈላለዩ ወይ ዝተዛመዱ ጉዳያት ዝሓቁፍ ምስ ዝኸውን፣ እቲ ንነፍስ-ወከፍ ሰነድ ክኽፈል ዝግባእ ቀረጽ ቴምብር ተደሚሩዎ ተጠቓሊሉ ይኽፈል።
5. ኣብ ምምሕልላፍ ሰነድ ዋንነት ዝኽፈል
ቀረጽ ቴምብር ኣብቲ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ዘማሓላልፍን ዝመሓላለፈሉን ብዛዕባ ክብሪ ናይቲ ንብረት ዝተገብረ ስምምዕ ይቕመር። ኮይኑ ግን እቲ ዝተገመተ ክብሪ ዝጸንዕ ብቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ቅቡል ምስ ዝኸውን እዩ።
- እቲ ብዘመሓላልፍን ዝመሓላለፈሉን ሰባት ስምምዕ ዝተገብረሉ ክብሪ ብቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ቅቡል ምስ ዘይከውን፣ ቀረጽ ቴምብር ንምቕማር ክብሪ ናይቲ ዋንነቱ ዝመሓላልፍ ዘሎ ንብረት ብሚኒስተር ብዝተመዘዘ ወይ ዝተወከለ ካብ መንግስታዊ ኣካላት ዝተዋጽአ ፍሉይ ኮሚቴ ይውሰን።
- ሚኒስተር ነቲ ብፍሉይ ኮሚቴ ክኽፈል ንዝተወሰነ ቀረጽ ቴምብር ከጽድቕ ወይ ክነጽጎ ይኽእል።
ዓንቀጽ 7 ናይ ምኽፋል
ግዴታ
1. ኣብዚ ኣዋጅ’ዚ ብኻልእ ኣገባብ ክፍጸም
እንተ ዘይተደንጊጉ፣ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰነድ ንዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ናይ ምኽፋል ግዴታ ናይቲ በቲ ሰነድ ተጠቓማይ ዝኾነ ሰብ ይኸውን።
- ኣብ ኤርትራ ሰነድ ዘዳለወ ወይ ዝሃበ ሰብ ቀረጽ ቴምብር ባዕሉ ይኸፍል። ኮይኑ ግን እቲ ሰነድ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝተዳለወ ምስ ዝኸውን እቲ ኣብ መጀመሪያ ኣብ ስራሕ ዘውዓሎ ሰብ ቀረጽ ቴምብር ናይ ምኽፋል ግዴታ ይህሉዎ።
- ኣብ ዝግበር ውዕል ክራይ ካልእ ስምምዕ እንተ ዘይሃልዩ፣ ውዕል ክራይ ዝምልከት ቀረጽ ቴምብር ብተኻራያይ ይኽፈል።
- ኣብ ውዕል መድሕን ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር እቲ ውሕስነት ዝኣቱ ሰብ ይኸፍሎ። 5. ኣብ ሰነድ ውሕስነት ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ብተለቃሒ ይኽፈል።
- ብኣንጻሩ ስምምዕ እንተ ዘየልዩ፣ ኣብ ምምሕልላፍ ሰነድ ዋንነት ንብረትን ብጽሒት ብርክን ናይ ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ሓላፍነት ናይቲ በቲ ንብረት ዝመሓላለፈሉ ዘሎ ሰብ ይኸውን።
- ኣብ ስምምዓትን ውዕላትን ናይ ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ሓላፍነት ናይ ንጽልን ሓባርን ናይ ተወዓዓልቲ ወገናት ይኸውን።
- ዝኾነ ናብ መንግስታዊ ኣካላት ናይ ዝቐርብ ጥርዓን ወይ ምልክታ ቀረጽ ቴምብር በቲ ነቲ ጥርዓን ዘቕረበ ሰብ ይኽፈል።
- ኣብ ዝግበር ውዕል ስራሕ ኣስራሒ ቀረጽ ቴምብር ናይ ምኽፋል ግዴታ ይህሉዎ።
