ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ዓመታዊ ኣኼባ ብማንዛ ኣካይደን
ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ዓመታዊ ኣኼባ ብማንዛ ትማሊ ዕለት 21/03/2021 ኣካይደን ፡፡ ንጥፈታተን ብምግምጋም፡ መድረኻዊ ተልእኾ ንምስማር ዝሕግዝ ውጥን ስራሕ ሓንጺጾን ።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣቶ ኣደም ዑስማን፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባናን፣ ገስጋስ መኸተ ኮቪድ-19ን ፣ ከምኡ’ውን ዝሰላሰሉ ዘለዉ መደባት ሕርሻን ልምዓትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ተመኵሮታተን ምርኩስ ጌረን፡ ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ዝበቅዕ መደባት ከምዝሕንጽጻ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።
ሓላፊት ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ወይዘሮ ትርሓስ ተወልደ ብወገና፡ ኣብ ፓለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ናይ ዝተሰላሰለ ዕማማት፡ ገምጋም ድሕሪ ምቕራብ፡ ዋሕስ መጻእን ተቐባል ሕድርን መንእሰይት ወለዶ ስለዝኾነ፡ ነዚ ኣካል ሕብረተሰብ ንምውዳብ ዝግበር ጻዕርታት ብውህደት ክስራሓሉ ምዃኑ ኣብሪሃ።
ኣብ መደምደምታ ተሳተፍቲ፡ ብሓለፍቲ ውዳበታት ሃማደኤ ንኡሳን ጨንፈር ስዊዘርላንድ በብጨንፈረን ኣብ ዝቐረበ ገምጋማት ድሕሪ ዘካየዳኦ ዘተ፡ ድኹም ጎድንታት ብምፍዋስ፡ ብሓያል ውዳበ ንመድረኽ ሰላምን ምዕባለን ዝበቅዕ ስራሓት ከምዘካይዳ ኣረጋጊጾን።