ንምንብርካኽና ዝተኣልመ ውዲት ሳላ መኸተ ህዝቢ ኣይሰርሐን

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ብ22ን 23ን ጥሪ 2016፡ ብቴለቪዥንን ሬድዮን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ፡ ኣብ ኩለንተናዊ ምዕባለታት ሃገርናን፡ ንኩነታት ሃገርና ኣብ ዝጸልዉ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታትን ተርእዮታትን ዘተኮረ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ቃለ – መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ሓሙሻይ ክፋል ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ – መሕትት እንሆ፦

ሕቶ፦ ክቡር ፕረዚደንት፡ ግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ፖሊቲካዊን ጸጥታዊን ሽግራት ኣብ ምንህሃር ይኹን፡ ብደረጃ ዞባ ውሁድ መደባት ልምዓት ንኸይትግበር ፡ ዕንቅፋት ኰይኑ ይርከብ። እዚ ኩነታት’ዚ ተሰጊሩ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ንቡር ንምምላስ ተኽእሎ ኣሎ ዶ?

PIA Eritreaእዚኣብውሽጢ25ዓመታት መልክዑ ቀይሩ ዝመጽአን ቅድሚኡ ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ዝነበረን፡ ዓብላሊን ገባቲን እንብሎ ናይ ደገ ሓይሊ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ብዓለም ደረጃ ይጸሉ እዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ኩሉ መርገም ወይ በደል ናብኡ ጥራይ ክንድርብዮ ግን ኣይኽእልን። እቶም ንዕኡ ዝዕድምዎ፡ ወይ ብቐጥታ ናቱ መጋበርያ ወይ ከኣ ዘራይ ክዀኖም ኢሎም ዘተኣታትውዎ ንገዛእ ርእሶም እዮም፡ እቶም ቀንዲ ተጋገይቲ። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኸመይ መንገዲ እዩ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምትእትታው እንድሕር ኢልና፡ ርሑቕ ከይከድና፡ ምናልባት ንዓና ብቐጥታ ዝምልከተና ጉዳይ ከይከውን ይኽእል – ግን መርገጺ ጸኒሑናን ብህዱእ መንገዲ ክንዛረበሉ’ውን ጸኒሕናን ኢና። ናይ ዶብ ሽግር ተፈጢሩ ወይ ተማሂዙ ንበል። እዚ ናይ ዶብ ሽግር ካብ ምንታይ’ዩ መጺኡ እንተ ተባሂሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተተኽለ ስርዓት ናይ ወያነ፡ ናቱ ንጹር ሕርያታት ነይሩዎ። ንኢትዮጵያ ክትቆጻጸራ እንተ ኰይንካ ክትመቓቕላ ኣለካ። ቊጠባ ከኣ ክትቆጻጸር ኣለካ። ልዕሊ ኩሉ ምስ ናይ ደገ ሓይሊ ኪዳን ክትገብር ኣለካ፡ ወይ ዘራይ ክህልወካ ኣለዎ። ነዚ ዕላማታት’ዚ ንምውቃዕ፡ ኤርትራ ግዳይ ትኸውን። ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኩሉ ምሕዝነት፡ ሕውነትን ረብሓታትን ክልቲኡ ህዝቢታት ብምድርባይ ድማ ኲናት ተወሊዑ። ኲናት ምስ ተወልዐ፡ ብመሰረት’ቲ፡ ውዕል ዓቃቢ ሰላም ክህሉ ኣለዎ ተባሂሉ። እዚ ዓቃብ ሰላም’ዚ፡ ኣብ መሬትና ሓሙሽተ ዓመት ገይሩ። ምናልባት እቲ ዓቃብ ሰላም የድሊ ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ኢልካ ናብ ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ውሽጢ’ዘን ሓሙሽተ ዓመት፡ ሓሙሽተ ሽሕ ዝዀኑ ወተሃደራት ኣይኰኑን’ዮም ነይሮም። ብዘይካ ደሞዞምን ካልእ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታትን፡ ናይ ዓመት ባጀቶም 200 ሚልዮን ዶላር’ዩ ዝመጽእ ዘሎ?  ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ተኸፊሉሎም። ኣብ’ቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዝረኣናዮ ጸገም፡ ጸብጺብካ’ውን ክትውድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ናይ ዓቃቢ ሰላም ግዕዘይ፡ ንኸነስተብህለሉ ናይ ብሓቂ ግዜ ኣይወሰደልናን። ካብ’ዚ ዓዲ ክወጽእ ኣለዎ ኢልና ኣውጺእናዮ። ምስ ኩሉ ዝተበጽሐ ብልሹው ኣካይዳ ክንቈጻጸሮ ክኢልና። ከይዱ ከይዱ ናበይ ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣይጠፍኣናን። ብማዕዶ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኣብ መሬትና ስለ ዝረኣናዮ፡ ኣብ መወዳእታ ሕርያና ወሲንና ከም ዝወጽእ ተገይሩ። ንሱ ዝፈጠረልና ሳዕቤናትን ጸገም ናይ መልሰ ግብሪን፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ካልእ ዝተፈላለየ ሕልኽላኻትን ርኢናዮ ኣለና። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ውድብ ምስ ኣተወ ኣይወጽእን’ዩ። ዳርጋ መግዛእቲ ብውክልና ማለት’ዩ። እቶም ነቲ ትካል ዝቆጻጸሩ ሓይሊታት፡ ብመገዱ ገይሮም ይገዝኡኻ ማለት’ዩ። ንታሪኽ ዘይተገልጸ ማእለያ ዘይብሉ ዶኲመንትታት ኣለና። ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተዓዘብናዮ ግን፡ ብኣጋ ውሳነ ክንወስድ ኣኽኢሉና። እቲ ተርእዮ፡ ኣብ ጎረቤትና ሱዳን ተደጊሙ። ሱዳን ርግኣት ክሰፍኖ፡ ሽግራቱ ክፈትሕ ንደሊ እምበር፡ ኣብ ቀጻሊ ዝዀነ ህውከትን ቅልውላውን ክነብር ዝዀነ ይኹን ረብሓ የብልናን። ናይ ውህደት ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዳርፉር ክስለፍ’ዩ ተባሂሉ። ናብ ከመይ ዝኣመሰለ ጸገም ይኸይድ ኣሎ ኣይጠፍኣናን። ክኸውን የብሉን፡ ውህደት ኣፍሪቃ ውዳበ ኣለዎ ድዩ? ጸጋታት ኣለዎ ድዩ? ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ? ኣይኮነን እቲ ሕቶ፡ ግን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምትእትታው ክፈጥሮ ዝኽእል ሰለሎ፡ ብሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናትና ተመኩሮ ብዙሕ ስለ ዝተማሃርና ከም ዘይከውን ኣይጠፍኣናን። ንዓና ብቐጥታ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን። ናይ ህዝቢን መንግስቲን ሱዳን ልኡላዊ

መሰል እዩ። ውህደትኣፍሪቃስለዘይክእል፡ልፍንቲ  (ሃይብሪድ) ናይ ክልተ ሓይልታት ክፍጠር ኣለዎ ተባሂሉ። ካብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ካብ UN ብዝተዳቐለ ሓይሊ ተቐይሩ። ኣብ’ዚ ሓይሊ’ዚ ክሳብ 25 -27 ሽሕ ሰራዊት ኣሎ። እዚኸ ሰላም ኣምጺኡዶ? እንተድኣ እቲ ኣብ’ዚ ዝነበረ 5 ሽሕ ሰራዊት ዓመታዊ ባጀት ነይሩዎ፡ እሞ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ሓደ ቢልዮን ኣሽሪፉስ፡ እቲ ኣብሱዳንተዋፊሩዘሎልዕሊ25ሽሕ ዝኸውን ሰራዊትከ እንታይ እዩ ክገብር? እንታይከ ኣምጺኡ? ኢልና ክንሓትት ንኽእል።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዳርጋ ‘ስርዓታት የለን፡ ህዝብታት እውን የለን’ ናብ ምባል’ዩ በጺሑ። ዝኾነ ቅልውላው ብደገ ክምሕደር ኣለዎ፡ ነዚ ምምሕዳር ክከኣል ምእንቲ፡ ፈረንሳ እንተደልያ ብመንገዳ፡ ካልኦት ሓይልታት እንተደልየን ብመንገደን፡ ምስኡ ኸኣ ጉልባብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣሃዱ ኣሎ። ንዕኡ ዘመሓድር ልኡኽ ኣሎ። ንዕኡ ዝከታተል ኣካል ኣሎ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ  ኣካይዳ ዝኸፍእ ዕንወት የለን። ነቶም ብቐረባ እንፈልጦም ቀለልቲ ኣብነታት እየ ዝጠቅስ ዘለኹ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማት ዝተቐልቀለ ነፍሲ-ወከፍ ቅልውላው፡ ነፍሲ-ወከፍ ሽግር ወይ ናዕቢ ወይ ካልእ ጸገማት፡ ብመገዲ ሕቡራት ሃገራት ፍታሕ ወይ መዕለቢ ተረኺብሉ ኢልካ እትዛረበሉ የለን። ጉዳይ ብጉዳይ እንተ ርኢናዮ፡ እዚ ሓደ ካብ ናይ ሽግራት መጋውሒን ናይ ቅልውላዋት መጋበርያን እዩ ክንብሎ ንኽእል። በዚ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ ወይ ዝሃድእ ቅልውላው ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ሓደ ካብ’ቶም መርኣያ ናይ ርግጸት ልኡላውነት ኣህጉራዊ ሕጊን፡ ንዓለማዊን ዞባዊን ውድባት መጋበርያ ገይርካ ረብሓታትካ ምሕላውን እዩ።

ሕቶ፦ ከመይ ደኣሉ’ሞ እዚ ናብ ንቡር ክምለስ? እናኸረረ እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ?

ሕጂ ዘሎ ተቓውሞታት ክንርእዮ ክንክእል ኣለና። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት፡ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት፡ ምምሕያሽ ወይ ምምዕርራይ (reform) ንኽግበር ዘይዛረብ ሓይሊ የለን። ‘እቃወሞ እየ’ ዝብል እውን የለን። ምኽንያቱ፡ ብግብሪ፡ እቲ ተቓውሞታት ዘረባ ጥራይ ኮይኑ ንኽተርፍን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቃውማታት ለውጢ ንኸይመጽእን ዘይግበር ነገር የለን። ቀወምቲን ዘይቀወምቲን ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣለዋ። እዚ ክቕየር ክኽእል ኣለዎ። እቲ መሰረታዊ መትከላት ናይ’ቲ ቻርተር እንተ ዘይተቐየረ’ውን፡ ምስ ዘለናዮ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ኩነታት ዓለምን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝረኣዩ ዘለዉ ኩነታትን ዝዛመድ፡ ኣድማዒ ኣካላት  ዘለዎ ኣህጉራዊ ውድብ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ሕቶ ዓመት ዓመት ዝለዓል ናይ ኣጀንዳ ኣርእስቲ እዩ። እተን ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝበሃላ፡ ብፍላይ ኣመሪካ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ግን፡ እዚ ለውጢ’ዚ ክመጽእ እውን ኣይደልያኦን እየን። ነቲ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓመት ዓመት ኣብ ጣውላ ባይቶ ወይ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ጠለብ ህዝቢ ክንብሎ እንኽእል ሕቶ፡ ቀጻሊ ዓመት ዓመት ዘጋጥሞ ተቓውሞ እዚ እንርእዮ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ 25 ዓመታት፡ ዳርጋ ዘይተላዕለ የለን። ገለ ገለ ሃገራት፡ ‘ንሕና እውን ክንውከል ኣለና። ኣብ ቀዋሚ ኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ክንኣቱ ኣለና፡ ኣነ ዓባይ ሃገር እየ፡ ኣነ ጸላዊት ሃገር እየ፡ ወይ ከም’ዚ ናይ ኣፍሪቃ ንእኩባት ሃገራት ዝውክል ሓደ ኩርሲ ሃቡና. . .” ብምባል፡ ኣብ ክንዲ ሱር በተኻዊ ለውጢ፡ ጽገናዊ ዝኾነ ለውጥታት ክግበር ዝሰርሓሉ ኣለዋ። እቲ ተቓውሞ ስለዘሎ ግን፡ እዚ ኩነታት ኣይቅየርን እዩ ክትብል ኣይትኽእልን። ናይ ሓደ ሓይሊ መወዳእታ ዘይብሉ ዓብላልነት ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። እዚ 25 ዓመታት ዘርኣዮ ወይ ዝመስከሮ ነገር እንተሎ፡ ግዜ ጥራይ ይሓትት እምበር፡ መሰረታዊ ለውጢ ከም ዝመጽእ እዩ። ዓለም፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ብድዐን ኣሽካዕላልን ተጻዊሩ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ እዚ መዓልቱ ዘእከለ ስርዓት ተቐይሩ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ሰላምን ርግኣትን ዘይደሊ ህዝብን ሃገርን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ሕቶ፦ ኤርትራ ንዞባና ብዝምልከት ዘለዋ ናይ ‘ውሑስ ጐረቤት’ ራእይን ስትራተጅን፡ ብመንጽር’ዚ ናይ እዋንና ምዕባለታት ከመይ ይግምገም?

