መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 80 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ክብርቲ ፕረዚደንት መበል 80 ባይቶ ሕ.ሃ ክቡር ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ክቡራን መራሕቲ ልኡኻት ክብርቲ ፕረዚደንት. . .ዮሃና
ኣብ መበል 79 መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ፡ ከም መእተዊ ድሕረ-ባይታ፡ 100 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ድሕሪ 1ይ ዓለማዊ ኲናት – ሰላምን ዕብየትን ራህዋን ደቂ-ሰብ ንምውሓስ ተፈቲኑ ዘይተዓወተ ናይ ማሕበር ሃገራት ዓለም (League of Nations) ምቛም፣ ምምስራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ኣብ 1945፣ ክሳብ ምኽታም ዝሑል ኲናት ዝባኸነ ዕድል፣ ከምኡ’ውን ናይ’ዚ ቀረባ ኣስታት 30 ዓመታት ዓንዳሪን ሓደገኛን “እንኮ ቐጽራዊ” ህቀናታት ንመዘኻኸሪ ጠቒሰ ነይረ።
ማሕበር ሃገራት ዓለም (League of Nations)ን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)ን፡ ናብ ዒላማ መብጽሒ መዋቕር እምበር፡ ንርእሱ ሸቶ ኣይኰነን።
ደቂ-ሰብ ካብ ዝበለየ ዓለማዊ ስርዓታት ናብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ኪሰጋገሩ ሃንቀው ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ መዋእል፡ ኪለዓልን ኪጽናዕን ዘለዎ ጉዳያት ከኣ፡ ወጻኢ ካብ ጎናዊ ስነ-ሓሳባዊ ቊርቊስ፡ ነቶም መሰረታውያን ሕቶታት ብውድዓውነት ዝምልስ ኪኸውን ይግባእ።
ካብ ጥንቲ፡ ካብ ፍልማዊ ስርዓታት ደቂ-ሰብ ጀሚርካ፡ ኣብ ዘመነ ባርነትን መግዛእትን፣ ክሳብ’ዚ “ምዕቡል” መበል 21 ዘመን፡ እቲ ቀዳማይ ብድሆ ሰባት/ህዝብታት፡ ቁጠባዊ በደል’ዩ። እቲ ብድሆ፡ ሃብቲ ምፍጣርን ምኽዕባትን ብዓቢኡ፣ ብልክዕነት ከኣ ምቕርሐ ሃብትን እቶትን’ዩ።
ዝነበረን ህልውን ዓለማዊ ስርዓታት፡ ኣብ ምግባትን ዝምታን ዓሎቕን ዝተሰረተ’ዩ። ዕብለላን ንዕብለላ ዝቕየስ ፖሊስታትን፣ ዝፍጠር ሓይልን ዝውሰድ መጥቃዕቲታትን፡ ሜላ ንምግባትን ዝምታን ጥራይ’ዩ። ዝተፈላለየ “ቁጠባውን” ማላውን መዋቕራት’ውን፡ መጋበርያ ንምግባትን ዝምታን’ዩ። “ክሊ ጽልዋ” ንምዕባይ ዝቕየሱ ፖሊሲታትን ዝውጠኑ ስርሒታትን፡ ሜላ ንምግባትን ዝምታን’ዮም። ዝተራቐቐ ብልሽውና፡ ብልሓት ንዝምታ’ዩ።
ኲናታት፡ ግጭታትን ቅልውላዋትን ዝውልዑን ዝሳወሩን፡ ንዕብለላን ዝምታን’ዩ። መናፍሓት ፕሮፓጋንዳን ምትላልን’ውን ንተመሳሰልቲ ዕላማታት። ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብ’ዚ ዝምታን ዕብለላን ዓሎቕን ታህዲድን ጭፍለቓን ዝባህርያቱ ዓለማዊ ስርዓት፡ ሓድሽ ናይ ፍትሒን ርትዒን “ዓለማዊ ስርዓት” ምምጻእ፡ ብኸመይ? ኣብ ዓለም – ኣብ ነንበይኑ ከባቢታት፡ ኣብ’ቲ ኢንዱስትሪያዊን ምዕቡልን ዝበሃል ከባቢታት ከይተረፈ፡ ብሰፋሕቲ ህዝባዊ ኣድማታት ዝካየድ ተቓውሞታት ንቑጠባዊ ኩነታት ኰነ፡ ኣብ’ተን መንግስታት ዝኸብድ ዘሎ ዕዳታት፡ ጫፍ ናይ’ቲ ስእሊ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ግን፡ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት፣ ካብኡ-ናብኡ ኣብታ ኣዝያ ዝተዋሰነት ኣፍሪቃ ዘሎ ቁጠባዊ ኩነት’ዩ።
