ፊያሜታ
ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ’የ ነይረ።
ሓደ ቐዳም ምሸት፡ ‘ወሎ ሰፈር’ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ለይታዊ ትልሂት ምሰ’ላገስኩ፡ ሓደ ዘስሕቕ ነገር ገጢሙኒ። ኣብ’ቲ ለይታዊ ትልሂት፡ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት’ዩ ዝውላዕ። ኣብ ሞንጎ ድማ ናይ ትግርኛን ኣሮምኛን ደርፍታት ሕውስ የብሉ’ዮም።
ትግርኛ ተራኡ ሓልዩ ክድረፍ ጀሚሩ። ንሽዑ ዝተመርጸት ደርፊ “ማርቸዲስ ሸዊት” እትብል ናይ ወዲ ትኹል’ያ ነይራ። ትሕዝቶ ናይ’ታ ደርፊ ብሕጽር ዝበለ፡ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት (ሻዕብያ) ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዓወት ይሓፍስ ከም ዘሎ’ያ ትገልጽ።
እቲ DJ ትግርኛ ከም ዘይክእል ፍሉጥ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ቋንቋ ትግርኛ ዝፈልጥ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ከቢድ ውግእ ተሸሚመን እናሃለዋ፡ ነታ ደርፊ ኣይምመረጻን።
ኣብ’ቲ ለይታዊ ትልሂት ሓደኳ ቋንቋ ትግርኛ ዝኽእል ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ደቂ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ወዲ ትኹል ደርፊ ረሃጽ ብረሃጽ ክሳብ ዝዀኑ ክለሃዩ እናረኣኹ፡
ክዘናጋዕ ኣምስየ። “ቋንቋ ዘይምፍላጥ ዓሻ ይገብር” ከም ዝበሃል።
ምዝንጋዕ ወዲአ ክወጽእ ከለኹ፡ ናብ’ቲ ዲጄይ ኣላጊሰ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ወዲ ትኹል ዝደርፎ ዝነበረ ደርፊ እንታይ ምዃኑ ሓቲተዮ። ከምዘይፈልጥ ምስ ነገረኒ ኣሕጺረ ተርጒመሉ። ብስንባደ ኣእዳዉ ረድረድ ክብሎ ጀሚሩ። ክምስታ ለጊሰ ሓዲገዮ ክኸይድ ክብል፡ ኢደይ ሒዙ ሓቲቱኒ፦
“ካብኦም ዲኻ?”
“ካብ መን?”
“ካብ’ዞም ናይ መንግስቲ” “ኣይኮንኩን። ካብ ካልኦት’የ” ጸጉሩ እናሓሰየ፡-.
“ብዘይ ፍላጥ ዝገብርክዎ’ዩ። ስለዝነገርካኒ አመስግነካ። ምናልባት ተጋሩ (ትግሬ) ኣብ’ዚ እናተሃልዮም ግና፡ ኮነ ኢለ ዝገበርክዎ ክመስሎም ይኽእል’ዩ” በለኒ ብርቡሽ መንፈስ።
“ክሳዕ ክንድኡ ኣይትሻቕል፡ ብጌጋ ከም ዝገበርካዮ ኣይክጠፍኦምን’ዩ” ኢለ ኣደዓዒሰዮ ወጺአ።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከኣ ኣብ ኣስመራ ክልተ ግዜ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙኒ።
እቲ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ፡ ካብ
ኣስመራ ቅሩብ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማእከል መዘናግዒ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ በብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ደርፍታት ይውልዑ ነይሮም። ኣብ ሞንጎ፡ ናይ ቴድሮስ ኣፍሮ “አበባዬ ሆይ” ትብል ደርፊ ተፈንያ። ቴድሮስ ነታ ደርፊ ክጅምራ እንከሎ፡ “የኢትዮጵያ ትንሳኤ” እዩ ዝብል። ተኣንገድቲ መንእሰያት ኣስመራ፡ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ ደርፊ ከየገናዘቡ፡ ብደርፊ ቴድሮስ ኣፍሮ ተበሪህዎም ይስዕስዑ ነይሮም። ኣብ’ቲ እዋን፡ ነታ ጉዳይ ደርፍታት ትቈጻጸር ዝነበረት ካሼር ጸዊዐ ሓቲተያ፦
“ትርጉም ናይ’ዚ ደርፊ ትፈልጥዮዶ?”
