ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናበይ?
ዝሑል ኲናትን ስምብራታቱን ከም ድሕረ-ባይታ ኣቐሚጥካ፣ ኣብቂዑ ካብ ዝተባህለሉ ሰዓት፡ ኣብዘን ኣስታት 30 ዓመታት፣ ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዝነበረ ዓቢ ትስፉው ዕድላት ዘይሃስስ ዝኽሪታት’ዩ። ነቲ ዕድላት ናብ ዘላቒ ርግኣትን ልምዓትን ንምድራኽ፣ ሃገራትን ህዝቢታትን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣበጊሶሞ ዝነበሩ፣ ሓባራዊ ናይ ምምልላእን ምትሕግጋዝ (complementarity/cooperation) ጉዕዞ ዝኽሪታት’ውን፡ ህያው’ዩ።
ሕጂ ድሕሪ 30 ዓመታት ግን፣ ብኣንጻር’ቲ ባህጊን ተበግሶታትን፣ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝርከቦ/ዘለወሉ ህሉው ኩነታት/ቅልውላዋት፡ ካብ ዝተሓሳስብ ንላዕሊ’ዩ።
. . . ስለምንታይ? ሸቶታት ርግኣትን ልምዓትን፡ ምስ ግዜ ዝውንዘፍን ዝበሊን ስለዘይኰነ፣ መጻኢ ጉዕዞ ከኣ፡ ወጻኢ ካብ ስምዒታዊ ጸቢብ ንባብ ሳዕቤናት፡ ንጠንቂታት ናይቲ ህሉው፡ ብወድዓውነት መርሚሩ ርእየት ከነጽር ስለዝግባእ፣ ናይ 3 ዓሱራት (decades) መዛግብቲ ምግንጻል እዋናዊ እዩ። ናይቲ ምዕባለታት ተዋሳእቲ፡
ዓለማውያንን ዞባውያንን ዘቤታውያንን ጸለውቲ ባእታታት ዝገበሩዎ ኣበርክቶ፡ ከከም ሚዛኑ ምርኣይ ከኣ ግድን’ዩ።
ምስ ምኽታም ዝሑል ኲናት፣ ወሰንቲ ቀጸላታት ሓይሊታት ኣመሪካ፡ ብስነ-ሓሳብ ዓብላሊ ስስዐ ተደሪኾም (ወይ ተሃንጥዮም)፣ እንኮ ቀጽራዊ ዓለም ከነንግስ ኢና ኢሎም ስለዝኣመኑ፡ ወይ ስለዝመሰሎም፣ ንዓለም ኣብ ናይ ጽልዋ ከባቢታት / ዞባታት (spheres of influence) ገዛዚዖም፣ ብመልሕቓት (anchors) ዝብሉዎም ወከልቲ ከመሓድሩ፡ ዝተኸተሉዎ ዝምቡዕ ፖሊሲታት፣ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂታት ናይዚ ሕጂ ክውን ኮይኑ ዘሎ ዓለማዊን ዞባዊን ቅልውላዋት እዩ። ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኸኣ ሓደ ካብ ህያው ኣብነታት።
ገለ ካብ ቀንዲ ሳዕቤናት ናይዚ ዝምቡዕ ፖሊሲታት፦
(1) ግህሰት ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገራትን ህዝቢታትን፣ (2) ርግጸት ኣህጉራዊ ሕጊታት፣
(3) ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ምትእትታው፣
(4) ሞጎት ሓይሊን ምጉጣጥን ምንጋስ፣
(5) ዝተፈላለየ ዓለማዊን ዞባዊን ውድባት / ውዳበታት ኣልሚስካ፡ ናብ መጋበርያ ዕብለላ ምቕያር፣
(6) ቅልውላትን ግጭታትን ምትፍናናትን፡ እናሳወርካ
ምምሕዳር፣
(7) ኩነተ-እምሮን ባህሊን፡ ጠቅን. . . ኰንን. . .ኣግድ. . .ቅጻዕ፣ ምስፋን፣ ወዘተ. . . ወዘተ’ዩ።
እዚ ዝምቡዕ ዓለማዊ ፖሊሲታት፣ ምስ ካልኦት ዞባውያንን ዘቤታውያንን፡ ዝምቡዓት ፖሊሲታት ኤትኒካዊ ምትፍናንን ኮራፕሽንን፣ ጥሩፍነትን ሽበራን ተጠናኒጉዎ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጥቕልሉ ይኹን ሃገር-ብሃገር ኣኸቲሉዎ ዘሎ ዕንወትን ዘኽሰሮ ዕድላትን፣ ዘርዚርካ ብጭብጢታት ዝንገር ተመኩሮ እዩ።
ቀዳማዊ ሓላፍነት ናይቲ መአረምታ ኸኣ፡ ናይተን ሃገራት ብተናጸልን ብእኩብን ስለዝዀነ፣ ብዘይ ግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ሓድሽ ዞባዊ መርሓ-ጐደና ምንዳፍ ይሓትት።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ወድዓዊ ገምጋማቱ ብጭብጢታት ኣነጺሩ፣ ምስ ዝተፈላለየ ካልእ ግዳማዊ ረቛሒታት ኣዛሚዱ፣ ናይ ምምሕዳራት ኣመሪካ ፖሊሲታት ጽልዋ
ብፍሉይ ኣብ ግምት ኣእትዩ፣ ከም ተበግሶ “ንጡፍ ጽምዶ” ምምሕዳር ትራምፕ፣ ናይ ዝቐድምዎ ሰለስተ ምምሕዳራት ዝምቡዕ ፖሊሲታት ጭቡጥ ተርእዮታት፣ ምስ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ፖሊሲታት ኣመሪካ ዘጠቓለለ ምሉእ ሰነድ፡ ምስ ምሕጽንታ መአረምታ ኣቕሪቡ ምንባሩ፣ ነዚ ሕጂ ከም መዘኻኸሪ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ፣ ድግማ ጥራይ’ዩ ዝገብሮ።
ከም መቐጸልታ ናይቲ “ንጡፍ ጽምዶ”፣ ወጻኢ ካብ ኣግላሲ (diversion) ህቀናታትን ብይናትን፣ምምሕዳር ባይደን እውን፡ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ንዝህሉ ኣጠማምታ .እቲ ዝድለ መአረምታ ክገብር ምሕጽንታኡ የቕርብ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ
ኣስመራ
30 ሚያዝያ 2021