መበቈል መንነትና መርሓና
“ባህርያውን ንዋታዊን ቴክኖሎጂያዊን ፊናንስያዊን ካልእን ጸጋታት፡ ኣገዳሲ ተደላዪታት ልምዓት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ጸጋ ሰብ እዩ። ጸጋ-ሰብ ብዓይነት ሰብ፡ ሞያዊ ክእለትን ተሞኩሮን፡። ዓይነታዊን ሞያን ክእለትን ተሞኩሮን ግን፡ ዝዀነ ኣሃዝ ወይ ፍቕዲ ይሃልዎ፡ ኣራባሒ ረቛሒ ክህልዎ የድሊ። ተወፋይነት ዝሕመረቱ፡ ስስዐን ርእሰ ፍትወትን ወጊድ ዝበለ፡ ዘይሕለልን ተበላሓቲን ጸዓተኛ፡ ብጽፈት ዝተወደበ ጸጋ-ሰብ። ኬድና ኬድና ናብ መበቈል መንነትና ክንምለስ ኣሎና ማለት እዩ። መበቆል መንነትና ሰማእታትና ዘውረሱና ክብርታትን ባህልን።” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 20 ሰነ 2019 ኤርትራውያን፡ ብኩምራ ብድሆታት ከይተሰነፍና፡ ንሰለስተ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕለና ዝተጻዕነ፡ ውዲትን ተጻብኦን ዓበይቲ ሓይልታት ፈንጢስና ተዓዊትና ክንወጽእን ናብዚ ሓድሽ መድረኽ ክንበጽሕን፡ ኣምበይ ምበቕዐናን – ንኡ ዘብቅዕ ክብርታትን መንነትን እንተዘይህልወና። ብቐጻሊ ቅልውላዋት ኣብ ዝሕመስ ዘሎ ዞባ፡ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ውህደትን ዘለዎ ህዝቢን ሃገርን ክንከውን ዝበቓዕና’ውን ብቐንዱ ውጽኢት ናይዚ ክብርታትን መንነትን’ዚ እዩ።
እዚ ክብርታት’ዚን ኣብኡ ዝሰረተ መንነትን፡ ፍሉይ ትዕድልትና ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ኣብ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ከቢድ ዋጋን ከፊልና ዝፈጠርናዮ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ ካብ መደረታቱ ከምዘገለጾ፡ “ባህሊ ኣብ ዝተወሳሰበ ስርዓተ ክብርታት (Value System) ዝንደቕ እዩ። ስርዓተ ክብርታት ከኣ፡ ኣብ ሓደ ህሞት ወይ እዋን፡ ብሃንደበት ወይ ብዕድል ዝፍጠር ዘይኮነ፡ ግዜ ኣብ ዝወስድ ከቢድ በዳሂ መስርሕ ዝውህለልን ዝዕቀብን ዝወራረስን እዩ።”
ሕብረተሰብ ህላወኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምዕባለኡ እውን ኣብ ክብርታቱ’ዩ ዝምርኰስ። ባህጊ ምዕባለን ስልጣነን ኬሰምር ንስልጣነ ዝበቅዕ ክብርታት ክህልዎ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ክብርታት፡ ጥሙር ራእይ ኣብ ምፍጣር፡ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ሓባራዊ ዕላማን ምዕቡል ኣተሓሳስባን ኣብ ምህናጽ፡ ዓያይነትን መሃዝነትን ኣብ ምድራኽ፡ ካብ ኩሎም ጸጋታት ንላዕሊ ዝዓበየ ግደ ዝጻወቱ ምዃኖም ናትናን ናይ ካልኦትን ታሪኽ ምስክር እዩ።
ኤርትራውያን፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ኲናትን ተጻብኦን መዋእላት፡ ናብ ካልእ ዝተፈልየ ምዕራፍ ንሰጋገር ኣለና። እዚ ሓድሽ መድረኽ ክህልዎ ዝኽእል ብድሆታት ከም ናይ ትማሊ ብዓወት ክንሰግሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓቚርዎ ዘሎ ዕድላት ብኣድማዕነት ክንጥቀመሉ ኣብ እንሕተተሉ እዋን ኢና ዘለና። ነዚ ብኸመይ ክንፍጽሞ ንኽእል? በየናይ ጸጋታትን ዓቕሚን? መድረኻዊ ሕቶ እዩ።
ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ናይ 20 ሰነ 2019 መደረኡ ዘዘኻኸሮ፡ ነዚ ክገብር ዝኽእል ሕጂ’ውን ሰብን ክብርታቱን እዩ። ርግጽ’ዩ ካልኦት ጸጋታት እውን ተደለይቲ እዮም። ከይዱ ከይዱ ግን እቲ ዝድለ ዓይነታዊ ሰብ’ዩ። ስለዚ ድማ ኢና፡ ነቲ ብኣዝዩ ድሩት ጸጋታት፡ ተኣምር ዝሰርሐ፡ መበቈል መንነትና ዝኾነ፡ ታሪኽ ባህልን ክብርታትን ተመሊስና ክንውከስን ናብ መበቆል መንነትና ክንምለስን ዘድልየና።
“ናብ መበቆል መንነትና ክንምለስ” ክበሃል እንከሎ፡ ‘ደርቢናዮ ጸኒሕና’ ማለት ኣይኮነን። እቲ ክብርታት ምሳና ዘሎ እዩ። ንሱ’ዩ ናብዚ መድረኽ’ዚ ኣብጺሑና። ናብ መበቆል መንነትና ምምላስ ማለት እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ባህልን ክብርታትን ዝያዳ ምሕሳኑ፡ ዳግም ምኹልዑ፡ ምጥንኻሩን ናብ ተረከብቲ ወለዶታት ምስግጋሩን ማለት እዩ። ኣብ ቅድመና ንዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ክንበቕዖ፡ ነዚ ክብርታትን መንነትን’ዚ ዝወረሱ እልፊ ኣእላፍ ጀጋኑ ናይ ምፍራይ ብቕዓት ክህልወና የድሊ። ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ስነምግባር ወዘተ.
