ሌላ ምስ መስርሕ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻ ጥቕምታቱ ንሕብረተሰብን ሃገራትን
ብፕሮጀክት ውርሻ ኣስመራ ዝተዳለወ ዓንቀጽ ኣብርሃም ዘርኣይ
መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ( Preparation of Nomination Dossier ) ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ፣ ዝእንፍቶ ጉዕዞ፣ ንህዝብታትን ሃገራትን ዘርብሕ ኮይኑ፣ ኣድላይነት ናይ’ዚ ዕማም፣ ኣብ ምዕቃብ ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ሃገራት ከኣ ገዚፍ ኢዩ። ኣድላይነት እዚ መስርሕን ረብሓታቱ ንህዝብታትን ሃገራትን ጠቀስ ገይሮም ዝሕተቱ ሕቶታት ሓያለ ብምዃኖም፣ መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ ናብ ዓለማዊ ውርሻ፣ ብመንጽር ንህዝብታትን ሃገራትን ዝህቦ ጥቕምታት ኣብ`ዚ ዓንቀጽ ቀሪቡ ኣሎ።
መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ፣ ብቐንዱ ኣብ መትከላት ኣህጉራዊ ውዕል ውርሻ ናይ 1972 ዝተሰረተ ኮይኑ፣ ኣባላት ው.ሕ.ሃ ዝኾና ነዚ ውዕል`ዚ ዝኸተማ ሃገራት፣ ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ባህርያውን ባህላውን ውርሻታተን ኣለልየን፣ ክሕብሐብሉን ክዕቀብሉን ዘኽእል ባይታ ዝፈጥራሉ መስርሕ ኢዩ። መስርሓት ምድላው ሰነድን፣ ምርቋሕ ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ባህላውን ባህርያውን ውርሻታት ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻን ሕመረት ኣህጉራዊ ውዕል ውርሻ ናይ 1972 ኮይኖም፣ ኣገደስቲ ሓላፍነት ነዚ ውዕል ዝፈረማ ሃገራት ከኣ ኢዮም። ክንድ ዝኾነ ነዚ ውዕል ዝፈረማ ሃገራት ሰነዳተን ናብ ዓለማዊ ኮሚተ ውርሻ ከቕርባ መሰል ይህልወን። እዚ ኮሚተ ነዞም ሰነዳት ግቡእ መስርሕ ምምያ ድሕሪ ምክያድ፣ ምስፋር ውርሻታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ዓለማዊ ውርሻ ይውስን። መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ እምበኣር፣ ሃገራት ውርሻታተን ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከላልያን ከቕርባን ዕድል ይህብ። በዚ መንጽር`ዚ፣ ንዕዉት መስርሕ ምስፋር ባህላውን ባህርያውን ጸጋታተን ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ክዉን ዝገብሩ መሰረታውያን ንጥፈታት ክስእላ ይድርኽ። መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝጠልቦም መሰረታውያን ንጥፈታት፣ ኣህጉራዊ ውዕል ውርሻ ናይ 1972 ዘስፈሮም ኣገደስቲ ናይ ስራሕ መትከላት(Operational Guidelines) ሰረት ገይሮም ይካየዱ። እዞም ኣማእዘንቲ መትከላት፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምስ ኩነታት ሃገራትን ጸጋታተንን ተዛሚዶም እናተኸለሱ ዝመጹ ኮይኖም፣ ምዕሩይ ኣገባብ ምስፋር ጸጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ክዉን ንምግባር ይእምቱ።
መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ፣ ሃገራት ብዘዳልውኦ ግዝያዊ መዝገብ(Tentaive List) ይፍልም። እዚ ኣፈናዊ መዝገብ፣ ሃገራት ኣብ ክሊ መግዛእታዊ ሓድነተን ዝርከቡ ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ከለልያ የኽእል። ግቡእ ናይ ምልላይ መስርሕ (inventory) ክገብራ ስለ ዝድርኽ ከኣ፣ ሃገራት ነዚ ግዝያዊ መዝገብ ከም ናይ ውጥን መሳርሒ ክጥቀማሉ ዕድል ይህብ። ዝተፈላለያ ሃገራት ዘዳልውኦ ግዝያዊ ሰነድ(Tentative List)፣ ኣብ መቓን ዝመጽእ 5-10 ዓመታት ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዘቕርብኦ/ም ባህላውን ባህርያውን ውርሻ/ታት ይሓቁፍ። በዚ መሰረት፣ እዚ ግዝያዊ ሰነድ ዝርዝር ኣብ መጻኢ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ክኣትዉ ዝኽእሉ ጸጋታት ሃገራት የጠቓልል።
