ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ: ሲኞር ጁዜፐ ኮንተ: ኣብ ኣስመራ ዝተገብረሉ ናይ ምሳሕ እንግዶት ዘስምዖ
ክቡር ፕረሲደንት፡ ኣብ’ዚ ምህላወይ ዓቢ ክብርን ልዑል ባህታን’ዩ ዝፈጥረለይ። ነቲ ዝገበርካለይ ናይ ምሳሕ እንግዶትን፡ እቲ ንዓይን ንብጾተይ ዝተዋህበና ምዉቕ ኣቀባብላን ከመስግን እደሊ። ሎሚ ኣብ’ዛ ብንእሽቶ ሮማ “ፒኮላ ሮማ” እትፍለጥ ከተማ ኣስመራ ምህላወይ፡ ልዑል ፍስሃ ይስማዓኒ። ምኽንያቱ፡ ዝዀነ ኢጣልያዊ ኣብ’ዛ ምጭውቲ ከተማ ምስኣተወ፡ ልክዕ ከም ኣብ ቤቱ ዘሎ ኰይኑ ስለ ዝስመዖ። ከተማ ኣስመራ ዓሚ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ብምስፋራ፡ ብዘይ መጠን ዕግበት ፈጢሩልና’ዩ። ኣብ ቀዳሞት 10ታት ዓመታት ዝሓለፈ መበል 20 ክ/ዘ ኢጣልያዊያን ስነጥበበኛታትን ቀረጽትን ኣብ’ዛ ፍልይቲ ቦታ ምዃና ኣፍልጦ ዝረኸበት ከተማ ኣስመራ ናጻ ኰይኖም፡ ኣደነቕቲ ሓሳባትን ምህዞታትን ኣብ ባይታ ከተግብሮ ኪኢሎም’ዮም። እቲ ውጺኢት ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩሉ ሰብ ይረአ ኣሎ።
ክቡር ፕረሲደንት፡ ኤርትራን ኢጣልያን ንኽልቲኡ ህዝቢታትናን ሃገራትናን ክሳብ ሕጂ ጠሚሩ ዘሎ ናይ ሓባር ድሕረ-ባይታ ይውንና’የን። ብሓቂ’ውን ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልብን ኣእምሮን ብዙሓት ኢጣልያዊያን ዜጋታት ሰፊራ ኣላ። ስለ’ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝነበረ ትራጅድያዊ ታሪኽ ብዕዉት መስርሕ ሰላም ብምዕራፍኩም፡ ዮሃና ክብል ባህታ ይፈጥረለይ። ሎሚ፡ ንሕና ነቲ ሓዲሽ እወታዊ ለውጢ ንድግፎ ኢና። ንቀርኒ ኣፍሪቃን ክንየኡን ሓዲሽ መድረኽ ሰላምን ብልጽግናን ዘምጽእ ብምዃኑ። ኢጣልያ ንመስርሕ ሰላም ብምሉእ ሓይላ ትድግፎ’ያ። ንምሉእ ትግባረ ቀጥዒታት ስምምዕ ሰላም ንምፍጻም ድማ፡ ዘድሊ ደገፍ ንምሃብ ቅርብቲ’ያ። ኣብ መላእ’ዚ ዞባ ኣብ መዳይ ምድንፋዕ ወፍሪ፡ ናይ ሓባር መደባት፡ መደባት ትምህርቲ፡ ተክኒካዊን ሞያዊን ስልጠናታትን ፖሎቲካዊ ዘተን ዘለና ተራ ንምጽዋት ድልዋት ኢና። ብተወሳኺ’ውን፡ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ ኤርትራ ፖለቲካዊ ዝርርብ ብምኽፋት ዓሚቝ ምትሕብባር ንምፍጣር ክንዘራረብ ጽኑዕ ድልየት ኣለና።
ኣብ ኒውዮርክ ብዛዕባ ምልዓል እገዳ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክንበጽሕ ተስፋ ኣለና። ኤርትራ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ሓዲሽ ናይ ዝምድና ምዕራፍ ክትከፍትን፡ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከተሐይልን።
ክቡር ፕረሲደንት፡ ኣብ’ዚ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዓሲሉዎ ዘሎ ዘይቅህም ብርሃን መስርሕ ሰላም፡ መጻኢ ኤርትራ ኣዝዩ ትስፉው’ዩ። ንዓኻን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓዲሽ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዘመን እምነየልኩም።