ኣብ እዋን ወጋሕታ
ዘለናዮ ግዜ፡ ብመንጽር ዝሓለፈ ሓደ ዘመን፡ ኣዝዩ ሰናይ እዋን ምዃኑ ንፈልጥዶ?
ሕሉፍ ታሪኽና እንተ ርኢና፡ እቲ ነዊሕ ለይቲ ሓሊፉ፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከም እንርከብ ምግንዛቡ ኣየጸግምን። ዝሓለፉ ሰለስተ ወለዶታት ኤርትራ፡ ኣብ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸላም እናነበሩ፡ ካብቲ ጸላም ንምውጻእ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ እናካየዱ እዮም ንህይወት ሓሊፎምዋ። ሓደ እምነት ግና ነይሩዎም፡ “እንተ ጸኒዕካ ግድን ወጋሕታ ኣሎ” ዝብል ነቕ ዘይብል እምነት።
ሎሚ፡ ዝሓለፈ ናይ ኲናት ሃዋሁ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕነ ከቢድ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ወጥሪን ጸገማትን፡ ጠቕሊሉ ኣብ ዝቕንጠጠሉ ሓድሽ ምዕራፍ ረጊጽና ኣሎና። እንተዀነ፡ ምቕንጣጥ ጸላም ብሃንደበት ዝኽሰት ተርእዮ ኣይኰነን። ሰዓት 5፡30 ናይ ንግሆ ወጋሕታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ዝሓደረ ጸላም፡ ቀስ ብቐስ እናሃሰሰ ብብርሃን ናይ ሰዓት 6፡00 ክትካእ ዝወስዶ ግዜ ግና ኣሎ።
በዚ መንጽር’ዚ ክንርእዮ ከለና፡ ኣብ ሓድሽን ዝተፈልየን ምዕራፍ ስለ ዝኣቶና፡ ዝጸንሐ ጸገማትናን ብድሆታትናን ጠፊኡ፡ ከመ- ቕጽበት ብማናን ራህዋን ክትካእ እዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ሰናይ ዘመን ብግዜ ርሑቕ ኣይኹን እምበር፡ ደረጃ ብደረጃ ስለ ዝመጽእ ዝጠልቦ ግዜ፡ ዓቕልን ስራሕን ኣሎ። ከምቲ ብርሃን ወጋሕታ ምምጽኡ ከም ዘይተርፍ ፈሊጥና ብዓቕሊ እንጽበዮ፡ እቲ ነዊሕ ኣብ ዘይኰነ ግዜ ዝኽሰት ሰፊሕ ዕድላትን ረብሓታትን እውን፡ ንእሽቶ ዓቕሊን ናብኡ ዘብጽሕ ስራሕን ትዕግስቲን ከድልዮ እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግዳ፡ ሕጂ ዝሕተት ዓቕሊ ከም ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም ዘይኰነ፡ ኣብ ትሕቲ ባና ብሩህ መጻኢ ምዃኑ እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሕሱም መዋእላት፡ “ኒሕ፡ ሓቦ፡ ስኒ-ምንካስ፡ ጽንዓት፡ ምጽማም ዝብሉ ኣምራት፡ ኣብ መዝገበ ቃላትና ጥራይ እዮም ዝርከቡ” እናበሉ ዝዋዘዩ ነይሮም። እዚ ዋዛ’ዚ፡ ካልኦት ህዝብታት ንተጻዋርነት ዝገልጽ ቃላት የብሎምን ንምባል ኣይኰነን። የግዳስ ተጻዋርነት ከም ሓደ ክብሪ ናይ ወዲ-ሰብ፡ “ምሒር ጎሊሑ ዝተራእየ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣለዎ” ካብ ዝብል ግምት ዝነቐለ እዩ። ብርግጽ ድማ ኣይተጋነነን።
ከም ህዝቢ፡ ነቲ ነዊሕ ጸላም ሰጊርና፡ ናብዚ ብርሃን’ዚ ክንበቅዕ ዘኽኣለና፡ ብዙሓትን ብሉጻትንን ክብርታት ነይሮምና እዮም። ካብዞም ክብርታት እዚኣቶም፡ ጐሊሑ ክጥቀስ ዝኽእል “ተጻዋርነትና እዩ” ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና። ብልዑል ተጻዋርነትን ጽንዓትን ተቓሊስና፡ መንነትና ከነድምቕ እንተዘይንኽእል፡ ብመንጽር ዝገጠመና ከቢድ ብድሆ፡ ክንሰርር ኣይምኸኣልናን።
