ተቐራራቢ ዝነጥበን ጋንታታት ንሓድሕደን ይራኸባ
ጋንታታት |
5 Derniers |
ጸወታ |
ዓወት |
ማዕረ |
ስዕረት |
ዘመዝገበቶ |
ዝተመዝገባ |
ጸብለልታ |
ነጥቢ |
|
---|---|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
1 | ደንደን | 6 | 4 | 1 | 1 | 10 | 6 | 4 | 13 | |
2 | ሰገን ኮን | 6 | 3 | 3 | 0 | 7 | 3 | 4 | 12 | |
3 | ገዛ ባንዳ | 6 | 3 | 2 | 1 | 9 | 3 | 6 | 11 | |
4 | ኣዱሊስ | 6 | 3 | 2 | 1 | 12 | 7 | 5 | 11 | |
5 | ኣሰመራ ቢራ | 6 | 3 | 2 | 1 | 7 | 4 | 3 | 11 | |
6 | ቀይሕ ባሕሪ |
6 | 1 | 5 | 0 | 6 | 5 | 1 | 8 | |
7 | ኣልታሕሪር | 6 | 1 | 4 | 1 | 5 | 2 | 3 | 7 | |
8 | ሲቲ ሰንትር | 6 | 2 | 1 | 3 | 12 | 10 | 2 | 7 | |
9 | ኩ/ሰምብል | 6 | 1 | 2 | 3 | 5 | 9 | -4 | 5 | |
10 | ገጅረት | 6 | 1 | 2 | 3 | 7 | 14 | -7 | 5 | |
11 | ዕዳጋ ሓሙስ | 6 | 0 | 4 | 2 | 5 | 11 | -6 | 4 | |
12 | ኣኽርያ – ስላም | 6 | 0 | 0 | 6 | 4 | 15 | -11 | 0 |
ሎሚ ሰንበት ስታድዩም ኣስመራ፡ ማዕረን ናይ ሓደ ነጥቢን ፍልልይ ንዘለወን ጋንታታት እያ ከተአንግድ፣ ገዛባንዳ ምስ ሰገን ኮንስትራክሽን ከምኡ እውን ኣስመራ ቢራ ኣንጻር ኣዱሊስ፡ ግጥማት ሻውዓይ ሰሙን ሻምፕዮና ሱፐር ዲቪዠን ‘ኤ’ ኵዕሶ እግሪ ኩዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ኮይኑ ክቕጽል’ዩ፣
ምስ ሰገን ኮንስትራኽሽን እትፋጠጥ ገዛባንዳ ሓንቲ ካብ’ተን ብንኡሳን ምምሕዳራት ዝካየዳ ሓያልን ተወዳዳሪትን ጋንታ እያ፣ እዛ ኣብ ዞባ ማእከል ክልተ ግዜ ሻምፕዮን ዝኾነት ጋንታ፡ ዓሚ ምስ ሰገን ክልተ ግዜ ኣብ ዝተራኸበትሉ፡ ፈለማ 2ብ0 ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ድማ 1ብ0 ተሳዒራ፣ ገዛባንዳ ሎሚ ዓመት ኣብ ዘካየደቶ ግጥማት፡ ሰለስተ ግዜ ተዓዊታ፣ ክልተ ሳዕ ማዕረ ክትፈላለ ከላ ሓንሳብ ከኣ ብኣዱሊስ ስዕረት ጎሲማ፣ 11 ነጥቢን ሽዱሽተ ጸብለልታ ሸቶን ድማ ኣወሃሊላ ኣላ፣ ምኵር ተጻወታያ ሰሚር ስንታዮ፡ ያሬድ ኪዳነን ኣቤል ዮሃንስን ካብቶም ብዝገብርዎ ጻዕርታት ጎሊሖም ዝርኣዩ ኣባላታ እዮም፣
ብሰገን ኮንሽትራኽሽን እትእለ ጋንታ ሰገን፡ ኣብ 2014-15 እያ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ሱታፊኣ ዘረጋገጸት፣ ብዳዊት ስዩም (ጻዕዳ) እትዕለም ሰገን፡ ኣብ ዘቑጸረተን ክልተ ዝሓለፈ፡ ሓያል ተዋዳርነታን ብቕዓታን ዘርኣየት ጋንታ’ያ፣ ቅድሚ ዓሚ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ብዘርኣየቶ ዓወትን ገስጋስን ቀዳመይቲ ኮይና ተሰምያ ምንባራ ይዝከር፣ ዓሚ’ውን ካብኡ ብዘይፍለ ድሒራ ብዘምጻኣቶ ለውጢ፡ ድሕሪ ኣልታሕሪር ካልአይቲ ኮይና ተሰምያ እያ፣ ኮታ ካብተን ተዋዳደርትን ኣስጋእትን ጋንታ ምዃና እዩ ዝዝረበላ፣ ሰገን ሎሚ ዓመት ካብ መጀመርታ’ዚ ሻምፕዮን ኣቲሒዛ ተዋዳዳሪት ኮይና ቀሪባ ኣላ፣ ሰለስተ ግዜ ተዓዊታ፡ ሰለስተ ሳዕ ማዕረ ወጺኣ፣ ክሳብ ሕጂ ስዕረት ኣይቀመሰት፣ ንኸም ብዓል ፊልሞን መንገሻ፡ ናቕፋ ተኽለ፡ ሞባርኽ ኸሊፋን ተመስገን ክብሮምን ዝሓዘት ሰገን፡ 12 ነጥቢ ብምውህላል ድሕሪ ክለብ ደንደን ብኻልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ጋንታ’ያ፣ እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣንጻር ገዛባንዳ ንእተካይዶ ጸወታ ሰሓቢ ይገብሮ፣
ብኻልእ ወገን፡ ዓቢ ኣተኵሮ ዝግበረለን ዓበይቲ ክለባት ኣስመራ ቢራን ኣዱሊስን እየን፣ ክልቲአን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተራኸባሉ፡ ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዘት ኣስመራ ቢራ እያ፣ ኣብ ከምዚ እዋን 1ብ0 ተዓዊታ ነይራ፣ ኣብ ካልአይቲ ርክበን ግና ብማዕረ ተፋላልየን ከምዝነበራ ኣይርሳዕን፣ ኣስመራ ቢራ ኣብዚ ውድድር፡ ሰለስተ ግዜ ክትወት እንከላ፡ ክልተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ፣ ሓንሳእ ድማ ብሰገን ኮንስትራክሽን ስዕረት ገጢምዋ፣ ማዕሪኣ 11 ነጥቢ ኣዋህሊላ እትርከብ መጋጥምታ ኣዱሊስ እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት’ያ ኣመዝጊባ፣ እታ ዝወረደታ እንኮ ስዕረት ብመራሒት ዘላ ደንደን እያ፣ በዚ ኾይኑ በቲ፡ ምብልላጸን እዘን ታሪኻውያን ጋንታታት ኣብ ገዛእ ርእሰን ዝምርኮስ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ኣብዛ ግጥም እዚኣ ሓያል ቃልሲ ከርእያ ትጽቢት ኣሎ፣