4ይ ዙር ስልጠና ፖለቲካዊ ትምህርቲ ውዳቤታት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ከተማ ጀነቫ – ስዊዘርላንድ ተኻዪዱ

YPFDJ4ይ ዙር ስልጠና ፖለቲካዊ ትምህርቲ ውዳቤታት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ፡ “ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ 12 ክሳብ 17 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ – ስዊዘርላንድ ተኻዪዱ።

ኣብ’ዚ ንሰሙን መመላእታ ዝቕጸለ ስልጠና ካድራት፡ ካብ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ሆላንድ፡ ፈረንሳን ኖርወይን ዝመጹ 52 ሰልጠንቲ ተሳቲፎም።

እቲ ስልጠና፡ ኣብ ህሉው ሃገራዊ ኩነታትን መጻኢ መደባትን፡ ከምኡ’ውን ቀዳምነታት ንኣትዎ ዘሎና መድረኽ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝካየድ መድረኻዊ ህዝባዊ ዕማማት ንምድልዳልን ውዳቤታት ህዝቢ ንምሕያልን ዝዓለመ’ዩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ንህሉው ሃገራዊ ኩነታት፡ መጻኢ መደባት ልምዓትን ምሕያል ፖለቲካዊ ስራሕ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝምልከት፡ ብቪድዮ ዝተቐርጸ ኣስተምህሮ ክህብ እንከሎ፣ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት፡ “ቁጠባዊ ራእዪን ፖሊሲታትን መንግስቲ ኤርትራን መጻኢ ቁጠባዊ ወፍርን” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ድማ፡ “ፖሊሲታትን ዕላማታትን ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝቀያየር ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት” ኣመልኪቶም፡ ብማንዛዊ ኣገባብ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመጹ ሓለፍቲ ሚሽናትን ህዝባውን ኮማውን ጉዳያትን’ውን ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ትምህርቲ ኣቕሪቦም።

4ይ ዙር ስልጠና ካድራት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኤውሮጳ፡ ስነ-ሓሳባውን ውዱዕን ኩነታት ሃገር፣ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ሰላም ተኸሲቱ ዘሎ ዕድላትን ከጋጥም ዝኽእል ብደሆታትን፣ ከምኡ’ውን ብቕዓት ተሳተፍቲ ኣብ ውድባውን ህዝባውን ስራሓት፡ ብሓፈሻ ድማ ኩሉመዳያዊ ዓቕሚ ተሳተፍቲ ንምዕባይ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዘጠቓለለ ኒሩ።