ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ዓበይቲ ስራሓት ተፈጺሙ ክንብል ንኽእል ኢና። ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጒዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ።
“ሎሚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ዓበይቲ ስራሓት ተፈጺሙ ክንብል ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ናይ ምትሕብባር መደባት፡ ድሕሪ እቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ናይ መጠረሽታ ርክብ ንዘሎ ምዕባለታት ንምግምጋም እዩ። እቲ ካልኣይ፡ ነዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ነቲ መደባት ንምቅልጣፍ ማለት ነቲ ሓሙሽተ ዓንቀጻት ናይቲ ስምምዕ ንምቅልጣፍ ዝተገብረ ዘተ እዩ ነይሩ። እዚ ዘተ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ ዕጽው ገዛ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብምርኣይ እዩ ተኻይዱ።
“መጀመርታ ናይ ዓሰብ ዑደት ነይሩ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓሰብ በጺሑ። ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ እውን ተጓዒዙ። ወደብ ዓሰብ ገና ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት እዩ። ኣብ ዝመጽእ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ብዝወሓደ ከም ዝጅምር ይስራሓሉ ኣሎ። ንሕና ኣብ መሬትና እንዓምሞ ስራሕ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መሬቱ ዝሰርሖ ኣሎ። ናይ ሓባር መደባት ብሓባር እንገብሮ ኣሎ። ኣብ ናይ ክልቴና ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ካልኦት መሻርኽትን ኣውፈርትን ዝሳተፍዎ ሰፊሕ መደብ ኣብ ዓሰብ ተጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ በዚ ተጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ሓጺር ግዜ ምብጋስ ናይቲ ስራሕ ክህሉ እዩ። ወደብ ዓሰብ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ንኽበጽሕ ግዜ ክወስድ ምዃኑን ዓቢ ወፍሪ ከም ዘድልዮን ምፍላጥ የድሊ። ጽርግያ ዓሰብ-ቡሬ ግን፡ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኵነታት እዩ ዘሎ። ስለዚ ብእኡ ስራሕ ንኽጅመር ዋላ ሓንቲ ጸገም የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ቡሬ ንዘሎ ጽርግያ፡ ሓደ-ሓደ ጽርግያ ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ንምጽጋን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ንምጅማር ስራሕ ዝዕንቅፍ ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ኣገልግሎት ክንኣቱ እንተ ዄንና፡ እቲ ጽርግያ ክሰፍሕ ኣለዎ። ዓበይቲ ማካይን ኣብ ሓደ እዋን ከአንግድ ከም ዝኽእል ንምግባሩ መደባት ተታሒዙ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ካልእ ዓበይቲ መደባት ንወደብ ዓሰብ ንምምዕባል ዝተሓስበን ዝተበጋገሰን ኣሎ።
