ዓይነታዊ ንባብ፡ ዓይነታዊ ረብሓ

ብ ኪዳነ እንድርያስ
ምንባብ ሓደ ካብ ኣዝዮም መሰረታውያን ነገራት ንጣዕምን ምቾትን ካብ ዘድልዩን ዘብለጭልጩን ነገራት ኣይኮነን ንጽቡቕን ሕጉስን ሂወት ኢዩ። እቲ ካብ ምንባብ ብቐጥታ እንረኽቦ ሓጎስን ፍስሃን ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ፡ ዋናን ኣውራን ቁምነገሩ፡ እቲ ኣብ ሂወትና ዘሕድሮ ጽልዋን እዚ ጽልዋ’ዚ ኣብ ኣካይዳናን ጉዕዞናን ኣብ እንሃንጾ ሕብረተሰብ ዝህልዎ እወታዊ ተራን ደኣ’ምበር። እዚ ነጥቢ’ዚ ብምልኣትን ብኹሉን፡ ግንዛቤን ኣፍልጦን ዝረክብ ሳሕቲ ኢዩ። ከም’ዚ ካብ ኮነ፡ ማዕዳን ምኽርን ዊተግንስተይን (Wittgenstein) ሰሚዕና “መዘኻኸርቲ ሰባት ብምእካብ” ንኹሉ እዝኒ ዘለዎን ዝሰምዕን፡ ከንብብ ዓቕሚ ዘለዎን፡ ምንባብ ካብ’ቲ ኣንባቢ ዝሓስቦን ዝግምቶን ንላዕሊ ምዃኑ ብቐጻሊ ዝሕብሩን ዘዘኻኽሩን። “ከንብብ እናኸኣለ ዘየንብብ ካብ’ቲ ከንብብ ዘይክእል መሃይም ከም ዝሓምቕ” ከዘኻኽርዎ’ውን ኣይጽላእን።
ምንባብ ምስ ኣፋዊ ጽዋታትን ዛንታትን ብምትእስሳር ክርአ ዝከኣል ይኹን’ምበር፡ ምንባብ ልበ-ወለዳዊ ዛንታ (ጽሑፍ) ቀንዲ ሞዴሎ (para- digm)ናይ’ቲ ንጥፈት ኢዩ። ምኽንያቱ ምንባብ ዛንታ ከም ንጥፈት፡ ልቢ ዝሰልብን ልዑል ኣድህቦ ዝወሃቦን፡ ብብሕትኻን ኣብ ግዜኻን ዝትግበርን ከም ልምዲ እንተሰሪጹ ከኣ ኣብ ተግባሪኡ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘምጽእን ስለዝኾነ። ትያትር ወይ ተዋስኦ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጠሚሮም ከም ዘለዉ ኣቑጸልትን ገጻትን፡ ደጊምካን ደጋጊምካን
እትሪኦን፡ ባህ ኣብ ዝበለካ ግዜ እትግንጽሎን ኣትዓጽፎን፡ ኣብ ልዕሊ ዝምስጡኻ ኣባሃህላታትን ሓሳባትን ንዘሎካ ህርፋንን ባህግን ብምልኣት ከተዕግበሉ እትኽእል ሓደ ምሉእ ነገር ኣይኮነን። ዛንታ (novel) ግን ተጠቓሊሉ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ተዳለወ፡ ተተመሊስካ ትመጾን እንተደሊኻ ብዕምቆት፡ እንተደሊኻ ብሸፈፍ-ሸፈፍን ላዕሊ- ላዕሊን፡ እንተደሊኻ ብምስግጋርን ብምዝላልን እተንብቦን ከምድላይካ ሓሳባት እትወስደሉን ዝምስጡኻ ኣባሃህላታትን መግለጺታትን ትቐድሓሉን ኢዩ። እዚ ብሊጫታት እዚ ምስ ክብሪ ቁምነገሩ ይድመር። ላዕለዋይ ኢድ ዝሕዝ ልዑል ክብሩን ኣገዳስነቱን ግን ትሕዝትኡ ኢዩ።
ንኹሉ ብሩህ ከምዝኾነ፡ ብዙሓት ልበወለድ ዛንታታት ልዕሊ ኣድናቖትን ፍስሃን፡ መዘናግዕን መነቃቕሕን ዝሓልፍ ኣተና (ዕላማ) የብሎምን። ዋላ ምስ’ዚ ምቕሉል ዕላምኦም ግን ብተገዳስነት ንዘንብቦም ዝህቡዎ ጥቕምን ዘርሕውዎ ባብን ቀሊል ኣይኮነን። ምንባብ ካብ ዝህቦ ጸጋታት ወይ ረብሓታት፡ ምግምጋም ተመክሮኻ፡ ኣብ መስትያት ናይ ተንብቦ ዛንታ ምስልካን ምስሊ እትነብሮ ዓለምን ምርኣይ፡ ናብ ንእስነት ምምላስን ናብ ሽምግልና ምስጓምን… ወዘተ ይጥቀሱ።
