ኣብ 1989፡ ምውዳቕ “ሶቭየት-ነበር” ስዒቡ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ኩነት፡ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ጥራሕ ኣይነበረን። ሓደ ህሩፍ ሕልሚ እውን ኣንቂሉ እዩ። ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣመሪካ፡ “ድሕሪ እምብራጦርያ ሮማ፡ ኣብ ዓለምና ከምዚ ናትና ገይራ ሓንቲ ሃገር ዝዓበለለትሉ እዋን የለን” ብዝብል ኣጉል ገምጋም፡ ብናቶም ረብሓን ስነ-ሓሳብን ዝምእዘን “እንኮ ቀጽራዊ ዓለም” ንምፍጣር ውሃ-ዝበለ ውጥን ሓንጺጾም። ሕልሚን ክውንነትን ግን በበይኑ እዩ። ዓለም ናታ ሕግታትን ዳይናሚዝምን ኣለዋ። እንሆ ድማ፡ እቲ ሕልሚ ክበንን ይርአ ኣሎ።
እዚ ሎሚ እንዕዘቦ ዘለና ቀጨውጨው ኣመሪካ እምበኣር፡ ብገፊሕ ስእሊ ክርአ እንከሎ፡ ብዓለም ደረጃ ናይ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣመሪካ ዝቘልዐ ውጥናት ዕብለላ ዘኸተሎ ወጥሪ እዩ። “ደጊም ዓለም ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና እያ። ብቑጠባ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብወተሃደራዊ ጸብለልትነት ዝወዳደረና ኣይክህሉን’ዩ! ክህሉ እውን የብሉን! ክህሉ ድማ ከነፍቅድ ኣይኰናን!” ተባሂሉ ዝተኻየደ ዕንደራታት. . . ሎሚ ኣብ ከመይ ኩነት ከምዝርከብ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ።
ብደረጃ ዓለም እንተተዓዘብና፦ – ነታ ቀዳመይቲ ተወዳዳሪት ክትከውን ትኽእል’ያ ዝተባህለት ሩስያ ንምድራት (containment) ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን መጻብቦታት፣ ፋይዳ ኣይተረኽቦን።
– ቻይና “ከም መመስርሒ መኪና ቁጠባዊ ዕብለላ ክንጥቀመላ ኢና” ማለት፡ “ንዘለዋ ሕሱር ጉልበት መዝሚዝና መፍረ ናይ ትሑት ዝደረጃኡ ቴክኖሎጂ ክንገብራ ኢና” ተባሂሉ ዝተሃቀነ ዘይከውን ጸወታ፣ ሎሚ ድሕሪ 30 ዓመታት፡ ንቻይና ናበይ ደረጃ ኣዕሪጉዋ ከምዘሎ ርኡይ እዩ። “ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ” ከምዝበሃል – ሕጂ ኣንጻር ቻይና ዝካየድ ናይ “ምድራት” ህቀናታት እንታይ ተስፋ ክህልዎ ይኽእል?
– ናይ IMF ሓበሬታ ኢንዱስትሪያዊ ውጽኢት (Industrial Output) 2015፣ ናይ ቀዳሞት ዝበሃላ 20 ሃገራት እንተተዓዚብና፡ ካብ 17.3 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ድምር ኢንዱስትሪያዊ ውጽኢት ናይተን 20 ሃገራት፣ ናይ ቻይና ኣስታት 4.9 ትሪልዮን (28%) ክኸውን ከሎ፣ ናይ ኣመሪካ ኣስታት 3.8 ትሪልዮን (22%) ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብድምር 4.2 ትሪልዮን (24%) ምንባሩ ሓፈሻዊ ስእሊ ክህብ ዝኽእል እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ምስናይ ስምብራት ኮቪድ-19 ዝማዕበለ ለውጢ ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ውጽኢት እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ንምግማቱ ድማ ኣሸጋሪ ኣይኰነን።
– ቅድሚ ኮቪድ-19 ናይ ኣመሪካ ኣጠቓላሊ ዕዳ ኣስታት 20 ትሪልዮን ዶላር ከምዝነበረ ይንገረሉ። ካብዚ ዕዳ’ዚ፡ እቲ ኣስታት ¼ (ከባቢ 5 ትሪልዮን ዶላር) ቻይና ንኣመሪካ እትእውዳ እዩ። ሕጂ ኣብ 2021 ዝግለጽ ዘሎ ኣሃዛት ዕዳ ኣመሪካ ድማ፡ ኣስታት 24 ትሪልዮን ዶላር እዩ። ናይ ዝመጽእ 5-10 ዓመታት ንበያታት ኢንዱስትሪያዊ ውጽኢት ኰነ፡ ዕርገት ዕዳታት እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ምግማት እውን ዝገፍሐ ስእሊ ንምውሳድ ሓጋዚ እዩ።
– ማዕረ ማዕረ’ዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ሲናርዮታት መልሰ-ግብራዊ ዕንደራ ኣመሪካ ድርኺቱ ምርዳእ ኣየጸግምን። ኩሉ’ዚ ዝተጠቕሰ ክስተታት፡ ሰብ ፍሉይ-ረብሓ ኣመሪካን ፈሊጣቶምን ከንግስዎ ናይ ዝሃቀኑ “ዓለማዊ ቁጠባዊ ስርዓት” ምልክታት ሕማም (symptoms) እዩ።
– ኣመሪካ ዝተረፋ መጋበርያ እንተልዩ፡ እቲ ከም ድላይካ ዝሕተም ሓምላይ ወረቐት “ዶላር” ምስ ምልኪ ዝተፈላለያ ዓለማውያንን ዞባውያንን “ፊናንስያዊ” ትካላት ጥራይ እዩ። ብዞባታትን ክፍለ-ዞባታትን እንተተዓዘብና’ኸ?
– ንዓለም ኣብ ከባቢታት ጽልዋ (spheres of influence) ጐዛዚኻ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ “መልሕቕ” (ንሳቶም anchor ዝብሉዎ) ወኪል ወይ ወኪላት ሰዪምካ፣ ወይ ድማ ከባቢያዊ “ኪዳናት” ኣቚምካ፡ ንምቁጽጻርን ንምግባትን ዝተኻየደ ህቀናታት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነት ከምዝርከብ ንምርኣይ፡ ሓደ ብሓደ ዳህሳሳዊ መርትዖታት ምቕራብ ይከኣል እዩ።
– ኣብ ናይ ቀረባ ጐዶቦና፣ ንኢትዮጵያ ከም “መልሕቕ” ወሲዶም፣ ንወያነ ከም መቐጸልታ ከደምቶም ኣሰዊዶም፣ ንኤርትራ ከም ግዳይ ደዊኖምን ድሂኾምን ዕብለላኦም ንምርግጋጽ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘካየድዎ ከንቱ ህቀናታት. . .ኣብ ኢትዮጵያ ኣኸቲሉዎ ዘሎ ሓድጊ ባዕሉ ይዛረብ እዩ። ኣብ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ የመን፡ ሊብያ፡ ዒራቕን ሻምን ዘሎ ኩነታት ይኹን፡ ናይ ትማሊ ናይ ኣፍጋኒስታን ቅልውላውን “ሶቭየት-ነበር” ንምውዳቕ ዝፈጠሩዎ “ቓዒዳ” ይኹን ፍርያቱ ኣንጊሶሞ ዘለዉ ሽበራን እውን ርእሰ-ገላጺ እዩ።
– ሳላ መኸተን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት፣ ኣብ ዞባና ዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ኣሽካዕላል ምስ ቈልዐ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እውን እረማ ምስ ተበገሰ፡ ሰብ ፍሉይ-ረብሓ ኣመሪካን ከደምቶምን፡ ነቲ ዝተኸስተ ምዕባለታትን ተስፋን ንምዂላፍ፡ ንጃንዳ ወያነ ናብ ዓንዳሪ መጥቃዕቲ ደፋፊኦም ኣብ ዓዘቕቲ ተሸሚሞም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ነቲ ጃንዳ ንምድሓን ኩሉ ዓይነት ጸቕጢታት ኣብ ምፍትታን ይርከቡ።
– የግዳስ ሕጂ እውን ፈውሱ ፍሉጥ እዩ። ሓድሽ ምህዞ ዘይብሉ፡ ንቡር ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ግንባር ህዝቢታት ጎዶቦን ዓለምን!