መንእሰይ ንፖለቲካ ከመይ ይምልከቶ

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ብፖለቲካ ዝግደሱ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ልክዕ መረዳእታ ዘለዎም መንእሰያት እናውሓዱ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ብደረጃ ዓለም ዝበዝሑ መንእሰያት፡ ኣብ ፖለቲካ ክግደሱ ኣይደልዩን እዮም፡ ወይ ድማ እንተውሓደ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት ዘለዎም መሲሎም ክርኣዩ ኣይፈትዉን እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ብዙሓት ናይ’ዚ ግዜ’ዚ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘሎ ኣመለኻኽታ ኣሉታዊ፡ ብዛዕባ ጥቕሙ ኣብ ግላዊን ማሕበራዊን ህይወትን ግድነታዊ ኣድላይነቱን ዘሎ ኣፍልጦን መረዳእታን ትሑት ብምዃኑ እዩ። ፖለቲካ ማለት፡ ፍቕሪ ስልጣን፡ ስለዚ ድማ፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ንምጭባጥ፡ ኣሎ ዝበሃል ክፍኣት ምሕሳብ፡ ምትንዃል፡ ሓድሕድ ምትዕምማጽን ምጭኽኻንን፡ ብሓጺሩ ቅንዕና ዘይብሉ ስራሕ ገይሮም ዝርድእዎ ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምዚ ዓይነት መረዳእታ ዘለዎም ድማ፡ ብርግጽ ንፖለቲካ ክግደሰሉ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ሰብ ብባህርይኡ ሰላማዊ፡ ቅሱንን ርጉእን ህይወት ክመርሕ እዩ ዝመርጽ። ግን፡ እቲ ናይ ብሓቂ ፖለቲካ ከምኡ ድዩ? ዝኾነ ሰብ’ከ ካብ ፖለቲካ ናጻ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ብኣንጻር’ዚ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ’ዚ፡ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ’ቲ ደምበ ማሕበርነት ዝፈረሰሉ መወዳእታ 20 ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ መድረኽ፡ መንእሰያት ዓለምና፡ ኣውራ ድማ መንእሰያት ናይተን ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ዝነበራ ሃገራት፡ ብሰነሓሳብ ዴስነት፡ ብሓርነታዊ ቃልሲታትን፡ ኣበየ ከባቢኡ ብዝተፈጥሩ ለውጢን ምዕባለን ዝጠልቡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ኣመና ዝተጸልውሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ብልዑል ድሌትን ተወፋይነትን ዝዋስእሉ ዝነበሩ መድረኽ’ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ “ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ሓርነት!”ዝብላ ቃላት ዘየድምጽ፡ ብዛዕባ ወጽዓ ገባሮን ሸቃሎን ዘይዛረብ፡ ሜላታት ምዝመዛ ርእሰማላውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት ዘይትንትን፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዓለም ዘይከታተል መንእሰይ ከም መንእሰይ ይቑጸር ኣይነበረን። ፖለቲካዊ ጽሑፋት ዘየገላብጥ፡ ፖለቲካዊ ጥቕሲታት ዓበይቲ ፈላስፋታትን ኣስማት ውሩያት ተቓለስቲን ዘይፈልጥ መንእሰይ ዳርጋ ከም በሃም ዝውሰደሉ ግዜ እዩ ነይሩ።

ካብ ፍርቂ ዘመን ኣብ ዘይነውሕ ግዜ፡ እቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ክልተ ወለዶታት ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባን ተገዳስነትን ፍልልይ እምበኣር ዘገርም እዩ። ስለምንታይ ግን ከምኡ ክኸውን ክኢሉ? እቲ ቀዳማይ ረቛሒ፡ልዑል ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎ መንእሰይ፡ ንገበትቲ ሓይልታት ዓቢ ብድሆን ስግኣትን ምዃኑ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንቕሓት መንእሰያት ብምጉዳም፡ መንእሰያት ካብ ፖለቲካን ስነሓሳብን ኣግሊሎም፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወትን ስስዕቲን ጥራይ ከድህቡ፡ ብሰብ ፍሉይ ረብሓ ርእሰማላዊ ዓለም ደይ መደይ ኢልካ ሰፊሕ ባህላዊን ስነኣእምሮኣዊን ኲናት እዩ ተኻይድሉ። እቲ ዘመተ ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ውልቃውነት ከም መንፍዓት፡ ብዛዕባ ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ምሕሳብን ምግዳስን ከም ዕሽነት ገይሩ ዝርኢ ስንኩል ሓሳብ ኬስርጽ ዓሊሙ ዘንቀደ እዩ ነይሩ። ብመጠኑ እውን ተዓዊቱ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘመተ’ዚ ብዝፈጠሮ ነውጺ፡ እቲ ብተፈጥሮ ንመንእሰይ ዝተዓደለ በዳሂ ባህርይ ኣጥፊኦም፡ ኣብ ክንዲ ንብድሆታት ገጢምካ ምስዓር፡ ነብሶም ካብ ሃገራዊ ጉዳያትን ፖለቲካን ኣግሊሎም፡ ዝዓበይሉ መሬት፡ ስድራቤቶምን ህዝቦምን ራሕሪሖም፡ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ስደትን ጊላነትን ዝኾኑ መንእሰያት ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ምድሪ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ተጸበይቲ ትኳቦ (ዌልፌር) ኮይኖም እንርእዮም ዘለና መንእሰያት ግዳይ ናይዚ ዘመተ’ዚ እዮም። ካልኣይ ጠንቂ ምድኻም ተገዳስነት መንእሰያት ኣብ  ፖለቲካ፡ እቲ ንመንእሰያት ዝሓለፈ ዘመን ኣዝዩ ዝመሰጠ፡ ብግብሪ ድማ፡ ተወፍዮም ዝተቓለስሉን ክቡር ዋጋ ዝኸፈልሉ ማሕበርነታዊን ዴሳውን ዕላማታት፡ ዝጸንሐ ድሑር ኣተሓሳስባን ሃሜናዊ ኣመለኻኽታን ኣብ ምምሓው ዓቢ ዝላ እኳ እንተመዝገበ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ከመዝግብ ዘይምኽኣሉ ዝፈጠሮ ተስፋ ምቑራጽ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ መንጎ መንእሰያት ክልቲኡ ወለዶታት ዝተኸስተ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ድሕሪ ምርኣይ እምበኣር ናብቲ ኣቐድም ኣቢልና ዘልዓልናዮ ሕቶ ኢና እንምለስ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን’ዚ ኣድላይነት ፖለቲካ ኣብቂዑ ድዩ? ዝኾነ ሰብ፡ ዋላ ካብ ፖለቲካ ከግልል እንተመረጸ’ኸ፡ ብፖለቲካዊ ኵነታት ከባቢኡን ዓለምን ዘይጽሎ ህይወት ክህልዎ ይኽእል’ዶ?

ደጋጊምና ከምእስነምዖ፡ “ሰብ ማሕበራዊ ፍጡር’ዩ” ዝብል ልሙድ ኣገላልጻ ኣሎ። ብርግጽ ድማ፡ ሰብ ንበይኑ ተነጺሉ ክነብር ዝኽእል ፍጡር ኣይኮነን። ምስ ካልኦት ሰባት ከይተዋስአ፡ ከይተሻረኸ ወይ ዝኾነ ርክብ ከይገበረ ውልቃዊ ህይወቱ ጥራይ ዝመርሕ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን። ኣብ ክውን ህይወት፡ ውጹእ ውልቀሰብ ዝበሃል ፈጺሙ የለን። ካብ ወለዲ፡ ኣሕዋት፡ ስድራቤት፡ ኣዝማድ፡ ኮም. . .ወዘተ. ተፈልዩ ዝነብር ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ህይወቱ ማሕበራዊ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ኣገላልጻ’ዚ እውን ንባዕሉ ግጉይ መረዳእታ ከይህብ ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ። ሰብ ማሕበራዊ ፍጡር ይኹን’ምበር፡ ውልቃዊ ህይወት እውን ኣለዎ። እኳ ድኣ፡ ውልቃዊ ህይወቱ፡ ድሕነቱን ረብሓኡን ካብ ዝኾነ ካልእ ጉዳይ ንላዕሊ የገድሶ። ነዚ ብምዕዛብ ድማ እዩ፡ ጀርመናዊ ፈላስፋ ኣማኑኤል ካንት፡ ንሰብ “ዘይምሕቡር ማሕበራዊ ፍጡር” ክብል ዝገልጾ። ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ህይወት እናነበረ፡ ውልቃዊ ህይወቱ ዝያዳ ስለዘገድሶ። ብርግጽ ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ንጣዕሚ ውልቃዊ ህይወቱን ግላዊ ረብሓኡን’ዩ ዝቃለስ። እንተኾነ ግላዊ ረብሓኡን ድሌቱን ብተናጸል ክረዊ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ምስ ረብሓን ድሌትን ካልኦት ሰባት ግድን ክተኣሳሰርን ካሳነን ኣለዎ። እዚ ግላዊ ረብሓ ድማ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ውልቀሰባት ንሓድሕዶም ክተኣሳሰሩን ክተሓባበሩን ዝድርኽ። እዚ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ግላዊ ረብሓ ዝዓለመ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን፡ ሰረት ማሕበራዊ ህይወት እዩ። ነዚ ክልተ ዝገጻቱ ህይወት ብምዕዛብ፡ እቲ ውሩይ ፈላስፋ ኣሪስቶትል፡ ንሰብ “ፖለቲከኛ እንስሳ” ክብል’ዩ ገሊጽዎ። ነዚ ክልቲኡ ህይወት ከሳኒ ወዲሰብ ዘማዕበሎ ጥበብ ብቐንዱ ፖለቲካ ስለዝኾነ።

ማሕበራዊ ህይወት ካብኡ ንላዕሊ ኣዝዩ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ኣምር እዩ። ብምትሕብባር ውልቀሰባት ጥራይ ዝግለጽ ድማ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ህይወት፡ ብዘይካ ውልቃዊ ህይወት፡ ካልእ ዓይነት ህይወት እውን ኣሎ። ጉጅለኣዊ ህይወት። ኣብ ሓደ ጂኦግራፊያዊ ከባቢ ዝነበሩ፡ ብዘርኢ ይኹን ብባህሊን ካልእ ረቛሒታትን ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰረ ህይወት ዘለዎም፡ ተመሳሳሊ ድሌታትን ረብሓታትን ዝጠምሮም ጥርኑፋት ሰባት ኣለው። ጥርናፈ ናይ ሰባት፡ ካብ ጥንቲ ብስድራቤትን ማይቤትን ጀሚሩ ናብ ዓዲ፡ ቀቢላ፡ ብሄር እናሰፍሐ ብምምጻእ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሰባት ብደረጃ ሃገራት ተጠርኒፎም ዝነብርሉ ምዕባለ ተበጺሑ ይርከብ። እዚ ገዚፍ ጥርናፈታት’ዚ፡ ኣብ ውሽጡ ናይ ረብሓን ድሌታትን ፍልልያት ዘለዎ ብዙሕ ማሕበራዊ ቀጸላታት ዝሓቘፈ እዩ። ብዕድመ፡ ጾታ፡ ብደረጃ መነባብሮን ሃብቲን ዝፍጠር ደርብታት፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ቦታ፡ ስልጣን፡ ዓይነት ስራሕ፡ ዕድላት ህይወት ወዘተ. ዝፈላልዮም ብዙሓት ንኡሳን ማሕበራውያን ጉጅለታት ዘለውዎ ጥርናፈ እዩ። እዚ ፍልልያት’ዚ ድማ እዩ፡ ማሕበራዊ ጉጅለታት ብሓደ ወገን ናብ ሓባራዊ ረብሓን ዕብየትን እናጠመቱ፡ ከፊላዊ ረብሓታቶም ንምውሓስ ክቃልሱ ዝድርኽ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ኮም ወይ ሕብረተሰብ ወይ ድማ ሃገር፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት፡ ርኹባትን ዘይርኹባትን፡ ዕጉባትን ዘይዕጉባትን፡ ገባሮን መሳፍንትን፡ ሰራሕተኛታትን ሰብ ርእሰማልን ዘሎ ቀጻሊ ግርጭትን ስልጣን ንምቁጽጻር ዝካየድ ውድድራትን፡ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ህይወት፡ ግላዊን ጉጅለኣዊን ረብሓ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘየዕርፍ ቃልሲን ክውንነት ሕብረተሰብን እዩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ኮይኑ፡ካብኡ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ምስ እንሰግር፡ ብደረጃ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን እውን ፍልልይ ድሌታትን ረብሓታትካ ናይ ምርግጋጽ ቀጻሊ ቃልሲን ግርጭታትን ኣሎ። ዘመናዊት ዓለምና፡ ዝተፈላለየ ዓቕሚን ብቕዓትን ብዘለወን ሃገራት ዝቘመት እያ። ዓበይቲን ንኣሽቱን፡ ሃብታማትን ድኻታትን፡ ምዕቡላትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን፡ ሓያላትን ድኹማትን ሃገራት ወዘተ. ኩለን ሃገራት ድማ፡ ረብሓታተን፡ ጸገማተንን ጥሙሓተንን ዘንጸባርቕ ፍልልያትን ግርጭታትን ኣለወን። ብዓለም ደረጃ ነዚ ክውንነት’ዚ ዜመሓድር እውን ፖለቲካ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ብቐጻሊ ከጋጥም እንርእዮ ግጭታት፡ ኩናትን ወራርን ድማ እዚ ፍልልያትን ግርጭታትን’ዚ ብፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊን ጥበብ ክፍታሕ ኣብ ዘይክኣለሉ እዋን ዘጋጥም እዩ። መራሒ ቻይና ነበር ማኦ ሴ-ቱንግ “ኲናት መቐጸልታ ናይ ፖለቲካ’ዩ” ኢሉ ክገልጾ እንከሎ ነዚ ንምምልካት እዩ።

ካብዚ ከም እንርድኦ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ውልቃዊን ጉጅለኣዊን ረብሓታት ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ክህሉ እንከሎ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ሃገራዊ ረብሓ ናይ ምውሓስ ቀጻሊ ቃልሲ ኣሎ። ስለምንታይ’ዩ ግን ወዲሰብ ብዘይ ቃልሲ ክነብር ዘይክእል? ስለምንታይ ተሓባቢሩ ሰላማዊን ቅሱንን ህይወት ንምምራሕ ዘይሓስብ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። እዚ ናብቲ ጀርመናዊ ፈላስፋ ኣማኑኤል ካንት ዝገልጾ ሓቂ እዩ ዝወስደና። “ሰብ ዘይምሕቡር ማሕበራዊ ፍጡር እዩ”። ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ህይወት፡ ብግሊ፡ ብጉጅለን ብደረጃ ሃገርን ዝያዳ ክረብሕ፡ ዝያዳ ክግበት እዩ ዝደሊ። ከምዝፍለጥ፡ ሰብ ህይወቱ ክመርሕን ከማዕብልን ዘድልይዎ ባህርያዊ ጸጋታት ኣለው። እዞም ጸጋታት እዚኣቶም ድማ ውሱናት እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሕብረተሰብ ነዞም ባህርያዊ ጸጋታት ከም ጥረ ነገር ብምጥቃም፡ ብኣእምሮን ጉልበትን ሰባት ዝፈሪ ቁጠባዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ጸጋታት ኣሎ። እዚ ጸጋታት’ዚ እውን ንባዕሉ ውሱንን ድሩትን እዩ። ስለዚ፡ ሰብ ኣብ ውሽጢ ድሩት ጸጋታት እዩ ህይወቱ ዝመርሕ። ኩሉ ሰብ ከም ቃሕታኡ ድሌታቱ ከርዊ ዝኽእል ኣይኮነን። ክንዲ ዝኾነ ሰብ ህይወቱ ኣብ ትሕቲ’ዚ ክቕይሮ ዘይክእል ውሁብ ኵነት ክሰርዖ ይግደድ። ቀንዲ ሸቶ ናይቲ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት፡ ማሕበራዊ ጉጅለታት፡ ሃገራት ዝካየድ ውድድርን ቃልሲን እምበኣር፡ ነዚ ድሩት ጸጋታት ንምቁጽጻር’ዩ።

የግዳስ ወዲሰብ ገባቲ ባህርያት ይሃልዎ እምበር፡ ዘመዛዝን ኣእምሮ እውን ኣለዎ። ማሕበራዊ ህይወት እንተዘየሎ፡ ግላዊ ህይወት ከምዘይህልዎ ይፈልጥ እዩ። ግላዊ ህይወት እንተዘየሎ፡ ጉጅለኣዊን ሃገራዊን ረብሓታት ከምዘይህሉ ኣጸቢቑ ይርዳእ እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ጸጋታት ናይ ምቁጽጻርን ረብሓታት ናይ ምውሓስን ውድድርን ቃልሲን ብጥበብ ክሕዞ ዝመርጽ። እዚ ቃልሲ’ዚ፡ ብጥበብ እንተዘይትሓዝ፡ ወዲሰብ ቀደም ጸኒቱ ምሃለወ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ረብሓኡ ንምውሓስ ንኻልእ ዝዕምጽ ወይ ዝቐትል እንተኾይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ጉጅለ ኣንጻር ካልእ ማሕበራዊ ጉጅለ ብቐጻሊ ዝጋጮ እንተኾይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ወይ ኮም ኣንጻር ካልእ ዓዲ ወይ ኮም፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣንጻር ካልእ ሃገር፡ ኣብ ቀጻሊ ኲናት ተጸሚዱ ዘሕልፎ እንተዝነብር፡ ሰብ ከም ፍጡር ክሰርር ኣይምኸኣለን። እንተኾነ ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኹ እናተመኰረን ነዚ ዓቢ ግድል’ዚ እናፈተሐን፡ ነዚ ግድል’ዚ ዝፈትሓሉ ጥበብ እንተባላሓተን እናማዕብለን ስለዝመጸ፡ ነቲ ኣብ መንጎኡ ዘሎ ውድድርን ቃልሲን ብመጠኑ ስርዓት ከትሕዞ በቒዑ እዩ።

ስርዓት ከትሕዞ ሳላ ዝኸኣለ ድማ፡ ኣብ ዓለም ከም ፍጡር ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ክኢሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ክበጽሕ ክኢሉ ኣሎ። ነዚ ጥበብ ወይ ፍልጠት’ዚ ድማ ኢና፡ “ፖለቲካ” ኢልና እንጽውዖ። ፖለቲካ እምበኣር፡ ውልቀሰባት፡ ማሕበራዊ ጉጅለታትን ሃገራትን፡ ፍልልያቶምን ግርጭታቶምን ብፍሉጥ ስርዓተ ምምሕዳር እናፈትሑ ተሳንዩ ዝኸደሉ ኵነት ዝፈጥርሉ፡ ረብሓታቶም ድሌታቶምን ንምድንፋዕ ኣብ ዘካየድዎ ነዊሕ ጻዕሪን ቃልሲን ዝማዕበለ ኣዝዩ ረቂቕ ጥበብ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ መሰረት ማሕበራዊ ህይወት እዩ። ብዘይ ፖለቲካ ክቐውም ዝኽእል ሰባዊ ጥርናፈ ስለዘየሎ ከኣ፡ ኣድላይነቱን ኣገዳስነቱን ኣዝዩ ወሳኒን ንነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ዝጸሉን እዩ።

ይኹን’ምበር፡ ፖለቲካ ኣብ ግብራዊ ህይወት ብኽልተ መገዲ ክትርጐምን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ብዙሕ ግዜን ብተደጋጋሚን ተራእዩ እዩ። ፓለቲካ ከም መረጋገጺ ጸቢብ ረብሓታት፡ መኻዕበቲ ሃብቲ ውሑዳት፡ መጽቀጢን መከፋፈሊን መናቘትን ህዝብታት፡ መወረሪ፡ መመዝመዚን መግዝኢን ህዝብታት ከገልግል ተራእዩ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ፖለቲካ፡ ሰባት ተሓባቢሮም፡ ጥዑይ፡ ሰላማዊን ሕጋዊን ስርዓተ-ምንብባር ፈጢሮም፡ ሓያል መንግስቲን ስልጣንን ኣቚሞም፡ ፍልልያቶምን ግርጭታቶምን ብሕጋዊን ትካላዊን ኣገባባት፡ ብዘተን ምርድዳእን እናፈትሑ፡ ዓበይቲ ነገራት ክፍጽሙ ዘርኣየ ጥበብ እዩ። ፖለቲካ እምበኣር፡ እዚ ክልተ ተገራጫዊ ባህርያትን ኣሉታዊን ኣዎንታዊን ጠባያትን ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ድማ ካብ ጽልዋ ናይዞም ክልተ ዓይነት ፖለቲካ ናጻ ክኸውን ኣይክእልን። ስለዚ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ፖለቲካ ኣብ እንዛረበሉ፡ ነዚ ክልተ ዓይነት ፖለቲካን መሰረታዊ ፍልልያቱን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ።

ዛዕባና ብቐንዱ ናብቲ ፖለቲካ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሃናጺ ተራ፡ ፖለቲካ ንህዝቢን ሃገርን ዝህቦ ጥቕሚ ዝቐንዐ እዩ። ብኣዎንታዊ ሸነኹ ክንርእዮ እንከለና፡ ፖለቲካ ንሓደ ህዝቢን ሕብረተሰብን ዝህቦ ጥቕሚታት እምብዛ ብዙሕ እዩ። ኣቐዲምና፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ዘሎ ምትሕብባር መሰረት ማሕበራዊ ህይወት ኮይኑ፡ ምስ ግዜ እናሰፍሐ ምንጪ ሓይሊ፡ ምዕባለን ስልጣነን ክኸውን ከምዝኸኣለ ርኢና። ነዚ ምትሕብባር’ዚን ንሱ ዝፈጠሮ ስልጣነን ዝመርሐ ጥበብ ብመሰረቱ ፖለቲካ እዩ። ስለዚ ፖለቲካ ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ጀሚሩ፡ እናሰፍሐ ብምኻድ፡ ንሚልዮናት ህዝብታት ኣተሓባቢሩን ወዲቡን ከነባብር ዝኸኣለ ጥበብ እዩ። ውዳበ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዕላማኡ ንምብጻሕ ዝቕልስ መሳርሒ ድማ ስልጣን እዩ።

ስልጣን ከመይ ኢሉ ይቐውም ዝውስን ጥበብ እውን ፖለቲካ እዩ። ስልጣን ቀንዲ ቀላሲ ዝተወደበ ህይወት ስለዝኾነ ኣገዳስነቱ ኣብ ሕብረተሰብ መሰረታዊ እዩ። ስልጣን ግን ብቐሊሉ ዝዕመጽን ዝግሃስን ብምዃኑ፡ ማዕረ ተራኡን ኣገዳስነቱን ተነቃፍነቱ እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ስልጣን ናብ ጸቢብ ዕላማታት ምስ ዝቐንዕ፡ ዘኸትሎ ዕንወት ቀሊል ስለዘይኮነ ተኣፋፍን ሓደገኛን እዩ። ስለዚ ብግቡእ ናይ ምምሕዳሩ ጥበብ ወሳኒ እዩ። ስልጣን ናብ ቅኑዕ ዕላማታት ከምዝቐንዕ ዝገብር ጥበብ ከኣ፡ ካልእ ዘይኮነ ፖለቲካ እዩ። ስልጡን ባህሊን ትካላትን ብምምዕባል፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ከረጋግጽ ዝኸኣለ ፖለቲካ፡ ኣብ መወዳእታ ድልዱል ስልጣን ብምምስራት፡ ረብሓ ሕብረተሰብ ከደንፍዕ ከምዝኽእል ተሞኩሮ ዓለምና ብግብሪ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ፖለቲካ ከም ጥበብ ምትሕብባርን ምምሕዳር ስልጣንን መረጋገጺ ሱታፌ ህዝቢን ብልክዕ ክስርሓሉ እንከሎ እምበኣር፡ ሓባራዊ ራእይ ኣብ ምምዕባል ዘለዎ ግደ ወሳኒ እዩ። ሓባራዊ ራእይ ድማ ደራኺ ለውጢን ምዕባለን እዩ። ብዘይካ’ዚ ፖለቲካ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ሓባራዊ ረብሓን ሽርክነትን ብምፍጣር፡ ንምዕባለ’ቲ ዝውክሎ ህዝቢ ዓቢ ረብሓ ከረጋግጸሉ ዝኽእል እዩ። ኩሉ’ዚ ረብሓታት’ዚ ድማ ኣብ መወዳእታ መኽሰቡ ንመላእ ሕብረተሰብ ኮይኑ፡ ዘይሩ ዘይሩ ግላዊ ረብሓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምውሓስን ምዕባይን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ኩሉ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ሰላምን ድሕነትን፡ ውሑስ መነባብሮ ሃልይዎ፡ ብመግቢን መዕቈቢን ስራሕን ከይተሰከፈ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ዝነብረሉ ህይወት ክረክብ ወትሩ ምስተመነየን ምስ ጸዓረን እዩ። እዚ፡ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባት ዘሎ ኣድማሳዊ ባህጊ ኮይኑ፡ ብኸመይ ክረጋገጽ ይኽእል ዝብል ሕቶ፡ ንሓንጎል ደቂሰብን ፈላስፋታቱን ወትሩ እናበድሀ በብዓይነቱ ስነ-ሓሳባትን ፖለቲካዊ ፍልስፍናታትን ከመንጩ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ቃልሲ ድማ ዘቋርጽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉዕዞ ወዲሰብ ወትሩ ጉዕዞ ምምሕያሽ እዩ።

ዓይነትን ደረጃን ህይወት ናይ ምምሕያሽ ቃልሲ ድማ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት እዩ። ስለዚ ድማ ሰብ ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ ህይወት ክህልዎ ኣይክእልን። ናጻ ክኸውን እንተበለ እውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ክሳብ ዝሃለወ በቲ ዝነብረሉ ፖለቲካዊ ኵነታት ክጽሎ ግድን’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካ ብንጥፈት እናተዋስአ፡ ኣብ ጉዕዞ ምምሕያሽ ናቱ ኣበርክቶ ክገብር ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ሓደ ካብ ውሩያት ፈላስፋታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን ዓለምና ዝኾነ “ኣላይን”፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ፖለቲካ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል። “ንፖለቲካ ብዕምቈት ክንሓስበሉን ክንግደሰሉን ዘለና እዩ። እንተዘይኮይኑ፡ ብጭካነ ክንቅጻዕ ኢና።” ሓደ ካልእ ዴኒስ ዝተባህለ ፖለቲከኛ እውን “ዓለም ናይ ውድድር መድረኽ’ያ፡ ኣብዚ ጉያ’ዚ ዘልሓጥ ንዝበለ ድማ፡ ከም ተኹላ እያ ትግልበጦ” ክብል ኣብ ፖለቲካ ስንፍና ክርአ ከምዘይብሉን፡ ኣብ ጉያ ምምሕያሽ ድሕሪት ምትራፍ ሳዕቤኑ ከቢድ ምዃኑ የንተብህ።

ኣብ ተሞኩሮ ከምዝርኣናዮ፡ እቲ ኣብ ፖለቲካ ዝነፍዐ፡ ዝበለጸ ስነ-ሓሳብ ወይ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ብምምንጫው ምዕቡል ትካላት ሰሪዑ፡ ድልዱል ሃገራዊ ሓድነትን ስኒት ክፈጥር ዝበቕዐ ሕብረተሰብ፡ ምዕባለ ከረጋግጽ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ምንጪ ናይቲ ወዲ ሰብ ክሳብ ሕጂ ዝሰርሖን ዝበጽሖን ምዕባለ፡ ብቐንዱ ሓንጎል ከመንጭዎን ኣብ ሓድሕዱ ከስርጾን ዝኸኣለ ሓሳባት እዩ። ንባህርያዊ መልክዕ ዓለምና ገዲፍካ፡ ካልእ ኩሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ ልዕልን-ትሕትን ቅርጺታት ውጽኢት ሓሳብ ወዲ ሰብ እዩ። ብሓጺሩ ሰብ ብሓይሊ ሓሳባት እዩ ዝምራሕን ዝነብርን። ከከም መጠን ዘማዕበሎን ዘስረጾን ስነ-ሓሳብን ፖለቲካዊ ፍልስፍናን ከኣ ቅልጣፈ ጉዕዞኡን ውጽኢታቱን ይፈላለ።