ጉዳይ-ብጉዳይ ዝርዝራቱ ኪርአ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ዝበዝሐ ቁጠባታት ኣፍሪቃ ፍልማዊ’ዩ። ጥረ-ንዋት ናብ “ምዕቡል” ዝበሃል ቁጠባታት ብስማዊ ዋጋታት ዝሰድድ፣ ዝተመስርሐ/ዝተወድአ ምህርቲ ብኣዝዩ ዝዘቕበበ ዋጋታት ዝሽምት፣ ከቢድ ናይ ሽቕለት ዕድላት ዝኸስር፣ ጉልበት-ሰቡን ዝርካቡ ቁንጣሮ ሞያውን ክኢላውን ዓቕምታቱን ብፍልሰት ዝጽንቀቕ፣ ተለቂሑ ዘባኽን ስርዓታት፣ ብዕዳ ተለጢጡ ዝወራዘ፣ ብብልሽውና ዝተመረዘ ወኪል ዕብለላ፣ ብዘቤታዊ ምትፍናንን ቅልውላዋትን ርግኣት ዝሰኣነ፣ ብናህሪ ዝዓቢ ብዝሒ ህዝብታት፣ በዳሂ ሓደጋታት ዝጽበዮ ኣዝዩ ኣሰካፊ ሲናርዮ’ዩ። ናይ ደቂ-ሰብ ተልእኾ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓድሽ ዘመን፡ ስለምንታይ ኣይተዓወተን? እቲ ተልእኾ፡ ሓድሽ ዝተራቐቐ ምህዞ ወይ ስነ-ሓሳባዊ ፍልስፍና የብሉን። ደቂ-ሰብ፡ ኣብ መዋእል ባርነትን መግዛእትን ዝመከቱሎም ክብሪታት ናይ’ቲ ተልእኾ፡ ኣብ “ሓድሽ” ዝበሃል መበል 20 ዘመን’ውን ኣይተቐየሩን።
ሃንቀውታ ደቂሰብ
1. ቁጠባዊ ጸጋታቶምን ምህርቲ ስርሖምን ብርትዒ ወኒኖም፡ ሃብቲ እና’ኻዕበቱ ኣብ ዘላቒ ናይ ወለዶታት ዕብየትን ራህዋን ኪጐዓዙ፣
2. ራህዋን ዕብየትን ንምውሓስ፡ ሰላምን ርግኣትን ምንጋስ፣
3. ሰላምን ርግኣትን ንምንጋስ ከኣ፡ ርትዒን ፍትሒን ምርግጋጽ፣
4. ዝሰፍሐ – ዞባዊ ኰነ ዓለማዊ – ሰላምን ምርግጋእን ሓባራዊ ዕብየትን ንምድራዕ ከኣ፡ ሓድሓድ ምክብባርን ምምልላእን ጥምረትን፣
5. ነዞም መባእታውያን መትከላት ሃንቀውታ ደቂ-ሰብ ዝእዝዝ ሕጋዊ ፈጽሚን ቅርጽን ምትካል’ዩ። ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ሃንቀውታ ደቂሰብ/ህዝቢታት ዛጊት ኣይጨበጥ’ምበር፡ ተልእኾ ደቂ-ሰብ ዝዳጐን ወይ ዝውንዘፍ ኣይኰነን።
ሸቶታት ስለዘይተጨበጡ፡ ኒሕን መኸተን ዝሓየለ’ዩ ኪኸውን ዘለዎ። ናይ ዓለም ህዝቢታት፡ ኣብ ኩለን ክፍለ-ዓለማት፡ ነቶም ናይ ሓባር ክብሪታት ከዐውቱ፣ ሰፊሕ ምሕዝነት መስሪቶም፡ ናይ ቃልሲ ውጥናቶም እናኸለሱን እናራቐቑን ኣንጻር ዕብለላን ወራርን ዝምታን መኪቶም ምእንቲ ኪዕወቱ፡ መሳርዖምን ውዳበኦምን ከወርጽጹ መድረኻዊ ግድነት’ዩ። ካብኡ-ናብኡ፡ ህዝቢታት ኣፍሪቃ ምስ ፍሉይነት ብድሆታቶም፡ ብዝሓየለ ጉልበት ኣብ’ቲ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ናይ ምንዳቕ ተልእኾ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ምሕዝነት እጃሞም ምእንቲ ከበርክቱ፡ ዝሓየለ ኣሊያ ከዋቕሩ ግቡእ’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብ’ዚ መበል 80 መጋባእያ፡ ንርኡያት ድኻማት ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለየ ኣካላቱን፣ ምስ ኪውሰዱ ዝግብኦም ኣረምቲ ስጉምቲታት ኣስፊሐ ከቕርብ ዝሓዝክዎ ኣርእስቲ፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ወገናት ሓድሽ ስርዓት ንምብግጋስ ዝውሰዱ ዘለዉ ተበግሶታት ዝምልከት ኣርእስቲ፡ ግዜ ንምቚጣብ ኣጽኒሐዮ ከምዘለኹ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።
የቐንየለይ!