“ኣምሓርኛ ኣይፈልጥን’የ” ድሕሪ ምባላ፡ እታደርፊግናናይቴዲኣፍሮምዃና ነጊራትኒ።
“ጽቡቕ ኣለኺ፡ ‘ቲ ደራፋይ ቴድሮስ ኣፍሮ’ዩ ዝበሃል። ንፉዕ ድምጻዊ’ዩ። ግና ብግጥምታቱ ገይሩ እንታይ ይብለኪ ከም ዘሎ ዶ ክንግረኪ፦
ንኤርትራ ብጓል፡ ንኢትዮጵያ ድማ ብወዲ ገይሩ ምድራፉ፡ ፖለቲካዊ መልእኽቲ’ዩ ዘለዎ። ደግሲ ናይ’ቲ “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ’ያ” ዝብል’ዩ። ዳህላክ ከልዕል ከሎ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ’ዩ። “ናብ ዳህላክ ኬድና ኣጒዶ ንሰርሓሉ ግዜ ክምጽእ’ዩ” ክብል ከሎ ንጹር መልእኽቲ’ዩ ዘለዎ፡ ንትንሳኤ ኢትዮጵያ እዩ ዝትንበይ ዘሎ።” ኢለ ንሕልኽላኽ መልእኽቲ ቴድሮስ ተርጒመላ።
እታ ጓል ኣብ ዘይተጸበየቶ ሓሳብ ተሸሚማ። ግና ኸኣ ኣይተወላወለትን። ጎይያ ናብ’ታ መወልዒት ሙዚቃ ከይዳ፡ ነታ ደርፊ ኣጥፊኣታ። ኣምሳያኡ ሄለን መለስ ክትደርፍ ጀሚራ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ካብ’ቶም በታ ቐዲማ ዝነበረት ደርፊ ተመሲጦም ዝነበሩ ሰባት ምጉርምራማት ተሰምዐ። ገለ ናብ ሽምግልና ዝዛዘዉ ሰባት ግና ናይ “ጽቡቕ ገበርኪ” ዝዓይነቱ ምልክት ሃብዋ።
እታ ደርፊ ብምቁራጻ ደስ ዘይበሎ ዝመስል ሓደ መንእሰይ፡ ናባይ ገጹ ምጥማት መሰ’ብዝሐ ኣዛሪበዮ፦
“ብምቁራጽ ናይ’ታ ደርፊ ቅር ዝበለካ ኢኻ ትመስል?”
“እንታይ ኢኻ ኢልካያ ነታ ጓል?” ሓቲቱኒ።
“ትርጉም ናይ’ታ ደርፊ’የ ነጊረያ?”
“እንታይ ድዩ ትርጉም ናይ’ታ ደርፊ?”
ብስም ስነ-ጥበብ መልእኽቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኵናት ከም ዘለዋ ኣሕጺረ ኣረዲአዮ።
ሽጋራኡ እናሰሓበ ከምዚ በለኒ፦
“ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣይክእልን’የ። ቴዲ ክደርፍ ከሎ ግና ማራ’ዩ ኬፍ ዝህበኒ። ደርፍታት ቴዲ ብዛዕባ ፍቕሪ ምዃኑ’ዮም ሰባት ዝዛረቡ። ንናይ ቴዲ ደርፍታት ብኸምዚ ንስኻ ትገልጾ ዘሎኻ ገይሩ ዝገልጾ ሰብ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን’ዩ። እኳ ደኣ በኣንጻሩ ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ‘ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘቀራርብ’ ትሕዝቶ ብምድራፉ ከም ዝሸለምዎ’የ ዝፈልጥ። ብወገነይ ምስ’ዚ ንስኻ ትብሎ ዘሎኻ ፍጹም ኣይሰማማዕን’የ።”
ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣይመለስክሉን። ስቕ ብምባለይ ቀጺሉ፦
“በል እስከ ነታ ‘ፍዮሪና ጓል ኣስመራ’ ትብል ደርፊ፡ ከመይ ፖለቲካ ከትከውን ከም ትኽእል ኣረድኣኒ።” ሓቲቱኒ።
“ምናልባት ንወየንቲ ከሕርቕ ወይ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለ’ንስተይቲ ስለዝፈተወ ደርፍዋ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ደርፍታት ቴድሮስ ኣፍሮ ኣሐፊሽካ እንተርኢኻዮም ግና፡ ናይ ፍቕሪ ኣይኮኑን። ኣብነት ከምጽኣልካ ‘ጥቁር ሰው’ ትብል ደርፉ ሰሚዕካያ’ለኻ?” ሓቲተዮ፦
“ሰሚዐ’ያ ‘ለኹ። እንታይ ኢኻ’ሞ ከተውጽኣላ ንዕኣ?”
