‘ቲ ቅኑዕ መገዲ ክብረት 
መንእሰይ፡ ግዜ ብዘምጽኦ ተርእዮታትን ሓሳባዊ ንፋሳትን ኣዝዩ ዝጽሎ ክፋል ሕብረተሰብ’ዩ። ኣብ 60ታትን 70ታትን፡ መንእሰያት ዓለምና፡ ኣውራ መንእሰያት ናይ’ቶም ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ብሰነ-ሓሳብ ዴስነት ኣመና ዝተጸልውሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ብዙሓት መንእሰያት፡ ንውልቃውነት ከም ትሑት ንቕሓት ጠሚቶም፡ ረብሓ ሓፋሽን ሃገራዊን ዕላማታትን ብምቕዳም፡ ምዝመዛ ርእሰማላዊ ዓለም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከብቅዕ፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣጉሃሂሮም፡ ዝኣምንሉ ስነሓሳብ ንምዕዋት፡ ሓያል ቃልሲ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ “ማዕርነት፡ ሓርነት፡ ብጻይነት!” ዘይብል መንእሰይ፡ መንእሰይ ይበሃል ኣይነበረን። እቲ ንፋስ ከምኡ’ዩ ነይሩ።
እዚ፡ ፍትሒን ሓርነትን ዘብህግ ጥዑይ ንፋስ ግን፡ ምስ ፍሽለት ደምበ ማሕበርነት ተኣሳሲሩ ክቕጽል ኣይከኣለን። ሓደ ቁጥባዊ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ከኣ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓያል መንፈስ መንእሰያት ዘዳኽም ካልእ ግናይ ንፋስ ሒዙ መጺኡ። ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ውልቃውነት ከም መንፍዓት፡ ንረብሓ ህዝቢን ሃገርን ምውፋይ ከም ዕሽነት ገይሩ ዝርኢ ስንኩል ሓሳብ ኬስርጽ ብዙሕ ጽዒሩ። እዚ ግናይ ንፋስ’ዚ፡ ከም ስነ-ሓሳብ ዴስነት ንኹሎም መንእሰያት ዝጸለወ’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ኣእምሮ ሓያሎ መንእሰያት ግን ኣናዊጹ እዩ። በዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ’ዚ ተደሪኾም ድማ፡ ዝዓበይሉ መሬት፡ ስድራቤቶምን ህዝቦምን ራሕሪሖም፡ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ፍልሰት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ስደትን ጊላነትን ኮይኖም፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ተጸበይቲ ትኳቦ (ዌልፌር) ዝኾኑ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕሱር ስራሕ ዝተዋፈሩ መንእሰያት ውሑዳት ኣይኮነን።
ካብ 2000 ዓ.ም. ንድሓር ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን መብዛሕትኦም ሰብ ምሉእ ጉልበት መንእሰያት፡ ካብ ሃገራት ማእከላይ፡ ደቡብ፡ ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ናብ’ቲ “ምድረ-ገነት” ኢሎም ዝሓልምዎ፡ ምድረ-ኤውሮጳን ኣመሪካን ንምስጋር፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ንኣሰጋገርቲ እናኸፈሉ፡ ናብ ዝተፈላለየ ማእዝን ከምዝሳገሙ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ልዕሊ 50,000 ዝኾኑ ካልኦት ድማ ሲናይ ቆሪጾም ናብ እስራኤል ከምዝኣተው ይፍለጥ። ኣብ 2014፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም፡ ናብ ሃገር ኢጣልያ ጥራይ ኣስታት 170,000 መንእሰያት ከምዝኣተዉ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ ይገልጽ። ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ 2014 ጸብጻቡ ከምዝገለጾ፡ ኣብ መላእ ዓለም 17 ሚልዮን መረበቶም ዝለቐቑ መንእሰያት ብስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወረቐት ንምርካብ ቀንፈዘው ይብሉ ኣለዉ።
እዚ ግናይ ንፋስ’ዚ፡ ገና ብምልኣት ዘይተገልጸን ዘይተነግረሉን ኣዝዩ ብዙሕን እምብዛ ዘሕዝንን ናይ ህልቂት ታሪኽ ዘስዓበ እዩ። እዚ ሓደገኛ ንፋስ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣዳም፡ ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘውርዶ ዘሎ መከራ፡ ጭንቅን መቕዘፍቲን ጸዊኻ ኣይውዳእን። እዚ ኩነት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣፍሪቃ ብፍላይ ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ጥሒላ፤ ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ መንእሰያት፡ ኣብ ኣጻምእ ምድረ-በዳ ሞይቶም ተረኺቦም፤ ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ ብኣሰጋገርቲ ጀሆ ተታሒዞም…” ዝብል ዜናታት ዳርጋ ዕለታዊ ዝስማዕ
እዩ። ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ካብ’ቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ፡ ብኣሰጋገርቲ ንኤውሮጳ ክኣትዉ ዝህቅኑ መንእሰያት ኣስታት 40% ብዝተፈላለየ ሓደጋታት ህይወቶም ይስእኑ።
እዚ ጠገለ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ሕሱር ጉልበት ስደተኛታት ምምዝማዝ ዝመቀረንን ክሳብ ዝኣኽለን ዝተበለጻሉን ሃገራት ኤውሮጳ’ውን እንተኾነ ልዕሊ ዓቐን ኮይኑወን፡ እምብዛ ኣጨኒቑወን ይርከብ። ምስ ማእከላይ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ኤውሮጳ፡ መእተዊ ቪዛ ብምኽልካል ኮነ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪን ዶባትን ብብዝሒ ሓለዋ ኣዋፊረን ጽኑዕ ምቁጽጻር ብምግባር እውን እቲ ዋሕዚ ክዓግትኦ ኣይከኣላን። ፓርላማ ኤውሮጳ በዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ግዜ ተኣኪቡስ መፍትሒኡ ጨኒቕዎ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ጉዳይ ፍልሰትን ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝግትኣሉ መገዲ ንምንዳይ፡ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ፡ ሮማ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
ፍልሰት ኣህዛብ (Migration) ይኹን ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (Hu- man traffiking) ሕብረ-ብዙሕ ደራኺ ጠንቅታት ዘለዎ እዩ። ቀዳማይን መሰረታዊን ጠንቂ ፍልሰት፡ ድኽነት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ድኽነትን ድሕረትን ከኣ፡ ቅድምን ድሕርን መግዛእቲ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ዝጸንሐ መዝማዚን ገባቲን ቁጠባዊ ፖሊሲታት እምበር፡ ድኻምን ስንፍናን ናይዞም ግዳይ ኮይኖም ዝርከቡ ኣህዛብ ኣይኮነን። ጠንቂ ፍልሰት፡ ብቐንዱ እዚ ዝተጠቕሰ ረቛሒ ይኹን’ምበር፡ ነዚ ኩነት’ዚ ብምምዝማዝ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተዘርግሐ መርበባት ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (Human trafficking) እውን ተወሳኺ መጋደዲ ረቛሒ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ተባሂሉ፡ ንከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፡ ብጽቡቕ ኣብነት ንኻልኦት ኣርኣያ ኮይኮና ከም ስግኣት ዝጥመታ ኣዝየን ውሱናት ሃገራት ዒላማ ብምግባር፡ ብገለ ሃገራትን ተሓባበርቲ ትካላትን ዝፍጸም ኣእምሮን ጉልበትን ናይ ምምጻይን ምምካንን ሽርሒታት እውን ናቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። ዝያዳ ኹሉ ግን፡ ባህላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ዘመተ ኣብ መንእሰያት ዝፈጠሮ፡ ዘይቅኑዕ ርድኢትን ዘይክውንነታዊ ባህጊን ሕልሚን እዩ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም። ህድማ ካብ ሓቂን ክውንነትን እንተተባህለ እውን ምግናን ዘይኮነ ንሓቂ ምምስካር ጥራይ እዩ።
ሓደ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰገረ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ፡ ሰብኣዊ ክብረቱ ሸይጡ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕሱር ስራሕ ተዋፊሩ ዝረኸበን ሒደት ዶላራት ሒዙ፡ ገለ ጨርቀ-መርቂን ኤለክትሮኒካዊ ህያባትን ተማሊኡ፡ ብኤውሮጳዊ ቅዲ ኣለባብሳ ዓዱ ንምርኣይ ክመጽእ እንከሎ፡ ምስቲ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ፊልምታት ሆሊዉድ ዝዕዘብዎ ምርኢት ተዛሚዱ ዝፈጥሮ ቅንኢን ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺን ቀሊል ኣይኮነን። በዚ ድማ ንስደት ኬድካ ቀልጢፍካ ገንዘብ ሓፊስካ፡ ንደቂ ዓድኻ ናይ ምቕናእ ዕሸላዊ ህርፋን፡ ስስዐን ዘይክውንነታዊ ሕልሚን ኣብ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ስድራቤቶም ከምዝፈጠረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ህሩፍ ድማ ከመዛዝን ዝኽእል ኣእምሮ የብሉን።
ርግጽ’ዩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ገና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ድኽነት ዝጠንቁ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ። ታሪኽ ዓለምና ምስ እነንብብ ግና፡ በዚ መገዲ’ዚ ዘይሓለፈ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር የለን። እዚ ሕጂ ንብዙሓት መንእሰያት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብቐደሙ ምድረ-ገነት ኮይኑ ዝተፈጥረ ዝመስሎም ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ካብዚ ንኣፍሪቃ ዘሸግራ ዘሎ ጸገማት ኣዝዩ ዝኸበደ፡ ማለት ከቢድ ኩናት፡ ዘስካሕክሕ ጥሜትን ሽግርን ዘሕለፈ፡ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሕሰም ዛንታታት
ዝሰተረ እዩ። እቲ ጸገም ግና ብህድማ ካብ ሓቂን ክውንነትን ኣይተፈትንሐን። ብቓልሲን ስራሕን ምብልሓትን እምበር. . .። ንመላእ ኤውሮጳ ናብ ዓይኒ ዓራት ቀይሩዋ ዝርከብ፡ ጽርግያታትን ናይ ባቡር መስመራትን ገለርያታትን፡ እዞም ናይ ሕጂ ወለዶ፡ “ኣቦታትና 5 ቅርሺ ንሰሙን እናተኸፍሉ እዮም ሃኒጾምልና” እናበሉ ብሓበን ከዕልሉን ንትብዓት፡ ጽንዓትን ሓያልነትን ናይቶም ቀዳሞት ኣቦታቶም ከድንቑን እዮም ዝስምዑ። ብርግጽ ድማ፡ እቶም ብብልሒ ኣእምሮኦም፡ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ዝፈጠሩ፡ ብምህዞኦም መንብሮ ህዝቢ ኤውሮጳ ብመሰረቱ ዝለወጡ፡ ብደረጃ ዓለም እውን ብዙሕ ስነ-ፍልጠታዊን ማሕበራዊን ምርምራት ኣካይዶም ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሊቃውንቲ ኤውሮጳውያን፡ ዳርጋ ኩሎም ነዛ ዓለም ብድኽነት ከምዝሓለፍዋ እዩ ታሪኽ ህይወቶም ዝነግረና። ንሳቶም ከይጥዓሞም ሓሊፎም። በቲ ዝኸፈልዎ ዋጋ ግና፡ መጻእቲ ወለዶታት መቺእዎም ዝነበርሉ፡ ከምዚ እንዕዘቦ ዘለና ደቂ ወጻኢ ከይተረፈ ብባርነት ክነብርሉ ዝብህግዎ ምዕቡል ስፍራ ኣጣጢሖም።
ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራትን ምስቲ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣአን ዝፈጥሮ ዘይምቹእ ክሊማ፡ ኣብዚ ዘለውኦ ደረጃ ክበጽሓ፡ ህዝበን ዝሰገሮ ሕሰም፡ ዘፍሰሶ ርሃጽን ዝኸፈሎ መስዋእትነትን ብሓቂ ቀሊል ኣይነበረን። ምስ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦትን ብምንጽጻር፡ ኣፍሪቃ ባህርይ ኣብዚሑ ጸጋታት ዝዓደላ፡ ብተፈጥሮኣ ንወዲሰብ ዝሰማማዕ ክሊማ እትውንን፡ ብቕሩብ ስራሕን ምጽማምን ቀልጢፋ ክትልወጥ እትኽእል ኣህጉር እያ። ኣፍሪቃውያን ዓዶም፡ ማዕረ ኤውሮጳን ካልኦትን ከብጽሕዋ፡ ክንዲ’ቲ ህዝብታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝሰገርዎ ሕሰም ምስጋር ከምዘየድልዮም እውን ርዱእ እዩ። እቲ ናይ ካልኦት ክፍለ-ዓለማት ምዕባለ ዘለዎ ጽልዋ ዓቢ ብምዃኑ ድማ፡ ንጾር ኣፍሪቃውያን እምብዛ ዘፋኹስ እዩ። እሞ’ኸ ድኣ፡ ኣፍሪቃውያን ነዚ ምስ ታሪኽ ምዕባለ ካልኦት ህዝብታት ክነጻጸር እንከሎ፡ እምብዛ ከቢድ ክኸውን ዘይክእል ግዝያዊ ጸገም ንምስጋር ትብዓት ስኢኖም፡ ናብ ዓዲ ጓኖት ከምርሑ፡ ብዓይኒ ካልኦት ኣይንዕቖምን’ዶ?
