ህዝቢ ኤርትራ ብዕሊ ክግንዘቦ ዝግባእ: ሽርሕታት ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ስንክሳር ማሕለኻታቱን!!!
ቅድሚ ናብ ጥልቕ ዝበለ ዝርዝር ሓበሬታ ምእታወይ: ኣቐዲመ ነዚ ጽሑፍ ዚ ንክንጽሕፍ ዝደረኸኒ ዝዓበየ ጉዳይ: ፍሉይ
ዕላማን ሕቡእ ዛዕባን ሃልዩኒ ዘይኮነ: እታ ትማሊ ኣብ ዘካየድናዮ ሓርነታዊ ተጋድሎናን ዝኸድናዮ ሰለስተ ወሎዶ ዝወሰደ
ገድላዊ ጉዕዞና: ኤርትራ! ኤርትራ ኾይና ንኽትክበር: ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ! ህዝብና ከም ህዝቢ መጠን ዝሓለፎ
ስቅያትን: ተደራራቢ ሰንሰለታዊ ግፍዕታትን: ከም ውጺኢቱ ኸኣ: ነታ ዘይትንደል ኤርትራዊት ዘንጊ ኣብ ቅድሚ ዓለም:
ሃገራዊ መንነቱን: ኤርትራዊ ክብርታቱን ንምውሓስ: ትማሊ ንዝ መሮ ጉዕዞ: ኣብ ሎሚ ኾይኑ ንጽባሕ ‘ውን: ብዘይ
ዕረፍቲ ዝጓዓዘሉ ኣብ ዘሎ እዋንን ግዜን: ካብ ካልእ ቅርሕንትን ሕዱር ፖለቲካዊ ሕሳባት ተበጊሰ: ወይ ድማ: ንስርዓት
ኣስመራ ከም ስርዓት መጠን ንምድሓንን ህላዌኡ ንምቕጻል: እስትንፋስ ንምስዃዕ ዘይኮነ: ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ
ሃገረ ኤርትራ ንዝወጠኖ ፖሎቲካውን ወትሃደራውን ስለያዊ ሽርሕታትን: ናይ ተጻብኦ ማሕለኻታቱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን
ህዝቢ ኤርትራ: ንወሎዶታት ዝቕጽል ሓደገኛ ስትራተጂካዊ ውጥናቱ ናብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምቅላዕን: ብሓባራዊ
ርዲኢት: ሓባራዊ ኤርትራዊ ቃልሲ ንምክያድን ዝዓለመ ኢዩ::
ብመሰረቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ: ለውጢ ከምዘድልየና ልዕለይ እትፈልጥዎን እትቕበሉዎ ጉዳይ ምዃኑ ዘጠራጥር የብለይን
ጥራይ ዘይኮነ: ለውጢ ንስለ ዝደለና ግን: ንእንሓቶን እንብህጎን ለውጢ: ደሞክራሲ: ፍትሕን ሰላምን: ሓድነትን
ምርግጋእን: ምርግጋጽ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን: ምሕላው ግዝኣተ ሕግን: ምጽናዕ ሉኡላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን:
ካባና! ናባና! ብኣና! ምዃኑ ኣሚና እንኸዶ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቓልሲ ‘ምበር: ኢዱ ብዘሕበጠ ናይ ቀረባ ጎረቤት ይኹን:
ብበትርን ካሮትን ዝደናደነና ናይ ርሑቕ በዓል ሻፎ ዱላ: ለውጢ ከምጸኣልና ኢዩ ኢልና ክሳድና ኣድኒኑ ዘጎናብሕ ኒሕ
ስለ ዘይብልና: ካብ መፈለምታኡ: ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ዝቐንዐ ተጻባኢ ስጉምትታት:
ኣሽምባይዶ ሕጂ ሰፊሕ መርበብ ረኺብና: ብቐደሙ ‘ውን መሪሕነት ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ: ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሉኡላዊ
ኤርትራዊ መንነት: ንጹር መርገጺ ከም ዘይነበሮ ዝሕብር መዛግብቲ ግሉጽ ዝገበሮ ይመስለኒ:: ንዝያዳ ናይ’ዚ መሰረታዊ
ነጥቢ መርትዖ ኸኣ: ናይ ትማሊ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቦ ወንበር ዝነበረ: ነፍስ-ሄር መለስ ዜናዊ ኣብ 1990:
ምስ ሓደ ኣባል C.I.A. ዝኾነ ኣመሪካዊ PAUL. B.. HENZE. ዘካየዶ ቃለ መሕትት: እኹል መርትዖ ኢዩ ንዝያዳ ነዚ
ዝስዕብ ጥብቆ ተመልከት:- Read Mor