ብኣንጻሩ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሓደ ስነ- ሓሳብ ዝተጠምረ ትእምርቲታትን ክብርታትን፡ ንዕላማኡ ዝገልጽን ንረብሓታቱ ዘገልግልን፡ መሪሕ ኮይኑ ዘማእዝኖ ንጹር ፖለቲካዊ ራእይን ሓሳብን እንተዘይብሉ፡ ህላወኡን ቀጻልነቱን ብብቕዓት ከረጋግጽን ብርግኣት ክምርሽን ኣይክእልን እዩ። ንጹርን ውዱብን ስነሓሳብ ዘየማዕበለ ሃገር ወይ ሕብረተሰብ፡ ካበይ ከምዝመጸ፡ ኣበይ ከምዘሎ፡ ናበይ ኪኸይድ ከምዝደሊ ስለዘይፈልጥ፡ ከም ሓንቲ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ብማዕበል እትግፋዕ፡ ካርታን ቡሰላን መራሒን ዘይብላ፡ ማርሳኣን መዓርፎኣን ዘይትፈልጥ፡ ውዒላ ሓዲራ ኸኣ እተብታተንን እትሃጥምን መርከብ ክምሰል ይከኣል።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ናብቲ እንምነዮ፡ ቀዳሞት ወለዶታትን ንሕና ባዕልናን ረዚን ዋጋ ዝኸፈልናሉ ዕላማ ንምብጻሕ፡ መሪሕ ኮይኑ ዘገልግልና ስነሓሳብን ፖለቲካዊ ፍልስፍናን ክንፈልጥን ብዕምቈት ክንርድኦን ሓላፍነትና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ፖለቲካ ልዑል ተገዳስነት ክህልወና የድሊ። ብዘይ ብእኡ ኣብ መወዳእታ ክንዕወት ስለዘይንኽእል። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር “ክልሰሓሳብ ኣብ ሓፋሽ ምስዝሰርጽ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ይቕየር” ዝብል መትከል ሒዙ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢን ተጋደልቲን ክብ ንምባል ብቐጻሊ ዘካይዶ ዝነበረ ኣስተምህሮን ጎስጓስን፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጥሙር ባህግን ዕላማን ኣጽሊሉ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ንኽሰርሕን ክዕወትን ኣኽኢልዎ እዩ። ናጽነት ከኣ፡ ብቐንዱ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘማዕበሎን ኣብ ውሽጡ ዘስረጾን ሃገራዊ ስነሓሳብን ፖለቲካን እዩ።

ዕላማ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ናጽነት በጺሑ ደው ዝብል ኣይኮነን። ምርግጋጽ ናጽነት ሓደ ምዕራፍ ካብ ዕላማ ህዝብና ጥራይ እዩ ነይሩ። ከም ህዝቢን ሃገርን ናይ መወዳእታ ዕላማናን ራእይና፡ ምሉእ ሰላም፡ ፍትሒን ራህዋን ዝሰፈና ሕፍርቲን ንዜጋታታ ክብረት እተጓናጽፍን ሓያልን ስልጥንትን ሃገር ምፍጣር እዩ። ነዚ ብኸመይ ከነረጋግጾ ከምእንኽእል ዝሕብረና መርሓ ድማ ካብ ተሞኩሮናን ክውንነትናን ዝመንጨወ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝእምነ-ኩርናዑ ንጹር ስነ-ሓሳብ ኣለና። እዚ ስነሓሳብ’ዚ ዝዕወትን ጭቡጥ ፍረ ዘምጽእን ግን፡ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ኣውራ ድማ ኣብ ኣእምሮ መንእሰይ ወለዶ ምስዝሰርጽ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፡ ዕላማ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ሕድሪን ሓላፍነትን ዝተሰከመ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ፡ ከምቶም ቀዳሞት ልዑል ፖለቲካዊ ንቕሓት ሃልይዎ፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ብንጥፈት ክዋሳእን ክሳተፍን ዘድልዮ።