እምነ-ኩርናዕ ወይ መርሓ ሕንጻጻት ናይ ወጻኢ ፖሊሲና እንብሎም መትከላት ኣለዉ። ሃገራዊ ድሕነታዊ ረብሓታትና እንታይ እዩ? ሃገራዊ

ድሕነታዊ ረብሓታትና ምስ ከባቢና ከይተዛመደ፡ ንበይኑ ብተናጸልከ ክርአ ይከኣል ድዩ? እንታይን ብኸመይን ይዛመድ? እዞም ሕቶታት ኣለዉ።

ዞባዊ ጉርብትና ወይ ጎደቦና፡ ብጂኦግራፊያዊ ኣገላልጻ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ዝተኸፋፈለ ነንሕድሕዱ ዝተወሳሰበ እዩ። ኣብ ነፍሲ-ወከፎም ዝረኣዩ ዘለዉ ጸገማት ብኸመይ ገይርና ክንፍውሶም ንኽእል? ንዝብል ሕቶ፡ ናብ’ቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸተልናዮ ሜላ እዩ ዝመጽእ። ሽዑ ዝሑል ኲናት

ኣብቂዑ፡ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባ እዚ ሓድሽ ዕድል ተኸሲትሎም ኣሎ። ስለ’ዚ ኣብ UN፡ ኣብ’ቲ ሽዑ ዝነበረ OAU ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ሓይልታት ከይተመርኮሱ፡ ‘ንሓባራዊ ረብሓታቶም ዘገልግል ናይ ገዛእ ርእሶም ባይታ ክፈጥሩ ክኽእሉ ኣለዎም’ ተባሂሉ። ሽዑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ዘለዋኦ፡ ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ (greater horn) ተባሂሉ እውን ሩዋንዳን ዝኣመሰላን ሃገራት ኣፍሪቃ ክሕወሳ ተባሂሉ፡ ብዙሕ ፈተነታት ተኻይድሉ። ‘እቲ ቀዲሙ ዝጸንሐ ኢጋድ ተሓዲሱ ክፍጠር ኣለዎ’ ክበሃል ከሎ እውን፡ ኣብ’ዚ ፍልስፍና ዝተመስረተ’ዩ ነይሩ። ካልኦት ርሑቓት ከባቢታት፡ ነናቶም ምዕባለታትን ድርኺትን ክህልዎም ይኽእል እዩ። ንሕና ግን፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባና፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኣጠቓላሊ ኣብ’ዚከባቢሓድሽክስተትስለዝመጽአ፡ ብደረጃ ዓለም’ውን ኲናት ኣብቂዑ ስለዘሎ፡ ‘ንሕናን ጎዶቦናን እናተሓባበርና፡ ናብ ዝሓሸ ለውጢ ክንከደሉ እንኽእል ባይታ ክንፈጥር ኣለና’ ተባሂሉ። ሎሚ ግንእዚተሪፉካልእነገርእዩዘሎ። ክብገስ ከሎ ግን፡ ካብ መሰረታዊ ኣካይዳ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ዝወጽአ ኣይነበረን። ዋላ ኣይስራሕ ደኣ’ምበር፡ እቲ ሓሳብ ግን ክቕየር ዝኽእል ኣይኮነን። ናይ ኩላትና ኣብ’ዚ ከባቢ ዘለና ምትሕግጋዝ፡ መተካእታ ዘለዎ ኣይኰነን። እቲ መደብ ብኸመይ ተበታቲኑ? ብኸመይ በርዒኑ? ብኸመይ ተዓናቒፉ? ናቱ ዝርዝራት ኣለዎ። ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ግን ኣይተቐየረን። ኩላተን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት፡ ናይ ጎዶበአን ናይ ምትሕብባር ባይታ ክፈጥራ ኣለወን። እዚ ሓድሽ ኣርእስቲ ዘይኰነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንበይኑ ዘይኮነ፡ ናይ ተፋሰስ ኒል ከምኡ’ውን ናይል ቤዚን ኣሎ። እዚ እውን፡ ምስ ጂኦግራፊካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ. . . ረብሓታት ዝተኣሳሰረ እዩ። ኣብ ማእከላይ ምራቕ እውን ብገፊሑ ዘይኮነ፡ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ኸሊጅን ዝርከባኦ፡ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ኣብ’ቲ ጎዶቦና እየን። ናተን ፍሉይ ባህርያት ክህልወን ይኽእል ይኸውን። እዚ ኣርባዕተ ከባቢታት፡ ምናልባት ነፍሲ- ወከፉ ነናቱ ኣወዳድባን ቅርጺን ክስእል ይኽእል ይኸውን፡ ግን ነንሕድሕዱ ተመላላኢ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ-ወከፉ ኣበርክቶ ተለጋጊቡ ዝሰፍሐ ዞባዊ ናይ ምትሕብባር ባይታ ወይ ሃዋህው ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ሕርያ  ኣይኮነን። ጂኦግራፊ፡ ታሪኽ፡ ህሉውን መጻኢን ቁጠባ፡ ባህላዊ ማሕበራዊ ረብሓታት. . . ናይ’ቶም ህዝብታት ዝውስኖ እዩ። ብጀካ ከምኡ ዝመሰለ ጥምረትን ኣወዳድባን፡ ካልእ ዝዀነ መተካእታ የለን። ‘ካብኡ ዝሓይሸ መተካእታ ኣሎ’ ዝበሃል እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ጎይቶትካ ወኪል ኮይንካ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዕግርግርን ህውከትን ምፍጣር፡ ወይ ከኣ ብመንገዲ ናይ ግዳም ሓይልታት ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መኻይድትኻን መናብርትኻን ሃሲኻ ካልኦት ረብሓታት ምድላይ እዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዞባ ህውከት ንኽፍጠር ዝድርኹ ነንበይኖም ዕላማታት ኣለዉ። እቶምኣብውሽጢዞባናወይካብ ዞባና ከይረሓቑ ህውከት ዝፈጥሩልና ዘለዉ ‘ናይ ዞባ ሓይልታት ኢና’ በሃልቲ እውን ኣይንርስዖምን ወይ ድማ ካብ ግምት ኣይነውጽኦምን። ምስ ናይ ዓለም ሓይልታት እናተሻረኹ፡ ወይ ድኻማትን ምዝንባላትን እናመዝመዙ፡ ነቲ ህውከትን ዘይምርድዳእን መሊሶም ምግናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽቡቕ ባይታ ንኸይፍጠር ዝዕንቅፉ ዘለዉ ሓይልታት’ውን ብግዜ ይኹን ብቦታ ሓደ ብሓደ ስለ እንፈልጦም፡ ነዚ ኩሉ ደማሚርና፡ ንሎሚ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ዘገልግል ግልብጥ  ግልብጥ ዘይብል ፖሊሲ ክንክተል ክንክእል ኣለና። ‘ካብኡ ዝሓሸ ርእይቶ ኣለኒ’ ዝብል እንድሕር ኣሎ ኮይኑ፡ ‘ኣብ ጣውላ ኣቐምጦ’ሞ ኣረድኣና፡ እንድሕር ኩላትና ተቐቢልናዮ እሞ ኣሚንናሉ ንሰርሓሉ። ንኹላትና ዝገዝኣና ግን ኣህጉራዊ ሕጊ ስለዝዀነ ንዕኡ ኣኽቢርና ንኺድ። ናይ ህዝብታትን ሃገራትን ሉኣላዊነት፡ ናጽነት፡ ውህደት፡ ሓድነት፡ መሰረታዊ ነገር እዩ። ንሱ ተኸቢሩ፡ ናይ ሓባር ረብሓታትና እንረኽበሉ ባይታ

ከኣ ይህልወና’ ኢና ንብል።
ምስ ናይ ዝሓለፈ ኣሉታዊ

ተመኩሮታት፡ነቲዘይሰርሐኣይንደርብዮ፡ ካልእ ሓድሽ ነገር ኣይነምጽእ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ሕርያ ስለዘይኮነ። ከመይ ገይርና ከም እንቕጽሎን ተስፋታት ኣለዎን የብሉን ከኣ ምስ ግዜ እናማዕበለ ክመጽእ ዘለዎ እዩ። ኣብ’ዚ ንስዑድያ ዝምልከት ንጸረ-ሽበራ ዝምልከት ስጉምቲ ይኹን፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ዝቕልቀሉ ዝተፈላለዩ ተርእዮታት፡ ኣጠማምታና ኣብ ቦታኦም ኣለዉ። ክሳብ ካብኡ ዝበለጸ መተካእታ ዝቐርበልና ከኣ ብእኡ ኢና ክንሰርሕ።

ሕቶ፦ ካብ ዞባዊ ምርግጋእ ተነጺሉ ዘይረአ፡ ክቡር ፕረዚደንት፡ ጉዳይ ፈለግ ኒልን ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ዲጋ ወይ ሓጽቢ ሚለንዩምን እዩ። ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት እውን ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያን ንቴክኒካዊ ስምምዕ ናይዚ ሓጽቢ ዝምልከቱ ኣኼባታት ከም እተገብሩ ይፍለጥ። ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ እዮም?

እቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ዞባዊ ፖሊሲታትና ወይ ቀዳምነታትና፡ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ኣካል ናይ’ቲ ጎደቦና እንብሎ እዩ። እዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ኣርእስትታት፡ ናይ ብሓቂ የሕዝነካ እዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ማእከል ምግባር፡ ካልእ ጐድናዊ ኣርእስትታት እናልዓሉ እዮም ዝዛረቡ። ገሊኦም ምናልባት ስነ-ፍልጠታውያን ክመስሉ፡ ቴክኒካዊ ዝበሃሉ ሕቶታት ክህልው ይኽእሉ ይዀኑ። እቲ ሽግር እንታይ’ዩ እንድሕር ኢልና ግን፡ ብሓጺር ኣገላልጻ፡ ናይ ኢትዮጵያ ስርዓታት ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ንናይል ከም ፖለቲካዊ መሳርያ ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሑ ናብ ታሪኽ ተመሊስና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ዝተሰነዱ ጽሑፋት ኣለዉ። ጂኦፖለቲካ ናይ ናይል፡ ንነዊሕ ግዜ ኣከራኻሪ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣርእስቲ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ግዜ ደርጊ፡ ‘ኣዕራብ ንኤርትራ ይድግፍዋ እዮም፡ ኤርትራ ናይ ዓረብ (extension)፡ መለቀብታ ወይ መሳርሒ እያ’ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን፡ ዝተዋህበ መግለጺ ይዝከረኒ። ሽዑ መንግስቱ ‘ኣዕራብ ነዳዲ እንተለዎም፡ ንሕና ከኣ ማይ ኒል ኣለና’ ኢሉ። ከም ፖለቲካዊ መፈራርሒ ማለት’ዩ። እዚ ግዜኡ በሊዑ ሓሊፉ ክንብል ንኽእል። ግን ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ብኣካል እውን ዝተዋሳእኩሉ ጉዳይ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጉዳያት ዝንቡዕ ኣተሓሕዛታት ነይሩ ክረእ ይከኣል እዩ። ኣብ 1993 ንመጀመርያ ግዜ ናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ መጋባእያ ኣብ ካይሮ ተገይሩ። ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባዊ ጉዳያትን ካልኦት ኣርእስትታትን ንመኻኸርን ንሰርሕን ስለ ዝነበርና፡ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ ‘እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ምስ ግብጻውያን ክዛረበሉ እየ!’ ኢሉኒ። ሽዑ ‘ግብጺ ካብ ናይ ናይል ማይ ንእስራኤል ትሸይጥ ኣላ፡ ብስዊዝን ብሲናይን ኣቢሉ ናብ እስራኤል ዝኣቱ ካናል ይስራሕ ኣሎ. . .’ ዝብል ብዙሕ ወረታት ነይሩ። ኣብ 1993 ዳርጋ ፋልማይና ከም ልኡላዊ ሃገር ዝተሳተፍናሉ እዩ። ‘ሰዓቱ ኣይኮነን ሕጂ፡ ብዛዕባኡ እንዛረበሉ ኣገዳስነቱ ኣነ ኣይረኣየንን እዩ። ካልኦት ቀዳምነታት ኣለዉና።’ ምስ በልኩዎ፡ ብዝኾነ ተረዳዲእና ኮፍ ኢልና። ንምሸቱ መለስ ገጭ ገጭ እናበለ መጺኡ፡ ነቲ ጉዳይ ምስ ዑመር ሱሌማን ከም ዘልዓሎን፡ ብዛዕብኡ ክንዘራረብ ኢና ምስበሎ “መን ኢኻ ንስኻ?” ከም ዝበሎን ነጊሩኒ። እቲ ሕቶ “መን ኢኻ ንስኻ?” ምባል ኣይኰነን። መለስ “ከርእዮም እየ ነዚኣቶም። ቱርኪ፡ ንዒራቕን ሶርያን ከም ዘንበርከኸቶም፡ ነዚኦም ከኣ መዓልቲ ኣሎ ከንበርክኾም እየ” እዩ ኢሉ። እዚ ናይ ሕጂ ሚለንዩም ዳም ዝበሃል ዘሎ፡ ካብ ሽዑ ምናልባት ከኣ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ድሕረ ባይታ ነይርዎ ክበሃል ይከኣል። ብፍላይ ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ናብ ካልእ መኣዝን እዩ ከይዱ። ‘ንግብጺን ሱዳንን’ ከርእዮም እየ ዝዓይነቱ ኣዘራርባ እዩ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ምወላ፡ ዓይነት ንሓጽቢ. . . ዝምልከቱ ብዙሓት ኣርእስትታት መጺኦም። ብልክዕ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መንፈስ፡ ናይ ሰቲት ጉዳይ ባዕልና ብተበግሶና ኢና ጀሚርናዮ። መጽናዕቲ ተኻይዱሉ። ድሕሪኡ’ውን ንዓና ገዲፎምና ብኻልእ መንገዲ ተኸይዱ። እቲ ኣካይዳ እንተ ድኣ ርኢኻዮ፡ ዕቱብ መጽናዕቲ ከይተገብረሉ፡ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ተባሂሉ ዝተበገሰ ፕሮግራም እዩ። ሓደገኛነቱ ከኣ ናብኡ እዩ ዝመጽእ።_PIA.ERISWISS

ንሕና ምስ ናይ ወያነ ስርዓት ባእሲ ስለ ዘለና፡ ወይ ድማ ዝምድናና ስለ ዝተዘርገ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ናይል ክረብሕ የብሉን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ዝዀነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህሉ ስርዓት፡ ቅድሚ ዝኣገረ ፕሮጀክት ከበግስ ከሎ፡ ቅድም ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓ ክሰርዕ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ደቡብ፡ ኣብ ሰሜን፡ ኣብ ምዕራብ፡ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ኤለክትሪክ፡ ኣብ ሕርሻ፡ ኣብ ኢንዱስትሪያውነት፡ ኣብ ምስናዕ፡ ኣብ ኣገልግሎታት. . .ኣብ ምንታይ እዩ፡ ብኸመይከ ክጥቀመሉ ይኽእል ክትብል ኣለካ። መን ይምውሎ፡ ኣይኮነን ዘሎ እቲ ሕቶ። ኣነ ብኸመይን ካበይን፡ ከም ዝተበገሰ ኣረጋጊጸ ስለ ዝፈልጥ፡ ብሰነዳት እውን ክዛረበሉ ስለ ዝኽእል፡ ተጸኒዑ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ክብል ኣይክእልን።

