መግለጺ ሓድነት ን13 ሚያዝያ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምሕጽንታ (Action Day) ባይቶ ማ/ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን
ስርዓት ወያነ፡ ኣብ መፋርቕ 1998 ብዶብ ኣሳቢቡ ብእዉጅ ኵናት ንኤርትራ ካብ ዝወርር እንሆ 17 ዓመት ኣቑጺሩ። እዚ ንሓድነትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘይምርዳእ በቲ ሓደ፡ ብድርኺትን ኣጆኻ በሃልትን ናይ ዓለምና ሓያላት ሃገራት ድማ በቲ ኻልእ፡ ተሃንዲዱ ግጉይ ቅማረ ሃንዲሱ ዘካየዶ ደማዊ ኵናት ብቐንዱ ዝስሓኖ ባዕሉ ስርዓት ወያነ’ኮ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንሃገርና ኤርትራ ዘስዓቦ ሃስያ ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን።
ዝተሃንደሰ ግጉይ ቅማረ ኵናት ዘይምስላጡ በቲ ሓደ፡ ሕጋውን ዓለምለኻውን ውዕል ኣልጀርስ ድማ ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ብዓወት ኤርትራ ምዝዛሙ በቲ ኻልእ፡ ንስርዓት ወያነ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ዘኸድምዎ ሓያላት ሃገራት ዓለምና’ውን ክውሓጠሎም ብዘይምኽኣሉ፡ ጓል መንገዲ ፈጢርካ ነቲ ጉዳይ መኣዝኑ ብምቕያር፡ ኤርትራ ገንሸል ናይ’ተን ኣዎንታዊ ራእይ ዘለወን ኣብ ምሞዕባል ዝርከባ ሃገራት ብምግባር፡ ብዓሎቕ ብዘይውዓለቶ ባዕሎም ከሰስቲ ባዕሎም ድማ ፈረድቲ ኮይኖም ክሲ ከቕርቡ ተራእዮም።
“በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ስለዝኾነ ድማ፡ ኤርትራ ፡ ነቲ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ወራርን ተጻብኦታትን ወያነን ዘራያቱን ኣላሽ ኣብ ዘበለትሉ እዋን ፡ ኣብ መወዳእታ 2009 ከምኡ’ውን ኣብ 2011ን ድማ ብናይ ሓሶት ጠቐነ ብዘይወዓለቶ ገበን፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርእሲ ኤርትራ ዘይፍትሕዊ ናይ እገዳ ብይናት ኣሕሊፎም። እንተኾነ፡ እዚ ብውሓለ ከሸንቲ ዝተፋሕሰ ውዲት’ውን፡ ብሳላ ጽንዓትን ተውፋይነትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግዜ በሊዑ ልክዕ ከም ዝሓለፉ ውዲታት ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን በርዒኑ’ዩ ተሪፉ። .
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ወራር ወያነ ይኹን ኣብ’ቲ ድሒሩ ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ክስታትን ዘይፍትሓዊ ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ተቓውሞኡ ብዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምውዳብ፡ ነዛ ጸማም ዓለም ከስምዓ ክኢሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጎኑ ህዝቡን መንግስትን ምዃኑ ብተግባር ኣርእዩ እዩ።
ሎሚ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስርዓት ወያነ ካብቲ ግቢቱ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ኣብ ክንዲ ምስግዳድ፡ ፍርዲ ዓለምና ማይ ንዓቐብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብበይኑ ዓይነት ዘየሎ ክስታት ዘይፍታሓዊ ናይ እገዳ ብይናት ክሓልፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ብዘይ ምስልካይ ተቓውምኡ ካብ ምስማዕ ኣይከዕርፍን እዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ብኣጋጣሚ እቲ ውሳኔ ዝሓለፈሉ ዕለት 13 ሚያዝያ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከባ ኤርትራውያን ህዝባውያን ማ/ኮማትን ናይ መኸት ሽማግለታትን ዝወድብኦ፡
ንፍትሓዊ ጉዳይና ጸማም እዝኒ ሂቡ ክኸይድ ዝመረጸ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተሓለልና ናይ ሰላምን ፍትሕን ጻውዒትና ንምቕራብ፣
ነቲ ስርዓት ወያነ ብጎበጣ ሒዝዎ ዘሎ መሬትና ብዘይ ወዓል ሕደርን ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኩነትን ለቒቑ ፣ ብይን ኮምሽን ዶብ ኣተግቢሩ፣ መገዲ ሰላም ክመርጽ ጸቕጢ ክግበረሉ
እቲ ብእከይ ሻራን ሓሶትን ተጠኒሱ ዝተወልደ ኣብ ኤርትራ ተስገዲዱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት እገዳታት 1907(2009)ን 2023(2011)ን ክለዓል
እዚ እኩይ ፖለቲካ ዘንቀሎ ዘይሕብርናን መሰለትናን ዝህብ መስርሕ ጸለመ መጋባእያ ሰብኣዊ መሰላት እከይ ተግባራቱ ደው ከብል
ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሓቀኛ ኩነታት ህዝብና ኣጉሊሑ ዘርእይን ንኤርትራ ፍትሓዊ ቃልሳን ዕማማት ህንጸት ሃገርን ዘላሊ
ኣቓልቦ ዓለም ንምስሓብ ዝዓለመን፡ ኤርትራዊ ኣህጉራዊ መኸተ (Eritrean Global Mekete) ፡ ምስ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ፡ ብምትሕብባር ዝወደቦ: “ጉዕዞ ብሽክለታ ንሓቂ ሰላምን ፍትሕን ንኤርትራ” (Cycling Tour for the Truth, Justice Peace and Eritrea) ብዝብል ቴማ ተዳልዩ ኣሎ ዓቢ ጐስጓስ ክግበር እዩ።
በዚ’ጋጣም’ዚ፡ ባይቶ ማ/ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያ ኒውዚላንድን፡ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ሸቱኡ ክወቅዕን፡ ንዓለም ድማ ሎሚ’ውን ከም ቀደምና ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ሰለም ከነብል ከምዘይኮንና ከነርድእን፡ ንሕና ኣብ ትሕቲ ጽላልባይቶ ማ/ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያን ኒዉዝላንድን እንርከብ፡
1. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኮፍስ-ሃርቦር — ኣውስትራልያ
2. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ብሪዝቤን — ኣውስትራልያ
3. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ቪክቶርያ — ኣውስትራልያ
4. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሲድኒ — ኣውስትራልያ
5. ስሙር ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ
6. ስሙር ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ
7. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ጎልድ-ኮስት — ኣውስትራልያ
8. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ወሊንግቶን — ኒውዚላንድ
9. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ክራይስት-ቸርች — ኒውዚላንድ
10. ማ/ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኦክላንድ — ኒውዚላንድ
ነቲ ጉዳይ ዕዉት ንምግባሩ ሓድነትና ብምትራር ደገፍና እናገለጽና ተሳትፎና ኩሉ ዝከኣል ኣበርክቶናን ሎሚ ከምቀድም ከምዘሎ ንገልጽ።
ዓወት ንሓፋሽ!!
ባይቶ ማ/ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያን ኒዉዝላንድን
መልበርን፡ ኣዉስትራልያ