ሓተታ – ትኩርነት፡ ክሳብ ስግኣትና ዝቕንጠጥ!
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020፡ ብደረጃ ዓለም መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣሰንባዲ ክስተት እዩ ነይሩ። በቲ ዝተፈጥረ ስግኣት ድማ፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ደረጃን ዕምቈትን ዝተወስደ ስጉምቲታትን ዝጽንዓሉ ናይ ትግባሬ ግዜን ወሳኒ ፍልልያት ይንበሮ’ምበር፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ማህሰይቱ ብዘየገድስ፡ ነቲ ለበዳ ንምቑጻይ ብዝተኻእለ መጠን ጻዕርታት ክገብራ ጸኒሐን ኣለዋ።
ይኹን’ምበር እተወስዱ ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት ውህደትን ስጥመትን ዝጎደሎም ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ምስ ካልእ ዛጊት ብምልኣት ዘይተፈልጠ ባህርያት ናይቲ ለበዳ፡ እቲ ሕማም ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ፡ ብልዑል ፍጥነት ካብ ምልባዕ ክዕገት ኣይተኻእለን። ሎሚ ብደረጃ ዓለም እቲ መልከፍቲ ልዕሊ 75 ሚልዮን በጺሑ፡ ህይወት 1.67 ሚልዮን ሰባት ቐዚፉ ኣሎ። በዚ ድማ፡ ኮቪድ-19 ናይ ምልባዕ ቅልጣፈኡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ቫይረሳት ብምንጽጻር ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ። ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ጥራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ፡ 17.8 ሚልዮን ሰባት ምልካፉን ህይወት 318,000 ሰባት ምቕዛፉን ንሓደገኛነቱ ኣጉሊሑ ዘርኢ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብማዕከናት ዜና ከም እተቓልሐ፡ ኮቪድ-19 ኣብ ኣመሪካ እቲ ቀዳማይ ቀታሊ ሕማም ኮይኑ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣመሪካ ይኹን፡ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን እስያን፡ ምናልባት ምስ ክረምታዊ ወቕቲን ካልኦት ብርግጽ ዘይተለለዩ ረቛሒታትን፡ ናይቲ ለብዒ ደግሲ ተኸሲቱ ብዝለዓለ ዝርግሐን ፍጥነትን መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ተኸሲቱ ኣሎ። ዳርጋ ኩለን’ዘን ሃገራት’ዚኣተን ከኣ፡ ኣብዚ ከም ንቡር ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሉ ናይ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ቅንያት፡ ናብ ኣዝዩ ጽኑዕ – ክሳብ ክልተ ሰሙናት ዝዝርጋሕ – ናይ ርገጣ ስርዓት ኣብ ምትእትታውን ምትግባርን ይርከባ።
እቲ ኣዝዩ ግዙፍ ፊናንሳዊ ወፍሪን ከቢድ ጻዕርን ዝፈሰሶ፡ ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ክኸይድ ዝጸንሐ ክታበት ናይ ምርካብ ፈተነታት፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ብኸፊል ውጽኢት ተረኺብዎ ከምዘሎ ንህዝቢ ዓለም ተስፋ ዘስንቐ ፍጻመ እዩ። እንተኾነ እዚ ርኽበት’ዚ እውን ምሉእ ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን። ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፥
- ኣብተን ክታበት ተጀሚሩለን ወይ ንምጅማር ዝሸባሸባ ዘለዋ ቀዳሞት ሃገራት፡ ንርዱእ ናይ ፍርያትን ሎጂስቲክስን መሰናኽላት፡ ናብ 70-80% ህዝበን ክሳብ ዝባጻሕ፡ ብውሑዱ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሓትት’ዩ። እዚ ደረጃ’ዚ ክሳብ ዘይተበጽሐ፡ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ቀጻሊ እዩ። ሰለዚ፡ ክታበት ብሰፊሑ ክሳብ ዝትግበር፡ ዜጋታት ኩሉ ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት ብንቕሓትን ዕቱብነትን ከተግብሩ እየን ዝምሕጸና ዘሎዋ።
- ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ክታበት ክተኣታተውሉ ትጽቢት ዝገበረሉ ግዜ፡ ብትስፍዉ ኣንፈቱ፡ ኣብ መጀመርያ ርባዕ ናይ 2022 እዩ። ስለዚ እቲ ሓደጋ ብምሉእ ክቕንጠጥ ግዜ ክሓትት እዩ።
እዚ ዓለማዊ ክስተት’ዚ ከም ድሕረ-ባይታ ብምውሳድ፡ ኩነታት ሃገርና ምስ እንምልከት፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ካብ ዝተራእየሉ ዕለት ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ቅጽበታዊን ዓማሚን ስጉምቲታት ብምውሳድ፣ ንጥፈታት መንግስታዊን ብሕታዊን ትካላት ዝድርት መምርሒታት ብምውጻእ፡ ብኣጋ ንምቑጻዩ ብዙሕ ጻዕርታት ኣካዪዱ እዩ። እቲ ዝተወስደ ስጉምቲታት ተጽዕኖኡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ፡ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ርክባት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይነበረን። ምስ ኩሉ ጸገማቱ ግና፡ ህዝቢ፡ መምርሒታት መንግስቲ ኣኽቢሩ፡ ብንቕሓት ክተሓባበር ብምጽንሑ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ትሑት ደረጃ ክተሓዝ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ዛጊት ናይ እተለኽፉ ዜጋታት ቁጽሪ ኣብ 741 ሰባት ጥራይ ምሕጻሩ፡ ካብዚኣቶም 572 ሕሙማት ምሕዋዮም፡ ካብ ሓደጋ ሞት ምድሓንና፡ ብዓለማዊ ይኹን ዞባዊ መዐቀኒታት፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዘሕብንን እፎይታ ዝህብን ፍጻመ እዩ።
እንተኾነ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዓለም ደረጃ ብዘሰክፍ ናህሪ ይጋልብ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጎረባብትና እውን – ብኡ መጠን ኣይኹን’ምበር – ምስፍሕፍሑ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ከኣ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ኣጥሪናዮ ዝነበርና ናይ ምክልኻል ባህርያትን ቅጥዒታትን፡ በብቕሩብ እናተባሕጎጐ፡ ሸለልትነንትን ምዝናይን ሳዕሪሩ፡ ዳርጋ ናብቲ ንቡር ኣካይዳ ክንምልስ ጺኒሕና ኣሎና። ሕጋጋት ኣካላዊን ማሕበራዊን ምፍንታት፡ ጽሬት፡ ምምካን እንጥቀመሎም ኣቚሑ፡ ኣብ ኣድላዪን ዝጥዕምን ኩነታት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምዝውታር እናተርስዑ ክኸዱ ጸኒሖም። ኣብቶም ክቡራትን ልሙዳትን ማሕበራዊን ባህላዊን ኣጋጣሚታት፡ ቀብሪ፡ ሓዘን፡ መርዓ ወዘተ. ዝጸንሐ ኣካዪዳ ድማ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጸ መምርሒታት እናተበረዘ ብምኻዱ፡ ናብቲ ናይ ንቡር እዋን ኣገባባት ይምለስ ኣሎ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ጉድለታትን ሃጓፋትን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሓደስቲ ኣዝዮም ዘሰክፉ ተርእዮታት ክቀላቐሉ ጀሚሮም ኣሎዉ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝመጹ ዜጋታት ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ሃገርና፡ ናብ ነበርቲ ክመሓላለፍ ይጅመር ከምዘሎ ዝእምቱ ረቛሒታት ይረኣዩ ኣሎዉ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ብሳላ ዕቱብ ኣተሓሕዛ መንግስትን ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብናን እተረኽበ መዘና ዘይብሉ ዓወት፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ጉዕዞና ከይኩለፍ፡ ነታ ተሪፋትና ዘላ ናይ መወዳእታ ኪሎሜተር፡ ንኹሎም ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጹ መምርሒታት ምክልኻል ብዝለዓለ ዕቱብነትን ጽንዓትን ከነተግብሮም የድሊ።
ትኩርነት ክሳብ ስግኣትና መሊኡ ዝቕንጠጥ!
ቀዳም 19 ታሕሳስ 2020