ምኽንያቱ፡ ስርዓት ወያነ፡ ንረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ስለ ዘይኰነን፡ ብግብሪ ታሪኽ ዘረጋገጾ ስለ ዝኾነን። ስለ ዝዀነ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ተሓሲቡሉ ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ናይ ጸዓት እዩ ኢልካ ክዝረበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ብዙሕ ትርጓመታት ኣለዎ። መንግስቲ ሱዳን ንዕኡ ዝምልከት ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ልኡላዊ መርገጺ ክህልዎ ይኽእል። መንግስቲ ግብጺ ናቱ መርገጺ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ቅድሚ ዝኣገረ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ግን፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ማልስ ኣለዎ? እንታይ ክጠቕሞ ይኽእል? ዝብል እዩ። እንተ ድኣ ክንድ’ዚ ዝኣክል ገጂፍ ፕሮጀክት ይካየድ ኣሎ ኮይኑ፡ ብልክዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምንታይ ክጥቀምእዩ?ካብጫፍናብጫፍሓደ ሓጽቢ ኮፍ ምባል ኣይኮነን። እንድሕር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከርብሕ ኮይኑ፡ ገጅፍ ናይ መተሓላለፊ ፕሮጀክት ዝተሓወሶ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ድሕሪ ናይ መተሓላለፊ፡ ናይ ምዝርጋሕ ወይ ዕደላ ስራሕ’ውን ኣሎ። ኣብ ምንታይ ከም ዝውዕል እውን ብልክዕ ክትፈልጥ ክትክእል ኣለካ። ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋ ገጅፍ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። ግን ቅድም ቀዳድም ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብኡ እንታይ ክረብሕ’ዩ ምፍላጥ የድሊ። ምናልባት ውሽጣዊ ጉዳይና ስለዝኾነ ሰብ ክፈልጦ የብሉን፡ ክበሃል ይኽእል ይኸውን። ግን ዝዀነ የዋህ ሓታቲ፡ ኣብ መወዳእታ ካብ’ዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ብርግጽ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ክጥቀም ይኽእል፡ እንታይ እዩ ክሕግዞም? ኢልካ ክትሓትት ክትክእል ኣለካ። እቲ ቴክኒካዊ- ዘይቴክኒካዊ ዝበሃል ዘረባታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝስማዕን ዘይስማዕን ምኽኒታት ይቐርበሉ እዩ። ግን እቲ ቀዳማይ ሕቶ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ማልስ ኣለዎን ቀዳምነታቱከ እንታይ እዮም ዝብል እዩ።

እቲ ዘገርም፡ እዞም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ወይ “mega Project” ዝበሃሉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘምጽእዎ ዘለዉ ዕንወት ዝርድኦ ሰብ የለን። ምናልባት ዝና
የምጽኡ ይኾኑ። ግን ንህዝብታት ዝህቡዎ ረብሓ እንታይ እዩ ኢሉ ዝሓትት ዳርጋ የለን። ምኽንያቱ ኣብ ኣሀውታቲ ዝኾነ ዝርርባት ስለ ዝኣቱ። ናይ ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋ ይኹን ልዕሊኡ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጎረባብትን ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ እንድሕር ተባሂሉ፡ ብቐዳምነት ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ ተጠቃሚ ክኸውን ዘለዎ። ንደገ ክንሸይጥ ኢና እንድሕሪ ኰይኑ ዝበሃል ዘሎ፡ እቶም ዓደግቲ መን እዮም? ብኸመይ ከተበጻጽሓሎም ትኽእል? ክንደይ ክትሸጠሎም ትኽእል? ክትሓስበሉ ኣለካ። ኦግሎ መጺእሉ ዝነበረ እውን ከም ርእይቶ ኣቕሪቡለይ፡ ‘ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያሲ እንድሕሪ ዝደልዩ ኮይኖም ንሕና እውን ክንሸጠሎም ንኽእል ኢና’ኮ’ ኢሉ። እቲ ብዙሕ ዘጋጊ፡ እቲ ማያዊ ምንጪ ዝሓሰረ ምዃኑ እዩ። ዋጋ ነዳዲ ከም’ዚ ሕጂ ከይወረደ ከሎ፡ ዋጋ ናይ ማያዊ

 ጸዓት፡ ካብ ረስናዊ ጸዓት ብሰለስተ ዕጽፊ ይሓስር ብምንባሩ፡ ዝሓሰረ ይበሃል ነይሩ። ናብ ሃገራት ክትሸጦ እንተድኣ ዄንካ፡ ብኽንደይ ኢኻ ክትሸጦ? ንምንታይከ ክጥቀማሉ እየን? ካብኡ ምስ ተጠቕማኸ እንታይ ማልስ ክረኽባሉ ይኽእላ? ነዚ ዝገልጽ ነገር የለን። ብቕርጺ ንኸይዓኑ ንኸይበላሾ ጥራይ ዘይኰነስ ጽባሕ ምንቅጥቃጥ እንተ መጽአኸ ተባሂሉ፡ እዚ ኣርእስቲ ንሞያውያን ዝግደፍ እዩ፡ ግን ንሱ ኣይኮነን እቲ ሕጂ ክዝረበሉ ዘለዎ ኣስርእቲ። እቲ ኣርእስቲ፡ እዚ ፕሮጀክቲ’ዚ ንናይ ዞባ ረብሓ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ካብኡ ናብኡ ከኣ ቅድም ቀዳድም ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓ ኣብ ግምት ከእቱ ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረቢሑ ኪኖኡ ኸኣ ትርፊ ተተረኺብዎ ካልኦት ከባቢታት ክጥቀሙሉ ኣለዎም፡ እንድሕሪ ኮይኑ ተባሂሉ፡ ኣበይ ኣሎ እቲ ውጥን? ክሳብ ሎሚ ነዚ ዘረጋግጽ ዝተዘረበሉ ኣርእስቲ’ውን የለን። እቶም ዝምልከቶም ወገናት ስለ ዘይተሰማምዑ ናይ ግዳም ክኢላታት ገይርካ መጽናዕቲ ክግበረሎም’ዩ፡ ተባሂሉ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ዝተገብረ ፈተነ፡ ናብ ምቅሕሓርን ምትፍናንን እዩ ኣምሪሑ። ብኣጠቓላሊ፡ ቅርዑይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ንፖለቲካዊ መሳርሒ ተባሂሉ ዝተበገሰ ፕሮጀክት ስለ ዝኾነ፡ ይተኸል ኣይተኸል ካልኦት ሳዕቤናት ከምጽእ ምዃኑ፡ ብቐንዱ ኸኣ ተሃሳዪ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ክኸውን። እዚ ጉዳይ እዚ ኣኺሉዎ’ዩ፡ ሰዓቱ ሓሊፉ’ዩ፡ ምውድኡ ኣይተርፎን’ዩ. . . ክንቅበሎ ኣለና ክበሃል ይከኣል እዩ። ድሕሪኡኸ ናብ ምንታይ ከምጽኣና እዩ? ብዙሓት ምስ መመንጨዊ ናይ ኤለትሪክ ተኣሳሲሮም ተተግቢሮም ዝተባህሉ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣበይ ኣለዉ? እንታይ ኣፍርዮም? ኣብ ናይ ህዝቢ መዓላ ብኸመይ ውዒሎም? ርሑቕ ከይከድና ብዙሓት ክውናት ኣብነታት ናይ

