ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ምስ ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረኮም ጀነቭ ርክብ ኣካይዶም
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት`ቲ ኤምባሲ ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስን ምስ ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረኮም ስዊዘርላንድ – ከተማ ጀነቭ ብ18 ታሕሳስ፡ 2023 ርክብ ኣካይዶም።
ኣብ`ቲ ኣስታት 100 ኣባላት ማሕበረኮም ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ በብመድረኹ ኣብ ትግባረ ሃገራዊ መደባት ዝጸንሖም ንጡፍ ተሳትፎን ዕዙዝ ኣበርክቶን ብምምጓስ፤ መደባት ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ከከም ቀዳምነቶም ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣቅሪቡ። ግዝኣተ ሕጊ ሕላገት ማሕበረኮማትና ከም ዝኾነ ብምዝክኻር ድማ ኣብ ትግባረ መደባት ዝፈጥሮ ኣሳልጦ ልዑል ምዃኑ ኣገንዚቡ፡፡
ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ ብወገኑ፡ ህልው ኩነታት ሃገር ብመንጽር ህልው ኩነታት ዓለምን ዞባናን ዝርዝራዊ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣባላት ማሕበረኮም ድሌታቶምን ዕላማታቶምን ከከም ቀዳምነቶም ክሰርዑን ንትግባረኦም ብተወፋይነት ክሰርሑን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኩሎም ኣባላት ማሕበረኮም ናይ ምምልላእን ምድግጋፍን ባህርይ ክላበሱን ኣዘኻኺሩ።
ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብ ዝቐረበሎም መብርሂ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ድሕሪ ምቕራቦም፡ ኣብ መጻኢ መደባቶም ብምትኳር ተዛትዮም።