ምዅላዕ ክብርታት ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ መንነት
መግለጺ መንነትናን ባህሊ ጀጋኑናን፡ ፍቕሪ ሃገር’ዩ። ቅድሚ ውልቃውነት፡ ረብሓ ሃገርን ህዝቢን ዘቐድም፡ ስስዐን ርእሰ ፍትወትን ዘይብሉ ንጹህ ፍቕሪ። ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ባርነት ደርብዩ ሰብኣዊ ክብረቱ ክጓናጸፍ ዝኸኣለ፡ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ዘለዎም ኣእላፍ ጀጋኑ ከፍሪ ስለ ዝኸኣለ እዩ። ድሕሪኡ፡ ፍቕሪ ስራሕን ትምህርቲን መሃዝነትን፣ ፍትወት ሓቂ፡ ፍትሒን ማዕርነትን፣ ምዂስኳስ ሃገራዊ ስኒት፣ ኣኽብሮት ሰብ፣ ርእሰ-ምትእምማን፣ ከምኒ በዓል ኒሕ፡ ሓቦ፡ ቈራጽነት፡ ትብዓት፡ ትግሃት፡ ተበላሓትነት፡ ስኒ ምንካስ፡ ምጽማም፡ እምነት፡ ዘይናትካ ዘይምድላይ፡ ካብ ነውርታት እዱብ ምዃን ወዘተ. ዝኣመሰሉ ባህርያት ድማ መሳርሒ ወይ መሐየሊ ክብርታት እዮም።

ነፍሲወከፍ ሕብረተሰብ ዝልለየሉ ናይ ባዕሉ ክብርታት ኣለዎ። ስለዚ ክብርታት መለለዪ ሕብረተሰባት ኮይኖም ዘገልግሉ እንተ ኾይኖም፡ ንመንነት ዘቕሙ ቀንዲ ባእታታት’ዮም ክንብል ንኽእል።ሃገራዊ መንነት ዝሕይል መንነት(ታሴራ) ወይ ፓስፖርት ስለ ዝሓዝካ ኣይኮነን። ሃገራዊ መንነት ዝሕይል ምስልኻ ዝውክሉን ሓድሕድ ዘተኣሳስሩኻን ናይ ሓባር ክብርታት ምስ ዝሕይሉን ዝዅልዑን እዩ።ህላወኻ፡ ምንባርካ፡ ቀጻልነትካ ትርጉም ዝህልዎ፡ ምስ ቀረብትኻ፡ ኣዕሩኽትኻ፡ ጎረቤትካ፡ እንዳኻ፡ ዓድኻ፡ ጎደቦኻ፡ ወዘተ. ዘራኽበካ ተመሳሳልነት ዘለዎ ባህርያት ምስ ዝህሉ እዩ።እዚ ክብርታት ኢልና ንጠቕሶ ባህርያት ምስ ዝዅላዕ ድማ ተላቢስካዮ ዘለኻ መንነት ከም ሓደ ኣካል ናይ ሓደ ጉጅለ ንበሎ፡ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ዝያዳ ዝተረረ ይኸውን።ኤርትራዊ መንነት ሒዝካ ምስልኻን ባህርያትካን ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ዘይትረኽቦ እንተ ዄንካ ወይ ድማ ውልቃዊ ባህርያትካ ወይ ጠባይካ ምስ’ቲ ዝዓበየ ሕብረተሰብ ዝጋጮ እንተ ኾይኑ ኤርትራዊ መንነት ተላቢሰ ኣለኹ ንምባል የጸግም እዩ።
ናይ ወረቐት መንነትን ናይ ባህርያት መንነትን በበይኖም እዮም። ስለዚ ከም ኤርትራውያን ናይ ሓባር መንነትና ዝያዳ እናደመቐ ክኸይድ እንተ ኾይኑ፡ ነቶም ሰማእታትና ዘወረሱና መበቈል መንነትና ዝዀኑ ናይ ሓባር ባህልን ክብርታትን ህዝባዊ ግንባር ብቐጻሊ ክንኵልዖምን ከነሐይሎምን ኣለና።