ሃገራት ድሕሪ ምድላው ዝርዝር ዝተፈላለዩ ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ዝሓቁፍ ግዝያዊ ሰነድ፣ ካብ`ዚ ሰነድ ውሱናት ባህላዊ/ ባህርያዊ ጸጋ/ታት ብምምራጽ፣ እማመ ናብ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻ ዘብጽሕ ናይ ምርቋሕ ሰነድ የቕርባ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናብ ኮሚተ ዓለማዊ ውርሻ እተቕርቦ ናይ ምርቋሕ ሰነድ፣ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ናይ እታ ሃገር ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ እትሓርዮ ባህላዊ/ባህርያዊ ውርሻ ይሓቁፍ። ንኣብነት ሃገረ ኤርትራ፣ ንኣህጉራዊ ውዕል 1972 ኣብ 2001 ድሕሪ ምኽታማ፣ ንውርሻታት ከተማ ኣስመራ ኣብ 2005 ኣብ ግዝያዊ መዝገብ (Tentative List) ብምእታው፣ ኣብ የካቲት 1, 2016 ንውርሻታት ከተማ ኣስመራ ዝውክል ናይ ምርቋሕ ሰነድ ናብ ዓለማዊ ኮሚተ ውርሻ ኣቕሪባ።
መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ፣ ነዊሕ ጉዕዞ ኮይኑ፣ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት የጠቓልል። እዚ ናይ ምርቋሕ ሰነድ መሰረታውያን ባእታታት ናይ ስራሕ መትከላት(Operational Guidlines) ኣህጉራዊ ውዕል 1972 ኣጣሚሩ ዝዳለው ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ’ዚ ሰነድ ዝያዳ ጎሊሑ ዝቐርብ ትሕዝቶ ግን፣ “ዝርዝር ብሉጽ ኣብነት ኣህጉራዊ ኣገዳስነት(Statement of Outstanding Universal Value)’’ ናይ’ቲ ናብ ናይ ምርቋሕ መስርሕ ዝምረጽ ባህላዊ/ባህርያዊ ውርሻ ናይ ሓንቲ ሃገር ኢዩ። ዝርዝር ብሉጽ ኣብነት ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ዘቐድም ናይ ምርቋሕ ሰነድ፣ ክንዮ ሃገራውን ዞባውን ዶባት ሃገራት ብምስጋር፣ ድንቂ ንወዲ ሰብ ዝውክሉ ኣድማሳዊ ኣብነታት ባህልን ባህርን የነጽር። እዚ መስርሕ ብተመሳሳሊ ፣ ሃገራት ውርሻታተን ኣብ ዙርያ ኣድማሳዊ ቴማታት ባህልን ባህርን ከስፍራ ዘኽእለን ኮይኑ፣ ሕብረተሰባት እዘን ሃገራት ንውርሻታቶም ዝህብዎ ክብርታት ምስ ኣድማሳዊ ኣጠማምታ ታሪኽ ወዲ ሰብን ባህላዊ መስርሓቱን ከምኡ`ውን ባህርያዊ ውርሻታት ዓለም ከዛምዱ ዕድል ይፈጥር። ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ስነ- ፍልጠት ትምህርትን ባህልን (UNESCO) ዘውጽኦም ዓሰርተ ረቛሒታት፣ ሃገራት ንዘለወን ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ብመንጽር ዝርዝር ብሉጽ ኣብነት ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ከነጽርኦም ስለ ዘድሊ ከኣ፣ ሃገራት፣ ነዞም ረቛሒታት ዘማልኡ ውርሻታት ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ከስፍራ ባብ የርሕው። ስለ`ዚ መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ፣ ሃገራት ዘለወን ዘቤታዊ ምሕደራ ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ምስ ኣድማሳዊ ፍልስፍና ኣሳንየን፣ ዘለወን ብልጫታትን ሃጓፋትን ከለልያን፣ ጸጋታተን ከኣ ብውድዓውን ኣድማዕን ኣገባብ ናብ`ዚ መስርሕ ከዋፍራ የኽእል።
