ንገዚፍ ስራሕ እንብገሰሉ መድረኽ

ካብ ሰሚናር ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ

“ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት፡ ናይ ብሓቂ፡ ናብ’ቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ተኾሊፉ ዝጸንሐ ባህጊ ክንምለስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ’ውን ንወለዶታት ዝኸይድ ለውጢ ከነምጽእ ተስፋ ዝህብ እዩ። “እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት’ዚ ስቕ ኢሉ፡ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ብዙሕ ክቃለሰሉ ዝጸንሐ፡ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ፡ ዕድል ዝጠፍኦ እዩ። “ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብሰፊሑ ዝተዘራረብናሉ፡ ነቲ ዝኸሰርናዮ ዕድላት ኣምሊስና ብኸመይ ብዝሓየለ ደረጃ ንቕድሚት ንጎዪ እዩ። እዚ ድማ እዚ ሃገር’ዚ፡ እዚ ህዝቢ’ዚ ክዳለወሉ ኣለዎ። “ኣብ ከባቢና ዘሎ ኵነታት ከይቀየርና ንሕና ናይ በይንና ኵነታት ጥራይ ቀይርና ኣለና እሞ፡ ኩሉ ነገር ብጽቡቕ ክኸደልና እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ንነብረሉ ዘለና ጎደቦ ክቐስን ክኽእል ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቢሩ ምሳና ክጓዓዝ ስለዘለዎ፡ ንሱ እውን ኣብዚ ናትና መደብ ኣእቲና ክንሰርሓሉ ኢና።

“ነዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን ብግቡእ ክንሰርሓሉ፡ ቅድም ቀዳድም ናይ ህዝቢ፡ ብቐንዱ ኸኣ ናይ መንእሰያት ድሉውነት ክህሉ ኣለዎ።

“ስራሕና ዝኸበደን ዝዓበየን ገስጋስና ድማ ዝቐልጠፈን’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ሰላም መጺኡ፡ ቀሲንና ተሓጕስና ኢልና ክንዛነ ኣይኮናን። ኩሉ ጸገማት ተወዲኡ እዩ ኢልና ንዛነየሉ መድረኽ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ተኸፊቱ ዘሎ ሓዲሽ ምዕራፍ ብዝያዳ ሓይሊ፡ ብዝያዳ ተገዳስነት፡ ክንሰርሕ ሓላፍነት እንስከመሉ ግዜ እዩ።

“ዘለናዮ ግዜ ንገዚፍ ስራሕ ቅሩብነት ዝሓትት እዩ። ቅድሚ ዝኣገረ መንእሰያት ናይ’ዚ ሃገር ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓላፍነት ብግቡእ ክግንዘብዎ ኣለዎም። ንወለዶታት መሰረት ኣንጺፎም ዝሓየለን ዝበለጸን ኵነታት ክፈጥሩ ስለዘለዎም፡ ማዕረ’ቲ ዝጽበዮም ዘሎ ሓላፍነት ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም።