ሳዋ፡ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ!
ማእከል ኣካዳምያዊ፡ ሞያዊን ወተሃደራዊን ስልጠናታት ሳዋ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ “ሳዋ፡ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ መበል 25 ብሩራዊ እዮቤልዩ ክትጽንብል ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣስታት 500,000 መንእሰያት፡ ካብኦም ልዕሊ 100,000 ደቀንስትዮ፡ ካብ ኩሉ ክፋላትን ከባቢታትን ሃገር፡ በዚ ማእከል’ዚ ሓሊፎም፡ ወተሃደራዊ፡ ኣካዳሚያዊን ሞያዊን ስልጠናታት ቀሲሞም ምውጽኦም፡ ንኣበርክቶ ናይ’ዛ መዲና መንእሰያት ዝኾነት ሳዋ፡ ብመጠኑ ክገልጾ ይኽእል እዩ። ካብ ብዝሒ ንላዕሊ ግን፡ እቲ ረቂቕ ኣበርክቶ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዝያዳ ሚዛን ዝወሃቦ እዩ።
ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰያት ኤርትራ፡ ብሳዋ ምሕላፎም፡ ወተሃደራዊ፡ ወይ ኣካዳሚያውን ሞያዊን ስልጠና ጥራይ ኣይኮኑን ቀሲሞም። ዕላማ ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ብመሰረት ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቁጽሪ 82/1994፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ስልጠና ንላዕሊ ዝኸይድ ረቂቕ ፖለቲካዊን ልምዓታዊን፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ዕላማታት ዘለዎ’ዩ። ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ ዝተጠቕሰ ነጥቢታት ጸሚቚካ ክግለጽ ይከኣል ህላወን ቀጻልነትን ናጻን ልኡላዊነትን ሃገር ንምውሓስ ዘኽእል ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ድልድል ሓይሊ ምክልኻል ምቛም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ሰሪቱ ዝጸንሐ ኮነ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባራዊ ስራሕን መስዋእቲን ዝዀስኰሶ ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታትን ተሞኩሮን ዓቂብካ ንተረካቢ ወለዶ ምውራስ ኣብ መንእሰያት ሃገራዊ ሓድነትን ውህደትን ብምኹስኳስ ስልጠና ሃገራዊ ባህሊ ምዕንባብ ንህንጸት ሃገር ዝበቅዕ ፈታው ስራሕ፡ ፍልጠትን ሞያን ዝዓጠቐ፡ ብዲስፕሊን ዝተሃንጸ ሓድሽ ትውልዲ ምህናጽ እሞ’ኸ ሳዋ ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ምትግባር ክሳብ ክንደይ ተዓዊታ? ሳዋ ኣብ ህንጸት ሓይሊ ምክልኻል፡ ኣብ ምዂስኳስ ሃገራዊ ሓድነት፡ ኣብ ምስግጋር ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታትን ተሞኩሮን፡ ኣብ ምህናጽ ፍልጠት፡ ሞያ፡ ክእለትን ዲሲፕሊንን ዝነበራ ግደ ከመይ ይግምገም? እንተድኣ ኢልና፡ መልሱ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ ነቶም ብመዓስከር ሳዋ ዝሓለፉ መንእሰያት ፍሉጥ እዩ።
ሳዋ፡ መንእሰያት ኤርትራ ታሪኽ ሃገሮም ክፈልጡ፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓሚቚ መረዳእታ ክህልዎም፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን ክፋላትን ሕብረተሰብ ዝመጹ ደቂ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ንሓድሕዶም ክላለዩ፡ ካብቲ ዝዓበይሉ ከባቢ ወጺኦም ምስ ኩሉ ከባቢታትን ጸጋታትን ሃገር ክላለዩ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ እያ። እዚ ኩነት’ዚ ኣብ ምድልዳል ናይቲ ብሓባራዊ ቃልሲን መስዋእቲን ዝተነድቀ ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊ ስኒትን ኤርትራውያን ዝጻወቶ ዘሎ ግደ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።
መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ንሃገር ኮነ ነቶም በዚ መደብ’ዚ ዝሓለፉ መንእሰያት ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ፡ ሳዋ ድማ ዝተመስረተትሉ ዕላማ ብግብሪ ተዓዊታትሉ እያ፡ ኢልና ብድፍረት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ግዜ ወራር ወያነ፡ ልኡላውነት ሃገር ዝተኸላኸሉን፡ ነቲ ዝቐጸለ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታት ኣምኪኖም፡ ኣብዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ መድረኽ ብዓወት ክንበጽሕ ዘኽኣሉ፡ ብቐንዱ ሳዋ ዝመልመለቶም ተረከብቲ ናጽነት መንእሰያት እዮም። ኣብኡ ከይተሓጽሩ፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ጎድኒ ጎድኒ መኸተ ዝካየድ ዝነበረ መሰረታት ልምዓት ናይ ምንጻፍን ምውዳድን ዳግመ ህንጻዊ ስርሓት እውን፡ ውልቃዊ ረብሓ ድሕሪ ሃገር ብምስራዕ፡ ፍልጠቶም፡ ክእለቶምን ጉልበቶምን ብዘይግብዝና እናወፈዩ ብዙሕ ስርሓት ዝዓመሙን ገና እውን ዝዓሙ ዘለዉን ፍረ- ሳዋ እዮም። ኣብ ኩሉ ምምሕዳራዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት፡ ብዝተማህርዎ ዓውዲን ብዝቐሰምዎ ሞያን፡ ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉ እውን ንሳቶም እዮም።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ኣበርክቶ ሳዋ ብብዝሒ ዘሰልጠነቶም መንእሰያት ጥራይ ኣይኮነን ዝምዘን። እቲ ብዝያዳ ሚዛን ዝወሃቦ፡ እቲ ኣብ መንእሰያት ዘስረጸቶ፡ ንኹሉ ድሕረታት ዝሰገረ ሰፊሕን ምዕቡልን ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ እዚ ረቂቕ ሓይሊ’ዚ፡ መጠኑ ብኣሃዝ ዝልካዕ ኣይኮነን።
ከምዝፍለጥ፡ እቲ ዝዓበየ ጸጋ ናይ ሓደ ሃገር ሰብ እዩ። ካልእ ጸጋታት ድሕሪ ሰብ ዝስራዕ፡ ንሰብ ዘገልግል እዩ። ርግጽ እዩ ባህርያዊ ጸጋ ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰባት ዘበርክቶ ግደ ኣይከሓድን። ዕዮን ፍልጠትን ሰብ እንተዘይሓለፎ ግን፡ በይኑ ክገብሮ ዝኽእል ኣበርክቶ ድሩት’ዩ። ፍልጠት፡ ሞያን ዲሲፕሊንን ዘይዓጠቐ ሰብ፡ ግዝኣቱ መሬታዊን ባሕራዊን ጸጋታት እውን እንተመልኦ፡ ግዳይ ምዝመዛ ካልኦት ክኸውን እንተዘይኮይኑ፡ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ምዕባለ ከረጋግጽ ዘይሕሰብ እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ መርሓ ልምዓታዊ ስትራተጂ ገይሩ፡ ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ካብ ዘስፈሮም ዓበይቲ ዕላማታት ሓደ፡ ምርግጋጽ ወሳኒ ግደ ሰብ ዝኾነሉ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ። ካብዚ ሃገራዊ ዕላማ’ዚ ብምብጋስ ድማ እዩ፡ ንሃነጽቲ ሃገር መንእሰያት ብኣእምሮን ኣካልን ናይ ምዂስኳስ ሓላፍነት ተሰኪሙ፡ ኩሎም ቆልዑን መንእሰያትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽቡ፡ ኣብ ህንጸት ኣብያተ ትምህርቲ ኮነ ኣብ ምቕራብ መማህራንን መሳለጥያ ትምህርቲን ገዚፍ ወጻኢታት እናገበረ፡ ኣካዳሚያዊን ቴክኒካዊን ትምህርቲ ንምስፋሕን፡ ብዓይነቱ ብሉጽ ኮይኑ፡ ብሉጽ ሰብ ንኸፍሪ ብልዑል ጸዓት ዝሰርሓሉ ዘሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ፡ ንዝዓበየ ዕላማ ኩሎም መንእሰያት ኣብ እዋን ብጽሕናኦም ብመዓስከር ሳዋ ሓሊፎም፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኣመለኻኽታኦም ከምዝሰፍሕ፡ ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ተሃኒጾም፡ ኩለንተናዊ ብቕዓት ኣጥርዮም፡ ናይ ብሓቂ ብቑዓት ተረከብቲ ሃገር ክኾኑ ብቐጻሊን ብትግሃትን ክስርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን።
ትጽቢታዊ ውጽኢት ናይዚ ወፍሪ’ዚ፡ መንእሰይ ወለዶ፡ ነብሱ ክኢሉ፡ ፍልጠት፡ ሞያን ዲሲፕሊንን ዓጢቑ፡ መጻኢኡ ብብቕዓት እናቐለሰ፡ ብስርሑን ፍልጠቱን ምዕብልቲ ሃገር ሃኒጹ፡ ማዕረ ዓለሙ ተሰሪዑ፡ ስልጡን ህይወት ንኽመርሕ እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ፍልጠት ዝጸገበ፡ ኩሉ ዓይነት ሞያታት ዝመልኽ፡ ሓጺናዊ ዲሲፕሊን ዘለዎ ሰብ ጥራይ’ዩ፡ ኩለንተናዊ ዕብየት ሃገር ብቕኑዕ መኣዝንን ብልዑል ቅልጣፈን ኬሳልጥ ዝኽእል።
ነዚ ዝተጠቕሰ ሃገራዊ ራእይ’ዚ ኬስምር ኣብ 1994 ዝቘመ ማእከል ስልጠናታት ሳዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን መንእሰያት ክምልምል ምኽኣሉ ብቐሊሉ ዝርአ መኽሰብ ኣይኮነን። እዚ ብቑዓት ዜጋታት ንምምልማል ኪካየድ ዝጸንሐ ሓያል ጻዕሪ፡ ንኤርትራ ኣደ ብሱላት፡ ኣስፊሖም ዝጥምቱ፡ ዲሲፕሊን ዘለዎም፡ ጻዕረኛታትን ሞያውያንን መንእሰያት ክትከውን ኣብቂዕዋ እዩ። ብዘይ ምግናን፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይሃሉ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ወጻኢ ሃገር ይኺድ፡ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ምስዝርከቡ ናይዚ ዘመን’ዚ መንእሰያት ክነጻጸር እንከሎ፡ ፍሉይነት ኣለዎ። ፍሉይነቱ ድማ፡ ብሉጽ ክብርታት ሕብረተሰቡ ዝወረሰ፡ ንኹሉ ድሕረታትን ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታትን ዝሰገረ፡ ሞያን ክእለትን፡ ናይ ስራሕን ምዕባለን ወኒ ዘለዎ መንእሰይ ምዃኑ እዩ። ዝርጋን መንእሰያት ንብዙሓት ሕብረተሰባት ኣሻቓሊ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ዘመን፡ ኤርትራ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንቑሓት፡ ሓያል ባህጊ ስራሕን ዲሲፕሊንን ዘለዎም መንእሰያት ከተፍሪ ምብቅዓ ብሓቂ ዓቢ ጸጋ እዩ።
ቀንዲ ምስጢር ምዕባለን ብልጽግናን፡ ንዓቕምኻ ብዕጽፍታት ዘራብሕ ሞያን ዲሲፕሊንን ምውናን ካብ ኮነ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ሳዋን ካልኦት ማእከላት ስልጠናን ብዝቐስሞ ዘሎ፡ ኣካዳምያዊ፡ ሞያዊን ወተሃደራዊን ስልጠናታት፡ ነቲ ቀንዲ መርሖ ምዕባለን ብልጽግናን ክጭብጦ በቒዑ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና። ሞጎስ ነቲ ወናኒ ብሉጽ ክብርታት፡ ሓበን ስድራቤቱ፡ ህዝቡን ሃገሩን ስልጡን ኤርትራዊ መንእሰይ! ምስጋና ነዚ ክብርታት’ዚ ኣብ ምኹስኳስ ንእትርከብ ማእከል ስልጠና መንእሰያት ሳዋ!
ሳዋ፡ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ!