ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ዕለት፦ ፳፱ ታሕሣሥ ፳፻፲ወ፬ ዓ.ም.ግ.
07/01/2022ፈ.
ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ
እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና
ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሆስፒታል ተዓቒብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ፡ ኣብ ሓያል ጻዕሪ እትርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሠራዊት ምክልኻል ፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራት ፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን እናበልና ሠናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም።
‘’ ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ፡ ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ’’ (ኢሳ፡፱፥፪)
እቲ ንልቢ ኵሉ ሰብ ዜብርህን ፍልጠት ዚህብን ናብዚ ዓለም እዚ ዝመጸ ብርሃን ሓቂ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።’’ (ዮሓ፡ ፩፥፱ ፡ ያዕቆብ ፩፥፲፯)
ጐይታ’ውን በቲ ኣምላኻዊ ቓሉ ‘’ አነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም’’ ‘’ኣነ ብርሃን ዓለም እየ’’ ኢሉ እዩ ፡ ፈጣሬ ብርሃናት እግዚአብሔር ፡ ንሰብ ብመልክዑን ብኣምሳሉን ፈጢሩ ኣብ ገነት ዘንበሮ። ኣዳምን ሔዋንን ቃል ሰይጣን ሰሚዖም ብርሃን ዝኾነ ትእዛዝ ፈጣሪኦም ብምፍራሶም ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ጸጋ ብርሃኖም’ውን ኣጸልመትዎ። እንተኾነ ኣዳምን ደቁን ኣብ ጸልማት ሕይወት ወዲቖም ንኸይተርፉ መፍቀሬ ሰብእ እግዚኣብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከም ዘድሕኖም ኣተስፈዎም።
ልደት ጐይታ ከም ጋሻ ሃንደበት ኣይመጸን ፡ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ከምዝወርድን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝውለድን ኣቐዲሙ ብኅብረ ትንቢትን ምሳሌን ይንገር ነበረ ፡ ነቢይ ኢሳይያስ ‘’ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ ኸኣ ኽትወልድ እያ ፡ ስሙ‘ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ’’ ይብል እሞ ደጊሙ ድማ ‘’ እስመ ሕፃን ተወልደ ለነ፡ ወልድ ተውህበ ለነ ፡ ማለት ጠባይ ሕፃናት ሓልዩ ሕፃን ኮይኑ ተወሊዱልና ወልድ ንኩነተ ሥጋ ፡ ንሕማምን ሞትን ተዋሂብልና’’ ኢሉ ተንብዩ ነበረ ።
በዚ ተስፉ እዚ ኸኣ ቐዳሞት ኣበውን ሃብተ ትንቢት ዚተዋህቦም ቅዱሳን ነቢያትን ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ፡ ‘’ ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ ‘’ ‘’ብርሃንካን ጽድቕኻን ለኣኽ’’ ፡ ካብ ብርሃን ዚተረኽበ ብርሃን እግዚአብሔር ወልድ ‘’ ተገለጽ ፡ ውረድ ፡ ተወልድ’’ ኢሎም ብተስፋ ይጽበዩ ነበሩ።
እነሆ ድማ ነታ ኣብ ጸልማትን ኃጢኣትን ድነ ሞትን ክሕደትን ዚነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቓል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ‘’ ካልኣይቲ ሰማይ” ዚተሰምየት እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ፡ንኹሉ ሰብ ዘብርህ ‘’ ፀሐየ ጽድቅ’’ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ ፡ ብልደቱ ኸኣ ጸልማት ተሳዒሩ ብርሃን ደቂ ኣዳም ተመልሰ ፡ ነዚ ዚረኣዩ ቅዱሳን ትጉሃን መላእክቲ ብታሕጓስ ‘’ ስብሐት ለእግዚኣብሔር ብሰማያት ፡ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ ‘’ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት ፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም ኢሎም ከመስግኑ ኸለው ጓሶት ድማ ንብርሃን ክርስቶስ ርእዮም ኣመስገኑን ንሕዝቢ መስከሩን፡
በዓለ ልደት ‘’ስብሐት ለእግዚኣብሔር’’ እናበልና ብመዝሙር ምስጋና ከነኽብሮ ኸሎና ከምዝሓለፈ ታሪኽ ንመዘከርታ ኣይኮነን ፡ ልክዕ ሎሚ ከምዝኾነ ገይርና ከምቲ ናይ ሽዑ ኣብ ቤተልሔም ዝነበረ ኹነታት ‘’ ዮም ፍሥሓ ኮነ በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ ‘’ ሎሚ ብልደት ክርስቶስ ሓጐስ ኮነ’’ እናበልና ከነኽብሮ ይግባእ።
ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለኹም ሕዝበ ክርስቲያን ካብቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ንዓለም ዘጨነቀ ሕማም ኮሮና ዓቂቡ ኣብ ብርሃነ ልደቱ ዘብጸሓና እግዚኣብሔር ኣምላክና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ እንዳበልና፡ በዚ ሕማም ይኹን ብኻልእ ብሞት ንዝቐደሙ ኣቦታትና ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዕረፍተ ነፍሲ ይሃቦም ንብል። በዓልና ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ክኾነልና እንዳ ተመነኹ ርሑቀ መዓት ወብዙኃ ምሕረት ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያናን ሃይማኖትናን ከጽንዓልና ሃገርና’ውን ክልልት በግርማ ሕጽርት በመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ከንብረልና ፡ ንዝሓመሙ ፈውሰ ምሕረቱ ፡ ንዝተጸገሙ ድማ ራሕዋ ሂቡ ፡ ሓድነትና ኣጽኒዕና ብፍቕርን ሕውነትን ክንነብርን ሓደራ ንብል።
እግዚአብሔር አምላክና ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ከም ዘብጽሓና ከምኡ’ውን ናብ ብርሃነ ጥምቀቱ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ኣብ መወዳእታ በዚ ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም በብእዋኑ መልክዑን ዓይነቱን እናቐያየረ ዳግማይ ደግሲ ኮይኑ ኣብ ሕማምን ሞትን የብጽሕ ብምህላው ፡ ምእንቲ ሕይወትናን ሕይወት ስድራ ቤትናን ብሓፈሻዊ ድማ ጥዕናን ሕዝብናን ሃገርናን ንምህላው ኩሉና ሓላፍነት ስለዘሎና ኣብ ምኽልኻሉ ንዝወሃበና መምርሒታት ሸለል ከይበልና ብግቡእ ከነተግብር ሓደራ እብል።
እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኽ!!!
ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማይ
5ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣስመራ