ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጆግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ዝተጠምሩ፡ መሰረታዊ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለዎም ህዝብታት ከምዝኾኑ ብምግንዛብ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዝነበሮም ዕድላት ከምዝተነፍጎም ብምዝካር፡ ነዚ ከቢድ ዋጋ...