ነበርቲ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ንህልዊ ኩነታቶም ዘትዮም

”ዕድመ ንሓድነትና! ዝዓነዉ ኣደራሽና ዳግም ክንሃንጾም ኢና” ተቐማጦ ስቶክሆልም

ኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን ከባቢኣን፡ ንህልዊ ኩነታት ሃገሮምን ኣብቲ ኣብ መእከቢኦም ዝኾና ሰለስተ ማእከላት ማሕበረ-ኮማት ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊን ዝዘተየ ሰፊሕን ውዕዉዕን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም። እዚ ብሽማግለ መኸተ ስቶክሆልም ተወዲቡ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ መኽፈቲ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣቶ ተኽለ መንግስቱ፡ ንተጻብኦን መከተን ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ ብዘይ ዘራይን ብርእሳ ተሞርኪሳ ዝተዓወተት እንኮ ሃገር ምዃና ብምግላጽ፡ ሰላማ ንምዝራግን ኣብ ኮረቻ ምዕባለ ከይትሰርርን ዝተፋሕሱ ኩሎም ሽርሕታት፡ ብሓያል መከተ ህዝብን መንግስትን ፍሹላት ከም ዝኾኑ ኣብሩሁ።

ኣቶ ሲራክ ባህልቢ’ውን፡ ኣብ ሓድሽ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣመልኪቱ፡ ኣውፈርቲ ንምትብባዕ ተባሂሎም፡ ዝተቐየሩ ፖሊሲታት ምህላዎም ብምብራህ፡ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ተንቲኑ።

ኣቦ መንበር ሽማግለ መኸተ ኣቶ ዘርኦም በራኺ’ውን ብወገኑ፡ መኸተ ኤርትራውያን ዝነበረን ዘሎን ዚቕጽልን ምዃኑ ብምብራህ፡ ህዝቢ ብሰፊሕ ክዝትየሉ፡ ንዛዕባ ፍጻመ 25 ለካቲት ክፉት ገይሩ። ተሳተፍቲ ብሓፈሻ፡ ንምቅጻል ሓዊ ሰለስተ ማሕበረ-ኮማት ኣዝዩ ከም ዘቖጥዖም ብሓደ ድምጺ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናትን ሽማግለታትን ብሓፈሻ ድማ፡ ኣብ ነበርቲ’ተን ከባቢ፡ ዘይሃስስ ስምብራት ኣንቢሩ ምህላዉ ገሊጾም። እዚ ፍጻመ ድማ፡ ብሓድነት ሓደ ልቢ ኤርትራውያን ልቦም ዝሰኸረን ንምብታኑን ኮነ ኢልካ ከም እተተግበረ ገሊጾም።

መንእሰያት’ውን ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ነቲ ፍጻመ ብምኹናን፡ ብፌይስ ቡክ፡ ትዊተር፡ ሞባይልን ካልኦት መራኸቢታት ገይሮም፡ ንመደበራት ሜዲያ ሽወደን መልእኽቲ ኩነኔ ብምልኣኽ፡ ጻዕቂ ስራሕ ፈጢሮምሎም ከም ዝቐነዩ፡ ካብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ብጻይ ሄኖክ ኣለም ኣብሪሁ።

ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ወ/ሮ ሸዋ ፍስሃየ ደገፎም ንምግላጽ ካብ ከተማ ኡፕሳላ ዝመጹ ኣቶ ደባስ ኣሰፋውን ብሓባር፡ ንፖሊሲታት ወፍሪ ብኣወንታ ከም ዝቕበልዎ ብምግላጽ፡ ምቅጻል ሓዊ ማሕበረ-ኮማት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ከም ዝኾነ ንጹር ርእይትኦም ሂቦም። ቀጺሎም፡ እዚ ኣንጻር ኤርትራውያን ዝቐንዐ ተደጋጋሚ ተርእዮ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ፡ ”ተጻባእትና፡ ብሓድነትና ማዕረ ክንደይ ኣሻቒልዎም ምህላዎ ዘነጽር’ዩ” ብምባል፡ ኩሎም ተጻብኦታት ንምምካት፡ ኣብ ጎድኒ ኩለን ማሕበረ-ኮማት ደው ከም ዝብሉ ኣረጋጊጾም።

ካልኦት ተሳተፍቲ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን ናብ ክልተኣውን ዲፕሎማስያዊን ዝምድና ንምምላስ፡ እተን ኣካላት ዜና፡ ኣብ ሃናጺ ዛዕባ ከተኵራ፣ ንመንግስትን ከተባብዓን ኤርትራዊ ስለምንታይ 2% ከም ዝኸፍል፡ ነጻ ቃለ መሕትት ከካይዳ ኣዘኻኺሮም።

ኣኼበኛታት ኣብ መወዳእታ፡ ንመትከላት መንግስቶም ብምድጋፍ፡ ውሳነ ብይን ኮምሽን ዶብ ኪትግበር ዝጽውዕ፣ ሓድሽ ቍጠባዊ ወፍሪ ንምዕዋትን እጃሞም ንምብርካትን ከም ወትሩ ቅርብነቶም ገሊጾም። ብሶኑይ 25 ለካቲት 2013 ኣብ ሰለስተ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮማት ዘጋጠመ ባርዕ ሓውን ተልእኽኡን ብትሪ ብምኵናን፡ ኣብ ምድላይ ገበነኛታት ምስ ፖሊስ ከም ዝተሓባበሩ ብሓደ ቃል ኣድሚጾም። ነተን ዝነደዳ መእከቢ ኣደራሻት

ድማ፡ ካብቲ ዝነበርኦ ቅርጺ ኣብሊጾም ንምስራሐን፡ ኣብቲ ሰዓት ዝተሰልዓሎምን ካብኡ ዝዛይድን ኪኸፍሉ ቅርብነቶም ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዘይቅቡል ጸለመን ኣንጻር ክፍሊት 2%ን ምስዋር ሓዊ ማዕከናት ሽወደን፡ ደው ክብል ዳግማይ ዝጽውዕን ብኹሉ ኣኼበኛ ተቐባልነት ዝረኸበን፣ ሽዱሽተ ሮቋሒታት ዝሓዘ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጽዲቖም። ጥቡቕ ዝምድና መንግስትን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኣን ንምንጽብራቕ ድማ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤውሮጳ ምብጻሕ ከካይድ ዓዲሞም።

ብርዕና ዜናን ሓበሬታን

ስቶክሆልም     PDF