እዚ መስርሕ፣ ሃገራት ኣብ`ዚ መዳይ ዘለወን ዘቤታዊ ዓቕሚ ሰበን ከለልያን፣ ኣብ ንዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝጸምድ ንጥፈት ከዋፍራን ባይታ ስለ ዝፈጥር፣ ንባህላውን ባህርያውን ጸጋታተን እኹል መጽናዕትን ስነዳን ክገብራን፣ ምሉእነት ዘለዎ ናይ ምርቋሕ ሰነድ ከቕርባን ይድርኽ። ኣብ’ዚ ሞያ ዝነጥፉ ሞያውያን ምስ ክኢላታት ኣህጉራውያን ውድባት ኮይኖም ነዚ መስርሕ ዝድርዕ ዝተፈላለዩ መደባትን ንጥፈታትን ከማእዝኑ ስለ ዝበቕዑ እምበኣር፣ መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ፣ ዝተፈላለዩ ምሉእነት ናይ`ዚ ሰነድ ክውን ዝገብሩ ኣካላት ኣብ ሓባራዊ ጽምዶ ዝጠምር ኢዩ። ክንድ ዝኾነ ከኣ፣ ክኢላታት ታሪኽ፣ ስነ-ጥንቲ፣ ስነ-ህንጻ፣ ምሕደራን ምዕቃብን ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት፣ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት፣ ቱሪዝም፣ ውጥን፣ ምሕደራ ዋኒን ከምኡ`ውን ምዕባለ ብሓባር ኣብ`ዚ ዕማም ይሳተፉ። ተሳትፎ እዞም ክኢላታት፣ ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ሃገራት ብዝተማልአ ኣገባብ ተጸኒዖም፣ ብመስትያት ኣድማሳዊ ኣመለኻክታ፣ ዝርዝር ብሉጽ ኣብነት ኣህጉራዊ ኣገዳስነት እዞም ጸጋታት ብግቡእ ንኽሰኣል የኽእል። ምሉእነት ናይ ምርቋሕ ሰነድ በዚ ኣገባብ ምስ ዝረጋገጽ ከኣ፣ ኣህጉራዊ ኣካላት ውርሻ ዝጠልብዎ ናይ ምምያ መስርሕ ክሓልፍ ዓቢ ተኽእሎ ይህልዎ።
ብተወሳኺ፣ ኣብ’ዚ ሰነድ ክማልኡ ዘድልዩ ኣገደስቲ ቴክኒካዊ ኣምራትን፣ ኣድለይቲ ናይ ምሕደራ መኣዝናትን ኣካል ናይ`ዚ መስርሕ ኢዮም። በዚ መንጽር`ዚ ኣብ መስርሕ ምድላው ናይ ምርቋሕ ሰነድ ብኣድማዒ ተራ ክሳተፉ ዘድልዩ መሻርኽቲ ክልለዩ ኣገዳሲ ተራ ይጻወት። ንምሕደራ ባህላውን ባህርያውን ጸጋታት ክውን ዝገብሩ መሻርኽቲ ኣብ`ዚ ጽምዶ ስለዝሳተፉ፣ ንምዕቃብ እዞም ጸጋታት ምስ ክውንነት ሃገራት ተሳንዮም ዝዋደዱ ናይ ምሕደራ መኣዝናት ብጽፈት ኣብ`ዚ መስርሕ ክዳለዉ ይኽእሉ። ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ`ዚ መዳይ በዚ ኣገባብ ስለ ዝረጋገጽ ከኣ፣ ሕብረተሰባት ንጸጋታቶም ዝህብዎም ክብርታት በቲ ሓደ ወገን፣ ንውርሻታቶም ምስ
ኩነታቶም ኣዛሚዶም ዘለልይዎም ናይ ምሕደራ መኣዝናት ከኣ በቲ ካልእ፣ ምስ ኣድማሳዊ ቴማታት ባህልን ባህርን ከሳንዩ፣ እዚ መስርሕ ዕድል ይፈጥር። ኣብ’ዚ ሰነድ ብመንጽር ሕጋውን ቴክኒካውን ኣምራትም ዝዳለው ንጹር መኣዝን ምሕደራ ጸጋታት፣ ንዕዉት ናይ ምርቋሕ መስርሕ ክውን ይገብር።
ናብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ንምርቋሕ ዝቐርብ ባህላዊ/ባህርያዊ ውርሻ፣ ኣብ’ዚ መዝገብ ክሰፍር ምስ ዝበቅዕ፣ ሃገራትን ህዝብታትን፣ ውርሻታቶም ከም ኣካል ድንቂ ኣብነት ውርሻታት ወዲ ሰብን ዓለምን ኮይኑ ኽሕብሐብን ክጽምበልን የኽእሎም። ኣህጉራዊ ተገዳስነትን ምትሕግጋዝን ስለ ዝቕስብ ከኣ፣ ጸጋታት ሃገራትን ህዝብታትን ኣቓልቦ ረኺቡ፣ ከም ውርሻ ወዲ ሰብ ክዕቀብ፣ እዚ መስርሕ ዓቢ ተራ ይጻወት። ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝሰፈረ ጸጋታት ሓንቲ ሃገር፣ ከም ትእምርቲ ዝተዓቀበ ኣህጉራውን ሃገራውን ውርሻ ኮይኑ፣ ምንጪ ኩርዓትን መንነትን ኮይኑ የገልግል።
ኤርትራ፣ ብእትውንኖ ንኩሉ ምዕራፋት ታሪኽ ዝውክል ባህላዊ ጸጋታትን ባህርያዊ ውርሻታትን፣ ክንዮ ሃገራውን ዞባውን ዶባታ፣ ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ። ጸጋታት ኤርትራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ክሰፍር ዝግበር ጻዕርታት ኣካል ናይ’ቲ ነዞም ጸጋታት ክልለዩን ክዕቀቡን ዝግበር ንጥፈታት ኢዩ። ምስፋር ውርሻታት ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ፣ ጉሉሕ ኣብነት እዚ ጻዕርታት ኮይኑ፣ ምስ ክውንነት እዚ ሃገር ተሳንዩ፣ ካልኦት ጸጋታት ኤርትራ ኣብ`ዚ መዝገብ ክሰፍሩ ዝግበር ንጥፈታት ብውድዓውነት ክሰኣል የድሊ። በዚ መንጽር ኣብ ግዝያዊ መዝገብ ክሰፍሩ ዘድልዮም ጸጋታት ግቡእ ናይ ምልላይ መስርሕ ሓሊፎም ኣብ ቀጻሊ ደረጃ ብደረጃ ናብ ናይ ምርቋሕ ሰነድ ዘብጽሑ መስርሓት ክሕሰቡ ይከኣል።