ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት 134 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ቅጥራን ጽርግያ ሎሚ ብወግዒ ተበጊሱ

ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ፡  ንዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብቐጥታ ዘራኽብ 134 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ በዓል ክልተ መስመር ናይ ቅጥራን ጽርግያ፡ ሎሚ 11 ሕዳር ብወግዒ ተበጊሱ። እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ (SFECO) ኣብ ውሽጢ...