ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዚርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ መበል 26 ዓመት ዕለተ-ናጽነቱ፡ “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ኣብ ትሕቲ ዚብል መድረኻዊ ቴማ፡ ከም ወትሩ ብድምቀት ንምጽንባል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብደረጃ ሃገር ዚግበር መሰናድኦ፡ በብኸባቢኡን ማሕበራዊን ትካላዊን ውዳበታቱን፡ ምድላዋት ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ክብሪ ናይ ዚኾነ ነገር ብመጠን ዝተደኽመሉን ዝተኸፍሎ ዋጋን እዩ ዚልካዕ። በዚ መንጽር፡ ናጽነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣዝዩ ክቡርን ዘሐብንን ርስቲ እዩ። እምብዛ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ ስለዘምጽኦ ከኣ፡ ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ፡ ጻማኡ ዚረኽበሉን ዚከሓሰሉን ናጽነት ኪዀነሉ ኪምነ ግድን እዩ። ትርጉም ዘለዎ ሓርነት ግን ብባህጊ ጥራይ ዚርከብ ኣይኮነን። ከምቲ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ ካብ መደረታቱ ዚበሎ “ናጽነት መሬትካ ምስ ወነንካ፡ ምዕሩግን ነባሪን ቤት እትሃንጸሉ ዘይባድምን ወትሩ ዚሕሰንን ዚስለምን ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ርስቲ እዩ ናጽነት ለሚንካ፡ ተመሻኺንካን ተጸጋጊዕካን ብቐለተ ወይ ትኳቦ ዚርከብ ዘይኮነ ባዕልኻን ብጻዕርኻን እትሃንጾ ርስቲ እዩ።”
ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ፡ ሓላፍነት ህንጸት ሃገር ዝተሰከሙ መንእሰያት ደቁ፡ ኣብ ዚሓለፈ 26 ዓመታት፡ንብዙሕ ስዉርን ግሁድን ግዳማዊ ተጻብኦታት እናመከቱ፡ ተወፋይነት ኣዕሪጎም ሃገራዊ ራእይ ንምጭባጥ ኪረባረቡ ጸኒሖም ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ገድሊ ንናጽነት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ልምዓታዊ ተጋድሎ ኣብ ዝተሰጋገረሉ፡ ልክዕ ከም ንቕሎ ብረታዊ ተጋድሎኡ፡ ካብ ትሕቲ ባዶ’ዩ ተንሲኡ። እንተኾነ ሃዋህው ናጽነት ዚፈጠሮ ተስፋን ልዑል ድሌትን፡ ቅኑዕ ፖሊሲታት ተወሲኽዎ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሸውዓተ ናይ ናጽነት ዓመታት ቁጠባ ኤርትራ ዓቢ ገስጋስ ከመዝግብ ክኢሉ ነይሩ። ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ስለዘይስተ ግዳ፡ ስዒቡ ዚመጸ ከቢድ ግዳማዊ ተጻብኦታት፡ ንናህሪ ናይቲ ገስጋስ ብመጠኑ ዓንቂጽዎ እዩ። የግዳስ፡ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ በቲ ተጻብኦ ጀሆ ከይተታሕዙ፡ ጎድኒ ጎድኒ መኸተ ንልዑላውነት፡ ልምዓታዊ መደባቶም ስለዘይወንዘፉ፡ ቁጠባ ኤርትራ ምስ ኩሉ ዝተወርሰ በሰላታቱ፡ ኣብ ትሕቲ ኣይሰላም- ኣይኲናት፡ ከቢድ ጸቕጢን ምሕንኳልን ተጻዊሩ እናመረሸ፡ መጠናዊ ዕብየት ካብ ምምዝጋብ ኣይበዀረን።
ኣብ ዚሓለፈ ናይ ጻዕርን ተወፋይነትን ዓመታት፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ብዝተታሕዘ ዕላማ፡ መሬታዊ ጸጋታት ብብቕዓት ንምምዝማዝ ዘኽእል መሰረታዊ መንጽፍ እናዋደድካ፡ ነቲ ኣብ ዝናብ ዚምርኰስ ያታዊ ኣገባብ ማሕረስ ናብ ዘመናዊ ሕርሻ ንምቕያሩ ኪስርሓሉ ጸኒሑ ኣሎ። ከዘንቲ ማይ ትሕተ- ቅርጺታት ኣብ ምህናጽ ድማ ዓቢ ስራሕ ተሰላሲሉ ኣሎ። ኣብቲ ዛጊት ተነጺፉ ዘሎ ባይታ ተወሳኺ ወፍሪ እናተገብረ ብዚኸደ እምበኣር ሕርሻዊ ኣፍራይነትና እናተዓጻጸፈ ኪኸይድ ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ጎኒ ጎኒ’ዚ፡ ነቲ ብዓይነትን ብዝሕን እናበርከተ ኪኸይድ ትጽቢት ዚግበረሉ ሕርሻዊ ምህርቲ ዚምስርሑ ዝተፈላለዩ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ትካላት ንምዕንባብ እውን ዓቢ ውጥን ተታሒዙ ይስርሓሉ ኣሎ።
ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር፡ ስትራተጂያውያን ሓጽብታት፡ ጽርግያታትን ካልእ ትሕተ-ቅርጺታትን ንምህናጽ፡ ቀረብ ጽሩይ ዚስተ ማይ፡ ጸዓትን ኤለክትሪሲቲን፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መራኸቢታትን ብምዕሩይነት ንምብጻሕ ኪካየድ ዚጸንሐ ስርሓት፡ ነቲ ርሑቕ ዚበሃል ዚነበረ ከባቢታት ብምቕራብ፡ ምስ ዕዳጋታት ማእከል ሃገርን ወጻኢን ዘራኽብ ባብ ከርሕወሉ ስለዚኸኣለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንንግዳዊን ቁጠባዊን ንጥፈታት ድሓን ዚኾነ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ተገዳስነት ናይ ውሽጥን ግዳምን ኣውፈርቲ ኣብ ሕርሻ፡ ዕደና፡ ኢንዱስትሪን ጽላት ቱሪዝምን እናዓበየ ኪመጽእ ጸኒሑ፡ ተጨባጢ መኽሰባት ናብ ዚሕፈሰሉ መድረኽ ንሰጋገር ኣሎና።
ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣውራ ካብኡ ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን እቲ ቀንዲ መግለጺ ሰብኣዊ ምዕባለ ኮይኑ፡ ኩሎም ዜጋታት ብሕልፊ ድማ፡
ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዚርከቡ፡ ዕድል ትምህርቲን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ዚረኽብሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዘረጋገጽናዮ ዓወታት፡ ብደረጃ ኣህጉርናን ዓለምን ናእዳ ዘትረፈ እዩ። በዚ ድማ፡ ብመንጽር ሸቶታት ሚለንዮም፡ ኤርትራ ዘመዝገበቶ ገስጋስ፡ ብኣብነት ይጥቀስ ኣሎ። እቲ ሰረት ተነጺፉ ስለዘሎ፡ እቲ ዝተርፍ ዕዮ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዓይነቱ እናተመሓየሸን እናወርጸጸን ከምዚኸይድ ብምግባር ኣብ ልዑል ደረጃ ብቕዓት ከምዚበጽሕ ምግባር እዩ።
እዚ፡ ኣብ ምውዳድ መሰረታውያን ትሕተ-ቅርጺታት፡ ምዕማር ሕርሻዊን ኢንዱስትሪያውን ኣፍራይነት፡ ምርግጋጽ ምዕሩይ ኣገልግሎታት ተመዝጊቡ ዘሎ ገስጋስ፡ ከቢድ ግዳማዊ ተጻብኦታት እናመከትና፡ ብውሽጣዊ ዓቕምና ዘመዝገብናዮ ብምዃኑ፡ እቲ ኪነድቆ ኪኢሉ ዘሎ ናይ ምግባር ዓቕሚን ርእስ- ምትእምማን፡ ንብሩህ መጻኢ ናይዚ ህዝቢን ሃገርን ዚምስክር እዩ።
ካብዚ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ ሚዛን ዚወሃቦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኪውንኖ ዚበቕዐ ካልእ ዚዓበየ ጸጋ እውን ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓያል ጥምረቱን ሃገራዊ ሓድነቱን ነቲ ብፍቕሪ፡ ስኒትን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ዚልለ ባህሉን ክብርታቱን መሰረት ዚገበረ፡ ርጉእ ስርዓተ-ምንብባር ኪፈጥር በቒዑ ኣሎ። እዚ ረቛሒ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካልኦት ሕብረተሰባት ብቐሊሉ ዘይርከብ ውሽጣዊ ሰላምን ጸጥታን ዚውንን ህዝቢ ኪኸውን ኣብቂዕዎ ኣሎ። ሰላምን ርግኣትን እቲ ቀንዲ መሰረት ምዕባለ ስለዚኾነ ድማ ብቐሊሉ ዚግመት ጸጋ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ሳላ’ቲ ዘዂርዕ ባህሉ፡ ባህሊ ዓያዪነትን ርእሰ ምርኰሳን፡ ዚሓለፈ 26 ዓመታት፡ ኣብ ከቢድ ስራሕን ሓያል መኸተን ተጸሚዱ እዩ ኣሕሊፍዎ። ከም ውጽኢት ርሃጹ፡ በብቕሩብ ናብ ዚሓሸ ባይታ እናሓዀረ ኪመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ኣብ ዋዜማ ደርማስ ምዕባለ በጺሑ ኣሎ። እዚ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዚርአ ዘሎ ብርሃን ዝያዳ ደሚቑ፡ ብምልኣት ኪጭበጥ እምበኣር፡ ሕጂ’ውን እቲ ጻዕሪ ብልዑል ደረጃ ኪቕጽል የድሊ። ሃገራዊ ራእይ ደሚቑ ዚዂላዕ ብቐንዱ ብስራሕ ስለዚኾነ!