“ከም መረዳእታይ፡ እታ ደርፊ ንህዝቢ ኦሮሞ ተቐይም’ያ። ቴድሮስ ኣፍሮ ኣብ ጥቓኡ ንዘለዉ ደቂ ኦሮሞ ዘየኽበረን
ዘይፈተወን፡ ከመይ ጌርካ ንናይ ስግረዶብ ጎረባብቱ ክፈቱ ትጽበ? ብጽባቐ ኤርትራዊት ጓለ’ንስተይቲ ኣምሲሉ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን’ዩ ዝደርፍ። ብዛዕባ ሰብ ዘይኮነ – ብዛዕባ መሬት፡ ብዛዕባ ባሕሪ’ዩ። ገለ የውሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ ንደግሲ ወራሪ ባህርያት ናይ’ቲ ደርፊ ከየስተብሃሉ፡ ሓቢሮሞ ምድራፎም’ዩ ‘ቲ ዘገርም …”
ውድያት ክትዕ ክቕጽል ኣይደለየን። ገጹ ክጸዋውግ ጀሚሩ። ከም ዘይማእማእክዎ ተረዲኡኒ። ብመረዳእታይ፡ ምስ ገለ ኣድነቕቲ ቴድሮስ ኣፍሮ ክጋጮ ዝኽእል ምዃነይ ኣይሰሓትክዎን። ትሕዝቶ ደርፍታቱ፡ ነታ ሞይታ ዝተደብየት ናይ ቀደም ኢትዮጵያ ንምምላስ ሃንቀው ናይ ዝብሉ ወገናት ሰይጣናዊ ሓሳብ ምዃኑ ምስ ተረድኡ ግና፡ ክስንብዱ ምዃኖም ርግጸኛ’የ።
•••
ካልእ ግዜ ኣብ ከባቢ ቲራቨሎ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባር ዘጋጠመኒ’ውን ኣሎ። ኣብ ባልኮኒ ኢና ኮፍ ኢልና ኔርና። ደወል ሞባይል ኣብ ጥቓይ ናይ ዝነበረ ዕድመ ድፍእ ዘበለ ሰብ፡ “ፊያሜታ” እትብል ናይ ጃኪ ደርፊ ተስምዕ ነይራ። ተቐቢሉ፡ ተዛሪቡ ክሳዕ ዝውድእ ተጸብየዮ። ምስ ወድአ ብሓውሲ ዋዛ ገይረ ከዕልሎ ፈቲነ፦
“ደወል ጻውዒት ሞባይልካ ደኣ ናይ መን ደርፊ ከም ዝኾነት ትፈልጥ ዲኻ?”
ቅሩብ ከም ሰጋእመጋእ ድሕሪ ምባል፦
“ኣይፈልጥን’የ። ጓለይ’ያ ገይራትለይ?” መሊሱ ሓቲቱኒ፡ “… ንምንታይ ሓቲትካኒ?”
