Category: ትግርኛ

ሓተታ: ሓምለ 9 – ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ

ድሕሪ 20 ዓመታት ኲነት ውግእን ተጻብኦን፡ መራሕቲ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ታሪኻዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ትማሊ 9 ሓምለ ሰለስተ ዓመቱ መሊኡ። ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ፡ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ነጥቢታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጽኢን! ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ! እንቋዕ ንመበል 30 ዕለተ-ናጽነት ኣብጽሓና! ዮሃና! ንወደብቲ’ዚ ጽምብል ከኣ፤ ልዑል ምስጋና! ርዝነትን መኣዛን፡ እዛ ዕዝዝቲ ዕለት፤ ዓመት-ዓመት እናዛየደ ምኻዱ፤ ኪኖ ባህታን ሓበንን፤ ብዙሓት ሓቂታት ዝቕስቅስን...

ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲፫(2021) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽተ ቡራኬ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚአብሔርን ኣብ ምክልኻል ሃገረን ምክልኻል ሕማማ ኮርና ተዋፊርኩም ዘለኹም  ኣባላት ሠራዊትን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ማየ ጸሎታትን ሆስፒታላትን እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሡራትን...

ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናበይ?

ዝሑል ኲናትን ስምብራታቱን ከም ድሕረ-ባይታ ኣቐሚጥካ፣ ኣብቂዑ ካብ ዝተባህለሉ ሰዓት፡ ኣብዘን ኣስታት 30 ዓመታት፣ ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዝነበረ ዓቢ ትስፉው ዕድላት ዘይሃስስ ዝኽሪታት’ዩ። ነቲ ዕድላት ናብ ዘላቒ ርግኣትን ልምዓትን ንምድራኽ፣ ሃገራትን ህዝቢታትን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣበጊሶሞ ዝነበሩ፣...

ብምኽኒያት ምጅማር ክቡር ወርሒ ረመዳን 1442 ሂ. (2021) : መግለጺ ቤ/ጽ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ

መግለጺ ቤ/ጽ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ ብምኽኒያት ምጅማር ክቡር ወርሒ ረመዳን 1442 ሂ. (2021)   ክቡራንን ክቡራትን፡ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ምጅማር ክቡር ወርሒ ረመዳን ነቕርበልኩም ፦ 1ይ  ሕማም ለበዳ ኮረና ንምክልኻል ዝምልከቶ ኣካል ዘውጽኦ  መምርሒ ገና ቀጻሊ ...

ሓተታ : ሚዛን ሕብረት ኤውሮጳ ዘፍኰሰ ውሳነ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 መጋቢት 2021፡ ንኤርትራ ዝምልከት ዘይርትዓዊ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ታሕሳስ 2020 ውሳነታቱ መሰረት ብምግባር ኣሕሊፉዎ ዘሎ ቁጽሪ 2021/481 ዝተሰምየ ናይ እገዳ ስጉምቲ፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንካልኦት ሃገራት እውን ዒላማ...

ቀ/ሚ ፈ.ደ. ሪ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ሎሚ ድሕሪ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ

ቀ/ሚ ፈ.ደ. ሪ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ፡ ናይ 2 መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ 4፡15 ድሕሪ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኣቢ ኣሕመድን፡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ምዕባለታትን ክዝትዩ’ዮም። ሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር...

ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ዓመታዊ ኣኼባ ብማንዛ ኣካይደን

ሃማደኤ ጨንፈር ስዊዘርላንድ ዓመታዊ ኣኼባ ብማንዛ ትማሊ ዕለት 21/03/2021 ኣካይደን ፡፡ ንጥፈታተን ብምግምጋም፡ መድረኻዊ ተልእኾ ንምስማር ዝሕግዝ ውጥን ስራሕ ሓንጺጾን ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣቶ ኣደም ዑስማን፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባናን፣ ገስጋስ...

ሓተታ :¬ መጋቢት፡ ወርሒ ዓበይቲ ግጥማት

ሓተታ (ሓርነት ናቕፋ፡ ምድምሳስ እዚታት “ውቃው”ን “ናደው”ን፡ ግጥም እግሪ መኸል) መጋቢት፡ ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘካየዶ ሓርነታዊ ኲናት 30 ዓመት፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ድሕሪ ናጽነት – ልዑላውነቱ ንምቕልባስ ዝተሃቀነ ዳግማይ ድፍረት፡ ደሚቑ ዝዝከር ወተሃደራዊ ዓወታት...

ንገዚፍ ስራሕ እንብገሰሉ መድረኽ

ካብ ሰሚናር ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ “ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት፡ ናይ ብሓቂ፡ ናብ’ቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ተኾሊፉ ዝጸንሐ ባህጊ ክንምለስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ’ውን ንወለዶታት ዝኸይድ ለውጢ ከነምጽእ ተስፋ ዝህብ እዩ። “እዚ ተኸሲቱ ዘሎ...