ርግኣት፡ ፍረ ፖለቲካዊ ብቕዓት

ኣብዚ ዘለናዮ ታሪኻዊ መድረኽ፣ ዓለምና ብሓፈሻ፣ ጎዶቦና ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ድማ ብፍላይ፣ ብኣዝዩ ተዋሃሲ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ኩነታት ይሓልፍ ከምዘሎ ብቐረባን ዕለታዊን እንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሶማል ዝተኸስተ ናይ ስልጣን ባዶሽ፣ ኣብ’ታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ሕንፍሽፍሽ ከኸትል ርኢና ኢና፣ ገና እውን ይቕጽል ኣሎ። ግጭት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ብናጽነት ደቡብ ሱዳን እኳ እንተተፈትሐ፣ ስዒቡ ኣብ ደቡብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ እዩ ኣኸቲሉ። ኣብ ሰሜን ሱዳን ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እውን ገና ኣይሰኸነን። ዓሚቚ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ጸገማት ብወያነ እትምራሕ ኢትዮጵያን ዓሌታዊ ፖሊሲ ናይ’ቲ ስርዓት ፈጢርዎ ዘሎ ኤትኒካዊን ሃይማኖታዊን ምትፍናን እውን ውዒሉ ሓዲሩ እንታይ ከምዝወልድ ግዜ ክምልሶ’ዩ። ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሊብያ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ቓዛፊ ዝተኸስተ ናይ ስልጣን ሃጓፍን ዘስዓቦ ሕንፍሽፍሽን፣ ዘይርጉእ ኩነታት ግብጺ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብ ሶርያ፣ ዒራቕ፣ የመን፣ ፍልስጤምን እስራኤልን ዘሎ ኲናትን ሕምስምስን ድማ ካብቲ ኣኽቢቡና ዝርከብ ተሃዋሲ ኩነታት ጎሊሑ ዝጥቀስ እዩ።

እዚ ተኣፋፊ ኩነታት’ዚ፣ በቲ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና ዝኽተልኦ ዘለዋ ግጉይን ዘይተጸንዐን ፖሊሲን ወተሃደራዊ ምትእትታዋትን ዝያዳ እናተሓላለኸ ክኸይድ እምበር፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍወስን ክዕረን ይኽእል’ዩ ኢልካ ትጽቢት ክግበረሉ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ብግዳማዊ ምትእትታው ዝፍታሕ ሽግር ወይ ዝረጋገጽ ሰላም ከምዘየለ ዝሓለፈ ተሞኩሮ ብግብሪ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ካብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ጀሚርካ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተገብረ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት፣ ብኣንጻር’ቲ ዝተነፍሓሉ ደሞክራሲ ናይ ምስፋን ቅዱስ ዕላማ፣ ብግብሪ ዝፈጠሮ ነገር፣ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ጥራይ እዩ ነይሩ። ናይ ስልጣን ሃጓፍ ድማ ውጽኢቱ ስርዓተ ኣልቦነት፣ ኩናት ሓድሕድን መትሓዚ ዘይብሉ ሕንፍሽፍሽን ምዃኑ፣ ዓለም ብግብሪ ትዕዘቦ ኣላ።

እዚ ኣብ ጎዶቦና ተፈጢሩ ዝርከብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኩነታት፣ ብሰንኪ ዘይቅኑዕ፣ ብዘይካ ውልቃዊ ረብሓ፣ ሓልዮት ህዝብታት ዘይብሉ ፖሊሲታት ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና ዝተፈጠረ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ቀንዲን መሰረታዊን ጠንቁ ግን ንሱ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት’ዚ ብቐንዱ ውጽኢት ሰንኰፍ ሃገራዊ ጥምረትን ንግዳማዊ ምትእትታው ዝዕድም ዘቤታዊ ድኻምን ፖለቲካዊ ዘይብቕዓት ናይተን ሃገራትን እዩ።

ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕንፉሽ ዞባዊ ኩነታት፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ልዑል ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ጸጥታን ሰላምን ከረጋግጽ ምኽኣሉ ፍሉይነት ኣለዎ። ኤርትራ ብመንጽር’ቲ ኣኽቢብዋ ዘሎ ዞባዊ ኩነታት፣ ከም ደሴት ሰላም ኣብ ባሕሪ ሲኦል ክትምሰል ትኽእል እያ። ዝገጠማ ብድሆ ስለዘይነበረ ግን ኣይኮነን። እኳ ድኣ፣ እቲ ዝገጠማ ብድሆ፣ ብብዝሑን ክብደቱን መዳርግቲ እውን ዝርከቦ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 16 ዓመታት፣ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ፣ ልኡላውነቱ ንምድፋር፣ ሓድነቱ ንምብትታን፣ ብግዳም ክፍተን ዝጸንሐ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታዊን ቁጠባዊን ተጻብኦታትን ሽርሒታትን፣ ካብቲ ንኻልኦት ህዝብታት ዝገጠሞም ብድሆ ብተዓጻጻፊ እንተዘይሓዪሉ ዝንእስ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ግን ኩሉ ዝተገብረ ፈተነታት ኣይሰርሐን። ስለምንታይ? እንተድኣ ኢልና መልሱ ንጹር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፣ ሳላ’ቲ ብዙሓት ህዝብታት ክውንንዎ ዘይክኣሉ ፖለቲካዊ ብቕዓቱ’ዩ ንኹሉ ዝተኣልመ ውዲታትን ሽርሒታትን ተሪሩ ብምምካት ከምዘይሰርሕ ገይርዎ። በቲ ምስኩር ሃገራዊ ጥምረቱን ንቕሓቱን ንግዳማዊ ሽርሒን ተጻብኦታትን ነቓዕ ስለዘይከፈተ ድማ፣ ብተዛማዲ ህድኣት፣ ሃሙን ቀልቡን ኣብ ልምዓት ኣቕኒዑ፣ ኣብ ዕዮ ገዝኡ ክጽመድ ዕድል ረኺቡ፣ ብዙሕ ዕዮታት እውን ከሳልጥ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ይኹን’ምበር፣ ስዕረት ዘይምነዎም ታሪኻውያን ተጻባእቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሕጂ እውን ተስፋ ቆሪጾም ኢዶም ከምዘይእርንቡ ክፍለጥ ዘለዎ እዩ። እዞም ማእለያ ዘይብሉ ውዲታት ፈቲኖም ዝፈሸሎም ተጻባእቲ፣ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጾ ክኢሉ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን፣ ዘርእዮ ዘሎ ልምዓታዊ ገስጋስ፣ ሕጉሳት ክኾኑ ኣይሕሰብን። ስለዚ ድማ፣ ተጻብኦታቶም ክቕጽል ምዃኑ ኣየማትእን። መንእሰይ ኤርትራ እምበኣር፣ ከም መሪሕን ዋልታን ሕብረተሰብ መጠን፣ ነዚ ኩነታት’ዚ ብዕምቈት ብምግንዛብ፣ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ርጉእ ኩነታት ክነብር ዘኽእሎ ዘሎ ብልጫታት ሕብረተሰቡ ኣጽኒዑ ብምሓዝ፣ ካብኡ ዝሕተት መድረኻዊ ተልእኾኡ ብብቕዓት ንምፍጻም ፖለቲካዊ ብቕዓቱ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከሐይል የድልዮ።

ካብዚ ዘሎ ዞባዊ ሃዋህውን ካብ ታሪኽናን ከምእንግንዘቦ፣ ኣብ እዋን ሰላም ይኹን ኲናት፣ ማለት ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ይኹን ኣብ ጉዕዞ ዕብየት፣ ንሓይሊ፣ ብቕዓትን ኣድማዕነትን ሕብረተሰብ ዝውስኑ፣ ብዙሓት ረቛሒታት እኳ እንተለዉ፥ እቲ ወሳኒ 

ረቛሒ ግን፣ ውሽጣዊ ሃገራዊ ጥምረት፣ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ንቕሓትን እዩ። ዕዉት ህዝቢ፣ እቲ ብዙሕ ዝቚጽሩ ወይ ገዚፍ ቁጠባን ወተሃደራዊ ሓይሊን ዝውንን ዘይኮነ፣ እቲ ስሙርን ብሉጽ ሃገራዊ ክብርታት ዝውንንን ልዑል ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ናይ እዋን ቃልስን ናይ ድሕሪ ናጽነትን ታሪኽና፣ ናይዚ ሓቂ’ዚ ጒሉሕ ምስክር እዩ። ከመይሲ ሳላ ውሽጣዊ ጥምረትናን ሓያል ውዳበናን ኢና፣ ናብ ዘይጽዓድ ሓይሊ ተቐይርና፣ ንኹሉ ዘይክኣል ዝመስል ምረትን መስገደልን ሰጊርና፣ ንርእሰ ሓያላን ገጢምና፣ ንምዝራግና ዘንቀደ ዝተፈላለየ ሽርሒታት መኪትና፣ ህላወናን ቀጻልነትናን ከም ህዝቢን ሃገርን ከነረጋግጽ ዝበቓዕና።

ብኣንጻር’ዚ ዝተጠቕሰ ንሓይልን ብቕዓትን ሃገርን ሕብረተሰብን ዝውስን ረቛሒ፣ ሰንኰፍ ሃገራዊ ጥምረትን ድኹም ፖለቲካዊ ብቕዓትን እቶም ቀንዲ ጠንቂ ውድቀት ሕብረተሰባት ምዃኖም ታሪኽ ዓለምና ደጋጊሙ ኣነጺርዎ እዩ። ህልዊ ኩነታት ከባቢና ድማ፣ ደጊሙ የረጋግጾ ኣሎ። ጠንቂ ድኻምን ውደቀትን ሕብረተሰባት እምበኣር፣ ሓይልን ብርትዐን ግዳማዊ ተጻብኦ ኣይኮነን። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ናይ ታሪኽ ፍጹም ተቐይሩ ኣይፈልጥን። ንመጻኢ እውን ዝቕየር ኣይኮነን። ሕብረተሰብ ብውሽጡ እዩ ዝደክምን ዝዓኑን።

ኤርትራውያን፣ ኣብ ቅድሚ ግሁድን ዘይግህዱን ዞባዊን ዓለማዊን ተጻብኦ ጸኒዕና ደው ክንብል ዘኽኣለና ረቛሒ፣ እቲ ብሓያል ሃገራዊ ሓድነትን ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪን ዝልለ ፖለቲካዊ ባህልናን ብቕዓትናን ምዃኑ እምበኣር ተረካቢ ሃገር መንእሰይ ብዕምቈት ክግንዘቦ ኣለዎ። ብሕጂ ዝጽበዩና ብድሆታት ሰጊርና ኣብቲ እንደልዮ ዕላማ እንበጽሕ ከኣ፣ እዚ ቀንዲ ምስጢር ዓወትና ዝኾነ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ምስዝዕቀብን ዝያዳ እናሰሰነ ምስዝኸይድን ጥራይ ምዃኑ ክፍለጥ ዘለዎ እዩ። ክሳብ ሕጂ ብዓወት ዝመረሽና ብሓይሊ ብረት ወይ ብሓይሊ ገንዘብ ዘይኮነ ብሓይሊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኢና። ስለዚ፣ መንእሰይ፣ እቲ ቀንዲን ዘይስዓርን ዕጥቂ ፖለቲካዊ ንቕሓት ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ። ታሪኽና ከምዝምስክሮ እቲ ዝዓበየ ጸጋና ንቕሓት እዩ። ኩሉ ቅያታትና ውጽኢት ንቕሓት እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፣ ኣብዚ ቀንድን እንተኣማመነሉን ጸጋ ድኻማት ክህሉ ስለዘይግባእ፣ መንእሰይ ነቲ ዘዐወተና ፖለቲካዊ ሓይልን ሃገራዊ ክብርታትን ምዕቃብ ብዝለዓለ ንቕሓት ክጽዕረሉ ዝግብእ ጉዳይ እዩ። ነዚ ንምግባር ስነሓሳባዊን ፖለቲካዊን ስራሕ ወትሩ እናሓየለ ክኸይድ የድሊ።

ውፉይ ሱታፌ መንእሰይ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት፣ ብቐንዱ ካብ እምነት ኣብ ዕላማ እዩ ዝፍልፍል። ስለዚ ዝጸንሐ ሓያል እምነትን ሃገራውነትን ተዓቂቡ ክቕጽል፣ ንጥፈትን ኣወዳድባን ማሕበርና ክሕይል፣ ተራ ካድረታት መንእሰያት ክዓዝዝ፣ ውዳበን ንቕሓትን መንእሰያት ክዓቢ የድሊ። መንእሰይ ልዑል ፖለቲካዊ ንቕሓትን ሓያል ውዳበን ምስዝህልዎ እዩ፣ ንሕብረተሰብ ብውሽጢ ዘበዂብዂን እምነት ዘጥፍእን ጉድለታትን ዘይብቕዓትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝኽስት ሃገራዊ ክብርታት ዘዕኑ ነውርታትን ኣትሪሩ ክቃለሶ ዝኽእል።

ውሽጣዊ ጽሬትን ብርትዐን እምበኣር፣ እቲ ቀንዲ ዋሕስ ርግኣትን ዕብየትን እዩ። ኣዝዩ ዕዉትን ተኣምራታዊን ታሪኽና፣ ጸላእትና ድኹማት ስለዝነበሩ ዝተረኽበ ዘይኮነ፣ ጥምረትናን ብርታዐናን፣ ልዕሊ ሓይሎምን ሓይሊ ዘራያቶምን ጸብለል ስለዝበለ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካልኦት ህዝብታት ክጻወርዎ ዘጸግም ግዳማዊ ተጻብኦ፣ ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ስውር ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ሽርሒታት ምምካትና እውን ፍረ ጥምረትናን ፖለቲካዊ ብቕዓትናን ጽንዓትናን እዩ። ጻማና ድማ ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ልዕሊ ኹሉ፣ ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገርና ምስ ክብረት ኣውሒስና። ብውግእን ወረ ውግእን ጀሆ ከይተታሓዝና፣ ሱር በተኽ ቁጠባዊ ለውጢ ዘምጽእ ስትራተጂያዊ ወፍሪታትን መደባት ልምዓትን ኣብ ምትግባር ንርከብ ኣለና። ኣብ ዝኾነ ወገን ከይተጸጋዕና፣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይኣተናን ከይተመሻኸናን ዝሓለፍናዮ መድረኽ ብምንባሩ ድማ፣ ነቲ ፍቱን ተጻዋርነትናን ብርታዐናን ከም ህዝቢን ሃገርን ደጊሙ ዘጒልሐ እንሕበነሉ ታሪኽ ፈጺምና። እዚ፣ ፍረ ዘይጸዓድ መንፈስን ሕልናን፣ መርኣያ ሓያል ፖለቲካዊ ዓቕሚን ብቕዓትን ህዝቢ ኤርትራን መንእሰያቱን እዩ።

ሕጂ’ውን ኣብ ቅድመና፣ ገና ክንሰግሮ ዘለና ብድሆታት ኣሎ። ምስቲ ዝሰገርናዮ ኣዝዩ ፈታኒ ግድላት ዝዳረግ እኳ እንተዘይኮነ፣ ግዳማዊ ተጻብኦታት ከኽትም ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ድልዉነትናን ፖለቲካዊ ብቕዓትናን ወትሩ እናሰወደ ክኸይድ ዘለዎ እዩ። ብውሽጢ’ውን ብቐጻሊ እናተፈወሰ ክኸይድ ዝግባእ ሕጽረታትን ድኻማትን ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ ድማ፣ ሰላምን ርግኣትን ዘውሓሰ ሃገራዊ ክብርታት ንምዕቃብ ሓያል ፖለቲካዊ ስራሕ ይሓትት። ንድሕነትን ምዕባለን ሃገር ኩሉ ሳዕ፣ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ኩነታት ስለዝኾነ፣ ኣተኩሮና ዝያዳ ኣብ ዘቤታዊ ዕማም ማለት ኣብ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ህንጸት ሃገር ቀኒዑ፣ ንግዳማዊ ረቛሒታት ብውሽጣዊ ስራሕን ምዕባለታትን ክንጸልዎን ክንልውጦን የድሊ።

ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብኲናትን ቀጻሊ ተጻብኦታትን ቁጠባዊ ሽርሒታትን ስለዝሓለፍና ብሓደ ወገን፣ ናብ ግዝያዊ ፍታሕ ከየድሃብና ተጸሚምና ነባሪ ፍታሕ ዘምጽኡ ስትራተጂያውያን ወፍሪታት ኣብ ምትግባር ስለእንርከብ ድማ በቲ ካልእ ወገን፣ ዘሎና ጾር መነባብሮ ክብደቱ ርዱእ እዩ። የግዳስ ሳላ ዝተጸመምና ብዙሓት ክትግብርዎ ዘጸግሞም፣ ካብ ቁጠባዊ ጽግዕተኛነትን ተጸባይነትን ከላቕቐና ዝኽእል፣ ሰፊሕ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምትግባር ድሓን ሰጒምና ኢና። ኣብ ትሕቲ ቅርጺ ብዘሳለጥናዮ ዕማም፣ ንገዚፍ ሕርሻዊ ንጥፈት ከምኡ’ውን ንሰፊሕ ቁጠባዊን ንግዳውን ንጥፈት ባብ ኣብ እነርሕወሉ መድረኽ ተቓሪብና ኣሎና። ኣብ ዕደናን ካልእ ጽላታትን ዘሎ ናይ ውሽጢን ደገን ወፍርታት ድማ፣ ኣብ ቁጠባዊ ዕበየትና ዓቢ ድርኺት ከምዝፈጥር ንጹር እዩ። እዚ ተታሓሒዝናዮ ዘሎና መደባት ልምዓት እምበኣር፣ ሰላምናን ልኡላውነትናን ዘውሕስ ድልዱል ዓንዲ ብምዃኑ፣ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ንቕሓትን ኣዕሪግና፣ ግዝያዊ ጸገማት እናበዳህና ዝያዳ ክንረባረበሉ ዘለና እዩ።