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን፡ ራእይ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዘጸልምት ዘሎ ጉዳይ፡ ናይቶም ኣፍሪቃ ዘፍረየቶም ምሁራት ስንኩል ኣተሓሳስባ እዩ። ቀዳሞት ምሁራት ኤውሮጳውያን ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከፊሎም ሕብረተሰቦም ከምዝለውጡ ርኢና ኢና። ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ምሁራት ግዳ፡ ንእሽቶ ዋጋ ከፊሎም ብምርምርን ጻዕሪን ብምህዞን ዝሓሸ ሓሳባትን፡ ነቲ ዘምሃሮም ሕብረተሰብ መሪሖምን ኣብነት ኮይኖምን ከማዕብልዎ ኒሕ ዘይብሎም ምዃኖም ንህዝብታት ኣፍሪቃ ዓቢ ዕዳ እዩ። ናይ ዝኾነ ዓይነት ዓውዲ ወይ ሞያ ምሁር ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዱ እንተሎ፡ ከመይ ገይሩ በታ ሞያኡ፡ ካብ ገዛእ ህዝቡ ቀልጢፉ ገንዘብ መጅሪጡ፡ ወይ ኣብ ኤን.ጂ.ኦ. ተዓሲቡ ቪላ የስርሕን ብልጽቲ መኪና ይዕድግን እምበር፡ ከመይ ገይሩ ነቲ ዘምሃሮ ሕብረተሰብ፡ የማዕብልን ካብ ድኽነትን ድሕረትን የገላግልን ዝሓስብ ኣይኮነን። ነቲ ካባኻ ብዙሕ ዝጽበ ሕብረተሰብ ራሕሪሕካ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኤውሮጳን ኣመሪካን መምህር ኮይንካ ምዕሳብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ጸገማት እናጋነንካ ብምቕራብ፡ ተስፋ መንእሰያትን ፈተውቲ ዓዶምን ምጽልማት ከኣ፡ ቀንዲ መለለዪ ኣፍሪቃውያን ምሁራትን ኣብ ስደት ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲን ኮይኑ ይርከብ። ምስ ሽግር ገጢምካ ብትብዓትን ብልሓትን ሽግራት ናይ ምፍታሕ ኒሕ ምስተሳእኒ፡ ህድማኻ ንምምኽናይ ዝግበር ዘመተታት ድማ እዩ።
ጠንቂ ናይዚ ኣብ መንእሰያት ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ብጎደና ሞት ናብ ስደት ዝድርኽ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናብ ባርነትን ሰብኣዊ ሕስረትን ዘምርሕ፡ ዘይክውንነታዊ ሕልሚን ጠገለ ኣልቦ ስስዐን ህርፋነ-ንዋይን ዝፈጠሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ እምበኣር፡ ብኽብደት መነባብሮን ስእነትን ዝምኽነ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ከቢድ ባህርያዊን ሰብ ኣምጽኦን ሽግራት፡ ከም ደርቂ፡ ጥሜት፡ ኲናት ወዘተ. ተኸሲቱ፡ ዝቑርጠም ጥረ ኣብ ዝሰኣነሉ ወይ ህይወት ንኸቢድ ሓደጋ ኣብ እትቃልዓሉ እዋን፡ ሰባት ካብ ምጽናት ንምድሓን፡ ርስቶም ለቒቖም ናብ ስደት ከምርሑ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ተርእዮ እዩ። እንተኾነ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ናይ መንእሰያት ኣፍሪቃ ስደት፡ ምስቲ ናይ ቀደም ስደት ፍጹም ዝመሳሰል ኣይኮነን። ብዕምቈት ንዝተመልከቶ እውን ጠንቂ ናይዚ እዋን’ዚ ስደት፡ ሕሱም ድኽነት ወይ ስእነት ወይ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድእ ከቢድ ስግኣት ከምዘይኮነ ርኡይ እዩ። ሓቂ’ዩ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ሓሓሊፉ ስእነትን ጥሜትን ኩናትን ግጭታትን ከጓንፍ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ህዝቢ ናብ ስደት ከምርሕ ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ምስቲ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ጸገም ንዘጓነፎ ህዝቢ እውን ሰናይ ተበግሶን ድሌትን ማሕበረሰብ ዓለም እንተሎ፡ ዓዱን ርስቱን ከይለቐቐ ኣብ ቦታኡ ኬድካ ምርድኡ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን።
እንተ ሽግር መነባብሮ ግን፡ መሬትካን ርስትኻን ከይለቐቕካ፡ ምስ እተፍቅሮም ኣሕዋትካ፡ ስድራቤትካ፡ መተዓብይትኻን ህዝብኻን፡ ብኽብረት እናነበርካ፡ ብስራሕን ጻዕርን እምበር ብስደት ክፍታሕ ኣይተራእየን። ብኡ ኣቢልካ ክትጠፍእ እንተዘይኮይኑ፡ መፍትሒ ኣይኮነን። ኣዒንቲ ዘዕውር ባህላዊን ስነኣእምሮኣዊን ዘመተ ዓብሊሉ ድኣ እምበር፡ ክንደይ ካብቶም እተሰዱ ኮን እዮም ሓሊፉሎም፡ ሃብቲሞም ዓዶም ዝምለሱ? ሒደት ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ እንተተመልሱ እኳ፡ እቶም ዝበዝሑስ ዝምለስሉ ዕድል የብሎምን። ንገዛእ ርእሶም ህይወቶም ንባርነት ኣሕሊፎም ሂቦም ከይኣክል፡ ኣብኡ ተወሊዶም ንዕኦም ዝትክኡ ካልኦት ገላዩ ኣፍርዮም እታ ሓጻር ህይወቶም ብዘይ ክብረት ከሕልፍዋ እዮም ዝርኣዩ። እቶም ዕድል ዝገበሩ ሬሳኦም ንዓዲ ክምለስ እንተዘይኮይኑ፡ ዓዲ ስደት ከይዱ ሃብቲሙ ሓሊፉሉ ዝተመልሰ ብዙሕ ኣይኮነን። ካን ኣኺልዎም ብዝኸድዎ እዮም ዝጠፍኡ። እቶም ዝበዝሑ።
ብሓያሎ መንእሰያት ኣፍሪቃ ከም መንፍዓት ዝውሰድ ዘሎ፡ ርስትኻ ናይ ምልቃቕ ተርእዮ እምበኣር፡ መግለጺ ስንፍና፡ ህድማ ካብ ሓቂን ክውንነትን እምበር መግለጺ ንጥፈት ወይ ብርትዐ ኣይኮነን። መንፍዓትሲ፡ ብርሃጽካን ጻዕርኻን መሬትካን ርስትኻን ኣጸቢቕካን ኣልሚዕካን፡ ንኹሉ ሽግራት በዲህካ፡ ደቅኻን ደቂ- ደቅኻን ኣብ ዓዶም ብኽብረትን ጣዕምን ዝነብርሉ ስራሕ ምስራሕ፡ ምእንቲ ለውጢን ምዕባለን ዝሕተት ዋጋን መስዋእቲን ምኽፋል እዩ። ሰብ ንስራሕ ስለዝተፈጥረ። ኩሉ ሰብ ባህርይ ክልወጥ ዘኽእሎ ዓቕሚ ስለእተዋህቦ፡ ብእኡ ስለዝዓግብ። ብእኡ ስለዝሕበን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ግን ፍታሕ ዘረጋግጽ ካልእ መገዲ እውን ስለዘየልቦ። እቲ ቅኑዕ መገዲ ክብረት ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ!
