ዕንደራ ወያነ ዘሳሲ ዘሎ ሸፈጠን ጠቐነን ዕንደራ ወያነ ዘሳሲ ዘሎ ሸፈጠን ጠቐነን
ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው፡ ዝሓለፈ ሕዳር 2020፡ ወያነ፡ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሰሜን እዚ፡ ብዝፈጸሞ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ዝተወልዐ፥ እቲ ጃንዳ እውን ባዕሉ ዝተጃህረሉ፡ ከም ብርሃን ጸሓይ ድሙቕ፡ ዘይማትእ ፍጻሜ እዩ።
ውጥን ናይቲ ሕልማዊ ዕንደራ፡ ነቲ 80% ኣጽዋር ኢትዮጵያ ዝዓጠቐ፡ ኣብቲ ክልል ዝነበረ፡ ልዕሊ 30,000 ሰራዊት ደምሲስካን ዕጥቁ መንዚዕካን፡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምግስጋስ፡ መንግስቲ ምግልባጥ፣ ድሕሪኡ እንተተኻኢሉ ንኤርትራ ምውራር እዩ ነይሩ።
ድሕሪ’ቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተቓልዐ ምስጢራዊ ሰነድ ወያነ ከምዝክሽሖ ድማ፡ እቲ ውጥን ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ ውድብ ተዘትይሉ ዝጸደቐ እዩ ኔሩ።
ዕንደራ ወያነ፡ ዛጊት ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወትን ኣኸቲልዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ እምብዛ ከቢድ እዩ።
ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ድሙቕ እናኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ነዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ገበን ብምኽዋል፡ ንወያነ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሓጢኣት ናብ ካልኦት ንምስልባጥ፡ ብስም ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣዊ ሓገዝን ክካየድ ዝጸንሐ ኣእዛን ዘደንቁር ውሁድ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ ኣዝዩ መስደመም እዩ።
ገበናት ወያነ፡ ኣብ ሕዳር ዝጀመረ ኣይኮነን። ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ብምእዋጅ ዘውረዶ ዕንወትን ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፈጸሞ ሰፊሕ ናይ ኲናት ገበንን ብጭብጢታት ስኑድ እዩ። ባዕላቶም ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣውሓስቲ ኮይኖም ዝፈረምሉ፡ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ብይን ብምሕሳም፡ ን20 ዓመታት ኣብዚ ዞባ ዝፈጠሮ ወጥሪ፣ ኣብ ሶማል ዝፈጸሞ ወራርን ዕንወትን፣ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘውረዶ ግፍዒን በደልን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን፡ ብቀንዱ፡ ብባርዀት ኣመሪካን ሰብ-ኪዳና ሃገራተ ኤውሮጳን ምንባሩ ድማ፡ ታሪኽ ዝሰነዶ ዘሕንኽ ዛንታ እዩ።
እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ዝጸለወ፡ ጸጥታዊ ሽግርን ሰብኣዊ ቅልውላውን እምበኣር፡ መቐጸልታን ውጽኢትን ናይቲ ወያነ ኣብ 27 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ፡ ገዚፍ ምወላን ምትብባዕን ሃገራት ምዕራብ ሰኒቑ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ገበናት እዩ።
ወያኔ፡ ብቁጥዐ ህዝቢ፡ ካብ ስልጣን ምስ ተደርበየ ድማ፡ ብቕብጸተ-ተስፋ፡ ናብ ሽርሓዊ ተግባር ብምውራድ፡ ነቲ ኣብዚ ዞባ ዝተኸስተ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ሃዋህው ንምዝራግ፡ ኣብ ትግራይ ተሸጒጡ ክዕንቅጽ ጸኒሑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነብሰ-ቅትለታዊ ስጉምቲ ወሲዱ።
ኣብዚ ወያነ፡ ብርዑድ መንፈስ ናብዚን ናብቲን እናተላኽዐ ዘዕለብጠሉ ዘሎ፡ ናይ ቅብጸት ሰዓታት እምበኣር፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ነብሱ ክከላኸልን ድሕነቱ ከውሕስን ባህርያዊን ሕጋዊን መሰሉ’ዩ።
ግደ ሓቂ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹነኖ ዝግባእ፡ ጃንዳ ወያነ፡ ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ንምምላጥ፡ ንህዝቢ ትግራይ ጀሆ ሒዙ ንኸቢድ ሕሰም ንምቅልዑ ዝፈጸሞን ዝቕጽሎ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራትን’ዩ። ነዚ ሚልዮናት ቆልዓ-ሰበይቲ ኣብ ደልሃመት ዝሸመመ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ክንዲ ምኹናን፡ ብዝተፈላለየ ጸቕጢታት፡ ንውሑዳት መጋበርቲ ገበነኛታት ከተድሕን ምህቃን ከኣ፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እምበኣር፡ ብኣመሪካን ሰብ-ኪዳና ዝኾና ሃገራት ኤውሮጳን፡ ዝሓልፉ ውሳኔታትን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን፡ ቀንዲ ኣዕኑድ ኣህጉራዊ ሕግታትን፡ ከምኡ’ውን ናጽነትን ልዑላዊነትን ሃገራትን ህዝብታትን ዝግህሱ፥ ኣብ ጠቐነን ምስይጣንን ዲፕሎማስያዊ ምጒጣጥን ዝእምኑን ዝምርኮሱን ስለዝኾኑ፡ ብርትዕን ሕግን ቅቡላት ኣይኮኑን።