ብርቱዕ ፍቕሪ ሃገር፡ ነቕ ዘይብል ዕላማን ዘይጸዓድ መንፈስን፣ ጅግንነትን ተበጃውነትን፣ እቶም ድሙቓት ሃገራዊ ክብርታትና እዮም። ተጻዋርነት ከኣ ከም ክብሪ፡ ዓንዲ ማእከል ናይዞም ኩሎም’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ሃገራዊ ፍቕሪ ብግብሪ ንምርኣይ ዝጠልቦ ተጻዋርነት ኣሎ። ጅግንነት፡ መዓንጣን ድፍረትን ጥራይ ዘይኮነ ልዑል ተጻዋርነት ይሓትት። ስእነት፡ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ከቢድ ዕርቃን ወዘተ. ምጽዋር እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ጅግንነትን ትብዓትን እዩ። ኣብ ዕላማኻ ጸኒዕካ ደው ምባል ከኣ ብዘይ ተጻዋርነት ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣብ እዋን ገድሊ፡ “ሰብ ብኸብዱ ኣይዛረብን’ዩ” ዝብል ቃላት ምስማዕ ልሙድ’ዩ ነይሩ። “ጸዋራት ንኹን! ሰብ ዓቢይ ዕላማ ኢና፡ ተጻዋርነት እንተ’ሎ ኩሉ ሓላፋይ’ዩ” ንምባል ዝዝረብ ዝነበረ እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ኤርትራዊ ተጋዳላይ፡ ፍርቂ ኸብዱ፡ ኣብ ጠልጠል ኣጻድፍ እናሓደረ፡ ቀዝሒን ሃሩርን፡ ሕሱም ጥሜትን ጽምኢን ተጻዊሩ’ዩ፡ ነቲ ኩሉ መሪርን ደማዊን ውግኣት ገጢሙዎ። ኣብቲ ጽንኩር እዋን፡ ተጋዳላይ ዕርቃኑ ንምሽፋን፡ ጡጥን መርፍእን ኣላጊቡ’ዩ ዝነብር ነይሩ። ኣጽዋር ዘስንቖ ደጋፊ ኣይነበሮን። “ንጸላኢ ብብረቱ ብጥይቱ!” ዝብል ኒሕ’ዩ ኣጽዋሩ። እዚ ጭርሖ’ዚ፡ ድሌት እንተ’ሎ ካብ ባዶ ነቒልካ’ውን ዕላማኻ ምዕዋት ከም ዝከኣል እዩ ዘመልክት። ብግብሪ ድማ ተረጋጊጹ።
ድሕሪ ናጽነት’ውን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ተጻዋርነትና ዘበርዓኖም ተጻብኦታት ቀለልቲ ኣይነበሩን። ዝዓበየመርኣያናይዞምተጻብኦታት፡እቲቅሉዕወተሃደራዊ ወራር’ዩ። እቲ ወራር ምስ ፈሸለ ድማ፡ ድምጽና ንምዕባስ፡ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ጉልበትና ንምምካን፡ ካብ እገዳ ጀሚርካ ማእለያ ዘይብሎም ሽርሒታት ስዒቦም። ሃገር ሰባ ንምብዳም ብዝተወደበ ኣገባብ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ፍልሰት ገበናት፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያዊን ተነጽሎ ንምስግዳድ ዝተኻየደ ስነ- ኣእምሮኣዊ ኲናት ኩሉ፡ ዕላማኡ፡ ነቲ ብዓረርን ሓዊን ዘይተኻእለ ተጸዋርነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ምጽዓድን እዩ ነይሩ። ሃገርን ህዝቢን ብድኽነትን ቁጠባዊ ሕሰምን ተሸጊሩ ምእንቲ ክሳቐን ክነዓዓብን ክስደድን ካብ ዓበይቲ ልምዓታዊ ወፍርታት ምዕንቃጽ ጀሚርካ፡ ክሳብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ርሂጹ ዝነብር ዘሎ ዜጋ ንቤተሰቡ ዝሕውሎ ገንዘብ ንምሕናቕ ዝተፈጸመ ሽርሒታት፡ ዕላማኡ፡ ዓቕሚ ከይነሰስን ምሕንኳል’ዩ ነይሩ።
ሎሚ እዚ ኹሉ ተጻብኦታት ብጽንዓት ተመኪቱ ብፍሽለት ተደምዲሙ፡ ታሪኽ ኰይኑ እዩ። የግዳስ፡ ብዓወት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊርና፡ ኣብ ድርኩዂት መስተርሆት ንብጻሕ እምበር፡ እቲ ያታና ዝዀነ ሓያል ስነ-ኣእምሮ ከድልየና ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።
ከም ዝፍለጥ ናይ ወትሩ ባህግና ስልጥንቲን ብልጽግቲን ሃገር ምህናጽ እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ምዕራፍ ከኣ፡ ነዚ ባህጊ’ዚ ብምልኣት ከነተግብሮ ባብ ኣርሕዩልና፡ ምቹእ ዕድል ፈጢሩልና ኣሎ። ባህግናን ድሌትናን ብግብሪ ንጭብጦ ኸኣ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ክብርታት ሒዝና ጥራይ እዩ። ሓደን ቀንዲን ካብዞም ክብርታት፡ እቲ ጽንኩር እዋን ክንሰግር ዘኽኣለና ባህሊ ተጻዋርነት እዩ። ስለዚ፡ ድርኩዂት ብሩህ መጻኢን መስተርሆትን ረጊጽናሉ ኣብ ዘለና እዋን፡ ዕላማና ብምልኣት ጨቢጥና፡ ኣብቲ እንብህጎ ኣጸደ ራህዋን ምዕባለን ክሳዕ እንዓርፍ ዓቕልናን ትዕግስቲናን ጽሮትናን ክብታኡ ክጎድል የብሉን። ንሱ እንተ ጐዲሉ ኣሳልጦ ስለ ዘይርከብ።
ሓቂ እዩ፡ ዘለናዮ እዋን ብፍላይ ንመንእሰያት ኣዝዩ ፈታኒ እዩ። ኣብ ሕብረተሰባት ንዘመናት ሰሪቱ ዝጸንሐ ክብርታት ብምሽርሻር፡ ኣብ መንእሰያት ዘይክዉንነታዊ ባህጊን ህርፋንን ዘሕድር፡ ስደትን ጊላነትን ዘናፍቕ፡ መርዚታት ባህላዊ ወራር ኣዝዩ ዝበርትዓሉ እዋን እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት፡ ነቲ ዓቕሊ ዝፈታተን ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ ተጻዊርካ ንብሩህ መጻኢ ብተስፋን ትዕግስቲን ምስራሕ፡ ኒሕ መላእ ሕብረተሰብ፡ ኣውራ ድማ ኒሕ ሃገራዊ መንእሰይ ክኸውን ይግባእ።
“ጥሜት ነይቀትል ዘይሸብዳዕዳዕ” ዝብል ምስላ ኣበዋት ትርጉሙ ብዕምቈት ንዘስተንተኖ ዓቢይ መልእኽቲ ኣለዎ። ዓቕልን ትዕግስትን እንተ’ሎ፡ ስእነት ግዝያዊን ሓላፊን ምዃኑ፡ ጽሮት ስኢንካ ምንዋጽ ግና መወዳእታኡ ናብ ጥፍኣት ዘመርሕ መገዲ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት። ስለዚ እቲ ዕዉት ጉዕዞ፡ ክንዮ ግዝያዊ ብድሆታት ኣርሒቕካ ብምጥማት፡ ብሓባራዊ ጻዕሪን ስራሕን ሃገርካን ርስትኻን ኣማዕቢልካ፡ ኣብ ዓለም ምዕሩይ ተሻራኺ ብልጽግናን ስልጣነን ናብ እትዀነሉ ደረጃ ምሕኳር ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ንሓጺር ግዜ ተጻዋርነት ይጠልብ።
እዚ ወለዶ’ዚ እምበኣር ወለዶ ልምዓት እዩ። ተልእኾኡ ብዓወት ንምፍጻም ከኣ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ዕጥቂታትን ጸጋታትን ንላዕሊ፡ ዘድልዮ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥንካረ እዩ። ዝሓለፈ ጉዕዞ፡ ኣዝዩ ዕዉትን ውሑስን ከም ዝኸውን ዝገበረ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥንካረ እዩ። ተጻዋርነት መርኣያ በሪኽ ንቕሓት ኰይኑ፡ ሕጂ’ውን ዋሕስ ዓወትናን ልምዓትናን እዩ። እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ሰጊርና፡ ኣብ ውሑስ ባይታ ረጊጽና፡ ካብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝያዳ ዘተኣማምንን ጭቡጥን ዕድላት ኣብ ቅድመና ኣብ እንርእየሉ ዘለና እዋን፡ ክብርታትና ዓቂብና፡ እንተ ሰሪሕና እምበኣር፡ ኣብ ጐደና ዘላቒ ዕብየት እንጽንበረሉ፡ ዓስቢ ልዑል ተጻዋርነትና እንሓፍሰሉ ግዜ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ።