ሽግ ዋርሳይ’ ዑደት ተካይድ ኣላ
ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ዑደት ክትገብር ዝተዳለወት ‘ሽግ ዋርሳይ’፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ’ቲ ዛዛሚ ኲናት ናጽነት ዝተኻየደሉ ጐላጉል ማይ-ዕዳጋ – ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ተበጊሳ።
እታ ብባንዴራ ኤርትራን ኣርማ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝተሰነየት ሽግ፡ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተረከበት፡ ህዝቢ ማይ-ዕዳጋን ከባቢኣን ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ከምዘፋነዋ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።
ነበርቲ ከተማ ደቀምሓረን ከባቢኣን እውን፡ ማእቶታውን ትምህርታውን ንጥፈታት ብዝውክሉ ኣፍራዛን መጽሓፍን ዝሓዙ መንእሰያት ኣዐጂቦም፡ ከባቢ ሓወልቲ ስዉኣት ምስ ኣብጽሑዋ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ የማነ ኣበራ፡ ህዝቢ ንሽግ ዋርሳይ ዝሃቦ ክብሪ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሳዋ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነትን መደባት ልምዓትን ዝተጻወተቶ ተራ ምዃኑ ገሊጹ።
ህዝቢ ከተማ ደቀምሓረ፡ ንሽግ ዋርሳይ ንልዕሊ ሰለስተ ኪሎ-ሜተር ብእግሩ ተጓዒዙ ናብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ምስ ኣፋነዋ፡ ህዝቢ ገርገራ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኣብ ከባቢ ዲጋ ምስላም ተቐቢሎም፡ ብሰልፊ ናብ ከተማ ድባርዋ ኣእትዮምዋ።
ኣብኡ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ በታ ካብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ዝተበገሰት ሽግ፡ ነታ ኣብ ድባርዋ ተዳልያ ዝጸንሐት ሽግ ድሕሪ ምውላዕ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ንኣበርክቶ ሳዋን ሳዋ ዘፍረየቶም መንእሰያትን ዘመጒስ መደረ ኣስሚዑ።
ሽግ ዋርሳይ፡ ቀጺላ ከተማ መንደፈራ፡ ድሕሪኡ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይልን ዓዲ- ዃላን ሓሊፋ፡ ናብቲ ኣብ ምምካት ወራር ወያነ – ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጅግንነት ዝፈጸሙሉ ግንባር ዓዲ-በጊዖ ብምብጻሕ ዑደታ ክትዛዝም እያ።