ህዝባዊ ግንባር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ
ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላዋት ዞባና ከጉህር ካብ ዝጸንሐ መሓውራት ሕንከራ ሓደ ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን’ዩ።
እዛ ኣብ ውሽመጥ ዓረብ እትርከብ ንእሽቶ ግን ከኣ ሃብታም ሃገር፡ ብሓይሊ ገንዘብ፡ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን ተለኣኣኽቲ ብምዕሳብ፡ ንጸጋታትን ገማግም ባሕርን ናይዚ ስትራተጂያዊ ከባቢ ዓለምና ንምቁጽጻር ክትገብሮ ዝጸንሐት ምትእትታው፡ ኣብ ኣዒንቲ ብዙሓት ወገናት ኣእትዩዋ ጸኒሑ እዩ። ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት 2026 ግዳ፡ ሃንደበት ካብ ሰሜናውን ደቡባዊን ወሽመጥ ዓደን ሓይልታታ ክትስሕብ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ሃንደበታዊ ውሳነ’ዚ ዘፍለጠት ምስ ስዑዲ ዓረብ ዳርጋ ብቐጥታ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ፡ ኣብ ግጭት ድሕሪ ምእታዋ እዩ። ኣብ ፈለማ ሰሙን ናይ 2026፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እቶም ብኢማራት ዝድገፉ ‘ደቡባዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ንደቡብ የመን ካብ የመን ምንጻል ዝዕላማኦም ሓይልታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወደብ ሙካላ ወተሃደራዊ ንብረት ኣብ ልዕሊ ዝጸዓና መራኽብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ደብዳብ ነፈርቲን ድሮናትን ፈጺማ።
ብድሕሪኡ እውን፡ እቲ ብሱዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ የመን፡ ጸረ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ትሕቲ ‘ደቡባዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ ዝጸንሐ ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ የመንን ኣገደስቲ ደሴታትን ክቆጻጸር ክኢሉ። ኣቐድም ኣቢሉ ብ30 ታሕሳስ 2025፡ እቲ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ፡ ኣብ ምብራቓዊ የመን መሰረቱ ዝገበረ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መሰጋገሪ መንግስቲ የመን፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ ንጥፈት ኣብ የመን ከአንግድን ከሳሲን ሓላፍነት ከም ዘይብሉን ህላወ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ከባቢ ከምዘየድልን ብምግላጽ፡ ኢማራት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ሓይልታታ ካብ የመን ክትስሕብ ሓቲቱ ነይሩ እዩ።
መሰጋገሪ መንግስቲ የመን ነዚ ውሳነ’ዚ ዘፍለጠ፡ እቶም ብኢማራት ዝድገፉ ሓይልታት ደቡባዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ምብራቓዊ የመን ከባቢታት ሓድራማዊትን መሃራን ሰፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራቱ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ቦታታት ክቆጻጸሩን ከስፋሕፍሑን ድሕሪ ምፍታኖም እዩ። መጥቃዕቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ‘ደቡባዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ ድማ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ምዕባለታት’ዚ ዝሰዓበ እዩ ነይሩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ የመን ዝርከቡ ቀቢላታት ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳራዊ ህይወት ዝጸንሖም ኮይኖም፡ ከባቢኦም ብተዛማዲ ሰላም ዝሰፈኖ ብምዃኑ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጠቕሊሉ ክወጻሎም ክጠርዑ፡ ብዲፕምሎማስያዊ መገዲታት ጸቕጢ ከገብሩ ጸኒሖም እዮም። ወተሃደራዊ ህላወ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ የመን፣ ምስቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ 2016 ጥምረት ብምፍጣር፡ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሑቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብታ ሃገር ዝገበሩዎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ተኣሳሲሩ ዝመጸ እዩ።