እቲ መበቈል መንነትና እንብሎ ወትሩ ክንውከሶ ዝግባእ ባህልን ክብርታትን ግን ብርግጽ እንታይ’ዩ?
ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ መግለጺ መንነትናን ባህሊ ጀጋኑናን፡ ፍቕሪ ሃገር’ዩ። ቅድሚ ውልቃውነት፡ ረብሓ ሃገርን ህዝቢን ዘቐድም፡ ስስዐን ርእሰ ፍትወትን ዘይብሉ ንጹህ ፍቕሪ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ባርነት ደርብዩ ሰብኣዊ ክብረቱ ክጓናጸፍ ዝኸኣለ፡ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ዘለዎም ኣእላፍ ጀጋኑ ከፍሪ ስለዝኸኣለ እዩ። ፍቕሪ ሃገር፡ ኣብ ቤት ነፍሲ ወከፍና ዝርከብ ዘሐብን ውርሻ ሰማእታትና’ዩ። ነዚ ክብሪ’ዚ ምዕቃብን ናብ ተካእቲ ወለዶታት ምስግጋርን ከኣ፡ ብቐዳምነት ናይታ ቆልዑ ኰስኲሳ እተዕቢ ስድራቤት ረዚን ሓላፍነት እዩ። ድሕሪ ስድራቤት፡ ነዚ ሓላፍነት እትስከም ቤት ትምህርቲ እያ። ድሕሪ ቤት ትምህርቲ ከኣ፡ ኣብያተ ስራሕን ትካላትን ሃገር። በዚ ጸጋ’ዚ ክብጻሕን ክግበርን ዘይክኣል ነገር ስለዘየለ፡ ኩሎም ትካላት ሕብረተሰብን መንግስቲን፡ እዚ ጸጋ’ዚ ክብታኡ ከይንኪ ወትሩ ልዑል ኣቓልቦ ሂቦም ክሰርሕሉ ዝግባእ እዩ። ብኸመይ?
“ሕማቕ ሓጺንን ሕማቕ ሰብን የልቦን” ፍሉጥ ጭርሖ ጅጋኑና እዩ ነይሩ። ሰብ ምዂስኳስ፡ ንንኣሽቱን ተካእቲን ምትብባዕ፡ ሞራል ምሃብ፡ ኣብነት ኴንካ ምምራሕን ምስትምሃርን፡ ፍልጠትካን ክእለትካን ምስግጋር፡ ፍቕሪ ሃገር እናተወራረሰ ከምዝኸይድ ዝገብር፡ እቲ ዝዓበየ ረቛሒ’ዩ። ዝሓለፈ በዳሂ ግዜ ዝሰገረ፡ በዚ መገዲ’ዚ ዝተዀስኰሰ ውፉይ ሰብ እዩ። ጉዕዞ ስልጡናት ዝበሃሉ ሕብረተሰባት እንተተወከስና እውን፡ ብድሕሪ’ቲ ኩሉ ኣደናቒ ገስጋሰ ዘሎ፡ ጸጋ ሰብ ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ውሱን ባህርያዊ ሃብቲ ከለወን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ዝበጽሓ ሃገራት ናይዚ ኣብነት እየን።
ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ፡ ሰብ ናይ ምኹስኳስ ባህሊ ሰማእታትና ወሪስና፡ ዝያዳ ኹሉ ብዕድመ ንዝንኣሱ ተረከብቲ ሃገር ዜጋታት እናሓብሓብና ተሞኩሮና እናቕሰምና፣ ዝያዳና ንኽምዕብሉን ንኽውንጨፉን ክንድርኾም የድሊ። መንቲግ ብመጠን ምጉባጡ እዩ ቀስቲ ኣርሒቑ ዝውርውር። ሕብረተሰብ ድማ ብመጠን’ቲ ንንኣሽቱ ኣባላቱ ኣብ ምዂስኳስን ምትብባዕን ዝደኸሞ እዩ ምዕባለኡ ዝውንጨፍ።
ሰማእታትና፡ ንኹሉ ከፋፋሊ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታትን ተግባራትን ወጊድ ኢሎም፡ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ሓደ ዕላማ ኣስሚሮም፡ ንማሕበራዊ ስኒትን ጥምረትን ብምሉእ ዓቕሞም ስለዝሰርሑ እዮም ናጻ ሃገር ከረክቡና በቒዖም። ስእነት ሃገራዊ ስኒት ክሳብ ክንደይ ዕንወት ምዃኑ ድማ፡ ተሞኩሮ ብዙሓት ህዝብታት ክነግረና ይኽእል እዩ። ስለዚ ንሓድነት ዘዳኽሙ ዝምባለታትን ኣተሓሳስባታትን ወጊድ ኢልካ፡ ኩሉ መልክዓት ኣድልዎ ብምንጻግ፡ ሃገራዊ ስኒት ወትሩ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎ ዘለና ባህሊ ሰማእታትናን መበቆል መንነትናን እዩ።
ፍትሒ ጠማሪ ሕብረተሰብ እዩ። ፍትሒን ማዕርነትን ምስዝጥሓስ፡ ጥምረት ይዘልቕ እዩ። ኣብቲ መበቆል መንነትና ዝኾነ ባህሊ ሰማእታትና፡ ሓላፍነት ዝስከም ዜጋ፡ ኣገልጋሊ ፍትሒን ሓቂን ማዕርነትን እዩ። ፍትሒን ማዕርነትን ድም እዩ፡ እምነት ተቓላሳይ ሰብ ኣሐይሉ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ልዕሊ ነብሱ ከምዘፍቅር ዝግበር። ፍትሒ እንተዘየልዩ፡ ምርግጋእ ይኹን ብልጽግና ፍጹም ክሕሰብ ዘይክእል ምዃኑ ብምግንዛብ ከኣ፡ ጾር ውጽዓት ዘቃልል፡ ንዓታቶም ዝዓበየ ዕድል ዝህብ፡ ንጽጉማት ዝሕግዝ፣ ውልቃውነት፡ ነብሰይ ይጥዓመኒ፡ ብልሽውናን ግዕዝይናን ዘይቅበል ኣከይዳና ዓቂብና ክንቅጽል የድሊ።
ፍቕሪ ስራሕን ትምህርቲን መሃዝነትን፡ ሰማእታትና ዝወረሱና ካልእ ብሉጽ ክብሪ’ዩ። ትምህርቲ ብቕዓትካ ኣሐይሉ ዓቕምኻ ብዕጽፊታት ኣራቢሑ፡ ኣድማዕነትካ ዘሐይል ብምዃኑ ድማ፡ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ፡ ኣብ ትምህርቲን ምምዕባል ክእለትን ዝዓበየ ኣቓልቦ ክንገብር የድልየና። ካብ ብቓላት ብስራሕን ግብራዊ ውጽኢትን ምዝራብ ክንፈቱ ኣለና። ንስራሕ ዝተዓደለ ኣእምሮ ብዘይካ ክገብር’የ ምባልን ብሉጽ ሕልምታት ምሕላምን ካልእ ስለዘይሓስብ ከኣ፡ ኣብ ሃለውለውን ቤላ-ቤለውን ዝጠፍእ ግዜ ኣይህልወናን። ሰማእታትና ሳላ’ዚ ብሉጽ ባህሊ’ዚ፡ ብሰንፈላል ዝሓልፍ ግዜ ኣይነበሮምን። ከምኡ ስለዝነበሩ እዮም፡ ኣብታ ሓጺር ዕምሮም፡ ብዙሕ ዓሚሞም፡ ብዙሕ ኣፍርዮም፡ ነባሪ ሓወልቲ ተኺሎም። እዚ ባህሊ’ዚ ሎሚ ዝያዳ ኹሉ ዝጥለብ እዩ።
ብኣተሓሳስባ ይኹን ብግብሪ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምትእምማን ካልእ ዝወረስናዮ ኣገዳሲ ክብሪ እዩ። ኣብ ፖለቲካ፡ ካብ ዝኾነ ትንታነታትን ፍልስፍናታትን ንላዕሊ ንሃገራዊ ዕላማ ምቕዳም፡ ኣብ ቁጠባ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምታትካ ምምርኳስን ንዕኡ ምምዕባልን፡ ኣብ ባህሊ ንገዛእ ባህላዊ ውርሻታትካ ምድንቕ፡ ዘሐብን ክብርና እዩ። ካብ ካልእ ድሕነትን መዋጽኦን ከይተጸበና፡ ጸገማትና ብጻዕርናን መሃዝነትናን እናፈታሕና ክሳብ ኣብዚ ዝመረሽና በዚ ባህሊ’ዚ ኢና። እዚ ክቡር ውርሻ’ዚ፡ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ እውን ቀንዲ ተደላዪ እዩ። ናይ ወጻኢ ወፍሪን ደገፍን ዘድልየና እውን እንተኾነ፡ ብቐዳምነት ኣብ ክእለትናን ክኢላታትናን ክንተኣማመን፡ ክእለት ዜጋታትና ንምምዕባል ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ፡ ንስርሖምን ኣበርክቶኦምን ከነድንቕን ከነተባብዕን የድሊ።