ዓንቀጽ 8 ኣገባብን ግዜን
ኣከፋፍላ
1. ቀረጽ ቴምብር ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይኽፈል፦
ሀ) ኣብ መመስረትን መመሓዳደርን ጽሑፋት ቅድሚ ምምዝጋብ ወይ ኣብ እዋን ምምዝጋብ፡
ለ) ኣብ ብይን፣ ቅድሚ ትግባረ ወይ ኣብ እዋን ብይን ዝዋሃበሉ፣
ሐ) ኣብ ልዕሊ ተሸረፍቲ ሰነዳት ኣብ ዝዳለወሉ ግዜ፣
መ) ኣብ ውዕላት ወይ ስምምዓት ቅድሚ ምኽታሙ ወይ ኣብ ዝኽተመሉ ግዜ፣
ረ) ኣብ ውዕል ክራይ ቅድሚ ምኽታሙ ወይ ኣብ ዝኽተመሉ ግዜ፣
ሰ) ኣብ መረጋገጺ ሰነድ፣ ኣብ ዝኽተመሉ ግዜ፣
ሸ) ኣብ ናይ ውሕስነት ሰነድ፣ ቅድሚ ምኽታም ወይ ኣብ ዝኽተመሉ ግዜ፡
ቀ) ኣብ ውዕል መድሕን ውዕል ዝኣተወ ሰብ ቅድሚ ምእታው ወይ ኣብ ዝኣትወሉ ግዜ፡
በ) ኣብ ቅብሊት፣ ኣብ ዝወሃበሉ ግዜ፡
ተ) ኣብ ብጽሒት ብርኪ፣ ኣብ ዝወሃበሉ ግዜ፣
ቸ) ኣብ ዋንነት ንብረትን ብርክን ቅድሚ ምምሕልላፍ ወይ ኣብ ዝመሓለፈሉ ግዜ፣
ነ) ኣብቲኬትቅድሚምውሳዱወይኣብ ዝወስደሉ ግዜ፣ ከምኡውን
ኘ) ኣብ ቅጥዕታት ኣብ ዝዕደገሉ ግዜ፤ መረጋገጺ ወረቐት ድማ ኣብ ዝዋሃበሉ ግዜ ቀረጽ ቴምብር ይኽፈሎም።
- እቲ ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር፣-
ሀ) ትሕቲ ናቕፋ 50 (ሓምሳ) ምስ ዝኸውን ኣብልዕሊእቲሰነድልክዕነቲክብሪዝሓዘ
ቴምብር ይልጠፈሉ፤ ከምኡውን
ለ) ናቕፋ 50ን (ሓምሳን) ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ወይ ዓይነትን ባህርን ናይቲ ሰነድ ምስ ዝጠልብ፣ ሚኒስተር ብዘውጽኦ ሕጋጋት
መሰረት ቀረጽ ቴምብር ብቅብሊት ይኽፈል። 3. ዝኾነ ቀረጽ ቴምብር ዝተለጠፈሉ ሰነድ ዝቕበል ወይ ዝርከብ ሰብ እንደገና ምእንቲ ከይስርሓሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ቴምብር ናይ ምስራዝ ምልክት የንብር።
ዓንቀጽ 9 ስልጣን ክፍሊ
ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር እዚ ዝስዕብ
ስልጣን ኣለዎ፦
1) በዚ ኣዋጅ’ዚ መሰረት ዝተወሰነ ቀረጽ ቴምብር ናይ ምእካብን ድንጋገታት ናይዚ ኣዋጅ’ዚ ናይ ምትግባርን፣
2) ንኣወሳስና ቀረጽ ዝሕግዙ መዛግብትን ጽሑፋትን ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ውሳነታትን ኣቕሪቦም ንኸመርምሩን ኣድላይ ኮይኑ ክርከብ ከሎ፣ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ሰብ ባዕሉ ቀሪቡ ንኸረድእ ናይ ምእዛዝ፣ ከምኡውን
3) ኣብ ንኡስ ዓንቀጽ (2) ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ዝተገልጸ ዝምልከቶም ሰባት ኣድላዪ መዛግብቲ ምስ ዘይሕዙ ብመሰረት እዚ እዋጅ’ዚ ቀረጽ ቴምብር ብግምት ናይ ምውሳን።