ከም ዕላማ ሒዛ ክተስርሓሉ ዝጸንሐት ንደቡብ የመን ካብ የመን ንምንጻል ዝደልዩ ወገናት ብምድጋፍ፡ ንገማግም ባሕሪ ደቡብ የመን ከምኡ’ውን፡ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ንዝርከባ ደሴታት ምቁጽጻር እዩ። በዚ ድማ ኣብ ደሴታት ሰቐጥራ፡ ዙቑርን ሓኒሽን ወተሃደራዊ መደበር ንምምስራት ዝዓለመ ምንቅስቓሳት ጸኒሑ። ብድሕሪ’ዚ ናይ ኢማራት ምንቅስቓስ፡ እስራኤል ከምዘላ ብሰፊሑ ዝሕመ እዩ።
ምንቅስቓስ የመናውያን ሑቲ፡ ምስ ግጭት ቃዛ ተኣሳሲሩ፡ ነተን ብባብ ኤልመንደብ ዝሓልፋ መራኽብ እስራኤል ኮነ ናብ እስራኤል ዘመርሓ ናይ ካልኦት ሃገራት መራኽብ ዒላማ መጥቃዕቲ ስለዝገበረን፡ እስራኤል ንሕቡራት ኢማራት ቅድሚት ኣሰሊፋ፡ ኣብቲ ከባቢ መዓስከራት መስሪታ ነቲ ከባቢ ክትቈጻጸር እዩ ሓሳባ። እስራኤል ኣብ ጽባሕ ልደት ፈረንጂ (ክሪስማስ) ነታ ካብ 1991 ጀሚራ ካብ ሶማል ብምንጻል ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ ዘቘመት፡ እንተኾነ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ልኡላውነታ ተቐባልነት ዘይረኸበ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ምስዚ ኩነታት’ዚ ዝተኣሳሰር እዩ። ደድሕሪ እስራኤል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮነ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክህባኣ ይኽእላ እየን ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ ወደብ በርበራ ወተሃደራዊን ቁጠባውን ህላወኣ ንምዕባይ ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ። ኢትዮጵያ እውን ኣብ ፈለማ 2024 ንወደብን ምምስራት ሓይሊ ባሕርን ዝምልከት ብብዙሓት ተቐባልነት ዘይረኸበ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ምስ ሶማሊላንድ ከቲማ ነይራ።
የግዳስ ብኣንጻር ድሌት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እቲ ንኢማራት ብኣባልነት ዝሓቊፍ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኮነ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዓቢኡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢና ዓቢ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ቱርኪን ካልኦትን እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብትሪ እዮም ተቓዊሞሞ። መንግስቲ ሶማል ከኣ ደድሕሪ’ዚ ናይ እስራኤል ውሳነ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማል ዝጸንሓ ደው ከብሎ ወሲኑ።
በዚ ተቓውሞታት’ዚ ዝተሰናበዳ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮነ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍልጦ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዛጊት ብጩቚ ክብላ ኣይተሰምዓን። ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቅንስቓስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን እናሃለወ፡ ስዑዲ ዓረብ ከም ዞባዊ ሓይሊ፡ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዳርጋ ኣይነበረን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቃለ-መጠይቓቱ ደጋጊሙ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ግብጺ ከም ዞባውያን ሓይልታት ኣብ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባና ብፍላይ ድማ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ልዑል ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ግቡእ ተራአን ክጻወታ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝተዓዘቡ ወገናት ከኣ፡ እዛ ዞባዊት ሓይሊ ሎምስ ካብ ድቃሳ ዝተበራበረት ትመስል ክብሉ ይገልጹ ኣለዉ።
