ኣንጻር ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣተወት ሃገር ኮይና ንኽትተርፍ ዝዓለመ ውዲት’ዩ”ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል
ካብ2ክሳብ27መጋቢትኣብከተማ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣቶ ኣድም ዑስማንን ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተሳቲፎም ነይሮም። ካብቲ ኣኼባ ድሕሪ ምምላሶም ምስ ማዕከናት ዜና ናይ ዝገበሩዎ ዝርርብ ጽሟቕ ትሕዝቶ እንሆ፦
***
ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል፡ ስለምንታይ እዩ ብስም ሰብኣዊ መሰላት ኣንጻር ኤርትራ ተጻብኦ ዝግበር ዘሎ? ደፋእቱኸ በዓል መን’ዮም?
ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ክትዛረብ ክትደሊ ከለኻ፡ ክልተ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ግምት ምእታው ከድሊ እዩ። ቅድም ቀዳድም፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ኣንጻር ኤርትራ ጥራይ ዝቐንዐ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦ ምዃኑ ምፍላጥ ከድሊ እዩ። ኤርትራ ብመሰረቱ ኣብ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝበቖለት ሃገር’ያ። ድሕሪ መሪር ቃልስን መስዋእትን ከኣ ሃገር ንምህናጽ ተበጊስና። እዚ ኩሉ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ተጻብኦታት እምበኣር፡ ሃገር ንኸይንኸውን ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዕድመ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 17ዓመታት ዝረኣናዮ፡ ሃገር ንኸይንኸውን፡ ንኽንምብርከኽ፡ ወይ ከኣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣተወ ሃገር ኴንና ንኽንከይድ ተባሂሉ በብእዋኑ ክኸይድ ዝጸንሐ ተጻብኦታት – ቅድሚ ወራር ወያነ ዝነበረ ሕቡእ ኣጀንዳታት፡ ኣብ እዋን’ቲ ኲናትን ንሱ ምስ ፈሸለን ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ንምስፋን ዝተገብረ ጻዕሪ’ሞ ዝፈሸለ፡ ብድሕሪኡ ብጉልባብ ሃይማኖት ዝቐጸለ፡ ብድሕሪኡ እውን መንእሰያት ካብ ሃገር እናኣውጻእካ ነቲ ማሕበራዊ ቅርጺ ንምብሕጓግን ናይ ምክልኻል ዓቕምና ከምዝጎድል ንምግባርን ናይ መንእሰይ ዓያይነት ንምድኻምን፡ እቲ ናይ ዶብ ኩነታት ከምዝናዋሕ ጌርካ፡ ኤርትራ ብቑጠባ ከምእትርመስን ጅሆ ከምእትታሓዝን ንምግባር ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኩሉ ምስራሕ ምስኣበየ ከኣ እገዳ መጺኡ። እገዳ’ውን ኣይሰርሐን። ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ዓለም ዝሓልፍ እገዳታት ይኹን ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውሳኔታት ስለዘይሰርሐ፡ ሕጂ ከኣ ከም ሓድሽ ቅድመ-ግንባር ኮይኑ ከገልግል ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሕቶ መጺኡ። ዝኾነ ዘይኮነን ሓሶታት እናፈጠርካን እናፈብረኽካን ምስቲ ጭቡጥን ውዱዕን ኩነታት ናይ ኤርትራ ዘይከይድ ነገራት እናኣምጻእካን ንኤርትራ ምኽሳስ ክስርሓሉ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንምንብርካኽ ኣሎ ዝበሃል ኣማራጺታት ኩሉ ክፍተን እዩ ጸኒሑ። ብመሰረቱ ግን፡ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ምህናጽ ሃገር ተሰዂዑ እዩ ክስርሓሉ ጸኒሑ።
ሕጂ’ውን ብኸምኡ መንገዲ እዩ ዝስርሓሉ ዘሎ። ኣብ ኩሉ ጽላታት፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወት ናይቲ ህዝቢ እናተሰዅዐን እናተወሃሃደን ይስርሓሉ ኣሎ። ብዙሕ ዝተጓዓዝናዮ ኣሎ፡ ከም ሓዳስ ሃገር መጠን ግን ብድሆታት ኣለና። ነዚ ብድሆታት’ዚ ኣጋዲዱ ከምዘይንሰርሕ ክገብር ዝፍትን ዘሎ ከኣ ብቐዳምነት፡ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝግህስ ጎበጣ መሬት ኤርትራ ብስርዓት ወያነ እዩ። ብድሕሪኡ ዝመጽእ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻዒኑ ዘሎ ዘይፍትሓዊ እገዳ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እውን፡ ክሳብ መንግስቲ ናይ ምቕያር ሕልሚ ዝኸይድ ተጻባኢ መርገጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እዩ። ኩሉ’ዚ ተደማሚሩ፡ ከምዘይንስጉም ጌርካ ጅሆ ንምሓዝናን ሃገር ንምህናጽ ነካይዶ ዘለና ጻዕሪ ንምጉንዳብን ዝዓለመ እዩ። እንሆ ከኣ ሕጂ ብጉልባብ ሰብእእዊ መሰላት ንምትሕሓዙ ይፍተን ኣሎ።
ነዚ ኣጀንዳ’ዚ ከተሳሲ ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ እያ። ዋላ’ቲ ክስታት ክትርእዮ ከለኻ፡ ካብዚ ኩርናዕ’ዚ ዝነቅል እዩ። ኢልካ ኢልካ ድማ ንኤርትራ ካብ ናጻ ፖለቲካዊ መስመራ ኣውጺእካ ንምንብርካኽ ዝሓለነ እዩ።
እቲ ዘቕርብዎ ዘለዉ ክስታትከ እንታይ’ዩ መበገሲኡ ኣምባሳደር?
ኣብዚ፡ ገለ ገለ ነጥብታት ብንጹር ምርኣይ ከድሊ እዩ። ሰብኣዊ መሰል ኣብ ውሽጢ መስርሕ ምህናጽ ሃገር ሰዂዕካ ንምርኣዩ ብኹሉ መንገድታት ይጸዓረሉ ኣሎ። ዝገበርናዮ ማእለያ ዘይብሉ ምዕባለታት እውን ኣሎ። ምህናጽ ሃገር ናይ ወለዶታት ሕቶ እዩ – ግዜ ይሓትት፡ ቦታ ይሓትት፡ ውዳበ ይሓትት፡ ዓቕሚ ይሓትት። ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ምስቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ድሕረ ባይታ ክትርእዮ ከለኻ፡ ብድሆታት የብልናን ማለት ኣይኮነን – ከም ዝኾነ ሃገር ማለት’ዩ። እንተኾነ፡ እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ዘመተ፡ ነዛ ሃገር’ዚኣ ከም ዒላማ ወሲድካ፡ ዘሎን ዘየሎን ሽግራት ደማሚርካ መሳርሒ ፖለቲካኦም ንምግባራን ከም ሃገር ንምጥቃዕናን ዘንቀደ ተጻብኦ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። መብዛሕትኦም እቶም ዝለዓሉ ጉዳያት እንተደኣ ርኢኻዮም፡ ክሳብ ኤርትራ ኣብ ገሃነመ እሳት ከምዘላ ጌሮም እዮም ዘቕርብዋ። መንግስቲ ዝበሃል ከምዘየለ፡ ሰብ ኣብ ፈቖዶ ጎደናታት ከምዝጠፍእ፡ ደቀንስትዮ ፈቖዶኡ ከምዝድርበያን ከምዝዕመጻን፡ ኣብ ኤርትራ ምዕባለ ዝበሃል ከምዘየሎ ጌርካ እዩ ዝቐርብ። ማእለያ ዘይብሉ ዝተፈብረኸ ክስታት እዩ ዘሎ። ምህናጽ ሃገር ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ይኹን ጭቡጥ ሽግር እንተደኣ ኣልዩ፡ ዝኾነ ሰብ ናባና መጺኡ ክዛረብ ይኽእልን’ዩ። ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ኣካል፡ ንዓና ስለዝምልከት። ኣብ ምህናጽ ናይ ሃገር ዘለና መብጽዓ ከምዘነጽሮ፡ እንተላይ ኣብኡ ዝተሰዅዐ መሰል ናይ ዜጋታትና፡ ብውሽጣዊ ዳይናሚክስን ጻዕርታትን – ዳግመ ምውዳብ እናገበርካ፡ ጻዕርታትና ከምዝተዓጻጸፍ ብምግባር፡ ኣሰራርሓና
እናማዕበለ ከምዝኸይድ ብምግባር፡ ዘለና ሃገራዊ ዓቕሚ ከምዝኽዕብት ብምግባር፡ ኩሉ’ቲ ዘለና ነዃላት እናዓበስካ ብምኻድ ክመጽእ ዝኽእል ምዕባለ እምበር፡ ፖለቲካዊ መበገሲ ጌርካ ሃገር ዒላማ ብምግባር ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ የለን። እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ምዕባለታት ክተዓጻጸፍ ከምዘለዎ፡ ሃጓፋትና ክንምልእ ከምዘለና ብደረጃ መንግስቲ ኣዳዕዲዕና ንዛረበሉ እዩ።
ሰብኣዊ መሰል ክበሃል ከሎ፡ ብቐዳምነት ሕቶ ናይ ሰብኣዊ ክብረት’ዩ ዝመጽእ። ሰብኣዊ ክብረት ንምንጋስ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ቀሊል ኣይኮነን። ካብኡ ስለዝበቖልናን ንኸምኡ ስለዝተቓለስናን ስለዝተሰዋእናን። እቲ ካልኣይ፡ ሰብኣዊ ውሕስነትን ምምሕያሽ ዓይነት መነባብሮን እዩ። እዚ እውን ኣዝዩ ዓቢ ወፍሪ ዝግበረሉን ዝጸዓረሉን ዘሎ እዩ። እቲ ሳልሳይ፡ ሰብኣዊ ምዕባለ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኤርትራ ብዙሕ ሰጒማ ኣላ። ምህናጽ ሃገር ስለዝኾነ ግን፡ ከይተዛነና ንሰርሓሉ ብዙሕ ዝተርፈና ነገራት ከኣ ኣሎ። ብጅምላ፡ ነዛ ሃገር’ዚኣ ጠቂንካ ጠቓቒንካ ምጽላምን ግን ካልእ ዕላማ ዘለዎ እዩ። ብሓፈሻ ነዚ እዩ ዝመስል እቲ ስእሊ። ዝተረፈ እንተሎ ግን ብጻይ ኣድም ክምልኣለይ እዩ።
ኣቶ ኣድም ተወሳኺ እንተለካ?
ምግላጽ እኳ ወዲ ገራህቱ ብኣጠቓቓላሊ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ገለ ካብቲ ዘይስገር ግን፡ ንሕጊ ኤርትራ ከም ድሌትካ ኣምራት ኣውጺእካ ከተነኣእሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓንቲ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ሃገር ናታ ሕግታት ኣለዋ። ንኣብነት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ኣምር ኣሎ ኣብ ኤርትራ። ዝተወሰነ ግዜ ከኣ ኣለዎ። ኣዋጅን ሕግን ወጺእሉ፡ ዝኾነ ዜጋ 18 ኣዋርሕ ከገልግል ይእዝዝ። ኩነታት ስለዘይፈቐደ፡ ተናዊሑ። እዛ ምንዋሕ’ዚኣ ከም ዓባይ ፖለቲካ ኮይና፡ ኣብቲ ባይቶ ሓደ ሓድሽ ኣምር ወጺእላ “ንዘይተወሰነ ግዜ (ኢንደፍኒት) ተባሂላ። እቲ ንዕኡ ዝፈጠረ ኩነታት ግን ንጎድኒ ተገዲፉ። ብምቑንጫል እንተርኢኻዮ ግን ሓቀኛ ስእሊ ክህበካ ኣይክእልን እዩ። ንሕና ሓደ ዓቢይ ጉዳይ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ኣወንዚፉ ክዓጥቕ፡ ክኸትትን ክስዋእን ዘገደደ ጉዳይ። ነዚ መስዋእቲ’ዚን
ጎበጣ ናይ መሬትን ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ‘ኣገልግሎት ተናዊሑ ኣሎ’ሞ መንግስቲ ኤርትራ በዚ ጉዳይ’ዚ ተኸሳሲ’ዩ’ ምባል ንኻልእ ዕላማ ዘገልግል ምስምስ እዩ። ኣገልግሎት ብምንውሑ ዘይጥዕሞ ቅድሚ ኩሉ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እቲ ጾር ከኣ ኣብ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ኢሉ እዩ ዘሎ። ብዓቢኡ መሰልና መንዚዑ ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ንሱ ዘውሓሶ ስምምዕ ኣልጀርስ ከተግብሮ ኣይከኣለን። ንሱ ከይተተግበረ ደኣ’ሞ፡ ከመይ ጌርና ብረትና ኣውሪድና ንጸላኢ ክንጽበ?
ኣምባሳደር ናባኻ ክምለስ፡ እቲ ተጻብኦታት ቀጻሊ ካብ ኮነ፡ ንምብድሁ ኣተሓሕዛና ከመይ ኣሎ?
እቲ መሰረታዊ ጉዳይ፡ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ልምዓት ሒዝና ነቲ ኣንጺፍናዮ ዘለና መሰረት ከምዝተዓጻጸፍ ምግባር’ዩ። ድሮ ብኽልተ ኣእጋርና ረጊጽና ኣለና። ስለዚ፡ ኣብ ዝመጽእ 3-4 ዓመታት ናብ ዝሓሸ ኩነታት ዘስግረና ዝላ ምእንቲ ክንገብር፡ ዳግመ ምውዳብ ክንገብር፡ ነብስና ዳግም ክንሰርዕ፡ እዚ ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝትግበር ክንገብር ኣለና። ውሽጣዊ ምድልዳል ክህልወና፡ ዳግመ ምንጻር ናይ ኣሰራርሓናን ኣካይዳናን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሰብኣዊ ርእሰ-ማልና ከምዝድልድል ምግባር፡ ኪኖኡ ከኣ እዚ ንኽተሎ ዘለና ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ከምዝድልድልን ከምዝሕይልን ምግባር እዩ። ብድምር ክትርእዮ ከለኻ፡ እቲ ውሽጣዊ ረቛሒታት ወይ ናይ ውሽጥና ዳይናሚክስ ዝያዳ ከምዝሕይል ምግባር እዩ እቲ ፍታሕ። ኣብ ውሽጢ’ዚ እምበኣር፡ ነዚ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምስፋሕን መነባብሮን ዓይነት ህይወትን ዜጋታትን ንምምሕያሽን፡ ብዓቢኡ ከኣ ምዕብልቲ ሃገር ንምህናጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ክንጥምት ንኽእል። እቲ ብድሆ ከም ውሁብ ክንወስዶ ኣለና። ምኽንያቱ፡ እዘን ዝጻብኣና ዘለዋ፡ ናይ ኮርፖሬሽናት ረብሓ ዝሕልዋ ሃገራት ስለዝኾና።