ዓንቀጽ 10 መሰል ይግባይ 1. ኣብ ዝኽፈል ቀረጽ ቴምብር ብውሳነ ሚኒስተር ዘይዓገቡ ሰባት መፍለጢ ውሳነ ብጽሑፍ ካብ ዝተወሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ (ሰላሳ መዓልቲ) ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከቕርቡ ይኽእሉ።
2. ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ዘይበሃሎን ናይ መወዳእታን ይኸውን።
ዓንቀጽ 11 ሕድገታት ቀረጽ
1. ንናይ ሸቐጥ ኣቕሑ ብዝምልከት ዝግበሩ ውዕላት፣ ስምምዓት ወይ መዘክራት ቀረጽ ቴምብር ኣይኽፈሎምን።
- ሚኒስተር፣ ብብቑዕ ምኽንያታት፣ ትኬታት ቀረጽ ቴምብር ከይኽፈሎም ሕድገት ክገብር ይኽእል።
- ሰራሕተኛ ንስርሑ ዝምልከት ጉዳያት ብፍላይ ከም ንፍቓድ፣ ደሞዝ፣ ዕብየት ዝኣመሰሉን ወዘተ ብዝምልከት ንኣስራሒኡ ዘቕርቦ ናይ ጽሑፍ ጥርዓን ቀረጽ ቴምብር ኣይኽፈሎን።
- ሚኒስትሪታት፣ መንግስታውያን በዓል መዚታት ከምኡውን መንግስታውያን ወከልቲን ኣብያተ ጽሕፈትን እንኮላይ ባንክ ኤርትራ ቀረጽ ቴምብር ካብ ምኽፋል ነጻ ይኾኑ።
- ኣብ ሓድሕዳዊ ስምምዓት ዝምርኮስ፣ ሚኒስተር ንኤምባሲታት፣ ቆንስላት፣ ዲፕሎማቲካዊ ሚሽናትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብ ኩሎም ወይ ውሱናት ሰነዳት ንዝኽፈል ቀረጽቴምብር ሕድገታትክገብርይኽእል።
ዓንቀጽ 12 ስልጣን
ሚኒስተር
ሚኒስተር ብመሰረት እዚ ኣዋጅ’ዚ ነዞም ዝስዕቡ ብዝምልከት ሕጋጋት ናይ ምውጻእ ስልጣን ይህልዎ፦
- ቴምብር ወይ ቴምብር ዝተለጠፎ ወረቐት ናይ ምቕራብ ወይ ምሻጥ፣
- ቴምብር ወይ ቴምብር ተለጢፍዎም ዝሕተሙ ወረቐት ዝሸይጥ ሰብ ወይ ትካል ምምዛዝን ተግባራቱን ኣበሉን ምውሳን፣ ከምኡውን
- ዝሓሸ ትግባረ ናይዚ ኣዋጅ’ዚ ንምርጋጋጽ።
ዓንቀጽ 13 መቕጻዕቲ
1. ዝኾነ ሰብ ቴምብራትን ቴምብራት ዝተለጠፎ ወረቓቕትን ንምሻጥ ተመዚዙ ካብቲ ኣብዚ እዋጅ’ዚ ዝሰፈረ ክሽየጠሉ ዝተሓበረ ዋጋ ኣዛዪዱ ዝሸጠ፣ ኣብ ልዕሊ ፍቓዱ ምሕዳጉ፣ ብመሰረት ድንጋገታት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ይቕጻዕ።
2. ዝኾነ ሰብ ንቀረጽ ቴምብር ዝምልከት ገበናት ዝፈጸመ፣ ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ዝተደንገጉ ዓናቕጽ ይቕጻዕ።
- ዝኾነ ሰብ ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ናይዚ ኣዋጅ’ዚ ቀረጽ ቴምብር ክኸፍል ዝግበኦ ክንሱ ዘይኸፈለ 10% (ዓሰርተ ሚእታዊት) ዋጋ ናይቲ ክኸፍሎ ዝግበኦ ቀረጽ ቴምብር መቕጻዕቲ ይኸፍል።
- ቀረጽ ቴምብር ዘይተለጠፎ ጥርዓን ወይ ምልክታ ተቐባልነት የብሉን።
- ቴምብር ዘይተለጠፎ ጥርዓን ወይ ምልክታ ዝኾነ ዘስዕቦ መቕጻዕቲ የለን።
ዓንቀጽ 14 ኣዋጅ ኣብ
ግብሪ ዝውዕለሉ እዚ ኣዋጅ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል።
ኣስመራ 13 መጋቢት 2017፡
መንግስቲ ኤርትራ።