ምኽንያቱ እቲ ኣብ ደቡብ የመን ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣሰናቢዱ፡ ኣደብ ንክትገብር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ ብኣገላልጻ ገለ ወገናት ድማ፡ ሓደ ካብ መሓውር ምትእትታዋት ዝቘረጸ እዩ። ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካልእ፡ ከቢድ ዕንወት ዝፈጠር ዘሎ ምትእትታው ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ልክዕ ከም ናይ የመንን ሶማልን፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ሕንፉሽ ኩነታት መዝሚዝካ፡ ነዘን ሃገራት ንምቁጽጻር መራሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዙሕ ኣጽዋርን ገንዘብን ከፍስስ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ምትእትታዋት’ዚ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እውን ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ውልቃዊ ጥሙሕን ፋንታዛያን መራሒ እታ ሃገር ዝደረኾ እዩ። ዕላማኡ ድማ ብሓደ ወገን ነቲ ካብ ሱዳን ክሳብ ሶማልያ ዘሎ ገማግም ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምቁጽጻርን ብምዕብላልን፡ እንተቐዶ፡ ጨናፍር ናይ ዱባይ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ምግባር፡ እንተዘይቀዶ ድማ፡ ብምኽንያት ስትራተጂያዊ ኣቀማማጣኡ ንዱባይ ዘውድቕ ከይከውን ልምዓቱ ሓኒቕካ ምሓዝ እዩ። እቲ ካልእ ዝዓበየ ዕላማ ድማ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ገዚፍ ዕቑር ማዕድናዊ ሃብቲ ብፍላይ ማዕድን ወርቂ ምግባት እዩ። ኣብ ሱዳን ህዝቢ ነቲ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ሙእተመር ወጠኒ ብናዕቢ ምስ ኣለዮ፡ ሰራዊትን ናይ ጸጥታ ሓይልታትን ሱዳን እዮም ነቲ መሰጋገሪ መድረኽ ተረኪቦሞ። እንተኾነ ኣይደንጐየን በዚን በትን ናይ ግዳም ምትእትታዋት በዚሑ።
ሕቡራት ኢማራት፡ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ (ሑመቲ) ዝምራሕ፡ ቅልጡፍ ወሃቢ ደገፍ ሓይሊ ምልሻታት (ዳዕመ ኣሰሪዕ) ብኡ ንብኡ ዘይተኣደነ ገንዘብን ኣጽዋርን ብምስናቕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ንክፍጽም ልዑል ድርኺት ገይራ። ሱዳን ሰፊሕ ሃገር ምስ ምዃኑ፡ ብሊብያ፣ ጫድ፣ ብምዕራብ ዳርፉር፡ ብሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ደቡብ ሱዳንን፡ ብኢትዮጵያ ብብሉ ናይልን ኩርዱፋንን ዝጸንሐ ናይ ግዳም ምትእትታዋት ማእለያ የብሉን። ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብድሕሪኣ ዘለዉ ካልኦት ሓይልታትን ድራኸ፡ ንሱዳን እንተተቘጻጺርካ ኣብዚ ከባቢ ክህልወካ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን ዝብል እዩ።
እዚ ብግዳም ዝተደረኸ ኲናት ኣብ ሱዳን ዝፈጠሮ፡ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን እምብዛ ከቢድ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ እዚ ግዳማዊ ምትእትታዋት መውረርያ ተገይሩሉ፡ ህዝቢ ሱዳን ሽግራቱ ባዕሉ ንክፈትሕ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ዘለወን ሃገራት ኣለዋ። ግብጽን ሱዕድያን ከምኡ’ውን ኤርትራ ነዚ መርገጺ ሒዘን ጻዕርታት ዘካይዳ ዘለዋ እየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ሰራዊት ሱዳን ዝጸንሖ ድኹም ቁመና ኣመሓይሹ ምቁጽጻሩ ንምሕያል ይጽዕር ኣሎ። እሞ’ኸ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት፡ ነቶም ኲናት ከጉህሩ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣውራ ኢማራት ዓረብ ተስፋ ብምቑራጽ መሓውራት ግዳማዊ ምትእትታው ካብ ሱዳን ጨሪሱ ክበትኮ ይኽእል’ዶ፧ ምዕባለታቱ ኣብ ቀጻሊ ዝርአ እዩ። እቲ ኣንፈት ግን ትስፉው እዩ።