“ብዛዕባ’ታ ፊያሜታ ትበሃል ጓለ’ንስተይቲ ገለ ትፈልጦ ነገር እንተሎ’የ ክሓተካ ደልየ” ኢለዮ።
“ክጠቕስዋ ሰሚዐ’ለኹ።” በለ። ቅሩብ ጸኒሑ ድማ፡ “… ኦሮማይ ኣብ ትበሃል መጽሓፍ ዘላ ገጸ-ባህሪ ምዃና ሰሚዐ’ለኹ።”
ጽንሕ ኢለ ከረድኦ ፈቲነ፦
“ልክዕ ኣለኻ። በዓሉ ግርማ ኣብ ኦሮማይ መጽሓፉ ከም ገጸ-ባህሪ ተጠቒሙላ ኣሎ” ኢለዮ ስቕ ኢለ። ኣነ ስቕ ኢለ፡ እቲ ሰብኣይ ዘረባኡ ክቕጽል ከም ዝኾነ ግና ቼንቶ ፔር ቼንቶ ርግጸኛ’የ ነይረ። ብርግጽ ድማ ከምቲ ዝተጸበኽዎ፡ ሰብኣይ እቲ ኩነታት ኣይበርሃሉን
ወይ ኣይተበርሆን ስለዝነበረ፡ ክዛረብ ጀሚሩ። “እንታይ ክትብል ኢኻ ደሊኻ?” “ኦሮማይ ትብል መጽሓፍ ኣንቢብካያዶ?” “ኣየንበብክዋን።”
“እንተተንብባ ኔርካ፡ ደወል ጻውዒት ቴሌፎንካ ፊያሜታ ክትከው ፍቓደኛ ኣይምኾንካን ኔርካ። እዛ ሃገር ብብሬን ሰማይ ናይ ዝቐደዳ፡ ናይ ከም በዓል ጽገሬዳ፡ በዓል ፎውዝያ፡ በዓል ደሃብ ሃገር’ያ። ሽሕኳ ዝመረጽካዮ ደርፊ ክትሰምዕ መሰልካ እንተኾነ፡ ኣብዚ ሃገር ናይ ፊያሜታ ጊላይ ደርፊ ክድረፍ ክትሰምዕን ብእኡ ክትስዕስዕን ግና ኣዝዩ ዘሕንኽ’ዩ።
ግንባሩ ጸዊጉ ሓቲቱኒ፦
“ፊያሜታ መን ድያ ነይራ ኣብቲ መጽሓፍ?”
“ኣይትፈልጥን?”
“ነታ መጽሓፍ ከም ዘየንበብክዋ ኣቐዲመ ነጊረካ’የ”
ዓሚቝ ድሕሪ ምስትንፋስ ክምልሰሉ ጀሚረ፦
“ፊያሜታ ሓንቲ ኣመንዝራ’ያ ነይራ” በልክዎ።
“ፊያሜታ ኣብ’ታ መጽሓፍ ክትስሕቕ፡ ክትሰቲ፡ ሴክስ ክትፍጽም፡ ክትሰዓዓም ኮታስ ኣንጻር ኤርትራዊ ባህሊ ብዝኾነ መገዲ ክትብዕልግ’ያ ትረአ። ስሪኣ ኣውጺኣ ኣመዓራርያ ናይ ምቕማጥ፡ ክዳውንታ ናይ ምሕጻብ ልምዲ ዘይነበራ፡ ኢጣልያውያን ነበርቲ ኣስመራ ላቡታና ቤላ ኮምቢሽታቶ (ሸርሙጣ ኮምቢሽታቶ) ዝብልዎ ዓይነት ጓለ’ንስተይቲ’ያ ነይራ።”
ነዚ መሰ’ረዳእክዎ፡ ብጽፊዒት ከም ዘላደድክዎ ዓይነት፡ ክሹቕረር ኣስተብሂለሉ።
ምንም ኣይተዛረበን።
ኣነ’ውን ኪኖኡ ኣይከድኩን። ቁሩብ ጸኒሑ ሕሳቡ ከፊሉ፡ ካብ’ቲ ባር ክወጽእ ምስ ረኣኽዎ በይነይ ስሒቐ። ድሕሪኡ ኢደይ ናብ ጁባይ ሰዲደ፡ ነታ ብኽቡር ዋጋ ዝተዓደገት፡ ፌራሪ ዝዓይነታ ብርዐይ ኣውጺአ ….
Ghebreab email: ttgebreab@gmail.com