“ኣብ ዘይዓዱ ዝኸደ እንተለጎምዎ ፈረስ እንተጽዓንዎ ኣድጊ” ዝብል ምስላ ሓጎታት፡ ንሓቀኛ ህይወት ኣብ ዓዲ ጓና ዝሰፈረ ሰብን ንኣጠማምታ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ስደትን ዘጉልሕ እዩ። በዚ ድማ፡ እቲ ቀደም ግዜ ኤርትራውያን ዘይጽወርን ዘይስገርን ሽግር ክገጥሞም እንከሎ እንተዘይኮይኑ፡ ዓዶምን ርስቶምን ራሕሪሖም ናብ ስደት ምጥማት ይሓስብዎ ኣይነበሩን። ኣብ ዓድታት ኤርትራ፡ ንእዋን ጥሜት ይኹን ካልእ ሕሱም እዋን፡ ርስቱ ከይለቐቐ ብሓያል ተጻዋርነትን ተበላሓትነትን ዝሰግሮ ሰብ፡ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሰብ እዩ። ብኣንጻሩ ንስደት ዘምርሕ ከም ሰነፍን ድኹምን ሰብ እዩ ዝጥመት ነይሩ። “ምስ ህዝብኻ ጸበባ ዳርጋ ጸባ” ዝብል ምስላ ኣብ መንጎ ህዝብኻን ወገንካን ምንባር ዘለዎ ጣዕሚ ዘጉልሕ ካልእ ፍሉጥ ምስላ ኤርትራውያን እዩ። ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ ዘንጸባርቕ ብዙሕ ኣብነታት ክቐርብ ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ንትምህርቲ ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ክፍለዓለማትን ክኸዱ ዕድል ዝረኸቡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም፡ ገሊኦም ድማ ትምህርቶም ኣብ መንጎ ኣቋሪጾም፡ ኩሉ ውልቃዊ መደባቶምን ባህግታቶምን ወንዚፎም፡ ንትምህርቲ ኢሎም ዝኸድዎ ዓዲ-ጓና ጠንጢኖም፡ ናብቲ ጽንኩር ገድላዊ ህይወት ንምጽንባር ናብ ሜዳ
ይውሕዙ ምንባሮም ምስ እንርኢ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢን መሬትን ባህጊ ሰብኣዊ ክብረትን ሓርነትን እዩ ዘጉልሕ። ብርግጽ ድማ፡ ሰብኣዊ ክብረት በዘይካ ኣብ መሬትካ ምስ ህዝብኻ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይርከብ ጸጋ እዩ።
እዚ ማለት ግና፡ ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ካብዚ ዘሐብን ባህልን ልምድን ዝወጸ ስንፍናን ዕርበተ-ሕልናን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እቶም ኣርሒቖም ዝሓስቡ በላሕትን ተባዓትን መንእሰያት ካብ በይንኻ ጽጋብን እፎይታን ኣብ ትሕቲ ሕስረት፡ ምስ ህዝብኻ ጸበባ ኣብ ትሕቲ ክብረት መሪጾም፡ ካብቲ ብመጠኑ ቁራስ እንጌራን ውልቃዊ ሰላምን ክረኽብሉ ዝኽእሉ ርሑቕ ሃገር፡ ናብቲ መሪር ገድላዊ ህይወት ክውሕዙ እንከለው፡ ገለ ብዘይካ ጣዕሚ ውልቃዊ ህይወቶም ካልእ ዘይርኣዮም፡ ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ወይ ክንዮ ግዝያዊ ጸገማት ካብ ዘይምጥማት ዓቕሊ ዘጽበቡ፡ ነቲ ቃልሲ ራሕሪሖም፡ ሰብኣዊ ክብረት ደርብዮም ናብ ስደት የምርሑ ነይሮም እዮም። ከምቲ ቀደም ዝነበረ ተርእዮታት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እውን፡ ኣብ ገለ መንእሰያት ናይ ስንፋን ባህርያት ምኽሳቱ ኣይተረፈን። ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ትብዓትን ተጻዋርነትን ክህልዎ ትጽቢት ስለዘይግበር ግዳ፡ ከም ተርእዮ ዘገርምን ዘሰክፍን ኣይኮነን። ሃገራዊ ባህርያት በቶም ዝበዝሑ ስለዝምእዘን።
ህዝቢ ኤርትራ ሳላ’ቲ ኣብ ዝበዝሑን ዝበለጹን ዜጋታቱ ዝሰረተ ዘኹርዕ ናይ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ባህሊ እዩ ብኣንጸባራቒ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሱ ኣዐዊቱ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ናጽነቱ ብልምዓት ደሪዑ፡ ንሰብ ዝበቅዕ ህይወት ክፈጥር ኣብ ካልኣይ ተጋድሎ ማለት ኣብ ልምዓታዊ ገድሊ ተጸሚዱ ይርከብ። እቲ ኣብ ርስትኻ ጸኒዕካ፡ ምስ ህዝብኻ፡ ንጽንኩር እዋን ብትብዓት፡ ምትሕልላይን ተበላሓትነትን ሰጊርካ፡ ኣብ ዓወት ናይ ምብጻሕ ዘኹርዕ ባህሊ ኤርትራውያን፡ ሕጂ እውን ኣብዚ ካልኣይ ገድሊ፡ ገድሊ ልምዓት፡ ብዝበዝሑ መንእሰያት ተወሪሱ ይቕጽል ምህላው ድማ ኣዝዩ ዘሐብን እዩ።