ሓጺር ታሪኽ ህይወት ገዲም ተጋዳላይ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ ኣልኣሚን
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!
ሎሚ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራን ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን መዓልቲ ረዚን ሓዘን ኢዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ መዓልቲ ልዑል ሓበን። ንጕሂ፣ ሃገርና ካብ ዘፍረየቶም ጽኑዓት ተቓለስቲን መራሕቲን ዝኾነ ብጻይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፣ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፣ ብመስዋእቲ ስለዝተፈልየና። ንሕበን ከኣ- ብታሪኹ፣ ብጕዕዞ ቃልሱ፣ ብመሪሕነታዊ ተራኡ፣ ብዕዙዝ ኣበርክቶኡ ንዓወት ሓርነታዊ ተጋድሎናን ህንጸት ናጻን ልኡላዊትን ሃገርናን።
ብብልሑን ተወፋይነቱን ብቕዓት መሪሕነቱን ንዓወት ሓርነታዊ ቃልስናን ህንጸት ሃገርን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ፣ ከም ሰብ ምቕሉል፡ ከም ተጋዳላይን ሓላፊን ኣብነታዊን ዓቢ መምህርን፣ ሓርበኛ ተጋዳላይ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣልኣሚን፡ ታሪኹን ድሙቕ ሃገራዊ ኣበርክቶኡን፡ ብልዑል ክብሪ እናዘከርና ንሰናበቶ ኣሎና።
ኣብ 1947 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ኣልኣሚንን ኣዲኡ ሓሊማ ኣሕመዲንን ኣብ ባጻዕ ዝተወልደ ብጻይ ኣልኣሚን፣ ካብ 74 ዕድመኡ፡ 55 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ህንጸት ሃገርን፣ 44 ካብኡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ዘሕለፈ፡ ውፉይ ሃገራዊ እዩ።
ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣልኣሚን፡ ሓደ ካብቶም፡ ምሉእ ዕምሮም ንህዝባዊ ዕላማ ወፍዮም፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም፡ ሃንቀውታ ህዝቢ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ዝጸዓቱ፡ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን፡ ትስፉው መንፈስ፡ ዓቕሊ፡ ጽንዓት፡ ምቕሉልነት ዝመለለይኡ ክብርታት ዝውንኑ ተጋደልትን መራሕትን እዩ።
ስውእ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ወላዲኡ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባሕረኛ ብምንባሮም፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ እናተቐመጠ፡ መባእታ ደረጃ ተማሂሩ። ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ድሕሪ ምክትታል፡ ዳግም ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሱ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ።
ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ፡ ገና ብንእስነቱ ልዑል ሃገራዊ ስምዒትን ባህጊ ናጽነትን ስለዘሕደረ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ፡ ኣብ ሚያዝያ 1966 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰኢፉ። ኣብ ሲርያ ወተሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምቕሳም ድማ ኣብ ሜዳ ኣብ 4ይ ክፍሊ፣ ኣብ ኣሃዱ ሕክምና ተመዲቡ፣ ብተወፋይነት ኣገልጊሉ።።
ኣብቲ ጽንኩር መድረኽ’ቲ፣ ብጻይ ኣልኣሚን፡ ነቲ ብጉድለት ሃገራዊ ራኢዪን ፕሮግራምን ብቑዕ ኣመራርሓን፡ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ ንምዕራይ፡ ብመሰረታውያን ተጋደልቲ ኣብ ዝተላዕለ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ንጡፍ ግደ ተጻዊቱ። እቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ክዕወት ስለዘይከኣለ ድማ፡ ምስ ብዙሓት ተቓለስቲ ብጾቱ ካብ ተሓኤ ተፈልዩ፡ ሓደ ካብ መስረትቲት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ብምዃን፡ ኣብ ስዱሓ ዔላ፡ ኣባል መሪሕነት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ክኸውን በቒዑ።
ብጻይ ኣልኣሚን፡ ካብ 1970 – 1976 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ሳሕልን ከበሳታትን እናተንቀሳቐሰ፡ ኣብ ዜናዊ ስርሓትን ምምልማል ካድረታትን ንጡፍ ተር ተጻዊቱ። ኣብ 1977 ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ተመሪጹ።
ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉብኤ፡ ብጻይ ኣልኣሚን፡ ሓላፊ ክፍሊ ዝምድናታት ወጻኢ ህዝባዊ ግንባር ብምዃን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ፍትሓውነቱን ኣብ ምፍላጥ፡ ዝምድና ህዝባዊ ግንባር ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ኣብ ምስፋሕ፡ ደገፍ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዛዝ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ምውዳብን ኣበርክቶኦም ኣብ ምሕያልን፡ ከይተሓለለ ጽዒቱን ልዑል ኣበርክቶ ጌሩን ኢዩ።
ብጻይ ኣልኣሚን ኣብ 1987፡ ኣብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነትን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ዳግም ተመሪጹ። ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ብምዃን ድማ፡ ፖለቲካውን ዜናዊን ዕማማት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምሕያልን ምምዕባልን፡ ከምኡ’ውን ካድረታት ኣብ ምስልጣን ምምልማልን ልዑል ግደ ተጻዊቱ።
ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ሓንሳብ ብተበግሶ ሕብረት ሶቬት ጸኒሑ ብተበግሶ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ምስ ወከልቲ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተኻየደ መድረኻት ዘተ፣ ብጻይ ኣልኣሚን፡ ከም መራሒን ኣባልን ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ምስታፉ ኣይርሳዕን።
ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ክሳብ ናጽነት፡ ከም ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ተመሪጹ፤ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ድማ ከም ጸሓፊ ህግደፍ ብተወፋይነት ኣገልጊሉ።
ቋንቋታት ትግረ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ እንግሊዝ ዝመልኽ ብጻይ ኣልኣሚን፡ ፍልጠቱ ንምዕማቝን ነብሱ ንምምዕባልን ትጉህን ህርኩትን’ዩ ኔሩ። ጎድኒ ጎድኒ ናይ መሪሕነት ዕማማቱ፡ ሰለስተ መጻሕፍቲ ድሪሱን ብዙሕ ፖለቲካዊ ጽሑፋት ኣፍርዩን እዩ። ብጻይ ኣልኣሚን ምቕሉልን ጥዑምን ሕያዋይን፣ ፍልጠቱን ዓቕሙን ነብሱን ዘይበቅቕ መራሒ’ዩ ኔሩ።
ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብልዑል ፍቕሪን ተወፋይነትን፡ ምሉእ ዕምሩ፡ ስለ ህዝቢን ሃገርን ተበጅዩ ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት ንህልዊ ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናራት ከካይድ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት እናፈጸመ፡ ብሕማም ኮሮና ተጠቒዑ፣ ኣብ ሆስፒታል ጽዑቕ ክንክን እናተገብረሉ እንከሎ ብ14 ሕዳር 2021 ተሰዊኡ። ሎሚ 17 ሕዳር 2021 ድማ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ቤተሰቡን መቓልስቱን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ፡ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ስውእ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳትን እዩ።
መስዋእቲ ልዑል ታሪኻዊ ግደ ዝነበሮ መራሒ ፡ ንሃገርን ህዝቢን ዓቢ ከቢድ ክሳራ እኳ እንተኾነ፡ ብጻይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፣ ረብሪበ ከይበለ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ተወፍዩ ብምስራሕ፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብምልኣት ዝፈጸመ ዜጋ ብምዃኑ፣ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ ብሓበንን ዓቢይ ክብርን እናዘከርና ኢና ንፋነዎ ዘለና።
መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ብመስዋእቲ ናይዚ ገዲምን ውፉይን ተቓላሳይን ኣብነታዊ መራሒን ዝተሰምዖም መሪሕ ሓዘን እናገለጹ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስድራቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም! ጽንዓት ይሃበና!” ይብሉ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!