“ናይ ባጽዕ ዑደት እውን ነይሩ። ወደብ ባጽዕ ምስ ወደብ ዓሰብ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ኣሎ። ወደብ ባጽዕ ነቲ ክዀኖ ዝግብኦ ስፍሓትን ዘመናውነትን በጺሑ ማለት ከም ዘይኰነ ንግንዘቦ ኢና። ከምኡ ንክኸውን ዓቢ ወፍሪ ዝሓትት እዩ። ብወገን ኤርትራ፡ ኢትዮጵን ካልኦት መሻርኽትን ዓቕሚ ተወሲኽዎ፡ እናዓበየ ክኸይድ እዩ። ብዘይካኡ ካብ ናይ ኣስመራ ዝበለጸን ዝሰፍሐን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ባጽዕ ኣሎ። ንሱ እውን፡ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝኽእል ንምግባር እቲ ስራሕ ተጀማሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ዘሎ ንእሽቶ ናጻ ዞባ ዝበሃል እውን፡ ክልቲኦም መራሕቲ በጺሖም ነይሮም። ንሱ እውን ኣብ ምብግጋስ ከም ዘሎ ንምርኣይ እምበር፡ ዓቢ ነገር ተሰሪሑ ማለት ኣይኰነን። እዚ ሓደ ኣካል ናይቲ ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ክርእይዎ ክኢሎም ኣለዉ። ኣብ ዑደቶም ከኣ፡ ነዚ እናርኣዩ ነቲ ዘተን ምምኽኻርን ምግምጋምን መደብ ምውጻእን ምሕንጻጽን ብሓባር ተኻይዱ ማለት እዩ።
“እቲ ቐንዲ መደብ ናይ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን እዩ ነይሩ። ንሳቶም ብሰፊሑ ተዘራሪቦምን ተመያይጦምን ኣለዉ። ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ናይ ሓባር ስምምዕ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ተፈሪሙ ኣሎ። እዚ ባህርያዊ ዝዀነ፡ እቲ ሓደ መቐጸልታ ናይቲ ካልእ ዝዀነ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ብጂኦግራፍ ኣብ ሓደ ዞባ ስለ ዝርከባ፡ ብሓባር እናተደጋገፍና እንተ ሰሪሕና ኣዝዩ ዓቢ ምግባለ ከነመዝግብ ንኽእል ኢና። ነዚ መሰረት ብምግባር እዩ እምበኣር፡ ፈለማ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ተገይሩ። ናይ ኤርትራን ሶማልን ስምምዕ እውን ስዒቡ። ሎሚ ኸኣ፡ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ስምምዕ ተኸቲሙ ዘሎ።” ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብኡ ከም ዘይሕጸር ኣስሚርሉ። ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን እውን ክዝጽንበራኦ እየን።
“እቲ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምቕያር፡ ምምዕባልን ምትሕብባርን ናይ ቀደም ራእይና ዝነበረ ተዓናቒፉ ጸኒሑ ክንብል ንኽእል ኢና። እንተዀነ፡ ሕጂ ናብቲ ቅኑዕ መስመሩ ዝምለሰሉን ፍረ ክረኣየሉ ዝጀመረን ደረጃ በጺሕና ኣለና። ገና ኣብ ምጅማር ከም ዘለና ዝዀነ ይኹን ሰብ ክዝንግዕ የብሉን። እቲ ምጅማር ናብቲ ክንበጽሖ እንደሊ ዝእምት እዩ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ደጋጊሞም ከም ዝበልዎ፡ ንስለስቴና ሃገራት ዘለና ናይ ሰብ፡ ባህርያውን ካልእ ጸጋታትን ብሓባር ክነማዕብሎ እንተ ክኢልና፡ ልዕሊ ሰብና ክንበጽሓሉ ዘይንኽእለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን።
“እዚ ሎሚ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ምስቲ ኣቐዲሙ እተኸተመ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ተመሳሳሊ እዩ። እዚ ዘረጋግጾ ሓቂ፡ እቲ ቐዳማይ ስለስቲአን ሃገራት ናይ ነዊሕ ምትእስሳር ናይ ጆኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ሃይማኖትን ዘለወን ሃገራት ምዃነን መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ህዝብታተን ረብሓ ኸኣ፡ ሓደ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ድልዱል ዝምድና ንምግባር ተበጊስን ከም ዘለዋ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ስምምዕ እዚ ድማ፡ ንናጽነት ግዝኣታዊ ሓድነተንን ልኡላውነተንን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከም ዘኽብራ ዘውሕስን ዘረጋግጽን ዓንቀጽ እዩ። ኣብ መጠረሽታኡ ግን፡ እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ ዝብል? ሓደ ድልዱል ዝምድና ንኽገብራ ዘዘኻኽር እዩ። ዝምድናአን ንረብሓ ናይ ህዝብታተን ብዘውሕስን ብዘረጋግጽን መንገዲ ከማዕብልኦ ተዳልየንን ተሰማሚዐንን ከም ዘለዋ ይገልጽ። ካልኣይ፡ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ሜዳታት ኣብ ክብ ዝበለ ምትሕግጋዝ ከምዝበጽሓ የረጋግጽ። እቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ናተን ዝምድና ጥራይ ከይተሓጽራ ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ብሓባር ብምውህሃድ ክሰርሓ ምዃነን ይገልጽ። ኣብ መጠረሽታ ድማ፡ ነዚ ትግባረ ናይዚ መደብ ዝከታተልን ዘተግብርን ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ ከምዘቝማ ዝገልጽ እዩ።”
“ንሕና ኵሉ ግዜ ክንህወኽ ኣይንደልን፡ እቲ ጽልዋ እወታዊ ከም ዝኸውን ግን ከም ርጉጽ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ጽልዋኡ ግን፡ ኣብ መጠረሽታ ብስራሕ ወይ ብተግባር እዩ ዝረጋገጽ። እዚ ስምምዕ እዚ ብግብሪ ክስርሓሉ ምስ ጀመረ፡ ውጽኢቱ ንዅሉ ህዝቢ ርኡይ ክኸውን እዩ። ኣብተን ሰለስተ ሃገራት ፈጢርዎ ዘሎ ተስፋ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን። እዚ ዓቢ ሚዛን ዝወሃቦ እዩ። ሶማል ኣብ ዓቢ ብድሆ ከም ዝጸንሐት ኵላትና ንፈልጦ ኢና። እዚ ንባዕሉ ሶማላውያን ካብቲ ዝጸንሕዎ ሃዋህው ወጺኦም ብኽልተ እግሮም ደው ዝብልሉ ኵነታት ኣብ ምፍጣር ዓቢ እጃም ከም ዝህልዎ ከቶ ኣይንጠራጠርን። እቲ ዘገድስ ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተሰማማዕናሉ ስለ ዝዀነ፡ ገና ኸኣ ኣብ ምጅማር ስለ ዘለና፡ ምቝሉል ብዝዀነ መንገዲ ክንሕዞን ኣብ ስራሕ ከነውዕሎን ኣለና።
“ካልእ ክንፈልጦ ዘለና፡ ጽልዋ ኢልካ ክትዛረብ እንከለኻ፡ እቲ ደላዪ ጽቡቕ ነዚ ምቅርራብ ናይዘን ሰለስተ ሃገራት ክሕጐሰሉ እዩ። እቲ ብጸቢብ ኣጠማምታኡ ዝግምግሞ ግዳ፡ ከቆናጽቦን ዘይመልክዑ ክህቦን እዩ። እንተ ኽኢሉ ክዕንቅፎ ክጽዕር ምዃኑ ክንጠራጠር የብልናን። እዚ ኸኣ ክገርመናን ከሰክፈናን የብሉን። ባህርያዊ እዩ። ሰብ ሓደ መንገዲ ክኸተል ጸኒሑ፡ እቲ ዝተኸተሎ መንገዲ ከም ዘይሰርሕ ብግብሪ ምስ ተረጋገጸ፡ ጌጋኡ ተቐቢሉ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ዝመጽእ ኣሎ። ገለ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ምምላስ፡ ናብ ምህዳም፡ ተወሳኺ ጌጋ ምፍጻም ወይ መመኽነይታ ዘቕርብ ኣሎ። ስለዚ ኵሉ ብቕኑዕ ጥራይ ክጥምቶ’ዩ ኢልና ክንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና።
“እቲ ዝበዝሐ ግን፡ መጀመርታ ህዝብታት ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ካብኡ ንላዕሊ እውን እቲ ሰላምን ምዕባለን ዝደሊ ህዝብታት ናይዚ ዞባን ክንዮ እዚ ዞባን፡ በዚ ምዕባለ ሕጕስ ኣሎ። መሻርኽቲ ናይዘን ሰለስተ ሃገራት ከኣ፡ እጃመን ንምብርካት ድሉዋት ኣለዋ። ነዚ ዝምስክር ስጕምትታት፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ብተግባር ክርአ እዩ። ስለዚ ጽቡቕ ምጅማር እዩ። እቲ ቐንዲ ነገር፡ እንድሕር ብዛዕባ ጽልዋን ትርጕምን ናይዚ ሕጂ ዘለናዮ ምኽንያት ክንዛረብ ዄንና፡ ከመይ ገይርና ኣብዚ በጺሕና? ኢልና ክንሓትት ክንክእል ኣለና። ኣብዚ ክንበጽሕ ዝኽኣልና፡ ብስራሕ፡ ጽንዓትን ቃልስን እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ቃልሲ ስለ ዝተኻየደ፡ መስዋእቲ ስለ እተኸፍለ፡ ጽንዓት ስለ እተንጸባረቐ እዩ ዓወት ተረኺቡ ዘሎ።
”ድሕሪ ሕጂ እውን፡ ብዛዕባ ዝመጽእ ክትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ገና እዚ ስራሕ፡ እዚ ጽንዓት፡ እዚ ቘራጽነት፡ ከም ዘድሊ ክንጠራጠር የብልናን” ይብል ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጒዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ።