ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ ”ክተት ኣብ መድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ኣርእስቲ፡ሰሚናር ኣካዪዱ
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ “ህልው ፖለቲካዊ ኩነታትን ክተት ኣብ መድረኻዊ ግድነት” ብዝብል ኣርእስቲ፡ሰሚናር ኣካዪዱ፡፡
ብ17 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኣቶ የማነ፡ ሃገራዊ- ፖለቲካዊ፡ ልምዓታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ድሕነታዊ፡ ዜናዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ማሕበራውን ካልእን መደባት፡ ብመንጽር ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ዘነጽርን ንናይ መጻኢ ጉዕዞ ማእዝን ዘትሕዝን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።
ኣቶ የማነ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ጎዶቦናን – ኣብ ሓባራዊ ረብሓ፡ ምክብባርን ሽርክነትን ከምዝምርኰስ፣ ተራን ኣበርክቶን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ሃገራውያን ውዳቤታት ድማ ብፍላይ – ኣብ ምድንፋዕ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣብሪሁ።
“ንቑሕን ኣድማዒን ውዳቤታት፡ መሰረት ኩሉ ዓወታት እዩ” ዝበለ ኣቶ የማነ፡ እዚ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ተኣምር ዝሰርሐ ሓይሊ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ እውን ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ ኣቶ የማነ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ።