ቀ/ሚ ፈ.ደ. ሪ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ሎሚ ድሕሪ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ
ቀ/ሚ ፈ.ደ. ሪ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ፡ ናይ 2 መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ 4፡15 ድሕሪ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኣቢ ኣሕመድን፡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ምዕባለታትን ክዝትዩ’ዮም።
ሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር ቀና ያዴታን ሚኒስተር ምህዞን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ኣብርሃም በላይን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ሓቢሮም መጺኦም ኣለዉ።