እቲካልእካብምንባብዝርከብረብሓ፡ናይ ካልኦትን ዘይረኸብካዮን፡ ምናልባት’ውን ኣብ መላእ ዕምርኻ ክትረኽቦ ዘይትኽእልን ተመክሮ ክትድህስስን ክትዕዘብን ምኽኣል ኢዩ። እዚ ረብሓ’ዚ መዳርግትን መዘናን የብሉን። ናይ
ለባም ወዲ-ሰብ ሂያብ ጥራይ ከኣ ኢዩ። ኣብ ናይ ውልቅኻ ተመክሮ ጥራይ ምድራትን፡ ኣብ ትዕዝብቲ ኣብ ከባቢኻ ጥራይ ኣብ ዝርከቡ ሰባትን ነገራትን ምሕጻር፡ ንርሑቕ ዘማዕዱን ለባምን ንኸይትኸውን ስለዝዕንቅፍ “ ኣሞራ ኮንካ ንዓለም እንተትዛውና” ኣብ ፈቖዶ ኩርባን ተኾርባን፡ እምባን ሩባን፡ ዑናን ሓዲሽ ህንጻን፡ ምድ-ረበዳን እሳተጎመራን፡ እንተትዓልብን ኣብ ዝሰፍሐ ቦታን ጊዜን ንዝነበረ ሂወትን ኣካይዳን ክትዕዘብን ክትርዳእን፡ ኣብ ገለ እዋን ክትሽቑረርን ክትደናገጽን… ብማእከላይ ደረጃ ካብ ዝግምገም ዛንታ’ውን ይኹን ብምንባብካ ትረኽቦ ረብሓ ኢዩ። ተንብቦ ጽሑፍ ዝበለጸ ምስዝኸውን ከኣ ዝህቦ ረብሓ’ውን ብማዕሪኡ ዝልዓለ ክኸውን ግድነት ኢዩ። እዚ ከኣ ኢዩ ምንባብ ዝህበካ ክቡር ሂያብ። እቲ ዝበለጸ ስነ- ጽሑፍ ኢዩ (great literature) ዝበሃል ፡ ብጀካ’ቲ ካልእ ብልጫታቱ፡ እቲ ንዝተፈላለዩ ዓለማት ገሊሁ ዘርእየና፡ ዓሚቕ መረዳእታ ንነብረሉ ዓለም ዝህበና፡ ለጋሳትን ተደናገጽትን፡ ኣኽበርትን ሓለይትን፡ ሰማዕትን መሃርትን፡ ንዝደቐቐ እነስተብህልን መስተውዓልትን ሃየስትን ሰፊሕ መረዳእታ ከምዝህልወናን … ወዘተ ዝገብር ኢዩ።
እዞም ነጥብታት’ዞኦም ኣዚዮም ፍሉያት ኢዮም። ብሉጻት መሳርሒ ንዕብየትን ስልጣኔን ስለዝኾኑ። ካብ ምንባብ እንረኽቦ ጥቕሚ ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምዕባሌናን ናይ ምርዳእ ዓቕሚናን በዚ ጥራይ ኢዩ ዝዓቢ ክብሃል’ውን ኣይከኣልን። ብፍላይ ምንጋርን ምጽዋይን ዛንታ ግን ቅድሚ ጽሑፍ ምትእትታው ስለዝጀመረ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ሰባት፡ ካብ ከባቢኦም ወጻኢ ንዘሎ ኩነታት ክፈልጡን ብዕምቆት ንኽርድእዎን ንዘገድሶም ክቀድሑን … ወዘተ ኣብ ምግባር እቲ ዝሓየለን መሰረታውን መሳርሒ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑን ዘሎን።
ዕብየትን ስፍሓትን ምድንጋጽና ኣዝዩ ኢዩ ዘገድስ። መኽንያቱ ሓልዮትን ምድንጋጽን መሰረት ሞራላዊ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ። ምድንጋጽ ምስ ካልኦት፡- ሃንቀውትኦም፡ ድልየታቶም፡ ምርጫታቶም፡ ዕድላቶም ከምድልዮቶም ንኽውስንኑን ክሳብ ምኻድ ዝምጠጥ ዝርግሐ ዘለዎ ኢዩ። ብሓደ መዳዩ ከኣ ከም’ቲ ኣባኻ ክፍጸም ዘይትደልዮን ኩነታትካ ኣብ ግምት ክኣቱ እትብህጎን ኣብ ካልኦትን’ውን ከምኡ ክኸውን ትጽዕትን ትሕልንን። እዞም ናይ ሓባር ረቛሒታት ምስ ዝማልኡ፡ ሕብረተሰብ ልዕሊ ጽቡቕ ይጥመርን ይሰምርን። ኣብ መወዳእታ ምንባብ፡ ንገዛእ ነብስኻን ንካልኦትን ብዕምቆት ከምትርዳእ ስለዝገብር ጽቡቕ ሂወትን ስኑይ ሕብረተሰብን ኣብ ምህናጽን ምርግጋጽን ተርኡ መተካእታ የብሉን። ዘንብብ ከኣ ኢዩ ዝዕምብብ!።
መወከሲ፡ The heart of things