መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂኣብ ስነ-ስርዓት ምምራቕ መበል 36 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን – ተመረቕቲ 36 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ወለዲ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን መምህራንን ዓለምትን
ንተመረቕቲ 36 ዙርያን፡ ንወለዲን መምህራንን፡ ዮሃና!
36 ዙርያ ኣብ ዝምረቐሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ምስ ዝተፈላለየ ዓለማዊን ዞባዊን ምዕባለታት፡ ከም ቀንዲ መሳለጥያ ሃገራዊ ህንጸት ዝወሰደናዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ድሕሪ 35 ዙርያታት እንታይ ኣበርክቶ ገይሩ? ኢልና ገምጋማት ኣብ እነካይደሉ ዘሎና እዋን’ዩ ዝውዕል ዘሎ።
ምስ ፍሉይነት ሃገራዊ ኩነታትና፡ ከም ናይ ካልኦት ከይበልና፡ ወይ ካብ ናይ ካልኦት ይሓይሽ ይሓምቕ ከይበልና፡ ጸጋ ሰብና ከም ዝዓበየ ዘላቒ ሃብትና ወሲድና፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ፍልጠትን ሞያን ክእለትን ተመክሮን ንቕሓትን ደሊቡ፡ ኣበርክቶኡ ከራብሕ፣….. ኪኖ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ሓይሊ ፍልጠት ከኣ ድምር ፍልጠት ኩሎም ዜጋታት ተዓጻጻፊ ውጽኢት ምእንቲ ኪህብ፡ዝተሓለነ ተልእኾን ዝተሰላሰለ ዕማማትን ከምቲ ዝተወጠነዶ ነይሩ?….. ብኣሳልጦና ከይተነየትና፡ ሕጽረታትናን ድኻማትናን ከይሸፋፈንና፡ ዕቱብ ወድዓዊ ገምጋም ንገበረሉ ጉዳይ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ገምጋም ከኣ፡ተልእኾታትና ከሊስና፡ ብዝበለጸ ብቕዓት ዝሓሸ ውጽኢት ዝህብ ዕማማት ምቕያስ’ዩ።ናብ ዝሓሸ ክንግስግስ ከምዝዀና ኸኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
በዚ ኣጋጣሚ ን36 ዙርያ ዝበሃል ከኣ፡ ኣብ ነዊሕ ናይ ሂወት ጉዕዞ ምዕራፋት፡ ድሕሪ 12 ዓመታት ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ስለዘለኹም፡ ኣብ ቅድሚኹም ዘሎ ምዕራፋት ከኣ ብዙሕን ነዊሕን ስለዝዀነ፡ ናይ መልቀቒ ፈተና ውጽኢት ብዘየገድስ፡ ኣካዳሚያዊ ፍልጠትኩም ናብ’ቲ ዝበረኸ ከተደይቡ፡ ብትጉህ ዓያይነት ክእለትን ተመክሮን ክትድልቡ ብዘይ ምዝናይ ክትሰርሑ ማዕዳ ኣይትጸበዩ። ወለዲን መምህራንን ኣለይቲን ከኣ፡ ሕልናዊ ግዴታ ምክትታሎምን ደገፎምን ክህቡ ልዑል ትጽቢት ኣለዎም።
ዓወትን ኣሳልጦን ንተመረቕቲ!
ዓወት ንሓፋሽ
13-07-2024