ዝተተግበሩ ናይ ሃይድሮ ፓወር ጀነረሽን ትካላት፡ ናታቶም ናይ ትግባረ ውጥንን ናቱ ፋይዳን ዝተሰርሐ’ሞ ዝሰርሕ ዘሎ ኣሎዶ? እቲ ዘገርም፡ መብዛሕትኦም ካብ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ዝበሃሉ ጻዕዳ ሓርማዝ እዮም። ንዝናን ንጃህራን ተባሂሎም ዝተሰርሑ እምበር፡ ብግብሪ ሃገርን ህዝቢን ክጥቀመሉ ምእንቲ፡ ተባሂሎም ስለ ዘይተሰርሑ፡ ነዐኦም ከማሓድርን ከስርሕን ዝኽእል ዘቤታዊ ዓቕሚ ስለ ዘየለ፡ ብናይ ግዳም ደገፍ ክትገብሮ ትግደድ። መብዛሕትአን ነዚ ፕሮጀክትታት ዘተግብራ ናይ ግዳም ኩባንያታት፡ ናታተን እዋናዊ ረብሓ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ሓዋሩ ረብሓ ናይ’ቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ግምት ኣእትየን ስለ ዘየጽንዓን ዘይተኽለኦን፡

ንሓዋሩ ክሳራታቱ ካብ መኽሰቡ ዝዓበየ ይኸውን። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ብጀካ እቲ ብስምዒት ዝበሃል፡ ቁም-ነገሩ ብኸምዚ ዝገልጾ ዘለኹ ክንርደኦ ዘለና’ዩ። ኣነ ብፍላይ ብዙሕ ዝተኸታተልኩዎ ጉዳይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ካብ ፈለማ ብኸመይ ከም ዝተበገሰ ስለ እንፈልጦ፡ እዚ ሕጂ ዝዝረብ ዘሎ ናይ መጥፍኢ ግዜ ናይ ህዝባዊ ርክባት ቁሩቁስ ኮይኑ’ዩ ዝረኣየኒ። እቲ ሽግር፡ ጠንቁን ሳዕቤናቱን ግን፡ ብዕቱብ ኣብ ዝዝረበሉ ደረጃ ኣይበጽሐን ዛጊት።

ሕቶ፦ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ንኤርትራ ናይ ምንጻል ውዲት እናፈሸለ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክቱ ምዕባለታት ኣለዉ። ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ ቻይናን ካልኦት ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገራትን ፖለቲካውን ቁጠባውን ዝምድናታት ንምስፋሕ ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባት’ውን ኣለዉ። እዞም ዝምድናታት እዚኣቶም ኣበየኖት ጽላታት ዘተኮሩ ኢዮም?

ብሓፈሻዊ ትዕዝብቲ፡ እቲ ሓደ ቀጽራዊ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ናይ’ዛ ሃገርን ህዝባን ዝኣወጆ ኣብ ኲናት ዝተመርኮሰ ናይ ተጻብኦ ፖሊሲ መግለጺ የብሉን ኢልካ’ውን ክትሓልፎ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ’ዚ 25 ዓመታት፡ መብዛሕትኦም ውሳነታት በይናዊ፡ ተጻባኢን ኣብ ግጉይ ግምታት ተመርኲሶም ዝተወስዱን እዮም። ነዚ ዞባ ንምምላኹን ንምቁጽጻሩን ዝተኣታተዉ ፖሊሲታት፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዘምጽኡልና ሳዕቤናትን ዝፈጠርዎ ዕንቅፋታትን ብግዜን ቦታን ክግለጹ ይኽእሉ እዮም። ኲናት የመን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ

ክረአ ከሎ፡ ብሃንደበት ዝመጽአ ኣይኮነን። ምናልባት ታሪኽ ዝርዝሩ ክገልጾ ይኽእል ይኸውን። ናይ ሓንሽ ሽግር ምስ መጽአ፡ ኲናት ተወሊዑ፡ ደም እውን ፈሲሱ፡ ግን ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደን። እቲ ዘገርም፡ ኣብ’ቲ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ሰባት ከየስተብሃሉሉ ዝኸዱ ነገር ኣሎ። በቲቤትፍርዲ፡ሓንሽናይየመንእዩ ተባሂሉ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ውሳነ ግን፡ ኤርትራ ኸኣ፡ ኣብ ልኡላዊ ማያት ናይ የመን ዓሳ ክትገፍፍ ከም እትኽእል ተወሲኑ። ብኸመይ መንገዲ ደሴት ናይ የመን ኢዩ ተባሂሉ? ብኸመይ መገዲኸ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር፡ ኣብ ናይ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ግዝኣት ዓሳ ክትገፍፍ መሰል ይህልዋ። ሽዑ ዝጸሓፍኩዎ መልኽእቲ ኣሎ። ብዝኾነ እቲ ውሳኔ ክንቅበሎ ናይ ግድን እዩ ነይሩ። ግን እቲ ውሳነ መጻወድያ እዩ። ንሓድሕዱ ተገራጫዊ ዝዀነ ውሳነ እዩ ተዋሂቡ። እዚ ከም ምሕላፉ ሓሊፉ፡ ዝወሰድናዮም ሕርያታት’ውን ኣብ ቦታኦም ነይሮም ክንብል ንኽእል። ኰይኑ ግና፡ ንቐጻሊ ቅልውላው ዝእጎድ ዝነበረ መጻወድያ እዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ናይ ወያነ፡ ናይ ባድመ ጉዳይ መጺኡ። እዚ ኣብ ክሊ ናይ’ቲ ቀጻሊ ዘመተ ዝካየደሉ ናይ ምስይጣን ጸለመ

እንተ ርኢናዮ፡ ተናኻፊ፡ ምስ ጎረባብቱ ተናኻሲ ዓይነት ባህሪ ንምትሓዝና ዝተገብረ ዘመተ እዩ። ናይ ወያነ ጉዳይ እውን ኣይዓረፈን። ስለምንታይከ እቲ ውሳነ ኣይተተግበረን? ድሕሪኡ እገዳ ስዒቡ። ‘ኤርትራ ንግብረ ሽበራ ትድግፍ እያ፡ ኣብ ሶማል ዘሎ ሸባብ ትድግፍ እያ’ ተባሂሉ። እዚ ኩሉ ሓሶት ንምንታይ? ከም’ዚ ናይ ኮሊን ፓወል፡ ‘ናይ ህልቂት ኣጽዋር’ ዓይነት ቀጻሊ ተደጋጋሚ ሓሶታት መጺኦም። ኣብ 2009 ናይ እገዳ ውሳነ ክሓልፍ ከሎ፡ ናይ ክሪስማስ ግዜ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብምሉኦም ነይሮም ድዮም ኣይነበሩን፡ መንከ ደጊፉዎ መንከ ኣይደገፎን ክንብል ንኽእል ኢና። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ግን ሸጠፍ እዩ።

ንሓሶት – ሓቂ ዘምስል ውሳነ ምሕላፍ። ሓደ ካብ’ቲ ተኸታታሊ ተጻብኦታት እዩ’ዚ። ጽዑቕ ዝኾነ ናይ ምጽላምን ናይ ምስይጣንን ዘመተ ስለ ዝካየደሉ፡ ሽዑ ሓቂ ዝመሰሎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፍጸም ቀጻሊ ተጻብኦ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሱናት ዓመታት ኣብ ዞባና ዝተራእዩ ምዕባለታት እንተ ርኢና፡ ንቕሓት ናይ ሰባት፡ መንግስትታት፡ ሓይልታት ስለ ዘዕበየ፡ ሎሚ እቲ ውሳነታት ሓሶት ምዃኑ መን ይጋግዮ። ኮሊን ፓወል ተጠሊዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም፡ ኣብ መጋባእያ ናይ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ዝረኸብናዮ ኣጽናቲ ኣጽዋር እዩ ብምባል ንእሽቶ ብልቃጥ ከርኢ ከሎ፡ ከመይ ገይርካ ከምኡ ዝበለ ቦታ ዝሓዘ ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ክሕሱ ይኽእል ኢልካ ትሓስብ? ሽዑ ከምኡ ክብል ከሎ፡ ዝበዝሑ ‘ሓቁ እዩ’ ኢሎሞ ይዀኑ። ኣባናን ኣብ ከማና ዝኣመሰላን ብፍላይ ኣብ ዞባና፡ ክንደይ ናይ ሓሶት ውሳነታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ኣብ ቀጻሊ ክእመን ኣይክእልን እዩ። ሎሚ፡ በቲ ብዘይዕረፍቲ ክግበር ዝጸንሐ ተጻብኦታት ፈሪሁ ዝረዓመ፡ ወይ ከይዛረብ ምእንቲ ትም ምባል ይሕሸኒ ዝብል እንተ ዘይኮይኑ፡ እዚ ኩሉ በደል ምኽኑይን ሕጋዊ መግለጺ ዘለዎን እዩ ኢሉ ክምጉት ዝኽእል ዝኾነ ሕልና ዘለዎ ሰብ የለን። ዋላ እቶም ሕልና ዘይብሎም’ውን፡ ተጠሊዑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ ውሳነ እገዳን ቀጻሊ ተጻብኦን ምኽኑይ እዩ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል የለን። ምናልባት፡ ሓድሽ ምህዞታት እናምጻእካ ዘረባ ኣየቋርጽን ይቕጽልን ይኸውን። ግን ዝኾነ ሓሶት፡ መዓልቲ እናበልዐ እናተጋህደ፡ ሓሳዊ እውን እናተቓልዐ ስለ ዝኸይድ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ’ዘን ዝጠቐስካየን ሃገራት ይኹና ካልኦት ህዝብታትን መንግስታትን፡ እዚ ተጻብኦ እዚ ምኽኑይ እዩ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ዝኾነ ወገን ስለ ዘየለ እዩ። ንሕና፡ ብዙሕ ሰሪሕና፡ ኣእሚናን ኣረዲእናን ዘይኮንና፡ ግዜ ባዕሉ ሓቂ እናግሃደ ስለ ዝመጽአ እዩ። ሓደ ካብ’ቲ መሳርሒ ናይ ምንጻል ምስይጣን’ዩ። ምድሃል፡ ምፍርራሕ፡ ቀጻሊ ሽግራት ምፍጣር፡ ቁጠባዊ ሽርሕታት. . . ኩሉ’ቲ ናይ ምንብርካኽ፡ ናይ ምምላኽን ናይ ምቁጽጻርን መደባት ኣይሰርሐን። ሳላ ናይ’ዚ ህዝቢ ሓይሊ – ሳላ መኸተ ናይ ህዝቢ። ሃስያ ኣየትረፈን ክንብል ኣይንኽእልን። ግን መዓልቲ እናበልዐ፡ እናበነነ ከይዱ ኣሎ ክንብል ንኽእል። ምናልባት ምስ ጭንቀት ዝመሃዙ፡ እቲ ጭንቀት እናዛየደ ክኸይድ ከሎ ከኣ፡ መዓልቲ መዓልቲ ትሰምዖም ዘረባታት ይህሉዉ ይዀኑ። ግን ግዜ ባዕሉ እናኣብነኖ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ናትና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጎዶቦና ዝረኣዩ ዘለዉ ኣብነታት’ውን ሓገዝቲ ይዀኑ ስለዘለዉ፡ ብዙሕ ከጨንቐና ዘለዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እንህወኸሉ ኣርእስቲ እውን ኣይኮነን። ሓደሽቲ ጠቐነታት ክመጽኡ ከለዉ ግን፡ ከም ዝሓለፈ ሓሶት፡ መዓልቲ በሊዖም ክቃልዑ ስለ ዝኾኑ፡ “ገመል ጉዕዞኡ ይቕጽል ከልቢ ከኣ ይነብሕ” እናበልና ክንሰርሕ ጸኒሕና – ብኸምኡ ከኣ ክንቅጽል ኢና።

ይቕጽል