ተወዳዳሪ ብቕዓት ዝጠልብ መድረኽ
ዓለም ወትሩ ናይ ውድድር መድረኽ’ያ። ታሪኽናን ታሪኽ ኩሎም ህዝብታትን ከምዝምስክሮ፡ ኣብዚ ናይ ውድድር ዓለም፡ ሕብረተሰብ ድሕነቱ ከውሕስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነቱ ውሑስ ምዕባለን ስልጣነን ዘረጋግጽ እውን ብገዛእ ብቕዓቱ እዩ። ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ እምበኣር፡ ከም ህዝቢን ሃገርን ኣብ ጎደና ዕብየት ብዓወት ንምምራሽ፡ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ተወዳደርቲ ንምዃን፡ መንእሰያት፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝበለጸ ዓቕሚን ብቕዓትን ምውናን ከድልየና እዩ። ከመይሲ ብቕዓት ሕብረተሰብ ብቐንዱ ኣብ ብቕዓት መንእሰይ እዩ ዝምርኰስ። መለክዒ ተወዳዳርነት ሕብረተሰብ – ብቕዓት መንእሰይ እዩ። ደምን ትንፋስን ሕብረተሰብ መንእሰይ እዩ። ንቑሕን ብቑዕን መንእሰይ ዘይሓዘ ሕብረተሰብ፡ ምዕባለ ከረጋግጽሲ ይትረፍ፡ ብህይወት ክሰርር እውን ንጋዳ ምዃኑ ዝሓለፈ ጉዕዞ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። መንእሰይ ኣብ ዝኾነ መድረኽ፡ ካብ ውልቃዊ ህይወት ምምራሕ ንላዕሊ፡ ኣጸቢቑ ዝዓዘዘ ሕብረተሰብኣዊ ሓላፍነት ዝስከም ወሳኒ ኣካል ሃገርን ሕብረተሰብን እዩ። መንእሰያት ኤርትራ እምበኣር፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ ተልእኾናን ሓላፍነትናን ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብብቕዓት ክንፍጽም፡ ብኹሉ መዳይ ድልዋትን ብቑዓትን ክንከውን ኣለና። ዕብየትን ስልጣነን ሕብረተሰብ ኣብ ብቕዓት መንእሰያት ስለዝምርኰስ።